Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሕሉፍነት!!!!!!!!!?

ሕሉፍነት!!!!!!!!!? “ስነ -ስርዓት ዘይብሉ ህዝቢ፡ጨው ከም ዘየብሉ መግቢ” መጽሓፍ ኣርባዓን ኣርባዕተን ኣብ መባእታ ቤት ትምህርቲ፡ ዘበነ ፈደረሽን ኤርትራ፡ ካብ ዝነበረ መጻሕፍቲ። ጥዑም መግቢ፡ ብዝሒ ሓዊዶ! የብስሎ? ብዝሒ ጨው ከ! የጥዕሞዶ? ብዝሒ፡ በርበረ ኸ! የምቅሮዶ?  ብዝሒ፡ ቀመም ከ!

ሕሉፍነት!!!!!!!!!?
“ስነ -ስርዓት ዘይብሉ ህዝቢ፡ጨው ከም ዘየብሉ መግቢ” መጽሓፍ ኣርባዓን ኣርባዕተን ኣብ መባእታ ቤት ትምህርቲ፡ ዘበነ ፈደረሽን ኤርትራ፡ ካብ ዝነበረ መጻሕፍቲ።
ጥዑም መግቢ፡ ብዝሒ ሓዊዶ! የብስሎ? ብዝሒ ጨው ከ! የጥዕሞዶ? ብዝሒ፡ በርበረ ኸ! የምቅሮዶ?  ብዝሒ፡ ቀመም ከ! ይጥዕምዶ? ወሓለ ዘይሰርሓቶ! ይነ ኣድ ዶ?።
ሕሉፍ!! ሓለፋ!!!ሕሉፍነት እንታይ እዩ? ሕሉፍ ምዃንከ! እንት እዩ ረብሓኡ? ሕሉፍ ብምዃን፡ የፋቕር ዶ? ሰላምን ምርግጋእን ከ! የምጽእ ዶ? ፍትሕን! ስርዓትን ኣሎ ዶ? ሕሉፍ ሰብ ብምዃኑ! ሰብ ይነኣድ ዶ? ሕሉፍ ሰብ ይዕወት ዶ?
ሕሉፍነት! ባህርይ ኣብ ኤርትራውያን፡ ንሃገርናን፡ ንህዝብናን ኣብ ድቕድቕ ጸላም ኣእትዩዋ ይርከብ ኣሎ። ሕሉፍነት! ዘስዕቦ! ካብ ጥቕሚ!! ጉድኣቱን፡ ስቓዩን፡ ድኽነቱን፡ ዉርደቱን፡ ድንቑርናኡን፡ ዕሽነቱን፡ ስድነቱን፡ ብዕልግናኡን፡ ድሕረቱን፡ ስድራቤት ምብታኑን፡ ህልቀቱን፡ መቕዘፍቱን፡ ኣደራዑን፡ መረረኡን፡ ደሚርካ ኣጉዲልካ መልሱ፡ ባዶሽ፡ዝኾነ ዜግነት ኤርትራውያን ኮይኑ ይርከብ። ሕሉፍነት!! ኣብ ሓሶት ዝተመርኮሰ፡ ኣንነት፡ ብመጽናዕትን፡ ብታሪኽን፡ ብባህልን፡ ዘይድገፍ፡ ሓዱሽ ባህሊ ኤርትራ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ባህሊ እዚ፡ ብዓዋሉ፡ ብናይ መንንነት፡ ቅልውላው፡ ዘለዎም ዜጋታት፡ ኣብ ሕነ ምፍዳይ ዝተመርኮሰ፡ ናይ ሓሶት ልዕልና፡ ኣብ ልዕሊ፡ዜጋን! ኣብ  ልዕሊ፡ ህዝብን! ኣብ ልዕሊ ሃገርን፡ ኮነ ኢልካ ዝተማህዘ፡ መጽነትን፡ መቕዘፍትን፡ህልቀትን፡ ኤርትራውያን እዩ። ሓቢርና፡ ንመልከት።
 
“ነዋሕ፡ መሽላ!!ወይ ንዒፍ!!ወይ ንወንጭፍ!!” ከም ዝባሃል፡ ኣስዕብ ኣቢልካውን፡ “ብዘበነይ ይጥዓሞ ንወገነትይ” ይባሃል እዩ።
ሓለፋ ንምንታይ ኣድለየ? ሓለፋ ዝደሊ ዓማጺ!! ብሕጊ ዘይ ከይድ ጥራሕ እዩ። ሓለፋ ዝደሊ፡ ንዓይ ንዓይ፡ዝብል ፍጥረት እዩ። ናይ ሓሰማ ባህርይ ዘለዎ። ኣነ ይጽገብ፡ ጸጊበ ይድቅስ፡ ብድሕሪኡ ይሕረድ። ናይ ዓመጽ፡ ባህርያት፡ ዓመጽ ኣብ ርእሲ ዓመጽ፡ ሓሶት ኣብ ርእሲ ሓሶት፡ ዘይናትካ ምድላይ፡ ብዘይ ጉልበትካ ምንባር፡ ሕጊ ኣልቦነት፡ ሽፍትነት፡ ጸብለትነት፡ ተበላጽነት፡ እንተ ዘይኮይኑ! ካልእ ዘምጾኦ፡ ትርፍን፡ መኽሰብ፡ ረብሓን፡ ኣብ ሃገርና ኤርትራ፡ ኣይተራእየን።
ሕሉፍነት እንታይ እዩ?
ሕሉፍ ዝባሃለ ከመይ ዝኣመሰለ ኮን ይኸውን? ሕቶ ኣብ ርእሲ ሕቶ ክድርደር ስለ ዝኽእል፡ ሕሉፍ ማለት ካብ ዓቀን-ዝሓለፈ፡ ካብ መጠን-ዝበዝሔ፡ ካብ መምዘኒኡ፡ ዝዛየደ፡ ብቑመት ኮነ! ብኽብደት! ብስፍሪ! ካብቲ መለክዒ! ቅቡል ዝኾነ ኣብ ሓደ ህዝቢ ወይ ኣብ ሕብረተ ሰብ፡ ኣብ ዕዳጋ፡ ኣብ ዳኝነት፡ ኣብ ኣከባቢ፡ ኣብ ሃገር ኮነ! ኣብ ኣሕጉራዊ፡ ንሰብ ኮነ! ንነገራት ዝልከዓሉን፡ ዝምዘነሉን፡ መለለዩ፡ ባህርያዊን፡ ሳይንሳውን፡ ሕጋውነት ዝለበሰ እዩ። ዓቀኑ ብዙሕ ኮይኑ ዝርከብ ወይ ካብ መጠን ንላዕሊ ሓሊፉ ዝርከብ፡ ሕሉፍነት! ጸብለልትነት ኣለዎ፡ ክብሃል ይከኣል።
ሓጸረ ኢልካ ኣይትልቅመሉ፡ ነውሔ ኢልካ ኣይተሕጽረሉ” ምስላ ናይ ኣድከመ ምልጋእ
ሕሉፍ!!! መን እዩ? ሕሉፍ ዝባሃል እምበኣር ካብ ሰቡ ንላዕሊ፡ ጸብለልነት ዝሓትት፡ ዝያዳ ንዓይ ቀርቡለይ ዝብለ፡ ቅድሚ ሰበይ ክዛረብ ዝብል፡ ታራኡ ዘይጽበ፡ ንዓይ ስምዑኒ፡ ኣነ ምስተዛርብኩ ካልእ ክዛረብ የብሉን ዝብል፡ ልዕሊ ሰበይ ምሁር፡ “ዓለም ኩላ ደንቆሮ” ኣነ ብዝያዳ ፈሊጥ ስለ ዘለኹ!! ካልእ ሰብ ከም ዘይምልከቶ ጌርካ ምውሳድ፡ ኣብ መስርዕ፡ መስርዕካ ከይተጸበኻ ኣቀዲምካ ምሕላፍ፡ ጉዳይ ስለ ዘለኒ ቀልጢፍኩም ኣፋንዉኒ ምባል፡ ቅድሚ ሰብ ክትከውን ምፍታን፡ ኣብ ቤተ መንግስቲ ንበዓል ስልጣን ስለ እትፈለጥ! ጉዳይካ ብዘይ ኣግባብ ክሰልጠካ ምግባር፡ ብምጕብዕባዕ፡ ቆሉዑ ስለ ዘለውኒ፡ መገሻ ስለ ዘለኒ፡ ኣኼባ ስለ ዘለኒ፡ ዕድመ ስለ ዘለኒ፡ ኣጋይሽ ኣብ ገዛ ስል ዝገደፍኩ፡ ኣነዶ ከም ኩሉ ሰብ ክርኤ ኣለኒዩ፡ ……ወዘተ። ዝብል ሓለፋ ምድላይ።
ሓለፋ ብምድላይ ሰላም የምጽእዶ? ሓለፋ ዝደሊ ብምንታይ ይልለ? ኣብ ዕለታዊ ኣካይዳ፡ ኣብ ዕለታዊ ኣሰራርሓን፡ ተግባሩን ሕሉፍነት ክርኤ ይኽእል። ሓለፍ ዝደሊ እንታይ ረብሔ? ንዓይ ይጥዓመኒ ናይ ካልእ እንታይ ገደሸኒ ስለ ዝብል፡ ተበለጸ። ሰስዔ፡ ስነ ስርዓት ኣጉደለ፡ ኣነ ጽሩይ ማይ ኣስትዩኒ፡ ብድሕረይ! ማይ ይዘረግ።ኣነ ከለኹ ዳኣ ይጸብቕ እምበር ብድሐርይ ይበላሾ። ኣነ ኣይኮንኩን ባዕሎ እዮም ኣጨማሊቖሞ!። ዝገበርካ ምስ ገርካ ካብ ሓልፍነት ምህዳም፡
ኣነ እንተ ሞይተላ ዳንደር ኣይትብቆላ” በለት ኣድጊ ከም ዝባሃል እዩ።“ኣነኮ ሓደ ሰብ እየ! ዓዲ ብዓዳ እንድያ ከምኡ ትገብረ ዘላ” አናበልካ ምሽክዕላል።
መተሓሳሰቢ!!!ኩሉ ዜጋ ወዲ ሃገር ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ፡ ኣብ ሃገር ኮነ ኣብ ስደት፡ ስነ ምግባር ናይ ምሕላው ሓልፍነት ኣለዎ። ስነ ምግባር ዘጉደለ፡ ስርዓት ሃገር ኣጉደለ፡ ፍትሒ ኣዘናብዔ፡ ሕጊ ረገጸ፡ ሃገር ኣፍረሰ ወይ ሃገር ኣዕነወ እዩ።
ሕሉፍ፡ኣብ ሃገራውነት!!!!
ሕሉፍ!! ሃገራውነት፡ኽ? ካብ ዝጅምር፡ ዕድሜኡ ነዊሕ እካ እንተኾነ፡ እዚ ሕሉፍነት እዚ እናተወራረሰ፡ ምስ ግዜን ኩነታቱን፡ መልክዑን ሕብሩን፡ እናቐያየረ ልዕሊ ሰብዓ ዓመታት፡ ብጭብጢ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ተምዝጊቡን፡ ተሰኒዱን፡ ተኾሚሩን ይርኤ ኣሎ። ብዘበን እንግሊዝ ዝጀመረ ሕሉፍነት፡ዝተዘርኤ ዘርኢ ሕሉፍነት፡ ስዒቡ ኣብ ካይሮ ዩኒቨርሲቲ ዝተገብረ ኣኼባ፡ ብሕሉፋት፡ ዜጋታት ዝተመስረተ፡ቃልሲ ኤርትራ? ሕሉፍ ሃይማኖትነት፡ ዓረብነትን፡ ስለ ዝተወሰኾ፡ ሕሉፍ ገድሊ ኤርትራ ብስም ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተመስረተ። እዚ ድማ ኣብ ክንዲ እንታይ ይሕሸና? እንታይ የሰማምዓና? ከመይ ኢልና ሓቢርና ክነብር ንኽእል? ዝብል ሕቶታት ቀዳምነት ኣብ ክንዲ ምሃብ!!! ኣነነት ስለ ዝዓብለለ ኣብዘይ ኣድለየና፡ ናይ ህልኽን ናይ ቅርሕንትን፡ ናይ ሓጺር ስጉምቲ፡ሓጺር ዉሳኔ ብምውሳድ፡ ምስ ውልቃዊ ረብሓ ብሕዋስ ጸገምናን፡ ጸገም ህዝቢ ኤርትራን ከይተፈትሔ፡ ሽግርና፡ እናበዝሔን፡ ናብራ ህዝብና እናኸፍኤን ይኸይድ ኣሎ።
ይተካእ ይለቀም፡ ድሕሪ ጉባኤ ኣዶብሓ፡ ሽግራት ኣብ ክንዲ ዝፍታሕ፡ እንተ ብቕንዕና!!እንተ ብተንኮል፡ ኣቐዲምካ ስልጣን ሒዝካ ጎብለልነት ምዃን፡ ምስጢሩ ብሩህ ብዘይኮነ ሓቅነቱ ዘይተረጋገጸ ታሪኽ ኣብ 1970 ዝተገብረ ምፍንጫላት፡ ደቂ ባርካ ኮነ ደቂ ሰምሃር ብሓደ ወገን ደቂ ከበሳ በት ሓደ ወገን ንጽር መጽናዕቲ ዘይተገብሮ፡ ነናትካ ታሪኽ እናተጸባበቐ ህዝቢ ኤርትራ ብበሎ በሎ ክንድንቑር ከኣለ። “ህዝባዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ብደቡባዊ ምብራቕ ባርካ ዑበሊን፡ ኣብ ከበሳ ወይ ክርስትያን፡ ሰልፊ ናጽነት ኤርትራ” ኢልካ ዝተወስደ ስጉምቲ፡ ደጋጊምካ እንክርኤ፡ ሕሉፍነት፡ ዘስዓቦ መሪር ናይ ሓቢርካ፡ ዘይምስራሕ፡ ምጽውዋር፡ ምክእኣል፡ ኣጉዲልካ፡ ሕግን ሓልፍነትን፡ ረጊጽካ፡ ኣብ ዘየድሊ ፈኸራን፡ ዕንደራን፡ ተኣትወ። ንእትብሎ ሓቅነት ከተልብስን፡ ደጋፊ ሰዓብን ክትረክብ፡ ናይ ሓሶት ታሪኻን፡ ገበናትን እናደራደርካ፡ ዝጠፌኤ ሂወት መንእሰይ ኤርትራ፡ ዝጠፌ ጉልበትን፡ ቅንጸላን፡ መስዋእትነትን፡ መሪር ታሪኽን፡ ሓተላ ምምሕዳር፡ ኣጽናቲ ስርዓትን፡ተፈጢሩ ዘሎ፡ ሑፍነት ዘስዓቦ ጠባያትን፡ ተግባራትን እዩ።ኣብ ታሪኽ ሓተላ ዝኾነ ትግባራት እዩ።
“ምሳና ዘይኮነ ካባና ይፈለ”
ዝዓይነቱ ኣመሃህራን፡ ሓላፍነት ዝጎደሎ ኣካይዳን፡ ኣሰራርዓን፡ ኣወዳድባን፡ ካብ ወላዲኻን፡ ወላዲትካን፡ ሓፍትኻን፡ ሓውኻን፡ ሓዳርካን፡ ደቅኻን፡ ሂወትካን፡ ዓርክኻን፡ ዓድኻን፡ ወረድኻን፡ ኣውራጃኻን፡ ፈሊኻ፡ ሕሉፍ ሃገራውነት ከተእምንን፡ ከተጽልይን፡ ከተስምዕን፡ ከተሕስብን፡ ተጋዳልይ! ከተስቆርቑርን፡ ብምግባር፡ መደንቆር ዝኾነ ትምህርቲ!!! ንኣእምሮ ተጋዳልይ ሰለበ።ተጋዳላይ ጻዕዳን ፡ ጸሊምን ክፈልየሉ ኣብ ዘይክእል ደረጃውን በጽሔ። ተጋዳላይ፡ ናብ ሮቦት ወይ ናብ ዛህላልነት ተቐየረ። እዚ ስለ ዝተገበረ፡ ዘስዓቦ! ወይ ዘፍረዮ፡ ምግዳል ከም መለኮታውነ ኮይኑ ክእመን ከኣለን፡ ለበሰ። መስዋእትነትን፡ ጅግንነትን፡ ድማ ኣንዊሕካ ኣብዘይ ትጥምተሉ ስለ ዝበጽሔ!!! ኣነ ክስዋእ ንስኻ ጽናሕ እናተባህለ፡ ናብ ከቢድ ስምዒታዊ ወይ ከም ሻህረትነትን፡ ተቐየረ። ተጋዳላይ! ንሂወቱ ምንም ዋጋ ኣብ ዘይህበሉ እዋን ተብጽሔ። ተበልጽቲ ክጸንሑ፡ የዋሃት ኣቐዲሞም ተበጀዉ።ኣባጽሕን፡ ዕሸላትን መናእሰይ ተጋደልቲ ኤርትራ ኣብ ባርዕ ኩናት እና ኣተዉ፡ ሃገራዊ መስዋእቶም ቀጸሉ፡ በጃ ሃገር ህዝብን ሓሊፎም ነጻነት ናይ መርየትን፡ ክብሪን ግርማን!!! ንህዝቢ ኤርትራ ኣረኪቦም ሓለፉ።
ክብርን መጎስን ንጀጋኑ ኤርትራ፡ ዝተሰዉን፡ ዝሰንከሉን፡ ዕድሚኦም ኣብ ቃልሲ ዝወዱኡን፡ ዝደኽሙን፡ ኣብ ኣገልግሎትን ዘለዉ ኩሎም ምስጋና ይብጻሓዮም።
“ተመሊስካ ትርእዮ፡ ገዲፍካዮ ኣይትእቶ”
ሕሉፍነት፡ ዜጋ!! ኣብ ርእሲ ዜጋ ብምዃን፡ ሓደን ክእመን እቲ ሓደን ክጥእርጠር እናገበርካ፡ ሓደን ክግደስ ብዙሕ ስለ ዝሕሰወ፡ እሙን ዜጋ ክመስል፡ ሓሳዊ፡ ኣብ ልዕሊ ሓሳዊ፡ ዜጋታት ኔርትራውነ ተወዳደሩ፡ ናይ ዘይኮንካዮ ሕልምን በለጽን፡ ዝተኣልመ ማእለማ ሕሉፍ ተኣማኒ፡ “ሕሉፍ ጸጋማይ፡ ሕሉፍ የማናይ፡ ሓለፋ ዝዋሃቦ ኣውራጃ፡ ንሓለፋ ዝወዳደር ኣውራጃ፡ ሓለፋ ዘየድልዮ ኣውራጃ፡ ሓለፋ ዝወሃቦ፡ ሃይማኖት፡ ሓለፋ ዝሰኣነ ሃይማኖት፡ ሕሉፍ ሓገራዊ፡ ሕሉፍ ሓፋሽ ዉድብ፡ ሕሉፍ….ወዘተ። ብሕሉፍነት ሃገርና በረሰት።
ሕሉፋውያን ዓድታት
ኣብ ልዕሊ ሃገር ሓለፋ ክዋሃብ ተራእየ፡ ሕሉፋት ጀጋኑ!!! ዘፍርያ ክመስላ ኣብ ሓለፋ ሽመትን መዓርግን ተሰሪዔን ይርከባ። ሕሉፋት ዓድታት፡ ኣብ ሓደ ዓዲ፡ ዓሰርተ ጀነራላት፡ ካብ ሚእትን ዕስራን፡ ንላዕሊ ኮሎነላት፡ ክህሉ እንከሎ፡ ጥዑይ ዓይንን ኣእምሮን፡ ዘለዎ ዜጋ፡ ክሓትት ናይ ግድን እዩ፡ ከመይ ኢሉ ክኸውን ካኣለ? እዛ ዓዲ እዚኣ ንበይና ድያስ ከማኣ ዝኣመሰላ ዓድታትከ ኣለዋዶ? ኢሉ ንዝሓትት፡ እወ፡ ኣብ ከባቢኤን ዘለዋ ዕድታት እየን እዩ መልሱ። ሕሉፍነት!! ኣብ ቦታኡ ኣሎ። ሕሉፍ ኣውራጃ እንሆ። ናይ ሃገር መከላኸሊ ምኒስተር ብሓደ ኣውራጃ ክምራሕ፡ ንፍትሕን ስርዓትን ፡ ንሃገራዊ ቕዋም ጠጠው ዘይብሉ፡ ሃገራዊ ሰራዊት፡ ንነብሶምን ንዝሸሞምን፡ ከገልግሉ እዮም ተመዲቦም።እዚ፡ ስል ዝኾነ ድማ እንሆ! ጀነራላት ኤርትራ፡ ሕሉፍ ሓገራውነት ተጎልቢቦም፡ሃገርን ህዝብን እናበረሰ ስቕ ኢሎም ይርእዩ ኣለው።
ካባና ዘይኮነ!! ካባና ይፈለ ዝዓይነቱ፡
ስርዓት ኤርትራ ካብ ሓደ ኣውራጃ ብብዝሒ ጀነራላትን፡ ኮሎነላትን፡ ማጆራትን፡ ብጠቕላላ መኮነናት፡ ሃገራዊ ጸጥታን፡ ድሕነትን፡ ምክልኻልን ስለ ዝተታሕዜ፡ ፍትሒ ኣልቦነት ኣብ ስራሕ ውዓለ። ሕሉፍነት ዝተጎልበቡ ምሁራት፡ ኣብ ስደት ዝነብሩ፡ “ሃገርናን መንግስትናን ንሓሉ” ሃገር ንበይኖም ከም እትብጽሖም፡ ዓው ኢሎም ክጭድሩ ዕለታዊ መደርን ሓቂን እዩ። ብሕሉፍነት!!! ሃገርና ኣበየናይ ሓደጋ ኣትያ ከምዘላ ንኹሉ ብሩህ እዩ። ስለ ዝኾነ፡ ተወሳኺ መርትዖ ዘድልዮ ኣይኮነን። ሕሉፍ ሃገራውነት፡ ሓለፋ ናይ ኣገልግልቱ ድማ ኣብ ልዕሊ ዜጋኻ ኣሽካዕልል!! ድላይካ ግበር፡ ሕጊ ንስኻ ኢኻ፡ ሕጊ ከምድላካ! ተርጉሞ! ዘድለካ ግበር ሃገር ናትካ!! ናተይን!  እዩ ዝብል ንጉስ ኣብ ኤርትራ ነገሰ።
“ደርሆ!! በምዑት ደቃ ትጻወት” ከም ዝባሃል፡
ገለ ገለ ኣካዳሚክስ ትምህርቲ ዘለዎ ሕሉፋት ዜጋ ኣብ ዕብዳን ምዝርና፡ ብዕልግናን፡ ከም ሓለፋ ወሲዶም፡ ናብ ሃገርና ኤርትራ ክመላለሱ ይራኣዩ። ሕሉፍነት ዝተኸድኑን፡ዝተዓጥቑን፡ ምሁራት ኤርትራውያን፡ ንህዝቢ ዓለም ዘደናግሩን፡ ንዲክታተር ንጹሁነት ዘልብሱን፡ ሃገርና ብጸላእቲ ተኸቢባ፡ እናበሉ ዝግዕሩ ብገንዘብ ዝተዓደጉ፡ ንቖልመጽመጽ ዝሓድሩ፡ ኣብ ኤርትራ ከይዶም ከምድላዮ ክምንዝሩን፡ ክብዕልጉን፡ ይፍቀደሎም። መንእሰይ ሃገርና፡ ኣብ ባርነት ክነብር ጥዑይ መነባብሮ ስለ ዘየብሉ፡ ድኽነት ስለ ዝበዝሖን፡ መስዋእትነትን፡ ስደትን ተወሲኹ፡ ኣዋልድ ኤርትራ ሓዳር ክገብራ ስለ ዘይከኣላ፡ ኣደዳ ምንዝርናን፡ ዉርደትን ኮይነን ይርከባ ኣለዋ።
ተወሳኺ!  ኣብ ስደት ዝነብሩ ዜጋታት፡ ኣብዚ ሰዓት እዚ ዘበነ ጸነተ!!! ናብ ኤርትራ ዘኺዶም ንኽምንዝሩን ንኽዓብዱን፡ ድሃይ ገዛይ ክፈልጥ እናበሉ ይገሹ።
ሃገራዊ!!ንገበንካ ሓቅነት ዘብሉ፡ ከተምስል ተጣበቕቲ ስል ዘድልዩ፡ ካብ ህዝቢ፡ክትምልምል ናይ ግድን ስለ ዝኾነ፡ ብትምህርቲ ኣካዳምያዊ ደረጃኦም፡ ልዕል ዝበሉ ብማስተርስን፡ ብዶክተርነት፡ ዝወድኡ፡ ኣብ ኤርትራ ንዝግበር ግፍዕን በደልን ኣብ ስደት፡ ንዝግበር ምንቅስቃሳት ከተዓናቅፉን፡ ነቲ ዝግበር ኣብ ህዝቢ በደላዊ ሰብኣዊ መሰል ግህሰት ሕጋዊ ስም ከልብሱ ይኽእሉ ዝባሃሉ ይቑጸሩ። ቑጻር ወይ ዓሰባ ዝተባህሎ ይፍጽም። ገለን ብገንዘብ ተቖጺሮም፡ ገለን ብሕሉፍ ሃገራውነት ኣእምሮኦም ሸፊንዎም፡ ዝተበላሸዉ፡ ንህዝቢ ዓለም፡ ሃገርና ኤርትራ ምዕብልትን ብልጽግትን ብወርቂ፡ዝነትዔትን፡ ድኽነተ ኣልቦ ክገብሩ ይፍትኑ። ኣብ ስደት ካብ ሓደ ከተማ ናብቲ ሓደ ከተማ እናኸዱ ይግዕሩ ኣለው።
ናይ ኤርትራውያን ሕሉፍነት!!!ንበይኑ እዩ??
ኣቕሽሽትን፡ መሻይኽን ካብ ሃይማኖት ወጻኢ ኣብ ዘይምልከቶም፡ ህዝቢ ኣብ ክንዲ ዘፋቕሩ ከባእሱን ይውዕሉ ኣለዉ። ነፍስ ወከፍ ዜጋ ብሕሉፍነት ተበላሽዩ ስለ ዘሎ፡ ካብዚ መርዛም ብልሽውና፡ ጠባይ ክንፍወስ ናይ ግድን እዩ።ኣብ ስደት ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ዘይሓልፍነታዊ፡ ዘይ ስነ ምግባራዊ፡ ዘይሕጋዊ ተጋባራት ክፍጽሙ ይዉዕሉን፡ ይሓድሩን፡ ኣለዉ። እዚ፡ ድማ፡ ኣብ ዘዝነብሩ ዓዲ፡ ኣብ ሓገዝን፡ ረዲኤትን፡ እንጀራ ልማኖ እንዳነበሩን፡ እናበልዑ፡ ዝበልዕሉ ጻሕሊ ክሰብሩ ይራኣዩ።ኣብ ዝነብሩሉ ዓዲ ወይ ሃገር፡ ዑቕባ ክሓቱ ከለዎ ዝበልዎ ረሲዕም፡ኣብ ኤርትራ እንክበጽሕ ኣብ ሓሶትን፡ ሕግን ስርዓትን፡ ክጥሕሱ ይርከቡ ኣለዉ።ኤርትራዊ ስነ ስርዓት ኣጕዲሉ ይርከብ ኣሎ።
 “ስነ ስርዓት ዘይብሉ ህዝቢ ጨው ከምዘይብሉ መግቢ” ኮይኑ ስለ ዘሎ ኣንዊሕና ክንሓስብ ይግባኣና።
ሕሉፍነት ዘይፍወስ ሕማም ምንሽሮ ኤርትራ እዩ
ኤርትራዊ፡ ነን ነብሱ፡ ይፈትሽን ይመርምርምን፡ ብሕሉፍነት ምንም መድሃኒት ኣይርከቦን እዩ። ሕሉፍ ቛንቛ የለን። ሕሉፍ ሃይማኖት፡ የለን። ሕሉፍ ብሄር የለን።ሕሉፍነት ዜጋ እውን የለን። ሕሉፍ ኣውራጃውን የለን።ሕሉፍነት ሕማም ምንሽሮ እዩ። እሞ ሕማም ምንሽሮ ካብ ኮነ፡ እዚ ሕማም ምንሽሮ ተሰኪምና ካብ ምንባር ክንገላገል ንጽዓር፡ ፈውሲውን ንርከበሉ።
ካብ ሕሉፍነት ሓራ ንኹን።ህዝብና፡ ተር ከም ዓተር ኢሉ፡ ኩሉ ዜጋ ኣብ ልዕሊ ማንም ዜጋ ማዕረ ዳኣምበር!!!ሓለፋ፡ የብሉን።ኩሉ ዜጋ ብዘይ ኣድልዎ፡ ኣብ ማዕርነት ዜጋታት፡ኣሚኑ ክነብር፡ ብቕዋም ክምራሕ፡ ብሕግን፡ ብፍትሕን ብስነ ርዓትን፡ ተኸቢሩን ተሓፊሩን ክነብር እንተዳኣ ኮይኑ? ኩሉ ዜጋ ኣብ ሃገራዊ ትካልን፡ ቅዋምን ንኽተክል ክጽዕር ሓላፍነት ኣለዎ።ናይ ኩሉ ዜጋ ጻዕርን ድኻምን ድማ ይሓትት። ደው በለለይ ክብለጸልካ ግዜኡ ኣብቂዑ እዩ።
ፍትሒ ይንገስ!!!
ዉድቀት ንሸፋቱን ሕሉፋት ሃገራውያንን
ሃይለ ገብረ ትንሳኤ ፡ ዘብሄረ ሰራየ
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና 03/21/2016

aseye.asena@gmail.com

Review overview
28 COMMENTS
  • negusse March 31, 2016

    ዝኸበርኻ ሃይለ ፤

    ስለቲ ኩልጊዜ ተቅርቦ ሐቕን ብሱልን ጽህፍካ የድንቐኻ ፤
    ሕጅውን አቕሪብኻዮ ዘለኻ ሐቒ ትንተናን ፍታሕን ዝወጾ የብሉን።
    ሎሚ ሽግር ሀገርና እንታይ ምኳኑን ብመን ሞኳኑን ሕዝብና ብስርዓት ተገንዚብዎን ፈሊጥዎን ስርዓት ሽፍታ ኢሳያስ ምስ ጭፍርኡ ተአልዩ ብስርዓትን ልዕላውነት ሕጊ ቕዋምን ትመሐደር ሀገር ክትከል ካብ ዝኾነ ጊዜ ንላዕሊ አብ ውሽጥን ደገን ዝርከብ ሕዝብና ይጠልብ አሎ። ፤
    እንተኾነ ጠፊኡ ዘሎ ብከመይን ብቑልጥፉን ተተግብሮ እዩ።

    • Haile Tensae April 3, 2016

      ሰላም ንጉሰ!!
      ንሕቶኻ መልሲ: መጀመርያ ንነብሰይ ክመልኽ ይግባእ።ስዒቡ “ጻዕዳ ካብ ጸሊም ከምዝፍለ ክፈልጥ ይግባእ” እዚ ምስ ፈለጥኩ ንጻዳ ቀጠልያ እዩ ወይስ ቀይሕ ንዝብለኒ ኣይኮነን ኢለ ይምጉት።
      ከማይ ዝመስሉ: ዜጋታት ይደሊ: ተስፋ ብዘይ ምቑራጽ ይቃለስ።ሓላፍነት ከምዘለኒ ግቡእ ናይ ዜጋ መሰልን ግደታን ፈሊጥ: ከፍልጥ ይቃለስን: ይመክርን። ብሰላም ድማ ይድቅስ።
      ምስ ኩሉ ኣኽብሮት
      ሓውካ
      ሃይለ ገብረትንሳኤ

  • temesgehen abraha April 1, 2016

    why do you say zebhere seraye. seraye is not biher please don’t use such nonsense word otherwise you are supporting isayas wedi tembien

    • Sol April 1, 2016

      Tem.
      The answer is in the article, regional nepotism.

  • k.tewolde April 1, 2016

    Wedi Gebre, I like your statistics on the number of high ranking officers in the EDF coming from specific ethnic group , the tyrant is slick, he knows what he is doing. May he is paying them back for accommodating his grandfather back in the days.

    • Berhane April 1, 2016

      Eweee anta hakeka endika etom denakur begenzeb parking ene be taxien menabebreowm zigebereu hakom entay yifeletu yibhal. Etom nay helina denakur Doctor/Masters alena endabelu ke minzirun keserkun miste dictator ke endurun nab Eritrea amet metse endabelu zemalalesun eyom zigermu.
      Antum beal …. ele shimekum mesewakukum gina entay emo yigber kigedfo ember abzezelekumo woshate konkum nezia leukey ketenbebu kelekum resekum tehaku emo aye hilinakum entay kon yesemakum yekowen gina ke ayena hilina zelekum koynkum dea….

  • hp April 1, 2016

    ዝኸበርካ ሃይለ፡
    ዘቅረብካዮ ጽሑፍ ብዕቁን ጨው፡በርበረ፡ቀመም ወዘተ፡ኣስተማቂረዮ።ኣብ’ቲ ናትካ prescription መዓር ክትሕውስ ይላበወካ።ብፍላይ! “ሕሉፍነት ተሓኤ ተኣሪሙ ነይሪ ኢዩ።ጉባኤ ኣዶብሓ ይምስክር ኢዩ።ኢቲ ትዛረበሉ ሕልፍነት ቢኣሉታ ጥራሕ ኣይትግለጾ።ከወይ’ሲ “መዓል መንካዕ ንቁኑዕ ዕላማ ወዲቆም ኢዮም ሕሉፋውያን ስለዝተባህሉ።ኢንተ ኢቲ ብዘመነይ ኣይሕሰሞ ወገነይ ዝበልካዮ ግን ንኢሳያስ ዝምልከት ኣይኮነን ኒኣባጥመር ጥራሕ ኢዩ ዝምልከት።
    ወዲ ብሀረ-ኣክለጉዛይ ግን ሳሆታይ።

  • sussun April 1, 2016

    Temsgen Abraha SERAYE is an old region of Eritrea or adifthin zengin midre ADKEME miligae not awraja sharan timkihtin .

  • AHMED SALEH !!! April 1, 2016

    The worst HULUFAT of our time in diaspora use their hatred of
    Issayas to offend our people with foolish excuses to blame
    Eritrean revolution by portraying as SHIFTNET . Further I
    heard one of SEMERR group leader in Europe publicly said;
    he refuse to honor Eritreans martyred legacy or any kind
    of efforts in regard to their memory .
    As far as we fight for justice and democratic reform , we
    must confront these political clown invaders that might
    spoil the reputation of DELEYTI FITHI movement .
    HGDF supporters at least serve their interest better than
    those fake pro opposition free to ride with us .

  • ወዲ ጓል ሰራዪት April 1, 2016

    ክቡር ሃይለ፣

    እቶም ምእንታኹም ወጺእና ዝብሉና ብባሕረ ነጋሽ ትግራውነትና ክንሓፍር ጥራይ ዘይኮነስ፣ነቲ ኣውራጃና እውን ከይንኾርዓሉን ከይንሰምዮን taboo ከም ንቖጽሮ ጌሮም ንሳቶም ኣብ ትሕቲ ዓርኮብኮባይ ኮይኖም ዝምህዝዎ ናይ ሓሶት ታሪኽን መንነትን ክንሓቍፍ ዘገድዱና እምቢ ኢልና ብዘርእናን ኣውራጃናን ሕጉሳት ኢና።
    ህዝበ ትግርኛ ዝተማህዘ መንነት እዩ እምበር ንሕና ባሕረ ነጋሽ ተጋሩ ኢና፣ ስለዚ ሰራየ እውን ካብ ሶርያ(middle east) ዝመጹ ብሄር ክንከውን ንኽእል።
    What is good /bad for the goose is also good/bad for the gunder.

  • Haile Tekle April 1, 2016

    እቶም ብዝሒ ጀነራላት ኣለዎም ዝበልካዮ ቦታታት እቶም ዝተወጽዑ ቦታት ኤርትር ምኻኖም እንተትፈልጥ ከምኡ ኣይምበልካን መሪቶም ተሕዲጎም መንበሪ ገዛ ዝይብሎም ነቶም ከማኻ ኣብ ወጻኢ ዝቅመጡ ተሸይጡ ካብ መበቆል ዓዶም ጭራም መሪት ዝተሓርሞም እዮም። ንስኻ ግን መሪት ዓደቦኻ ኣይተትንከፈን
    ኩሎም ጀነራላት ውሰዶም መሪት ዕደቦኻ ኣንተዘሕዱኻ ከመይ ምስ ተሰመዕካ

    • Haile Tensae April 2, 2016

      ሰላም ኣቶ ሃይለ ተክለ ርእይቶኻ ቅቡል እዩ። ኣነ ዝድግፎ እዩ። ሓቕኻ: ኣብ ኤርትራ ውሽጢ ዝነብሩ ደቂ ኣውራጃ ሓማሰን ብድላት እዮም። ደቆም ኣሰዊኦም: መርየቶም ተሓዲጎም: ብዘይ ዋጋ: ተበዲሎም: ተመቑሖም:ተገሪፎም እዩም። ኣብ ስልጣን ዘለው ኣሕዋቶም: እሕሕሕ!!!!!ክብሉ ኣይተራእዩን: ንኸብዶም ይነብሩ ኣለው። ኣብ ኤርትራ መርየት ብህግደፍ እዩ ዝውነን: ኣብ ዝኾነ ግዜ ከሕድገካ እዩ። ሕግን ስርዓትን: ቅዋምን ክሳብ ዘየሎ።ሓቢርና መልሲ ንድለየሉ።

      • Haile Tekle April 2, 2016

        ሰላም ሞክሲ
        እዚ ኣራዊት ምስ ዕሱባቱ ንጥፋኣት ሃገርና ተዓጢቁ ስለ ዘሎ
        ሽርሕታቱ ኣብ ምፍሻል ብሓባር ንቃለስ

    • Moki April 2, 2016

      “እቶም ብዝሒ ጀነራላት ኣለዎም ዝበልካዮ ቦታታት እቶም ዝተወጽዑ ቦታት ኤርትር ምኻኖም እንተትፈልጥ ከምኡ ኣይምበልካን መሪቶም ተሕዲጎም መንበሪ ገዛ ዝይብሎም ነቶም ከማኻ ኣብ ወጻኢ ዝቅመጡ ተሸይጡ ካብ መበቆል ዓዶም ጭራም መሪት ዝተሓርሞም እዮም። ንስኻ ግን መሪት ዓደቦኻ ኣይተትንከፈን”

      Haile Tekle

      You are complaining about land taken from you around the capital Asmara.
      What about land settlers from Hamasien have taken from Kunama ?

  • Ghirmai April 2, 2016

    Birawo haile kulu gelizkayo ika izi hizbizi kulu gedifu ab haki kizigai alowo haki felitu dima anzar hasot belez tilmet bedel timkihti dew kibil alowo nihna Akeleguzay Seraye Hamasien Senhit Barka Denkel Sahil Semhar iykonen zegemna kemzi kolona bihansab tekalisna tesewiena tefakirna teawitna nay meryet nazinet amzina hizbi gin bisenki isayasin siratun fah fah ilu silezi hizbi tselaiun chequaniun keleli alowo kindey amet nigizyawi rebha kiesho gin kezil Haile akaleaayom neger gedifom gual neger keydeliyu bihere seraye bel aitibel yiblu dilaika bel aadikum iytibelu iytismeyu inabelu meninetna ketfiu atikom

  • k.tewolde April 2, 2016

    Haile, you hit a chord with a small benign statement you made in your article, you opened the Pandora box. I wish everybody could react with outrage like that in unison against HGDEF and it’s tenets.

Post a Reply to tesfamariam Cancel Reply