Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ልዕሊ 12 ሽሕ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፣ ንውጽኢት መርማሪ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ብምድጋፍ ኣብ ጀኔቫ ዕዉት ታሪኻዊ ሰማላዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ሎሚ ሓሙስ 23 ሰነ 2016 ካብ መላእ ኤውሮጳ እንተላይ ካብ ኣመሪካን ካናዳን ናብ ጀነቫ ዝወሓዙ ልዕሊ 12 ሽሕ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፣ ነቲ መርማሪ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ንምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ከምዝፈጸመ ዘሕለፎ ውሳኔ

ሎሚ ሓሙስ 23 ሰነ 2016 ካብ መላእ ኤውሮጳ እንተላይ ካብ ኣመሪካን ካናዳን ናብ ጀነቫ ዝወሓዙ ልዕሊ 12 ሽሕ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፣ ነቲ መርማሪ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ንምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ከምዝፈጸመ ዘሕለፎ ውሳኔ ብምድጋፍን ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብምልኪ ተዓፊኑ ዘሎ ዉጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ተስፋ ለውጢ ንምሃብን ኣብ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ብብዝሒ ተሳተፍቱን ውዕዉዕነቱን ብርቂ ዝኾነ ዕዉት ታሪኻዊ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

እቶም ገሊኦም ንልዕሊ 20 ሰዓታት ብኣውቶቡሳት ተጓዒዞም ከምኡ ‘ውን ንሓያለ ሰዓታት ካብ ኣመሪካ በሪሮም ዝመጹ፣ ብምልካዊ ስርዓት ተገዲዶም ብባሕርን ምድረበዳን ተሰዲዶም ኣብ ኤውሮጳ ዝርከቡ ግዳይ ዓመጽ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዝኾኑ ነቲ ሰልፊ ብ90 ሚእታዊት ዝዓበሉዎ መንእሰያት፣ ንኣስታት ፍርቂ ሰዓት ካብ መተኣኻኸቢ ናብ ፊት ቀጽሪ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድሕሪ ምምራሽ “እወ ምልካዊ ስርዓት ዓማጺ፣ ገበነኛ ስርዓት እዩ፣ ኣብ ፍርዲ ክቐርብ ኣለዎ ክብሉ ብዘየማትእ ድምጺ መስኪሮም።

Geneva 23 1ነዚ ሎሚ 23 ሰነ ኣብ ጀኔቫ ዝወዓለ ድሙቕ ናይ ሓቀኛታት ኤርትራውያን ሰላማዊ ሰልፊ፣ ምስቲ ብ21 ዝተኻየደ እቲ ስርዓት ዝርያ ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ለሚኑ ዘካየዶ ሰልፊ ዝፈልዮ ድማ፣ እቶም መንእሰያት ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብምልካዊ ስርዓት ተዓፊኑ ተዓቢሱ ዘሎ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ድምጺ ኮይኖም ድርብ ምስክርነት ምቕራቦም እዩ።

ብቐንዱ እዚ ናይ ሎሚ ውዕሎ ስዕረት ምልካዊ ስርዓት ኢሳይይስ ዘበስር ሓመድ ድበ እዩ ነይሩ።

ክቡራት ሰማዕትና፣ ነዚ ሰፊሕን ዕዉትን ሰላማዊ ሰልፊ ንምንጽብራቕ ኣብ መስርሕ ናይቲ ሰልፊ ዘዳለናዮ ሓጺር ጸብጻብን ምስ ተሳተፍቲ ዘካየድናዮ ዝርርብን ከነስዕበሉም ኢና።

Geneva 5

aseye.asena@gmail.com

Review overview
24 COMMENTS
  • ፍትሒ June 25, 2016

    ግፍዕን መከራን ሕዝቢ ኢርትራ አብ አዳባባይ ዓለም ወጺኡ ብዓውታ አቃሊሑ።ድሕሪ ደጊም ንፍትሒ ክንደልያ ዘይኮናስ ክንጭብጣ አና።ሰይጣውንቲ ህግደፍ ተዋርድኩም ።አብ ውሽጢ ትግፍዕ ዘለኻ ወዲ ሃገር አለናካ ዝብሉ ጀጋኑ አለውኻ ሞ ተሐበን ። ቀደሙ ውን ሐሶት ታዓዊታ ስለ ዘይትፈልጥ መጋረጃ ሰይጣውንቲ ህግደፍን ሳዓብትኹምን ተቐንጢጡ ሐቂ ትሙጉት አላ። አዚ መጃመርታ እዩ ድሕር ሕጂ ዝኽፍኢ ውርደት ይጽበየኩም ክም ዘሎ ፈሊጥኩምዎ አለኹም።
    ነቶም ምእንቲ ሕዝብን ሃገርን ክይታሐለሉ ዝተቃለሱ ዘይ ስሞም ሂብኩም ብዘስካሕክሕ አጋባብ ንዓምታት እንተሞቃሕኩሞምን አጥፍኩምዎምን ታሪኾምን ታሪኾምን ጅግነቶምን አብ ዘለውዎ ኮይኑ ይምጉተክምን የሰንብደኩምን አሎ።
    ታሪክኾምን ስሞምን ኽብሪ ክዝከር ክሎ ስምክምን ታሪኽክምን ብጸሊም ናይ ክሕድት ቀለም ተደርቢዩ።
    ደጊም ንፍትሒ ክንደልያ ጥራሕዘይኮናስ ክንጭብጣ አና ።
    ማዓበል ውሽጣዊ ለውጢ ክግንፍል እዩ ።ናይ ውሽጥን ደገን ማዕበል ንህግደፍ አብ ባሕሪ ክም ዘስጥሞ ጥርጥር የልን።
    ፍትሒ ይንገስ ምልኪ ይፍረስ

  • berhe June 26, 2016

    Amanuel, the figures are exagerated try to be honesty once in your life.

Post a Reply to Matti Cancel Reply