Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓድግታት ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ

ሓድግታት ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ "ሻምፕዮን ናይቲ በታኒ ፖሊሲ"                   ታደሰ ኪዳነ      በርሚንግሃም                         2ይ ክፋል              07/05/2014   ኣብ ዝሓለፈ 1ይ ክፋል በዛ ትስዕብ ሕጡበ-ጽሑፍ ኢየ ተፋንየኩም። “ኣብዚ ከነጽሮ ዝደሊ፣ ገለ ካብዞም ፈላስፋታት ብዛዕባ “ምስሊ ናይ ሓደ ብቑዕ (እኹል)

ሓድግታት ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ

“ሻምፕዮን ናይቲ በታኒ ፖሊሲ”

                  ታደሰ ኪዳነ      በርሚንግሃም

                        2ይ ክፋል              07/05/2014

 

ኣብ ዝሓለፈ 1ይ ክፋል በዛ ትስዕብ ሕጡበ-ጽሑፍ ኢየ ተፋንየኩም።

“ኣብዚ ከነጽሮ ዝደሊ፣ ገለ ካብዞም ፈላስፋታት ብዛዕባ “ምስሊ ናይ ሓደ ብቑዕ (እኹል) ዝበሃል ሰብ እንታይ ክመስል ይኽእል?” ዝብል ሕቶ ኣልዒሎም ኣይተዛረቡን ወይ ኣይጸሓፉን ኣይኮንኩን ዝብል ዘለኹ። ብፍላይ ብክልሰ-ሓሳባዊ ደረጃ። እቲ ጸገም ወዲ-ገራህቱ ነታ ‘ሓሳባዊ ‘IDEAL’ ትብል ሓረግ ኣብ ገለ ምስ ረኸባ፣ ንዕኡ ብዝጥዕሞ ጸጋጊኑ ከም ድሕሪ ናጽነት ዝህሉ ትምህርታዊ ፖሊሲ ኤርትራ ገይሩ ከቕርቦ ምፍታኑ ኢዩ።

2ይ ክፋል ይቕጽል …

 

ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱን ኣካዳምያዊ ትምህርትን

ኣብ ቤት-ትምህርቲ ሰውራ ምምዳበይ፣ ነቲ ኣብ ንእስነተይ እናበሃግክዎ ከለኹ ዝተኾልፈኒ ትምህርቲ ዝቕጽለሉ ዕድል’ዩ ኣጋጢሙኒ። ኣብታ ዝረኸብኩዋ ግዜ (ዋላ’ውን ሓጻር ትኹን) መጻሕፍቲ ኣብ ምንባብን ‘ይጠቅም’ዩ’ ዝበልኩዎ ሓሳባት ይምዝግብን ነይረ። ከማይ ጽምኣት ትምህርቲ ዝነበሮም ተጋደልቲ’ውን ነይሮም ኢዮም። ንምትእስሳሩ መታን ክጥዕመና ድማ፣ ካብቶም ናይ ዓይነት ትምህርቲ ኮሚተታት፣ ዝርዝር ኣከፋፍላ ምዕራፋት ናይቲ እንደልዮ ደረጃ (syllabus) እናወሰድና፣ ብመሰረት’ቲ ኣብኡ ዝሰፈረ ቅደም-ተኸተል ንጥቀም ነይርና። ኣብቲ መጀመርያ ነዚ ዘስተውዓለሉ ሰብ ኣይነበረን። ድሕሪ ገለ እዋን ግን ኣብ ዓይኒ ገለ ሓለፍቲ ክንኣቱ ጀሚርና። እንተላይ ናይቲ ብሳላ በራኺ ተሓብሒቡ፣ ድሒሩ ሓላፊ ቤት-ትምህርቲ ሰውራ ዝኾነ፣ ሕጂ ናይ ኣምባሳደር ማዕረግ ተሰኪሙ፣ ኣብ ሃገረ እስራኤል ዝርከብ ተስፋማርያም ተኸስተ። ልዕሊ ኩሉ ዝተጻባኣናን ዕንቅፋት ክፈጥረልና ዝጀመረ ድማ ንሱ ኢዩ። ኣብ ትሕቲ ምምሕዳሩ ስለ  ዝነበርና።

 

ኣብ ኣኼባታት ንመን ምዃኑ ዘይፍለጥ (ብውሽጥና ግን እንርድኦ) “ደረጃ ትምህርቶም ክብ ንምባል መጻሕፍቲ ከንብቡ ዝውዕሉ ሰባት ኣለዉ” ዝብል ርእይቶ ብገለ ናብቲ ምምሕዳር ቅርበት ዘለዎም ሰባት ክንሰምዕ ጀሚርና። ኣብ ኩሉ ንጥፈታት ማዕረ ወይ ልዕሊ ሰብና ንውፈ ስለዝነበርና ግን፣ ብጋህዲ ክነቕፈና ዝኽእል ሰብ ኣይነበረን። ንሕና’ውን እና ተጠንቀቕና፣ ነቲ ‘ባዕልካ ንባዕልኻ ምምሃር (self teaching) ዝብል መደብ ኣየቋረጽናዮን። ገለ ምዕራፋት ብርትዕ ክብለና ከሎ ድማ፣ ነቶም ኣብ ክረምታዊ ኮርስ (summer coarse) ዝምህሩና መማህራን፣ ኣብ ናይ ዕረፍቲ ግዜኦም ቆጸራ ሒዞም ክሕግዙና ንሓቶም ስለዝነበርና ‘ጠቒሙና ኢዩ’ ክብል እኽእል።

 

ኣብዚ እዋን’ዚ ሓላፊ ናይቶም ብእንዳ መማህራን፣ ስሕት ኢሎም ከኣ ብእንዳ ምርምር ዝፍለጡ ተጋደልቲ ዘመሓድር፣ ተሓታትነቱ ብቐጥታ ንቤት- ጽሕፈት ጨንፈር ኮይኑ፣ ተጋ/ ተስፋሚካአል ገራህቱ ኢዩ። ነቶም ኣብተን ምግብናታት ዝነበሩ መማህራንን ኣለይትን ዘመሓድር ድማ ተጋ/ ተስፋማርያም ተኸስተ (ወዲ ባሻይ)። እዝከረኒ ሽዑ፣ ከም ልማድና ነቶም ዝሕግዙና መማህራን፣ ዝጥዕሞም ናይ ዕረፍቲ ግዜ ምስ ሓተትናዮም፣ ገለ ካብኣቶም፣ “’ንክልተ ወይ ሰለስተ ሰብ ክትሕግዝሉ ትኽእልሉ ናይ ዕረፍቲ ግዜ እንተ-ሃልይኩም፣ ኣቐዲምኩም ንገሩና’ሞ ገለ 20 ዝኾኑ ሰባት ክንሰደልኩም’ ስለ ዝበሉናን ጸገም ይፈጥረልና ስለ ዘሎን እንተገደፍኩምና ይሓይሽ” ክብሉ መሊሶም። ካልኦት ድማ ሕማቕ ንዘይምዝራብ ቁዕሩር ዝኣፉ “ግዜ የብልናን” ክብሉና ጀሚሮም። እዚኣ ድማ እታ ዝዓበየት ዘጋጠመትና ዕንቅፋት ነይራ። ቀንዲ ኣበጋሲ ናይቲ ሓሳብ ተስፋማርያም ተኸስተ (ወዲ-ባሻይ) ኮይኑ፣ ምስ ወዲ-ገራህቱ ዘትዮም፣ ንዓናን ንኹሉ ደላይ ፍልጠትን ትምህርትን ዘዳለዉዎ ተንኮል ምዃኑ ኣይሰሓትናዮን።

 

ነዛ ህሞት’ዚኣ ክዝክር ከለኹ ኣብ ሓንጎለይ ደበኽ ዝብለኒ፣ ተጋ/ ኣፎርቂ ተስፋጽዮን፣ ድሕሪ ናጽነት ሓላፊ መጻረዪ ነዳዲ ዓሰብ (refinery) ዝኾነ፣ ናይ ሶቬት ናይ ከሚስትሪ ምሁር፣ ንታህዲድ በዓል ወዲ-ገራህቱ ጥሒሱ፣ ብዘይ ስኽፍታ ኣብ ዝጥዕሞ እዋን “ሕራይ” ይብለና ምንባሩ እዝክር። በቶም ነቲ ኩነታት ዝፈልጡ፣ ኣብ ከባቢ ወዲ-ገራህቱ ዝነበሩ መማህራን ዝነበረ ሓገዝን ምትብባዕን ድማ መዘና ኣይነበሮን።

 

ተጋ/ ተስፋሚካኤል ገራህቱን ሓቀኛ ባህርያቱን

ኣብ ከባቢ 1989 ኣቢሉ እመስለኒ ‘ን2ይ ደረጃ መምሃሪ ዝኸውን ጥረ-ነገር (material) ተዳልዩ ተወዲኡ ኣሎ፣ ብመልክዕ መጻሕፍቲ ምሕታም ጥራይ ኢዩ ተሪፉዎ’ ሰሚዕና። ሽዑ ነቲ ኣብቲ እዋን’ቲ ሓላፊ ኮሚቴ ስነ-ፍልጠት (science) ዝነበረ፣ ተጋ/ ገብረዝጊ ድማም (ኣቻ)፣ ነቲ ተዳልዩ ዝተወድአ ናይ ሳይንስ ጽሑፋት ክህበኒ’ሞ፣ ኣብ ቦታይ ኮይነ ኣብ ጥራውዝቲ ቀዲሐ (ገምጢለ) ክመልሰሉ እሓቶ። ብወገኑ “ኣብ ቦታኻ እንተወሲድካዮ ክጠፍእ ወይ ክበላሸወካ ስለዝኽእል፣ እንተ ጠፊኡ ድማ ንዓይ ስለ ዘሕትተኒ፣ እና ተመላለስካ፣ ኣብዛ ጣውላይ ኣብ ሓደ ጫፍ ኮፍ ኢልካ ክትጽሕፎ ትኽእል ኢኻ” ይብል። እዚ ንዓይ ዓቢ ዓወት’ዩ ነይሩ።

 

ሳንጣይ ኣብ ዝባነይ ተሓንጊጠ እናተመላለስኩ፣ ኣብ ጫፍ ጣውላ ተጋ/ ገብረዝጊ ድማም ኮይነ፣ ንኹሉ ምዕራፋት ናይ ፊዚክስን ኬሚስትሪን ናይ 8ይ ክፍሊ ኣብ ምውዳእ ተቐራሪበ። ሕማቕ ዕድል ኮይኑ ግን ሓደ መዓልቲ፣ ኣነ ኣብ ጫፍ ናይቲ ጣው ኮፍ ኢለ እናጸሓፍኩ ከለኹ፣ እቲ ነቶም መማህራን ኣብ ትርፊ ግዜኦም ከይሕግዙ ዝኣዘዘ ተስፋሚካኢል ገራህቱ፣ ናብታ ዝነበርናያ ክፍሊ (underground) ድርግም ይብል።ብኡ-ንብኡ ድማ ኣዒንቲ ክልቴና ነንሕድሕደን ተተኺለን ይጠማመታ። ኣብ ልዕሊ ሓላፊ ኮሚተ ስነ-ፍልጠት ክወርድ ብዛዕባ ዝኽእል ተግሳጽ እናኣተሓሳሰበኒ ድማ ሳንጣይ ኣልዒለ ንቦታይ ኣምሪሐ።

 

ንጽባሒቱ ኩነታት ክፈልጥ፣ ደሓን እንተኾይኑ ድማ ከምልማደይ ዝተረፈኒ ክምልእ፣ ናብታ ኮሚተ ስነ-ፍልጠት ዝሰርሑላ ክፍሊ ተመሊሰ። ሓላፊ ኮሚቴ ስነ-ፍልጠት ርእይ ምስ ኣበለኒ “ድሕሪ ሕጂ እንተዘይመጻእካ ይሓይሽ፣ ቁሩብ ክጽግመና ኢዩ” ክብል መሊሱ። ብወገነይ “ተረዲኤካ ኣለኹ፣ ኣነ’ውን ከረጋግጽ ኢለ’ምበር ዘይገምገምኩ ኣይኮንኩን፣ ስለቲ ክብ ዝበለ ለውሃትካን ምትሕግጋዝካን ግን የቐንየለይ” ኢለ ንቦታይ ተመሊሰ።

 

ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ ተጋ/ ዓንደብርሃን ወልደገርግስ (ናይ ሽዑ ምክትል ሓላፊ ጨ/ትምህርቲ) ኣብ ዝገበሮ ሓፈሻዊ ናይ ኩልና ኣኼባ “ሰባት ካብ ናይ ስራሕ ግዜኦም ወጻኢ ነብሶም ንምምዕባል ኣብ ዝገብርዎ ጻዕሪ ዕንቅፋት ክፍጠረሎም የብሉን” ኢሉ ብግልጺ ክዛረብ ሰሚዐዮ። በዚ ድማ እቲ ጸገም ናይ ወዲ ባሻይን ወዲ ገራህቱን’ምበር፣ ኢድ ናይ ላዕለዎት ሓለፍቲ ከም ዘይነበሮ ኣረጋጊጸ። ብወገንና “ኩሎም ሓደ ኢዮም!” ዝብል ግምት ስለ ዝነበረና፣ ንዓንደብርሃን ይኹን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ “ከምዚ ጸገም የጋጥመና ኣሎ” ዝብል ጥርዓን ኣየቕረብናን። ንዓንደብርሃን በቶም ምስ ወዲ ገራህቱ ዝነበሩ፣ እቲ ኩነታት ደስ ዘይበሎም መማህራን ኣቢሉ እቲ ሓበሬታ ከም ዝበጽሖ ግን ዘጠራጥር ኣይኮነን።

 

 

ንትምህርትን ፍልጠትን ዝጻብኡ፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ትምህርቲ ክኾኑ ኣይምተገብአን

እቲ ዝገርም እዞም ክልተ ኣንጻር ፍልጠትን ትምህርትን ዝነበሩ ሰባት፣ ድሕሪ ናጽነት’ውን ኣብ ሚኒ/ትምህርቲ ዝለዓለ ቦታ ምሓዞም ኢዩ። ተጋ/ ተስፋሚካኤል ጀነራል ዳይረክተር ተባሂሉ ንኹሉ ኣካዳምያዊ ንጥፈታት ሚኒ/ትምህርቲ ክቆጻጸር ከሎ፣ ተስፋማርያም ተኸስተ ድማ ሓላፊ ምምሕዳርን ፋይናንስን ኮይኑ፣ ንኹሉ ምምሕዳራዊ ስራሕ ናይቲ ሚኒስትሪ ተቐቢሉ። ድምር ናይዚ ኩሉ ፍሽለትን ሕማቕ ኣሰራርሓን ድማ፣ ብሃገር ደረጃ ድሒሩ ዝተራእየ ትሑት ትምህርታዊ ብቕዓት መንእሰያት ኤርትራ ኢዩ። በዚ ከኣ ኢየ ንኽመሃሩን ንኽፈልጡን ንዝደልዩ ሰባት ዝጻብኡ፣ ከም ሓለፍቲ ናይቲ ብሃገር ደረጃ ንወሎዶታት ዝኸይድ ጽልዋ ዘለዎ ፖሊሲ ትምህርቲ ዝሕንጸጸሉ ቦታ፣ ወሳኒ ቦታ ክወሃቦም ኣይምተገብአን ዝበልኩ።

 

ተስፋሚካአል ገራህቱ ‘ኣብ ጠመተ ኢሰያስ ኣትዩ’ ተባሂሉ

ኣብ መወዳእታ ሰማንያታት ተጋ/ ተስፋሚካአል ኣብ ጠመተ ክሊ ኢሰያስ ኣትዩ ምንባሩ ዝሕብር ምልክታት ነይሩ ኢዩ። እንተ ብሓቆም፣ እንተስ ስሙ ከዕብዩ ዝደልዩ ሰባት ዝዘርግሕዎ ወረ፣ “ኣብ ሓደ ኢሰያስ ዝነበሮ ኣኼባ ሓንቲ ወረቐት ኣቕሪቡስ ኢሰያስ ተሓጒሱሉ” ዝብል ወረ ክዝርጋሕ ጀሚሩ። (ኢሰያስ ኣብ 1987 “2ይ ውድባዊ ጉባኤ” ንበዓል ሮመዳን ኣልዩ፣ ምሉእ ንምሉእ ነቲ ውድብ ምስተቖጻጸሮ፣ ነቶም ዘየድልዩዎ ክግልፍ፣ ነቶም ፈራሓትን እሺ በሃልትን ኣብ ከባቢኡ ከዕስል ብግልጺ ይረአ ነይሩ ኢዩ።) ድሕሪ’ዚ ኩነታት’ዚ ድማ፣ ኣብ ከባቢ 1989 ኣቢሉ፣ ሓደ ኣዝዩ ዝገረመኒ መግለጺ ሰሚዐ።

 

እዋኑ ድሕሪ ምድምሳስ እዚ ናደው ኮይኑ፣ እታ ኣነ ዝነበርኩዋ ተማሃሮ እትኣሊ ጋንታን እታ በዓል ተስፋሚካአል ገራህቱ ዝነበርዋ መስርዕ እንዳመማህራንን፣ ብምሸት ንፖለቲካዊ ትምህርቲ ንእከብ። ገራህቱ ካብ ሓንቲ ኣብ ጥቓና ዝነበረት ንእሽቶ ገዛ ኤለክትሪክ ስሒቡ፣ ብቪድዮ ካሴት ዝተቐርጸ መግለጺ ኢሰያስ ኣፎርቂ ኣስሚዑና። ኢሰያስ ኣብ መግለጺኡ፣ ንዓወት ግምባር ናደው ጠቒሱ “ህዝባዊ ግምባር ከምዚ ዝበለ ዓወት ዘመዝገበ፣ ፍትሓዊ ወይ ህዝባውነት ስለ ዝነበሮ ኣይኮነን፣ ሓያል ስለዝኾነ ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ዓወት ንምምዝጋብ ድማ ፍትሓዊ ወይ ህዝባዊ ዕላማ ክህልወካ ግድን ኣይኮነን” ዝብል ገለ ካብ መግለጺኡ ምንባሩ እዝክር። ቅድሚኡ ንህዝባዊ ግምባር ካብ ዝተላለኹሉ እዋን ጀሚረ “ዓወትና ናይ ግድን ዝኸውን ቃልስና ፍትሓዊ ስለዝኾነን፣ ህዝባውነት ስለ ዘለዎን ኢዩ” ዝብል ዕላማ ሰኒቐ ኢየ ዝኸይድ ዝነበርኩ። ብልቢ ዝኣምነሉ ዕላማ’ውን ንሱ ኢዩ። ሽዓ ምሸት ግን ካብ ኣፍ’ቲ ነቲ ውድብ ዝመርሕ ‘ዋና ጸሓፊ’ ንኹሉ’ቲ ኣሚነ ንዓመታት ዝተቃለስኩሉ ዕላማ ዝጻረር መግለጺ ሰሚዐ። መግለጺ ኢሰያስ ንጅግንነትን ተዓጻጻፊ ሜላን ሰራዊት ህዝባዊ ግምባር ዘሞግስ ትሕዝቶ ስለ ዝነበሮ፣ ብዙሕ ሰብ ብእኡ ተሳሒቡ ብዙሕ ዘየስተውዓለሉ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ንዓይ ግን ንመሰረታዊ ዕላማ ናይቲ ውድብ ስለእትጻረር፣ ልዕሊ’ዛ ክብ ኢላ ዝተገልጸት  ንኣእምሮይ ዝተንከፈኒ ኣይነበረን።

 

ኣብዚ ክገልጾ ዝደሊ “ስለምንታይ ኢሰያስ ከምኡ መግለጺ ሂቡ” ኣይኮነን። እታ ቪድዮ ካሴት ኣብተን ካልኦት ምግብናታት ኣይተራእየትን። ኣብኣተን ንዝነበሩ ናይ ስራሕ ብጾት ሓቲተ “ዝረአናዮ ቪድዮ ካሴት የለን” ዝብል መልሲ ኢየ ረኺበ። ብርግጽ ድማ ኩሉ ተጋዳላይ ንኽርእያ ዝተዘርገሐት ኣይነበረትን። ብወገነይ “ ኢሰያስ ነቶም ድሕሪ ናጽነት ከም መሳርሒ ከገልግልዎ ዝደልዮም ካድረታት ተዳልዮም ንኽጸንሑ፣ ናብ ውሱናት ዝመረጾም ሰባት ዝዘርግሓ ካሴት’ያ” ዝብል እምነት ኢየ ኣሕዲረ። እቲ ምስኡ ተኣሳሲሩ ዝመጽእ ሕቶ እምበኣር “ወዲ ገራህቱ ነታ ቪድዮ ካሴት ካበይ ረኺቡዋ? ስለምንታይ’ከ ኣብ ካልእ ቦታ ዘይተራእየ መግለጺ ከርእየና መሪጹ” ኣብ ናይ በይነይ ሓንጎል ዝመላለስ ዝነበረ ሕቶ ኢዩ። በዚ ኮነ በቲ ግን እቲ ቀደም እንፈልጦ ወዲ ገራህቱ፣ ንሕና ከይተፈለጠና ብዙሕ ኣስካላታት ደይቡ፣ ኣብ ከባቢ ኢሰያስ በጺሑ ምንባሩ ዘርኢ ምልክታት ኢዩ ነይሩ። ናይዚ መረጋገጺ ዝኾነና ድማ፣ እቲ ኣብ ናይ ትምህርቲ ድሕረ- ባይታኡ፣ ቀዳማይ ዲግሪ’ውን ዘይነበሮ፣ ኣብ መንጎ ኣቋሪጹ ዝተጋደለ ወዲ ገራህቱ፣ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታት ናጽነት ኤርትራ ምስ ተረጋገጸ፣ ፕረዚደንት ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ንምዃን ክመጣጠር ርኢናዮ።

 

ባህርያት ተስፋሚካአል ገራህቱን ስዉር መደባት ኢሰያስን እንታይ ኣራኸቦ?

እዚ ክሳብ ሕጂ ክገልጾ ዝጸናሕኩ፣ ተስፋሚካአል ገራህቱ ኣብ ሰውራ (ቅድሚ ናጽነት) ዝነበሮ ተበላጺ መርገጽን ጠባያትን ኢዩ። እቲ በብቁሩብ ንኣሰራርዓ ናይቲ ውድብ ክለዋውጥ ዝጸንሐ ናይ ሎሚ ፕረዚደንት ህግደፍ’ውን፣ ንኸም በዓል ወዲ ገራህቱ ዝኣመሰሉ፣ ብነብሰ-ፍትወት ዝተነቕፉን ተጸቒጦምን ተዳሂሎምን ዝኸዱ ዝነበሩ ሰባት ናብ ስልጣን ብምምጻእ፣ ኣብ ልዕሊ’ቶም ርእሶም ኣቕኒዖም፣ ብርእሰ-ተኣማንነት ክብድሁን ክምክቱን ዝኽእሉ ውፉያት ተጋደልቲ ሕነ ክፈድዩን ከባጭዉሎምን፣ ብኡ ኣቢልካ ከኣ ንምድሃሎምን ንምትፍኦምን፣ ከም መደብ ኣቐሚጡዎ ይጓዕዝ ምንባሩ፣ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝተፈላለየ ጽሑፋት ተገሊጹ ኢዩ።

 

ኢሰያስ ንከም በዓል ወዲ-ገራህቱ ዝመረጸሉ ምኽንያት፣ እዞም ብቐደሙ’ውን ድሁላት ዝነበሩ፣ ኣብ ዝኾነ እዋን ካብ ፍቓዱ እንተወጺኦም፣ ዳግማይ ንምድሃሎምን ንምእላዮምን ጸገም ስለ ዘይብሉ ኢዩ። ነቶም ውፉያት ድማ “ምእንቲ ሃገር ስለ ዝተወፈኹም ዘይኮነስ፣ ንዓይ እንተ-ተማእዚዝኩም ጥራይ ኢኹም ሰላም ትረኽቡን ብስልጣን ትዓብዩን” ንምባል ጠቒሙዎ ኢዩ። ናይዚ ንጹር ኣብነት ንምግላጽ ኣብ 1980/81 ቢትወደድ ኣብርሃ ኣብ ዝመርሖ ኣኼባ፣ ወዲ ገራህቱ “ንኡስ-ቡርጅዋ” ተባሂሉ ርእሱ ክሳብ ዘድንን ተነቒፉ ከብቅዕ፣ 1991 (ድሕሪ 10 ዓመት) ቢትወደድ ተኣሲሩ፣ ወዲ-ገራህቱ ድማ ሓደ ካብቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ ሚኒስትሪ (ናይ ሽዑ ክፍሊ) ትምህርቲ ኮይኑ።

 

ከምቲ ኣብ መእተዊ ጽሑፈይ ዝበልኩዎ፣ እዚ ተገላቢጦሽ ናይ ወዲ-ገራህቱን ናይ ቢትወደድ ኣብርሃን ኣብነት፣ ናይ ኩሎም’ቶም ቀደም እንፈልጦም ሎሚ ዘይንርእዮም ሓለፍትን ብሓደ ወገን፣ ናይቶም ሕጂ ዓቢ ሹመት ተዋሂቡዎም ኣብ ዘይወዓልዎ ታሪኽ ክምድሩ እንሰምዖም ዘለና ተረኽትን ድማ በቲ ኻልእ ኢዩ።

 

 

ይቕጽል …….

aseye.asena@gmail.com

Review overview
51 COMMENTS
  • HGDEF May 8, 2014

    After your unpopular article “Awrajawi politica”, I am tempted to suspect that all of your articles have Awrajawi motives.

  • solomon May 8, 2014

    HGDEF

    why are you biased, read and then comment on what you do not agree.

    • TwoWayStreet May 8, 2014

      Solomon, just like Wedi Gerahtu, HGDEF can only praise his superiors. Otherwise…And people like HGDEF are not interested in weighing what is written or what is being said, but on how to demonize, concerned Eritreans who write those articles.

  • alem eyob May 8, 2014

    ab chira feres konka mininnn aytibel bejaka tebahle tegebre nebere -hiji agedasi aykonen.tbeki eka zeloka.

  • Tesfu Kidane May 8, 2014

    ኣንጻር ህግደፍ ወይ ህግሓኤ ዝጸሓፈ ሰብ እሞ ኸኣ ምስጢራት ዘቃልዕ እንተ ኾይኑ። ብደገፍቲ ህግደፍ ኣውራጃዊ ወይ ወያኔ እናበልካ ምጽላም ኣመልኩም ስለ ዝኾነ ከም ስምካ ህግደፍ መንደፍ ብዝኾንካ ሰብ ዝተጻሕፈ ንሓው ታደሰ ዝዘልፍ ዘረባ ትርጕም ዝወሃቦ ኣይኮነን። ኣብ ቍምነገር እንተ ተድህብ ምሓሸካ። ሓቂ ኣይተዘንትዉ እዩ እዚ ናትካ። ፈቲኻ ጸሊእካ ግን ታሪኽ መሪር እዩ! ክግለጽ እዩ ከኣ። በዓል ንስኻ ከምዚ ስለ ዝበልኩም ብርዑ ዘንብር ሰብ የሎን። ተበራበር ካብ ድቃስካ! ምዃን ህግደፍ እንዲኻ ከመይ ኢልካ ክትበራበር።

    • Selam May 8, 2014

      Tesfu and Twoway street,
      Why are you calling HGDEF names,
      Aren’t we fighting for democracy? can’t people have a different opinion to that of Tadesse? WE are fighting to have the right to express ourselves and do what is right without taking teh rights of others away?
      I am not telling you to accept his ideas. You can dislike it but you do not have to try to humiliate him or her. Please let us fight a matured and decent fight!

      • TwoWayStreet May 9, 2014

        Selam, That is what I just said to HGDEF. Did you see any opinion on HGDEF’s comment except calling names. This is what he said for your reference,
        “After your unpopular article “Awrajawi politica”, I am tempted to suspect that all of your articles have Awrajawi motives”. I don’t see any opinion here except name calling, I am not sure about you.
        So Selam, I don’t call names, I respect other peoples opinions weather supportive of my stance of opposing my stance, if I can I try to convince them, but there are some that do not come with an open mind, to debate an idea, to convince or be convinced.

  • solomon May 8, 2014

    ተጋደላይ ታደሰ

    ኣዝያ ኣገዳሲትን እዋናዊትን ጽሕፍቲ ብምቅራብካ የመስግነካ።
    እወ ዓለም ናይ ኣምስሉ ኢያ፣ ከምኡ ስለዝኮነት ከኣ ኢያ ሰላም ተሳኢኑ ዘሎ።
    ኣብ ሓንቲ ነጥቢ ግን ብፍጹም ኣይሰማማዕን ኢየ ምሳካ፣ ብዛዕባ ኣፈወርቂ ተስፋጽዮን ዝበልካዮ። እዚ ሰብዚ ኣብ ምሁራት ብዘለዎ ሕማቅ ኣረኣእያን ኣመሓድራን ኢዩ ዝፍለጥ፣ ንበል ኣብ ሪፋይነሪ ዓሰብ ብዙሓት ኢንጂነራት፣ ናይ ተግባረ ኢድ ምሩቃት፣ ከም ኡዉን ናይ ዝተፋላለዩ ዓዉዲ ምሁራት ዝነበርዎ ትካል ኢዩ። ቅድሚኡ ዝነበሩ ሓለፍቲ ዋላ ሓደ ሰብ እዉን ኣየዉጽኡን ኣፈወርቂ ምስ ተረከቦ ግን ዝተረፈ ሰብ እዉን የለን፣ እዚ ከኣ መርኣያኡ ይመስለኒ። ሪፋይነሪ ስለምንታይ ተዓጺዩ እንተበልና ብሰሪ ድኹም ምሕደራ ኣፈወርቂ። ነዳዲ ኮርፖርሽን ኢትዮጽያ ዘፍቀዶ መሰል ሰራሕተኛ ኣፈወርቂ ኣይግብኦምን ኢሉ ዝክልክል ሰብ እኮ ኢዩ። ሰላም ኣብ መንጎ ክሊቲኣን ሃገራት ምስ ኮነ ብዛዕባ ኩናትን ኣጀማምርኡ እተጽንዕ ኮሚተ ምምስራት ኣይተርፍን ኢዩ፣ ሓደ ካብቶም ገበነኛታት ኩናት ከኣ ኣፈውርቂ ኪከዉን ኢዩ፣ እኩል ትሩፍ ጭብጢ ስለዘሎ ኢየ ከምዝ ዝብል ዘለኩ። ብድሕሪ ምዕጻዉ ሪፋይነሪ ናብ እንዳ ምርምር ሚኒስትሪ ጸዓትንን ማዕድንን ከም ሓልፊ ተመዲቡ ኣቡኡ እዉን ተመሳስሊ ከበድቲ ገበናት ኣብ ልዕሊ ምሁራት ደቂ ሃገር ዘዉረደ ሰብ ኢዩ። ብዛዕባ ናይ ወደብ ምጽዋዕ እሞ ተዛሪብካ ዝዉዳእ ኣይኮነንን፣ ወድብና ረሚስዋ ጥራይ ዘይኮነስ ንብድሕሪ ሕጂ ከምዘይትትስእ እቲ ዝነበረ ኣህጉራዊ ትካላዊ ኣሰራርሓ ወደብ ምሕዩ ናብ ተራ እንዳ ሻሂ ቀይርዋ፣ ኣብኡ ናይ ነዊሕ ዓመታት ተመኽሮን ዘዓለ ትምህርትን ዝነበሮም ሰባት ከኣ ካብቲ ስራሕ ከምዝባረሩ ገይርዎም ጥራይ ዘይኮነስ ህይወቶም ህይወት እተን ዝመርሕወን ስድራ እዉን ከምዝበላሾ ገይሩ ኢዩ ኣፈወርቂ። ስለዝስ እዚ ዝባህሪኡ ኣፈውርቂ ብከመይ ተኣምር ደኣ ኢዩ ዝምህረኩም ነይሩ፣ ግን ከኣ ኣንጻር ወዲ ገራህቱ መሲሉ ብምቅራብ ንምድንጋር እዉን ኪከዉ ይክኣል ኢዩ። ጊዜ እንተረኪበ ብዛዕባ እዚ ሰብ እዚ ብዙሕ ዝብሎ ኣሎኒ።

  • tesfaldetabraha May 8, 2014

    so what is your point stupid idiot

  • tesfaldetabraha May 8, 2014

    you tell us all this JEF JEF abaout WEDIGERAHTO so what are you going to do MR COWERD CICI BOY cray tell story that is what all this SELLOUT OPPOSITION are

    • selamawit2 May 8, 2014

      tesfaldetabraha lezzay, you are drooling again.
      it’s UNSIGHTLY – get your jobe done and attend a bib!

  • Akli Nenbari Fetah May 8, 2014

    Thank you Tadesse
    Keep Disclosing the concealed bad deeds of the Stooges of DIA.NOW you are coming to the crux of the matter with HGDEF.

  • AyteAbrha May 8, 2014

    tesfaldetabrha (wedi gerahtu)

    Why are you so angry? why do not you talk on his ideas rather than insulting him.

    I am really informed by this article, who is who? why innocent persons are being marginalized and people like wedi gerhatu and the like are coming to power. Hope we will read more about these people and the Eritrean people will know the real history. THANK YOU SO MUCH TADESE, KEEP IT UP WRITING AND EXPOSING THESES MORAL LESS PEOPLE,

  • selemon May 8, 2014

    ሓሳብካ ከተቕርብ ወይ ድማ ክትነቅፍ መሰልካ እዩ ግን ወዲ ገራህቱ ኣምባሳደር ኮይኑ ንኽንደይ ዓመታት ብጽፈት  ንዓመታት ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዘገልገለ ሰብ እዩ ደሓር ከኣ ኣብኡ ከሎ እንተትነቕፎ ምሓሸ ሕጂ ንሱ ምስተቐየረ ምጽሓፍካ ጽቡቕ ኮይኑ ኣይተራእየንን ኣብዛ ዓለም ካብ ዝኾነ ጌጋ ከይገበረ ዝነብር ኮፍ ዝበለን ኣብ ስራሕ ዘይተዋፈረ ን ጥራይ እዩ ስለዚ ንደቂ ሰባት ካም ምጽላም ብቐረባ ኢሂን ሞሂን ምባል ይምረጽ ንዓኻውን ገለ ዝፈልጥኻ ሰባት ብዛዕባኻ ገለ ኣበራትካ ወይ ጌጋታትካ ክጽሕፉ ከምዝኽእሉ ኣይትረስዕ

    • TwoWayStreet May 8, 2014

      Selemun, I agree with you on the point of criticizing on time. But that works on a democratic system. See what happened to G15, and other concerned Eritreans just for saying ideas different from that of the leader. On the other hand the article shows how Issayas was doing business in Sahel, and after liberation. This should tell you how Eritrean officials are being appointed, and that their allegiance is not to the country but to Issayas.

    • Mihretu Berhe May 8, 2014

      ስማዕ ሰለሙን። መጀመርያ ነገር ወዲ ገራህቱ ተቀይሩ እምበር ካብ ዓዲ እንግሊዝ ኣይከደን። ስለዚ ክሳብ ሕጂ ኣምባሳደር ህግደፍ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ንሱ ኢዩ ዘሎ። ስለዚ ታደሰ ብድሕሪኡ ኣይኮነን ዝጽሕፍ ዘሎ። ደሓር ከኣ እቲ ኣርእስቲ ኣንብቦ፣ “ሓድጊ ወዲ ገራህቱ…” ኢዩ ዝብል ዘሎ። ሓድጊ ማለት ሓደ ሰብ ወይ ምስ ሞተ ወይ ድማ ምስተቀየረ ዝጸሓፍ ወይ ዝዝረብ ማለት ኢዩ። ትግርኛ ትብርትዓካ እንድሕር ኮይና፣ “ትምህርቲ ትግርኛ ንህጻናት” እትብል መጽሓፍ ኣላ ግዝኣያ። ካብኡ ዝተረፈ ግን እዚ ታደሰ ዝዛረበሉ ዘሎ ኩሉ ኣባል ቤት ትምህርቲ ሰውራ ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ፣ ጠቐነ ኣይኮነን። ዋላ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዘለዉ ኣባላት ህግደፍ ተወከስ። ባዕሎም ወዲ ገራህቱ እንታይ ክፋእ ይገብር ክነግሩኻ ኢዮም። ዎደሓንካ!

1 2 3

Post a Reply to HGDEF Cancel Reply