Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መልሲ ንሓተትትን ወሃብቲ ርእይቶን እሩም ቋንቋ ትግርኛ 7ይ ክፋል፥

መልሲ ንሓተትትን ወሃብቲ ርእይቶን እሩም ቋንቋ ትግርኛ 7ይ ክፋል፥   ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ነበብቲ፡ ብመጀመርያ ሰላምታይ ብምቕዳም፡ ንሎሚውን ከምቲ ልሙድ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፈይ ዘቕረብኩሙለይ ሕቶታትን ርእይቶታትን ንኽምልስ፡ በዛ ቀጺላ እትቐርብ ኣገዳሲት መልእኽቲ ሓውና ጸሃየ ኣቢለ ክሓልፍ ፍቐዱለይ?   “There

መልሲ ንሓተትትን ወሃብቲ ርእይቶን እሩም ቋንቋ ትግርኛ 7ይ ክፋል፥
 
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ነበብቲ፡ ብመጀመርያ ሰላምታይ ብምቕዳም፡ ንሎሚውን ከምቲ ልሙድ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፈይ ዘቕረብኩሙለይ ሕቶታትን ርእይቶታትን ንኽምልስ፡ በዛ ቀጺላ እትቐርብ ኣገዳሲት መልእኽቲ ሓውና ጸሃየ ኣቢለ ክሓልፍ ፍቐዱለይ?
 
“There is no doubt that language is not just a communication tool. It is more than that. Language is an identity. Language is the hard drive or the store of a society’s custom and culture. “If someone loses his language, half of the person’s body/soul is dead,” said an Indian Canadian while discussing about the importance of keeping one’s own language. History also teaches us that language was often used to destroy the identity of other societies. It is amazing that there are some Eritreans who think language is nothing but a communication tool. Nothing is more idiotic than this line of thinking.”  
 
“ኣብ ትግርኛ ወላ ኣነ ጽቡቕ ምልከት ትግርኛ ኣሎኒ ዝብል ሰብውን ብዙሕ ዝሓልፎ ጌጋታት ከም ዘሎ ኣብዚ ናይ ሕጂ ጽሑፍካ ተዓዚበ። ስለምንታይ እንተ በልካ፡ ብዙሕ ግዜ ኣብዞም ከም ከምኡውን . . ዝኣመሰሉ ፊደላት ወይ ብኣታቶም ኣብ ዝቘሙ ቃላት ልሙድ ጌጋታት ክትገብር ኣስተውዒለልካ ኣለኹ። ንኣብነት ጐደሎ ኢልካምበር ጎደሎ ኢልካ ኣይጸሓፍንዩ። ከምኡውንጐልጎልምበር ጎልጎል ወይ ቈልዓምበር ቆልዓ ኢልካ ወዘተ ኣይጸሓፍን እዩ። እዚ ብዙሓት ሰባት ዝገብሩዎ ልሙድ ጌጋ እዩ። ዜርካ ዜርካ ግን ናብቲ ቋንቋ ትግርኛ ስታንዳርድ ስለ ዘይሓዘ ናብ ዝብል ዘረባ ኢናክንኣቱ። ካልእ እንተ ተረፈ ብውሑዱ ንልሙድ ጌጋታት ትግርኛ ዝሕብር ብገለ ግዱሳት ምሁራት ሓደ ማንዋል ወይ መወከሲ እንተ ዝጸሓፍ ኣዝዩ ጠቓሚ ምኾነ ነይሩ እብል። ካብኡ በለ ሰላም ቅነ እናበልኩእሰናበተካ። ሰሰናዩ ንኹላትና።” ዝበለ ሓው እስቲፋኖስ ተመልሶ’ዩ።
 
ዝኸበርካ ሓው እስቲፋኖስ፡ ምጉትካ ቅኑዕ’ዩ። ዕላማ’ዚ ብቐጻሊ ዘቕርቦ ዘለኹ፡ ንቋንቋና ዚምልከት ጽሑፍውን ንሱ’ዩ። ማለት፡ ከምቲ ዝበልካዮ ‘ኣነ ብጹእ ናይ ትግርኛ ኪኢላ’የ’ ዚብል ሰብ ስለ ዘይብልና፡ ብግብሪውን ኣብ ዝኾነ ሕብረተሰብ ስለ ዘየለ፡ ንሓድሕድና ተመላሊእና፡ ነቲ ሰብ ዘይኮነስ ነቲ ቋንቋ ምሉእ ወይ ብጹእ ንምግባሩ’ዩ እቲ ጻዕሪ። እዞም ዘቕረብካዮም ሓሙሽተ ዝኾኑ ብማንታ ፊደል ዝድመጹ ሆሄያት ትግርኛውን ብርግጽ ክንጥቀመሎም ከለና ምድንጋራት ይፈጥሩልና’ዮም። ኣነውን ከም ሰበይ ብግቡእ ኣብ ምጥቃሞም ጸገም ኣሎኒ። ብዝተኻእለ መጠን ግን ከስተባህለሎም ይፍትን’የ፤ እቲ ልምዲ ስለ ዚስዕር ግን ጉድለታት ይፍጽም ማለት’ዩ። በዚ ምኽንያትኸኣ ንኣኻን ንኹሎም ነበብትን ይቕሬታ እሓትት? ብቐጻሊ ምስትውዓልን ምልምማድን ግን ኣብ ግቡእ ቦታኦም እናኣእተና ክንጥቀመሎም ስለ ንኽእል ብዙሕ ሽግር ዘሎዎ ኮይኑ ኣይስመዓንን።
 
“ካልእ እንተ ተረፈ ብውሑዱ ንልሙድ ጌጋታት ትግርኛ ዝሕብር ብገለ ግዱሳት ምሁራት ሓደ ማንዋል ወይ መወከሲ እንተ ዝጸሓፍ ኣዝዩ ጠቓሚ ምኾነ ነይሩ እብል።” ዝበልካያ ሕጥበ ጽሑፍ ግን ሓው እስቲፋኖስ ሕቶ ኣላትኒ።  መን’ዮም እቶም ሕጊ ክነድፉልና እንጽበዮም ዘለና ምሁራት? ናይ ቋንቋና ምሁራትዶ ዋላስ ናይ ካልእ ቋንቋ ምሁራት’ዮም? ዋላ ደኣ ብዝግባእ ሰፊሑ ኩሉ ከም ዝጥቀመሉን ከም ዝግልገለሉን ኮይኑ ኣይቕረብ’ምበር እቶም ክኢላታት ናይ ቋንቋ ዝብሃሉ ሰባት’ኮ፡ ኣብ 2005 ዓመተ ምህረት፡ ኣብ ኣስመራ፡ ኣዳራሽ ሃገር መድያ ተኣኪቦም፡ ዘጽደቑዎ “ምዕሩይ ትግርኛ መራኸቢ ብዙሓን፡ ብሚኒስትሪ ዜና፡” ዘርእስቱ መጽሓፍ’ኮ መወከሲ ኣሎና። ንዕኡ ከነስፍሕን ብእኡ ክንምራሕን’ኮ ንኽእል ኢና። እቲ ቀንዲ ወሳኒ ግን ተገዳስነትን ጻዕርን ናይ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ’ዩ! ኩልና አእጃምና እንተ ጌርና፡ ንኹሉ ጸሚቚካ ብምንጽጻር፡ ነዚ ትብሎ ዘለኻ መወከሲ መጽሓፍ ምድላው ይከኣል’ዩ። ስለዚ፡ ነንፈልጦ ንሓፋሽ ምክፋል ጥራይ ኣይንሕመቕ! የቐንየለይ። ዚቕጽል ወሃብ ርእይቶ ኸኣ ሓው ተወልደመድህን’ዩ።
 
“ናተይ ቀንዲ ርእይቶይ ኣብ ናትካ ኣገባብዩ። ኣብዚ ክትርደኦ ዘሎካ ኣፍልጦ የብልካን ኣይኮነን ዝብል ዘለኹ፡ እቲ ትህቦ ዘሎኻ ቃላት ይኹን ኣጸሃሕፋ ብናትካ መጽናዕትን ትግሃትን ዝበጻሕካዮ ኢዩ። ነቲትብሎ ዘሎኻ ዚቃወሙውን ክህልዉዮም። ስለዚ ኣብ ክንዲ ከምዚ ዝጸሓፍ ኢልካ፡ ኣቐምጥ ተብሎ። ነቲ ኣብ ካልእ ዝረከብካዮ ምስ ኣብነቱ ኣናጠቐስካ ተቅርቦ። ነቲ ባዕልካ ኣጽኒዕካ ዝበጻሕካዮ ከኣ፡ከምሚዛነይ ከም ግምተይ ኢልካ እንተተንብሮ ምሃሸ። ከምዚ ዝባሀል ምባል ግን ዝፍቶ ኣይኮነን።
እቲ ምኽንያት፡ ንሕና ክሳብ ሎሚ ቋንቋና ክነመሃይሸሉ ንኽእል ኦድል ኣይረኽብናን።ኣብዘን ናይ 23 ዓመታትውን ቋንቋ ትግርኛ መሰረት ክንበረሉ፡ ኣንፈቱ ቀይሩ ዝኾነ ሰብ ምምሕያሽ ክገብረሉ ዝግበኦ ገፊሕዕድል ተኸሲሩዩ። ሰለዚ ንስኻውን ናይ ቋንቋ ትግርኛ ምሁር ወይ በዚ ፍሉይ ትምህርቲ ዝወሰድካ ክትከውን ኣይትኽእልን። ምኽንያቱ እቲ ኦኣውደ ትምህርቲ ይኹን መጽናዕቲ፡ናይቲ ቋንቋ መጽናዕቲ ዘካይዱፍሉጣት ማእከል መጽናዕቲ የለውን። ንስኻ ብድሌት ካብቲ ባህላዊ ኣዘራርባ ይኹን ኣጸሓህፋ መጽናዕቲ ኣካይድካ ናትካ ክእለት ዝሓዝካ ኢካ። እዚ ግን ምሉእ ኣይኮነን። ስለዚ ኣብ ተገዳስነትካ ጽቡቕ ክምስገንዘለዎዩ።
 
ሎሚ ካብ ብቋንቋ ትግርና ምጽሓፍ እንግሊዝን ካልእ ቋንቋታት ሃስስ ዝብሉ ምሁራት ኤርትራውያን ብዙሃትዮም። ንስካ ነቲ ዘለካ ክመሃየሸሉ ዝኽእል ስራሕ ኢካ ትሰርሆ ዘሎኻ፡ ዝምስገን ክትቅጽሎእላበወካ። ግን እቲ እትህቦ ዘሎካ ሚኢቲ ብሚኢቲ ከምዚ ዝበሃል፡ ከምዚ ክከውን ዘለዎ ኢልካ ተኣማሚንካ ዘይትኸደሉ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ኣገባብ ቅሩብ ሚዛን ክትገብረሉ ኣላበወካ። ስለምንታይ እንድሕሪኢልካ፡ ነቲ ትብሎ ዘሎካ ዚቃወሙ ክመጹ ወይ ጽባሕ ጽፉፍ መጽናዕቲ ኣብ ዝተገብረሉ ነቲ ትብሎ ዘሎካ ዝድምስሱ ኪመጹ ስለዝኽእሉ። እቲ ንስካ ትብሎውን ናትካ ደኣምበር ናይቲ ጽፉፍ መጽናዕቲዚተገብረሉ ኣዘራርባ ኣይኮነን። ስለዚ ንዝኾነ ይኹን ከም ውዱዕን እሙንን ገርካ ምቕራብስ ዝፍቶ ኣይኮነን።
ሰሠናዩ ንዓኻ።
ክቡር መሲናስ፡” ክብል ርእይቶኡ ዝሃበ ሓው ተወልደመድህን’ዩ።
 
ዝኸበርካ ሓው ተወልደመድህን፡ ብመጀመርያ ንዝሃብካኒ ምኽርን ርእይቶን ከመስግነካ እፈቱ። ብምቕጻል፥ ሓንቲ ንስኻ ኮነ ካልኦት ኣሕዋትን ኣሓትን ክትርድኡለይ ዝደልያ ነገር ኣላ። ብዙሕ ግዜውን ጠቒሰያ እየ። ኣነ ናይ ምፍላጥን ቋንቋኻ ናይ ምምዕባልን ክቱር ህርፋንን ህንጡይነትን እምበር ካልእምንም ነገር የብለይን። በዚ መሰረት ከኣ ንዝፈልጡ ሰባት ከም ቆፎ ንህቢ በርቢረ፡ ፍልጠቶም ክቐስም’የ ዝፍትን’ምበር ‘ኣነ ፈላጥን ብጹእን እየ’ሞ ንዝበልኩዎ ኩሉ ረዓሙዎ ወይ ተጠቐሙሉ’ ኢለ ኣይፈልጥን’የ። ካልእ ኣነ ዘቕርቦ ዘለኹ ጽሑፋት፡ እርማትን ሓበሬታን ጥራይ እዩ። ‘እዚ ጥራይ እዩ እቲ ቅኑዕ’ሞ ንዕኡ ጥራይ ተኸተሉ!’ ዚብል ቃል ግን ወጺኡኒ ኣይፈልጥን’ዩ።
 
ኣነ እቲ ብወገነይ ልክዕ’ዩ ዝብሎን ነቲ ጉድለት ኣሎዎ ዝብሎን፡ ጠቒሰን ኣሪመን አቕርብ ኣለኹ። ካልኦት ከምዚ ኸማኻ ዝኣመሰሉ ኣሕዋት ከኣ ንኣይ ‘ከምዚ ኣይትበል!’ ዘይኮነ ክብሉኒ ዘለዎምስ እንታይ ደኣ ነቲ ኣነ ዘቕረብኩዎ ጽሑፍ፡ ካብኡ ዝሓሸን ዝበለጸን ብምቕራብ፡ ጉድለተይን ጌጋይን ብምእራም፡ እዚ’ዩ እቲ ቅኑዕ’ዮም ክብሉኒ ዘለዎም። እዚ ግን ነግፈረግ እናበሉ ማለት፡ ‘ከምዚኣ እያ ይመስለኒ’ እናበሉ ብስራሖም ብምጥርጣር ዘይኮነስ ብርእሰ ተኣማንነት ክምልሱለይ ወይውን ክእርሙኒ ጥራይ እዩ ዘለዎም ይመስለኒ። ኣነውን ነቲ ዝቐረበለይ እርማት ወይ ሓበሬታ፡ ከምዚ ኣይትበሉ ብምባል ዘይኮነስ እዝስ በዝን በዝን ምኽንያት ኣይተቐበልኩዎን ብምባል፡ ምኽንያት ዘይመቐበልየይ ጠቒሰ ከረድኦምን ክላዘቦምን ጥራይ እየ ክፍትን ዘለኒ። በዚ ከምዚ ኣጋባብ ከኣ ንኹሉ ኣወዳዲርና፡ እቲ ዚበለጸን እቲ ዚሓሸን ወሲድና፡ ካብዚ ኹሉ ጸገም ናጻ ዚገብረና ሃገራዊ መወከሲ ቋንቋ ከነቕውም ንኽእል ኢና።
 
ንኣብነት፥ ሕዚ፣ ሕዪ፣ ሕጂ ዝብላ ቃላት እንተ ወሲድና፡ ሰለስቲአን ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ሃገርና ዝዝረባ ሓደ ዝትርጉመን ቃላት ትግርኛ’የን፤ ካብ ሰለስቲአን ንሓንቲ ማለት፡ “ሕጂ” ትብል ቃል መሪጸ፡ ነዚኣ ክንጥቀመላ ኣለና እንተ ኢለ ኸኣ እተን ዝተረፋ ክልተ ትርጉመን ጌጋ’ዩ ኣይኮንኩን ዝብል ዘለኹ፤ እንታይ ደኣ ካብ ሰለስቲአን ብሰለስተ መምዘኒታት ቃል መዚነ’የ ሓንቲ ሓርየ፡ ነዚኣ ንጠቐም ዝብል ዘለኹ። እተን ሰለስተ ቃላት ንምምራጽ ዝጥቀመለን መለኪዕታት ከኣ እዘን ዝስዕባ’የን፥ ላዛ፣ ዓቐን፣ ብዝሒ ተጠቃምነትን ገላጽነትን እየን። በዚ መሰረት ከኣ “ሕጂ” ብኽልተ መዐቀኒታት ማለት፡ ብላዛን ብብዝሒ ተጠቀምነትን ካብ “ሕዪን” ካብ “ሕዚን” ብልጽቲ ኮይና ንረኽባ። በዚ መሰረት ከኣ “ሕጂ” እያ እታ ቅንዕቲ ክንጥቀመላ ዘለና ንብል ኣለና ማለት’ዩ።
 
ዝኸብርካ ሓው ተወልደመድህን፡ ጽባሕ ንግሆ’ኮ ኣይኮነንዶ ነቲ ዘጠራጥር ቃላትስ፡ ነቲ ዘየጠራጥር ንጹር ቃላትን ሓሳባትንውን ብዝበለጸን ዝቐለለን ኣጋባብ ንምጥቃሙ ዝህንድሱ መሃንድሳት ቋንቋ ማለት፡ ኪኢላታት’ኮ ናጻ ኮይኖም ክሰርሑሉ’ዮም። ዘይሕጂ ዕድልን ባይታን ስለ ዝሰኣኑ’ዮም ከምዘየለዉ ዝቑጸሩ ዘለው። ነዚ ኣነ ሕጂ ምምሕያሻት ዝገብረሉ ዘለኹ ቃላትን ኣጋባባትንውን ቅድመይ ክኢላታት’ዮም ነዚ ዘለዎ ቅርጽን ኣጠቓቕማን ኣትሒዘሞ። ንሳቶም ግን ነዚ ክገብሩ ከለዉ፡ እናተጠራጠሩ ወይ ድማ ከምዚኣ እያ ትኸውን ይመስለኒ እናበሉ ዘይኮኑስ፡ ነቲ ዘምጽኡዎ ሓሳባት ቅኑዕ ሙዃኑ ኣሚኖም፡ ብርእሰ ተኣማንነት’ዮም ኣቕሪበሞ። ንኣኡ ዚእርም ወይ ዘፍርስ የለን ወይ ድማ ንሱ ናይ መወዳእታን ቀያድን’ዩ ግን ኣይበሉን። ቋንቋ ወትሩ ምስ ምዕባለ ሕብረተሰብ እናዓበየን እናተማሓየሸን’ዩ ዚኸይድ። ደሓር ከኣ ጸሓፊ እናተጠራጠረ ዘቕረቦ እርማትከ፡ ነባቢ ብኸመይ እዩ ብርእሰ ተኣማንነት ቅኑዕነት ናይቲ ጽሑፍ ኣሚኑ ከተግብሮ ዝኽእል!? ዝኸበርካ ሓው ተወልደ፡ ምላሸይ ንጹርን ርድኡን ኪኸውን እናተተስፈኹ ፍቓድካ እንተ ኾይኑ ናብ ዚቕጽል ክሓልፍ? የቐንየለይ።
 
 “ክቡር ሓው ዝኾንካ መሲናስ
ሓዲሽሓድሽ ሪምካዮ ኣሎኻ፣ ምንጪ ናይቲ ቃል ግና ግዕዝ ስለ ዝኾነሃዲስወይ ድማ ብትግረን ዓረብንሓዲስኢዩ፣፣ ስለዚሓድሽትኽክል ትግርኛ ኣመስለንን፣”
ዝኸበርካ ሓው ፍስሃየ (1)፡ መብዛሕትኡ ቃላት ትግርኛ ካብ ቋንቋ ግእዝ’ዩ ወጺኡ ዚብል ኣምነት’ዩ ዘሎኒ። ኩሉ ግን ከምቲ ኣብ ግእዝ ዝነበሮ የለን። ናብ ትግርኛ ምስ ረዓመ ብቕርጽን ድምጽን ምቕይያራት ይግበረሉ’ዩ። ንኣብነት፥ እዛ ዝጠቐስካያ ቃል፡ ብግእዝ “ሐደሰ” ብትግርኛ ከኣ “ሓደሰ” ከም ትብሃል’የ ኣነ ዝፈልጣ። ንተወሳኺ “ዘመናዊ መዝገበ ቃላት ብተክአ ተስፋይ” ኣብ ገጽ 92 ክትርኢ ትኽእል ኢኻ። ስለዚ፡ እቲ ፍልልይ ኣብ ካእብን ራብዕን ጥራይ እዩ ዘሎ። ናብ ትግርኛ ኣርዒምካ “ሓድሽ” ምባሉውን በተን ሰለስተ መዐቀኒታት ቃል እንተ መዚንናዮ ጸገም የብሉን። ምኽንያቱ፡ ኣብ ትርጉም ኮነ ኣብ ቃና ዘምጽኦ ለውጢ ስለ ዘየለ።
 
ተወሳኺ መብርሂ ንሓው ፍሳሃየ ብዛዕባ’ቶም ኣብ ፊደላት ትግርኛ ድርብ ስለ ዝኾኑ ንከይንጥቀመሎም ተሪፎም ዘለዉ ሰለስተ ሆሄያት (ፊደላት) ማለት፡ ኀ፣ ሠ፣ ፀ፣ ኣብ ግእዝ ናታቶም ፍሉይ ምስጢርን ትርጉምን ከም ዘሎዎም ይግለጽ’ዩ። ንኣብነት፥ ኀ= ብዙኃን ወይ ኃይል ይብሃል፣ ሠ= ንጉሥ ይብሃል፣ ከምኡውን ፀ= ፀሓይ ይብሃል። እቶም ተመሳሰልቶም ከኣ ሀ= ሃሌታ ወይውን ሀብት ይብሃል፣ ሰ= እሳት ይብሃል፣ ጸ= ጸሎት ይብሃል። ተባሂሎም ተፈላልዮም ኣለዉ። በዚ መሰረት ከኣ ግእዛውያን ‘ፀሓይ እምበር ጸሓይ ኣይጸሓፍን’ዩ’ እዮም ዝብሉ። ከምኡውን ‘ሠረቀ እምበር ሰረቀ ኣይጽሓፍን’ዩ’ ይብሉ’ዮም።
 
ምኽንያቱ፡ ‘ሰረቀ ማለት ዓመጸ ማለት ኪኸውን ከሎ፣ ሠረቀ ማለት ግን ተወልደ ማለት’ዩ።’ ብምባል፡ ፍልልያቶም የርድኡ’ዮም። እዚ ግን ምናልባት ኣብ ግእዝ ብቑዕ ምኽንያት ኪኸውን ይኽእል ይኸውን’ዩ፤ ኣብ ትግርኛ ግን ኣድላዪ ኣይመስለንን። ምኽንያቱ፡ ብትግርኛ ሰረቐ ዓመጸ ማለት ኪኸውን ከሎ፣ተወልደ ማለት ድማ ተወሊዱ ማለት’ዩ። ኣይፋል! እዚ ኪቕየር የብሉን፡ እትብሉ እንተ ኣሊኹም ግን ኣብ ክንዲ ፀሓይ፡ ጸሓይ፣ ኣብ ክንዲ ሰረቀ፡ ሰረቐ ኢልና ብምጽሓፍና ዘምጽኦ ጸገም እንተልዩ፡ ኣረዲእኩም ከተእምኑና እትስፎ። ብወገነይ ግን ካብዞም ብድምር 187 ሆሄያት ትግርኛ፡ ሰለስተ ተደገምቲ እንተ ኣጉደልና ዘምጽኦ ጸገም ኣይረኣየንን። ምኽንያቱ፡ ምጥኑነትን ቅርጽጡውነትን ናቱ እወታዊ ረብሓ ስለ ዘሎዎ ኣብ ግምት ምእታዉ ኣገዳሲ’ዩ። የቐንየለይ።
“I would suggest two things when you write or are criticised for your writings; first never say it’s my way. Second please tell your readers where the word comes from; and please use simple words unless you have to.
You will be amazed how Tigrinia is tied up to Geez, Tigrayit and Arabic; Hebrew too. Nobody’s Tigrinia surprises me as yours: perhaps you are special.”
 
ክቡር ሓው ፍስሃየ(2) ምስጋናይ ብምቕዳም ናይ ርእይቶኻ መብርሂ ክህብ ፍቐደለይ? ‘ብመገደይ እዩ ኣይትበል!’ ኢልካኒ፡ ክቡር ሓው እንታይ ደኣየ’ሞ ክብል? ካብ ዚኾነ ይኹን መጽሓፍ ቀዲሐ ወይ ካብ ሰብ ሰሚዐ ዘይረኸብኩዎ ነገር ብኸመይ መገዲ’የ ናይ እከለ ኣበሃህላ’ዩ ክብሎ? እዝስ ከመይ ኢሉ ከምዚ ይኸውን ብኸምዚ እንተ ዚትካእ ይበልጽ ኢለ ዘማሓየሽኩዎ እንተ ኮይኑ፡ ናይ ግድን’ዩ ከም ዘለዎ ከቕርቦ። ኩሉ ግን መሰረቱ ካብ ዝተፈላለየ መጻሕፍቲ ነቢበ ዝረኸብኩዎን ኣወዳዲረ ምምሕያሻት ዝገበርኩሉን’ምበር ባዕለይ ዝመሃዝኩዎ ቃል ወይ ሓሳብ ክሳዕ ሕጂ የለን።
 
“please tell your readers where the word comes from” ክቡር ሓው ፍስሃየ፡ ኣነ ዝጥቀመሎም ኣብ ትግርኛ ዘይዝውቱራት ቃላት፡ ብምሉኦም መበቈሎም ግእዝ’ዩ። ካብ ካልእ እንተ ኮይኑውን ናይ መን ሙዃኑ ይገልጽ’የ። ንኣብነት፥ *ኣውቶታርኪ ማለት *ርእሰ ምኽኣል ብግሪኽ ብምባል ይገልጾ’የ። ብዝተረፈ እቶም ካልኦት ቃላት ግን ትርጉሞም ንዚኾነ ናይ ቋንቋ ግእዝ ኣፍልጦ ዘሎዎ ሰብ ሓቲትካ ከተረጋግጾም ትኽእል ኢኻ። ብዝተረፈ ብዙሓት ካብ ዝነበብኩዎም መጻሕፍትን ካብ ዝሰማዕኩዎም ቃላትን ኣብ ማህደረይ በብግዜኡ ዝኣከብኩዎም ቃላት ትግርኛ’ዮም።
 
“please use simple words unless you have to.” ክቡር ሓው እዞም ኣነ መሪጸ ዝጥቀመሎም ዘለኹ ቃላት፡ ካብቲ፡ “ኣገዳሲ ዕማም ስነ ጥበበኛ፡ ንዝተረስዑ ቃላት ምዝኽኻርን ንዘይፍለጡ ቃላት ምልላይን እዩ!”  ዚብል ብሂል ብምብጋስ’የ ዘይዝውቱራትን ኣዝዮም ገለጽትን ቃላት ዝጥቀም። ንኣብነት፥ “ሮሶብ” ማለት ጸሊም ጽዑቕ ደበና ማለት’ዩ። ስለዚ፡ ኣብ ክንዲ ‘ጸሊም ጽዑቕ ደበና’ ዝጽሕፍ ‘ሮሶብ’ ይጽሕፍ ማለት’ዩ። ዝኸበርካ ሓው ፍስሃየ፡ ከምቲ ኣቐዲመ ገሊጸዮ ዘለኹ ኸኣ ንቓላት ብሰለስተ መዕቐኒ ደረጃታት’የ ዝመርጾም። 1ይ ላዛኦም፣ 2ይ ዓቐኖም፣ 3ይ ብዝሒ ተጠቃምነቶምን ገላጽነቶምን እዩ። እዚ ኸኣ ሃብታም ቋንቋ ከለናስ ከምቶም ድኻታት ቋንቋታት ብሓደ ክልተ ተደጋገምቲ ቃላት ጥራይ ሰለይ ክንብል ምኽኑይ ስለ ዘይኮነ’ዩ። ንምንታይ ዘይዙውቱራት ቃላት ይጥቀም ከም ዘለኹ ተረዲእካለይ ኪትከውን ተስፋ እገብር። የቐንየለይ።
ኣብ መወዳእታ ከተሓሳስቦ ዝደሊ ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ነቐፌታን እርማትን መብረድ ስነ ጥበበኛ ስለ ዚኾነ፡ ልዑል ነቐፌታኹምን ሓበሬታኹምን ኣብ ቀጻሊ ከይፍለየኒ እናተላበኹን ልባዊ ምስጋናይ እናኣቕረብኩን ርሑስ ልደትን ዓመተ ፍትሕን ሰላምን ኪገብረልና ልዑል ፈጣሪ እናተመነኹ ናብ ናይ ሎሚ ጣዕሞት እሩም ቋንቋ ከሰጋግረኩም ፍቐዱለይ?
 
ጠዓሞት እሩም ቋንቋ፥
 
   ኣረባብሓ ቃላት
 
ቃላትና ከነብዝሕ ከለና፡ ዝተፈላለየ ጌጋታት ንፍጽም ኢና። ንኣብነት፥ ሽኮር= ሽኮራት: ሑጻ= ሕጻታት ወዘተ. ክንብል ኣይግባእን። ምኽንያቱ: ዘይቁጸሩ ነገራት ከም እኒ ሽኮርን ሑጻን ኣይባዝሑን’ዮም። እቶም ዚባዝሑ ስማት ከኣ ብዘይካ ውሑዳት ኣጋባብን ሕግን ዘይክተሉ፡ ማለት ከም ሰበይቲ= ኣንስቲ፡ወኻርያ= ወኻሩኣድጊ= ኣእዱግበጊዕ= ኣባጊዕ ወዘተ. ዝኣመሰሉ ኣስማት ገዲፍካ፡ ካልእ መብዛሕትኦም ስሩዕ ሕጊ ኣሎዎም። ንኣብነት፥ ኩሎም ብሳልስዚውድኡ ቃላት፡ ነቲ 3ይ ፊደል ናብ ሳድስ ብምቕያር “ታት ወሲኽና ነብዝሖም። ንኣብነት፥ ቃልሲ= ቃልስታትወግዒ= ወግዕታት ወዘተ. ነቶም መወዳእታ ፊደሎም ሳድስ ዝኾነ ኸኣ ነቲ ሳድስ ፊደል ናብ ራብዕ ብምቕያር “ት ንውስኸሎም። ንኣብነት፥ ሓሶት= ሓሶታትዓመት= ዓመታት ወዘተ. ንዘይህይወታውያን ነራት ወይ ድማ ንረቀቕቲ ዝኾኑ ነገራት ከነብዝሕ ከለና ግን ናብ ኣንስታይ ለዊጥና ኢና ከነብዝሖም ዘለና። ንኣብነት፥ እቲ ትልሚ=እተን ትልምታትእዚ መጽሓፍ= እዘን መጻሕፍቲ ወዘተ. ይኸውን። እቶም ትልምታት ወይ ድማ እዞም መጻሕፍቲ ምባል ግን ጌጋ’ዩ።
 
እግበአኒ፡ ኣለቀሐኒ ኣረደአ ኣብጽለይ ኣምጽለይ ወዘተ. ኢልና ኣብ ክንዲ ምድማጽን ምጽሓፍንውን ይግብኒ፡ ኣለቅሓኒ ኣረድኣ ኣብጽለይኣምጽለይ ወዘተ. ክንብል ይግባእ! ምኽንያቱ፡ እግበአኒ ወይ ድማ ኣለቀሐኒ ኢልካ ወይ ግእዝ ምጥቃም ጌጋ’ዩ። እዚ ኣደማምጻ’ዚ ተጋሩ ከዘውትርዎ’ዮም ዝስምዑ። ንሳቶምውን እንተኾነ፡ ብጌጋ’ዮም ዝጥቀሙሉ ዚብል ርድኢት’ዩ ዘሎኒ። ምኽንያቱ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንብዓል ዐ፡ ሐ፡ ሀ፡ አ፡ ወዘተ.ኣብ ክንዲ ብግእዝ ብራብእ ስለ ዝጽውዑዎም። ንኣብነት፥  ን ሀ ግእዝ ሃ ራብእሐ ግእዝ ሓ ራብእዐ ግእዝ ዓ ራብእአ ግእዝ ኣ ራብእኢሎም’ዮም ዘንብብዎም። ስለዚ ንሕና፡ ኣብልኒ ወይ ኣረደኒ ብምባል ዓ ራብእ ከምኡውን ኣ ራብእ ክንጥቀም ይግባእ። ብተወሳኺ ድረአኹዎ፡ድስመዐኒ፡ ድሰተኹዎ፡ ወዘተ. ኣብ ክንዲ ምባል ዝረኣኹዎ፡ ዚስማዓኒ፡ ዝሰተኹዎ ወዘተ. ክንብል ይግባእ! ዚስማዓኒ ተጻሒፉሉ ዘሎ ምኽንያት፡ ኣብ ክንዲ እስምዓኒ ይስማዓኒ ስለ ንብል’ዩ። ኣብ ነብስኻ ዚፍጸም ነገር እንተ ኾይኑ ኢኻ ክትጥቀም ዚግባእ።
 
ኣሰብኡት፡ ኣቘልዑት፡ ኣንሕና… ኣብ ክንዲ ምባልውን ሰብኡት፡ ቈልዑ፡ ንሕና… ኪብሃል ይግባእ!
 
ቈጸሮ ኣብ ክንዲ ምባል ቈጸራ ኪብሃል ይግባእ።
ነጻነት ኣብ ክንዲ ምባል ናጽነት ኪብሃል ይግባእ። ነጻ ወጺና ዘይኮነስ ናጻ ወጺና’ዩ እቲ ቅኑዕ።
ማሸላ ኣብ ክንዲ ምባል መሸላ ኪብሃል ይግባእ።
ጨሪሱ ኣብ ክንዲ ምባል ጠሪሹ/ጠሪሱ ኪብሃል ይግባእ።                         
ዒላማ ኣብ ክንዲ ምባል ዕላማ ኪብሃል ይግባእ።
እሱ/እሳ/እሳቶም ወዘተ. ኣብ ክንዲ ምባልውን ንሱ/ንሳ/ንሳቶም ወዘተ. ኪብሃል ይግባእ።
ለስላሳ መስተ ኣብ ክንዲ ምባል ልስሉስ መስተ ኪብሃል ይግባእ።                
ናይ ሎሚ ክልተ ዓመት ኣብ ክንዲ ምባል ክልተ ዓመት ይገብር ወይ ድማ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኪብሃል ይግባእ።
 
እምበኣርከስ ክቡራት ኣሓዋትን ኣሓትን፡ ቅድሚ ናይ ሎሚ ጽሑፈይ ምዝዛመይ ነዘን ዝስዕባ ሓሙሽተ ቃላት ትግርኛ፡ ትርጉመን ብግቡእ ክትገልጹለይ ብትሕትና እሓትት? እተን ቃላት፥ በሃምያታምጉዋሕመሲናስፍሕሽው ዝብላ ኮይነን ቅኑዕ ትርጉመን እንታይ እዩ? ንምትሕብባርኩም ኣቐዲመ አመስግን። ኣብ ቀጻሊ ብተመሳሳሊ ክሳዕ ንራኸብ ንኹልና ሰላምን ጥዕናን እምነ። ሰላም።
 
ርሑስ ሓድሽ ዓመትን ልደትን ይግበረልና!
 
ብሽንሆት ንኽንነብር፡ ዕምሪ ምልኪ ነሕጽር!
 
ካብ ሓው መሲናስ 07/01/2015

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
16 COMMENTS
  • FM January 7, 2015

    ክቡር መሲናስ – ነዙ “እሩም ትግሪኛ” ብዚብል ኣርእስቲ ዝጸሓፍካዮ ብቋንቋ ትግርኛ ሓዲሽ መካትዒ ምልዓልካ ጽቡቕ ኢዩ። ግናኸ ኣብ ቃላትን ረባሕታን ከይበጻሕና ናይ ፊደላት ግድፈት (ሐ ኪኸውን ዚግባእ ሀ ተጻሒፉ) ብብዝሒ ስለዝረኣኹ ተመሊስካ እንተተ ትርእዮ’ሞ ኣጻፊፍካ ንኣሰና ከምብሓዲሽ ከስፍሩዎን እንተትውከሶም ምሓሸ በሃላይ እየ። እቱ ግድፈታት ድማ ሰእን ምፍላጥ ዘይኮነስ ናይ ህጸት(ቅልጣፈ) ነገር’ዩ’ እንተኾነ ግና ነቱ ርኡይ ከያረምካ ናብ ዝረቐቐ ብቋንቋ ትግርኛ ክትዕ ምኽፋት ኣጸጋሚ’ዩ። ብድሕሪ እዙይ ብወገነይ ዝህቦ ርእይቶ ኣይሰኣንን። ክምኡ ድማ ንቱ ኣስማት እናጠቐስካ ኣስፊርካዮ ዘሎኻ መን እንታይ በለ መኣስከ በለ ኢልካ እንተ ተነጽሮ ጽብቕ ምኾነ – ንእንበብትን ጸሓፍትን ኪንጽረሎም ይከእል። ብዝተረፈ ብጸዓትካን ሠናይ ትምኒትካን ርሑስ በዓለ ልደትን ጥምቀትን እምነየልካ። ፍሥሐየ

  • Mesinas January 7, 2015

    ዝኸበርካ ኣቶ ፍስሃየ ብመጀመርያ ንዝሃብካኒ እርማት ከመስግን እፈቱ። ብምቕጻል፦ እዚ ዝጠቐስካዮ ናይ ፊደላት ሕድገት “ናይ ፊደላት ግድፈት (ሐ ኪኸውን ዚግባእ ሀ ተጻሒፉ)” ዝበልካዮ ስለ ዘይረኸብኩዎስ ኣበየናይ ዓንቀጽ ሙዃኑዶ ኣብነት ጠቒስካ ምሓበርካኒ? ንምትሕብባርካ ኣቐዲመ አመስግን።

  • ERITRAWIT January 7, 2015

    Mesinas, Ezen home work hebkana zeleka kmlesen aykalkewn melsey kabaka wey kab kalot ksbe eye. GEN fahshew malete Wez zeyblew eu mesleney.

  • FM January 7, 2015

    እዘን ዝስዕባ ካብ ሓደ ዓንቀጽ ዝተወስዳ ግድፈታት’የን፡- 1.“ናተይ ቀንዲ ርእይቶይ ኣብ ናትካ ኣገባብ’ዩ። ኣብዚ ክትርደኦ ዘሎካ ኣፍልጦ የብልካን ኣይኮነን ዝብል ዘለኹ፡ እቲ ትህቦ ዘሎኻ ቃላት ይኹን ኣጸሃሕፋ ብናትካ መጽናዕትን ትግሃትን ዝበጻሕካዮ ኢዩ።” (ኣጸሃሕፋ=ኣጸሓሕፋ)
    2. ነቲ ኣብ ካልእ ዝረከብካዮ ምስ ኣብነቱ ኣናጠቐስካ ተቅርቦ። ነቲ ባዕልካ ኣጽኒዕካ ዝበጻሕካዮ ከኣ፡ከምሚዛነይ ከም ግምተይ ኢልካ እንተተንብሮ ምሃሸ። ከምዚ’ዩ ዝባሀል ምባል ግን ዝፍቶ ኣይኮነን። (ተቅርቦ=ተቕርቦ)(ባዕልካ=ባዕልኻ)(ምሃሸ=ምሓሸ)(ዝባሀል=ዚብሃል)
    3. ከምዚ’ዩ ዝባሀል ምባል ግን ዝፍቶ ኣይኮነን። (ዝባሀል=ዚብሃል)
    4. ንስኻ ብድሌት ካብቲ ባህላዊ ኣዘራርባ ይኹን ኣጸሓህፋ መጽናዕቲ ኣካይድካ ናትካ ክእለት ዝሓዝካ ኢካ። እዚ ግን ምሉእ ኣይኮነን። (ኣጸሓህፋ=ኣጸሓሕፋ)
    5. ናብ ትግርኛ ምስ ረዓመ ብቕርጽን ድምጽን ምቕይያራት ይግበረሉ’ዩ። (ምቕይያራት=ምቅይያራት=ምቅያራት) – ጊዜ ስለዘይረኸብኩ ግን ብምሉኡ ክዘልቆ ኣይከኣልኩን።

    • ተወልደመድኅን January 8, 2015

      ዝኸበርካ fm ኣብ ሂብካዮ ዘሎኻ ኣተኣራርማ ብዙሕ ስኽፍታ ኣሎኒ።
      ምኽንያቱ ንሕና ብልምዲ ንጥቀመሉ ኣጸሓሕፋ’ምበር ብሳይንሳዊ ይኹን ብመጻናዕቲ ተሰንዩ ዝተወስደ ኣጸሓሕፋ ትግርኛ የሎን።ኣይተመሃርናን ከኣ።ናተይን ናይ ከማይ ዚኣመሰሉ ኣፍልጦ ኣጸሓሕፋ ትግርኛ ውሱን’ዩ።
      ጌጋ ከየተፈጥረ ዝዕረ ነገር ስለዘየሎ።እንድሕሪ ጽሒፍና፡እቲ ናይ ሎሚ ኣገባብ ኣጸሓሕፋ ነቲ ዚመጽእ እሩም ትግርኛ ዋና መወከሲ ኮይኑ ካብዘይምጽሓፍ በቲ ግጉይ ምጽሓፍ ሕማቕ ስለዘይ ካብ ደሃሊ ዝኾነ ኣነ’ፈልጥ ኣነ’ፈልጥ ወጺእና ብጽቡቕ መዳዩ ምርኣይ የድሊ።
      ኣነ እፈልጥ፡ንስካ ተጋጊኻ፡ከምዚ ክከውን ኣይነበሮን…ዝብሉ ወቐስትን ኣጸለምትን ኣገባባት ኣብ ኤርትራውያን ልሙድ እናኾነ’ዩ መጺኡ ዘሎ።ብሰንኪ’ዚ ብዙሓት ሰባት ትምህርቲ ክህቡ ዝኽእሉ ክእለት ዘለዎም፡ካባይ ብዝሕሹን ዘይሕሹን’ዶ ክጽረፍ፡መዓል እክለ’ዶ ክወራዙ የለይ ብምባል ምስ ጽቡቕ ሓሳብን፡ምስ ብዙሕ ኣፍልጦን ኣፎም ሒዞም ስቕ ስለዝበሉ እነሆ ኣብ ቋንቋ ዘይኮነ ኣብ ብስለትና ሃጓፍ ኣሎ።
      ንስኻ ኣቅሪብካዮ ንዘሎካ ጌጋ፡መሲናስ ከምቲ ኣነ ዝጸሓፍኩዎ’ዩ ኣስፊሩዎ።ብሓጺሩ፡ነቲ ርእይቶ (copy ) ገይሩዎ።ሕጂ ንሱ ኣይኮነን ዝተጋገየ ምናልባት ኣነ ክኸውን እኽእል።
      ኣይተጋገኹን ኣይብለካን’የ።ኣይተጋገኹን እንተበልኩ’ውን ጽቡቕን ቅኑዕ ኣጸሓሕፋ ትግርኛ ኣየተመሃርኩን።ከማኻ’ውን ግእዝ ክመሃረሉ ዝኽእል ጥጡሕ ቦታን ግዜን ኣየጋጠመንን፡ኣነ ዝተመሃርኩዎ ኣምሓርኛ’ዩ።ስርዓት ህግደፍ ንምፍሻል ከኣ እቲ ሕማቅ ኣፍልጦይ ገይረ ተደራብየ፡በቶም ቃላት ገይረ ናብ ህግደፍን ሰዓብቱን መሾንጎጋ ሰንደየ።
      ብትግርኛ ክትጽሕፎም ጸገም ዝፈጥሩ ቃላት ኣለው።ገለ ሰባት ምእንቲ ኣብ ኢድ ተሃላለኽቲ ከይወድቁ፡ነዞም ብርቱኦኣት ቃላት ብጎቦ ወይ ብቃላት እንግሊዝ ይኹን ላቲን ተጠቂሞም ዝሓልፉ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣለው።
      ኣቕሪብካዮ ዘሎካ፡ጌጋ ናይቲ ፊደላት ንጥውቐሉ መሳርሒ ስለዝደኸመ፡ጥ ክትጽሕፍ ት ይጸሓፍ’ዩ።ዓ ንምጽሓፍ ዝደለኻዮ ኣኣ ይመጽእ’ዩ።ኻ ክትጽሕፍ ዝደለኻዮ ካ ይመጽእ።ባዕልካ ዝብል ከም ጌጋ፡ኣጸሓሀፋ ዝብል ከም ግጉይ ምስፋርካ ግን ቅሩብ ህድእ ኢልካ ነገራት ኣይገምገ ምካዮን።ሰማይ ሃገርካ (ባዕልኻን ኣጸሓሕፋን )ዘይፈልጥ ተዛራቢ ትግርኛ ኣሎ።ርግጽ’ዩ ብሰንኪ ታህዋኽን ግዜ ምስኣን ካልኣይ ግዜ ዘይምን ባብን ዘይምዕራይን ኣሎ።ግን ነዞም ቀለልቲ ዝኾኑ ኣቅሪብካዮም ዘሎኻ ከም ዓበይቲ ጌጋ ኮይኖም’ሞ ቋንቋ’ኻ ነበላሽወልካ ከምዘሎና ክትጸ ባጸብ ምፍታን ክንደይ እኹል ግዜ ኣልዩካ ኮይኑ’ዩ።
      ከምዝረደኣኒ ጌጋ ፈሪህና ስቕ ዘይበልና ወይ ከምቶም ንጉዳይ ኤርትራ ይኹን ካልእ ማሕበራዊ ጸገም ንምሕባር ብቋንቋ ባዕዲ ገይሮም መኣ ከቢ ጁባኦም ኣብ መጻሕፍቲ ምጽሓፍ ዝበጽሑ ዘይገበርና ድዩ ጌጋና።ማዕረ ክንድዚ ባዕልካን ባዕልኻን ዘሎ ጋግን ፍልልይን ዘይንፈልጥ እን ተኾይና’ሞ ኣብድታት፡ኣንጽሕፎ ንወጠምጠም’ዩ ማለት’ዩ።
      ሕጂ’ውን ቋንቋ ትግርኛ ምሁራትን ቅሩብ ኣፍልጦ ዘለዎም ዝጽበ ዘሎ ጉዳይ’ዩ፡ክሳብ ኣብኡ ንበጽሕ’ከ ኢድናን እግርናን ኣጣሚርና ዲና ስቕ ክንብል።ኣይኮነን።ከምኡ ዝበሃል ነገር የለን፡እቲ ክነግር ዝደለየ ወላ ሰባቢሩ ርእይቶኡ፡ሓቁ፡ይተርኽ።ካብቲ ንሱ ዝጸሓፎ ተበጊስካ ከኣ፡ክእረ ም ዝግበኦ እንተሎ፡እዙይ ተጋጊኻ ዘይኮነ፡ብካልእ ኣገባብ ገይርካ ነቲ ዚመሃር ዘሎ ክትሕብር ጽቡቕ’ዩ።ሎሚ ኣብዚ ናተይ ዕድመ በጺሑ ዘ ሎ ኤርትራዊ፡በቲ ጌጋ ስለዝተመሃረን ስለዘይፈልጥን ተጋጊኻ ወይ እዚ ኢልካ ምዝራብ ምእንቲ ክኹለፍ፡ምእንቲ ከይዋሳእ ካብቲ ዘሎ መድ ረኽ ንምስጓግ ጥራሕ’ዩ ዘስምዕ።ግን እቲ ዝረአ ዘሎ ግጉይ ኣጸሓሕፋ መሰረት ገይርካ ነቶም ዝመሃሩ ዘለው ብቅኑዕ መገዱ ክመሃሩ ዝሕግ ዝ’ዩ ሎሚ ዝፍጸም ዘሎ ጌጋ ኣጸሓሕፋ።ምኽንያቱ ጌጋ ከየረኣኻ ዝእረም ነገረ የለን።
      ስለዚ ፍም ናይ ትግርኛ ኣፍልጦ ኣሎኒ ኣይክንኩን ዝብል ዘለኹ።እቲ ሰኣን ኣፍልጦ ዝዝረብ ጌጋን እቲ ካብቲ ንጥቀመሉ መሳርሒ ዝመጽእ ጌጋን ፈላሊኻ ረኣዮ።ኣፍልጦ ዘይምህላውን ካልእ ዝፈተሮ ጌጋ ኣምጺእና ክንወራዘ ምፍታን ነቲ ዘሎና ውሑድ ትውፊት ምቑሳሽ ማለት’ዩ።ሕጂ’ውን ነዛ ምቑሳሽ ከምኣ ኢላ ከላ እገድፋ ኣለኹም’ሞ ጽባሕ ገፋሕ ኣርእስቲ ክትከውን’ያ።
      ኣብ መወዳኣታ ክብሎ ዝደሊ መሲናስ ኣነ ኣይጸሓፍኩዎን ተወልደመድኅን’ዩ ጺሒፉዎ ክብል’ዩ።ሓቁ።
      ኣነ ከኣ ኣፍልጦይ ዝተወሰነ ስለዝኾነ ኣብ ኣጸሓሕፋ ጉድለታት ክህልወኒ’ዩ።እቲ ከም ጌጋ ቀሪቡ ዘሎ ግን ናይቲ ንጽሕፈት ንጥቀመሉ መሳርሒ እርጋን ወይ ድኽመት’ዩ።ነቲ ዝኣረገ ከይቀይርካን ሕዲሽን ጥዑይን ከይሓዝካ ኣይትጽሓፍ ትብል ኣንተኾንካ፡ምላሽ’ሞ ሃበኒ ክሓስበሉ።
      ሕጂ’ውን ኣብዚ መልእኽት’ዚ ብዙሓት ዝትገድፉን ከምቲ ዝደለኹዎ ዘይከዱ ክትረክብ ኢኻ።ስለዚ ደንቆሮ’ዩ ሓንቲ ኣይፈልጥን’ዩ ምባል ገዲፍካ፡እቲ ጌጋ ናይቲ ዝበልኩኻ ጉድለት ምኳኑ ኣሪምካ ኣንበቦ።
      ዝተረፈ በብዘለናዮ ሰላም

      • FM January 8, 2015

        ዝኸበርካ ተወልደመድኅን፡ እዘን ዘስፈርኩወን ናይ ቋንቋ ጌጋ ክእርም ኣይኰንኩን – ንናይ መሲናስ ጽሕፈት (ግድፈት)(typing error)ንምዝኽኻር’የ። ብዓቢኡ ግና ብወገነይ ንናይ መሲናስ ጽሑፍ ርእይቶይ ከቕርብ’የ። ክመ ዝበልካዮ ኣነ ጽሩይ ትግርኛ ኣጻፊፈ እኽእል’የ ዝብል ሰብ ኣሎ ቢለ ኣይኣምንን ምኽንያቱ ወላ እቲ ጽቡቕ ዝኽእል ኵሉሳዕ ልማዳዊ ኣዘራርባ ይስዕሮ እዩ፡ ግን ነፍሲወከፍ ኣበርክቶኡ እንተድኣ ገቢሩ ቋንቋና ሕይወት ኪመልስ ይኽእል። እንተኾነ ግና ከምቲ ምስላ ኣበው “ዕቡይ ኮላሲ ምኵሕ ደራሲ” ከምዝብሃል እናሓንሳብ ገለገለና ናይ ኣነ እፈልጥ ትምክሕቲ እንተ ኣርኣና ደረት ሓሊፍካ ምባል ጠቓሚ’ምበር ጐዳኢ ኣይኮነን። ከመይ መጀመርያ ካብ ሐድሓድ ተማሂርና ኣረኣእያና ነስፍሕ ቀጺልና ድማ ትሕትና ነጥሪ።

  • Johans January 7, 2015

    ክቡር ሓወ መሲናስ ብዝሃብካና መዘኻኸሪ ዝምስገን እዩ ብኽብረትካ ቀጽሎ ብዙሕ እንዳተመሃርና ኢና ኣብ ጽሑፍካ ቆጸሮ ብ ቆጸራ ክትካእ መሪጽካ ወይ ኣፍኢምካ። የግዳስ አነ ብወገነይ ክልተ ዝተፈላለዪ ቃላት እዮም ምበልኩ ከመይሲ ቆጸሮ ማለት ብሳልሳይ ኣካል ዝወሃብ ኮይኑ ንስካ ዘይወዓልካዮ ንኣብነት ናይ ቤት ፍርዲ ቆጸሮ ኣሎኒ ትብል። እታ 2ይቲ ቆጸራ ግን ክልተ ሰበ ነገር ዝወሰንዎ ወለንታዊ ኮይኑ፡ ንኣብነት ኣነ ጽባሕ ምስ መሲናስ ዓርከይ ቆጸራ ኣሎኒ ክትብል ትኽእል። ብዝኮነ ክልቲአን በበይኑ ትርጉም ዘለወን ይመስለኒ። ንሕጂ ካብ ሞባይል ስለ ዝኾነ ኣብዚ ከሕጽሮ ክእረም ድሉው እየ ወድሓንካ

  • Johans January 7, 2015

    መልሲ ንሕቶታት መሲናስ
    በሃም=ዓሻ ወይ ሃላይ ከም ማለት ንጥቀመሉ
    ያታ= ዝጸነሐ ናብ ምርሳዕ ዝቀረበ
    ምግዋሕ= ምቅላሕ
    ሪም= ብጽሒት ወይ ውርሻ
    መሲናስ = ይቅሬታ ቦኽሪ እዝነይ ኢያ
    i hope you will give me 3.5

    • ogbai January 8, 2015

      መሲናስ ንእትህቦ ትምህርትን ጸዓትን ብዙሕ የምስግነካ፡ ናብተን ዝሃብካና ዕዮ ገዛ ክምልስ ክፍትን፡
      ብሃም ዓሻ እንስሳ ክብቲ ዘስምዕ እዩ
      ያታ ባህላዊ ልምድታት
      ምግዋሕ ምውዕዋዕ ምግላጽ
      ፍሕሽው ሕጉስ ፍስህ

      መሲናስ ስምካ እዩ \ሰሓቕ\ No idea
      ሐሊፈ ክኸውን ተስፋ ይገብር

      መተሓሳሰቢ፡ ኣብ ጊዜ ፈደረሽን ኣብ ኤርትራ ካብ ቀዳማይ ክሳዕ ራባዕይ ብትግርኛን ዓረብኛን ስለ ዝነበረ፡ ትግርኛ ጽቡቕ ይምዕብል ነሩ። ድሕሪ ምፍራስ ፈደረሽን ግን ኤርትራና መሬታ ጥርሕ ኣይኮኒን ተወሪሩ ዝነበረ ምዕቡል ስነ ጽሑፈታ ነዲዱም፡ ተደርብዮም እዮም። ሕጂ ብጻዕርና ናብ ንቡር ቦትኡ ክንመልሶ እዋኑ እዩ’ሞ ንበርትዕ ኣጆኹም ይብለኩም። ናይ ግዕዝ ዎርድስ ኣብ ብዙሓት ኮምፒተር ጽገም ስለዘሎ ናብ ዝቐለለ ደረጃ ክብጻሕውን ተስፋ ኣሎ።

  • Fitsum January 8, 2015

    Hi Mesinas, Have you ever tried to compare Geez or Tigrigna with Cushitic languages in the surrounding. It is said that the Agaw language is the main substratum of Semitic languages in Ethiopia and Eritrea. One example which is often mentioned is the word order. Ethio-Eritrean Semitic languages have a word order of SOV (Subject-object-verb) just like most of the other Cushitic languages in the region. But Geez and Semitic languages on the other side of the Red See have VSO or SVO. So, how much effect does the Agaw language have in Tigrigna whether in vocabulary or sentence construction? Sorry for raising a side issue.

  • Almaz Gual Asmera January 8, 2015

    ዝኸበርካ ሓው መሲናስ ከምኡውን ኩላትኩም ውሃብቲ ሃነጽቲ ርእይቶታት። ስለቲ ግዜኹምን ጉልበትኩምን ኣጥፊእኩም ቋንቋ ትግርኛ ንምምዕባል እትገብርዎ ዘሎኹም ቃልሲ ምስጋና ይብጻሕኩም።
    እነውን ብሓፈሻዊ መገዲ ርእይቶይ ወስ ከብል። እቲ ተላዒሉ ዘሎ ዛዕባ ዓብዪን ኣገዳስን እዩ። ስለዚ እቲ ዕላማ “ቋንቋ ትግርኛ ንምምዕባል” ካብ ኮነ እቲ ምልልስና ከም ንሽልማት ዝወዳደሩ ዘሎዉ ሰባት ኣብ ቃላት ምምንጣል ዘይኮነስ …ብቑዓት ጸሓፍትን ተዛረብትን ትግርኛ ንምዃንን ንምምልማልን ኪኸውን ይግብኦ። ብኹሉ ሸነኻት ሕብረተሰብና ዝዝርበ ትግርኛ ምፍላጥ “ኣብ ርእሲ ዘሎካ እንተወሰኹኻ…” ከምዝብሃል ሃብቲ እዩ። ከምቲ ሓው መሲናስ ዝበሎ በቲ ናይ ኣብዝሓ ተዛረብቲ ምኻድ ጉድኣቱ ኣይርኣየንን። ኣብ ቋንቋኻ ኣድሂብካ እንካን ሃባን ምብህሃል ነዘውትር። ንንገሩ እንካን ሃባን ኣብ ኩሉ መዳያት ናኡ ሕይወትና ኣገዳሲትን ቦኺራትና ዘላን እያ። ከምኡ ብዝግበርና መጠን መንነትና ይድልድል፡ ኩሉ-መዳያዊ ቃልስና ይሕይል፡ እቲ ብጸይቀ-ዕሉላት ተጨውዩ ዘሎ መሰልና ምስ ኣምለስናዮ ኸኣ ኣብ ውሽጢ’ቲ ማዕከን ቋንቋታትን ክቡር ባህልን ዝኾነ ወረጃ ሕዝብና ኮይና ንዝበለጸን ጽፉፍን ስራሕ ንዋፈር። ኣምላኽ/ኣላህ ንመን ኢሉዎ። ርሑስ ልደተ ክርስቶስን ሓድሽ ዓመትን።

  • FM January 8, 2015

    ክቡራት ኣኅዋትን ኣኃትን፡ ብቀዳምነት ንተወልደመድኅን እቕረታ ክብል ፍቐዱለይ። ንመሲናስ እርማት ግበር ዝበልኩዎ ናይ ባዕሉ ጽሑፍ ስለዝመሰለኒ እሩም ትግርኛ ክነበርክት እንተድኣ ኰይና፡ ኣብ ግድፈት ፊደላት እውን ጥንቃቐ ንግበር ማለት እምበር ንምቍንጻብ ጸሓፊ ኣይኮንኩን፡ ናይ ቅልጣፈ’ዩ (ህጸት) ዚኸውን እውን ኢለ’የ። ስለዙይ ኃው ተወልደመድኅን ኣይትሓዘለይ። ኣብ ቋንቋ ትግርኛ ክንምለስ – ካብቲ ምስ መሲናስ ምልልስ ዝገበርኩሉ ሓደ፡ ዞባዊ ኣዘራርባን ልማድን ስለዘሎ ምጽናዑን ምዕቃቡን ኣገዳሲ’ዩ። ንኣብነት “ሕጂ”ምመረጽኩ ኪብል ከሎ መሲናስ እቲ ሕዪን ሕዚን ዝጥቀም ከባቢ ተጽዕኖ ኰይኑ ስለ ዚስምዖ ጥንቃቐ ጥራይ ዘይኮነስ ሓደ ወዲ ዝኾነ ይኹን ዞባ ልበወለድ ኰነ ካልእ ዓይነት ሥነ-ጽሑፍ ከዘውትር ምትብባዕ ግቡእ’ዩ። ንኣብነት ኣመሪካዊያን ኪጽሕፉ ከለዉ ናይ ደቡብን ሰሜንን ምዕራብን ወዘተ ኣጸሓሕፋ እናበሉ ብሓበን የቕርብዎ። ስለዚ ደረጃ ይሓዝ ኣብ ንብለሉ ትግርኛ ኣብ ሓደ ይጠርነፍ ዝብል መልእኽቲ ካብ ምምሕልላፍ ምጥንቃቕ ከድልየና’ዩ። ናይ ዞባታት ኣዘራርባ ድማ ንቃላት ትግሪኛ ይሃብትም ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ጊዜን ታሪኽን ምስ ጐረባብቲ ቋንቋታት ዘሎ መውስቦን ዝምድናን ምልልቕቓሕን ድማ ይሕብረና። ፍጹም ዘልዓሎ ናይ ኵሻዊያን ቋናቋ ምስ ግዕዝን ካልኦት ሰማዊያን ቋንቋታትን ዘሎ መሰርታዊ ዝምድና ንምምርማር ኪጠቕመና ይከኣል። ንኣብነት ምዕራባዊያን “ኣፍሮ-እሲያቲክ” ዝብልወን ቋንቋታት ተዛመዲን ካብ ሓደ መበቆል ከምዝመጻን ተማራመርቲ ቋንቋታት የረድኡ። ክምቲ መሲናስ ኣብ መባእታ ትንተናኡ ዘመልከቶ “ቋንቋ መንነት’ዩ።” እዚ ብጽሞናን ብልቦናን ክግንዘብ ዘለዎ ነገር’ዩ። ናብ ናይ ምሲናስ መብርሂ ምልስ ክንብል – ኣነ ኣዝየ ዝከራኸረሉ ነገር እንተ ሃለወ ምዕቃብ ምሉእ ፊደላትና ኪኸውን እንከሎ ምስ ታሪኽን ምንባብ ብራናታትን ምስ ካልኦት ቋንቋታት ዘሎና ዝምድና መፍትሕ ማለት’ዩ። ሽሕኳ ንገለገለ ዝርዝር ቃላት መሲናስ መኣረምታ እንተሃለወኒ ብርጡብ መጽናዕቲ ዝተገብረ መምሃሪ ትግሪኛ ገቢረ መኣረምታ ኣብ ካልእ እዋን ከቕርብ’የ። ንሕጂ ክሓልፎ ዘይደሊ ግና ኣብ ሆሄታትና – ግእዝ/ግዕዝ፡ ካዕብ (ካዕቦ – ክለተ መስፈር)፡ ሣልስ፡ ራብዕ (ራብዓይ)፡ ሓምስ፡ ሳድስ ሳብዕ (ሳብዓይ) – እተን ብ”ዕ” ዘስፈርክወን ብኸምኡ ክድመጻ እምበር በቲ ኣደማምጻ ኣምሓሪኛ ዝተማሃርናዮ ክይነዘውትር እምሕጸን። ግእዝ ማለት ግን ጀማሪ ማለት ተባሂሉ ስለዝትርጐም ግዕዝ ግን ንቋንቋን ዓሌትን’ዩ ዘስምዕ ዝብሉ ስለዘለዉ “ሀ” ግእዝ ኣንተበልናዮ ኣየኽፋእን። ብግእዝ “ምዕረ” ሓደ ጊዜ ብትግርኛ ድማ “ምዕሮ” ሓደ መስፈር ማለት’ዩ። ሀ ምዕረ ዘይተባህለ ግና ከምቲ መሲናስ ዚበሎ ንላዛ ይኸውን። ክሳዕ ፍልልይ ግዕዝን ግእዝን ዘየረጋገጽና ግና መሊእና ክንካታዕ ኣይንኽእልን።

  • Mesinas January 9, 2015

    ዝኸበርኩም ኣሓትን ኣሕዋትን ብሓባር ሰላም። ብመጀመርያ ካብዚ ተተቓባቢልኩም ኣስፊርኩሞ ዘለኹም ዓለቓት (ርእይቶታት) ብልቢ ብዙሕ ይመሃር ከም ዘለኹ ብሓጐስ ክገልጽ እፈቱ። ምኽንያቱ ከምቲ መግቢ ዝተፈላለየ ቀመማት ዘጥዕሞ ነዚ ቋንቋና ናይ ምምዕባል ወፍርናውን ርእይቶታትኩምን ሓበሬታኹምን ስለ ዘመቅሮ። መልሲ ናይ ዝሓተትኩሙኒ ግድን ክህብ’የ። ንስኻትኩምውን ነተን ዘቕረብኩልኩም ሕቶታት ስለ ዝመለስኩሙለይ ብዙሕ አመስግን። ኣብ መወዳእታ ከኣ ኣነውን ቅኑዕዩ ዝብሎ ትርጉመን ክህብ ክፍትን እየ’ሞ ኣብ መወዳእታ ኩልና ክንዛተየለን ኢና። ደጊመ ንተገዳስነትኩምን ንዝወፈኹሞ ግዜኹምን አመስግን።

Post a Reply to Yohannes Ge Cancel Reply