Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ልዕሊ 3 ሽሕ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካናዳን፣ ሎሚ 29 ጥቅምቲ ኣብ ፊት ኣድራሽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሰፊሕን ውዕዉዕን ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ካብ ዝተፈላለያ ክፍለ ሃገራት ሰሜን ኣምሪካን ካናዳን ናብ ኒው ዮርክ ዝወሓዙ ልዕሊ 3 ሽሕ ደለይቲ ፍትሒ፣ ነቲ ንዓመጽ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢኤርትራ ዘቃልዐ ጸብጻብ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምድጋፍን፣ ንምልካዊ ስርዓት

ካብ ዝተፈላለያ ክፍለ ሃገራት ሰሜን ኣምሪካን ካናዳን ናብ ኒው ዮርክ ዝወሓዙ ልዕሊ 3 ሽሕ ደለይቲ ፍትሒ፣ ነቲ ንዓመጽ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢኤርትራ ዘቃልዐ ጸብጻብ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምድጋፍን፣ ንምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብምዅናንን፣ ሎሚ 29 ጥቅምቲ ኒውዮርክ፣ ፊት ኣድራሽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሰፊሕን ውዕዉዕን ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

እቶም ንሓያለ ሰዓታት ብመካይንን ነፈርትን ተጓዒዞም፣ ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናብ ኣብያተ ጽሕፈቶም ቅድሚ ምእታዎም ካብ ኣንጊሆም ኣብ ኒውዮርክ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ዘካየዱ ደለይቲ ፍትሒ፣ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድምጺ ስቅያት ህዝቢ ኤርትራ ሰሚዑ ብዘየማትእ መንገዲ ክዉንነት ህዝቢ ኤርትራ ብምምስካር፣ እቲ ስርዓት ማዕረ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ከምእተፍጸመ ስግኣት ከምዘለዎም ንዓለም ምግላጹ እናኣመስገኑ፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣውንታዊ ጻዕሩ ብምቕጻል ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ናብ ኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ክቐርብ ምትሕብባር  ክገብር ጸዊዖም።

ኣብቲ ሎሚ ብውዕዉዕ ሃገራውን ናይ ለውጥን መንፈስ ዝተኻየደ ሰፊሕ ሰልፊ፣ ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ ቆሪጾም ካብ ኤውሮጳ ዝመጽኡ ሓያለ ግዱሳት ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ‘ውን ተሳቲፎም።

ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ መራሕቲ ሃይማኖት እዮም ከፊቶሞ። ድምቀት ናይቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣቓልቦ ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣብቲ ከባቢ ዝሰርሑን ዝቕመጡን ተቐማጦ ኒውዮርክ ‘ውን ስሒቡ ነይሩ።

ሓደ ካብቲ ነዚ ናይ ሎሚ ሰለማዊ ሰልፊ ፍሉይ ዝገብሮ ነገር፣ እቶም ደለይቲ ፍትሒ ንዘካይዱዎ ሰልፍታት ንምትዕንቓፍ ተመሳሳሊ ሰላማዊ ሰልፊ ብምውዳብ ዝንቀሳቐሱ ደገፍቲ ናይቲ ምልካዊ ስርዓት ኣሰሮም ጠፊኡ ተሓቢኦም ‘ምውዓሎም እዩ። እዚ ድማ፣ ሚዛን ሓይሊ ናብ ደለይቲ ፍትሒ ዘንቢሉ ህላዉ ዘረጋግጽ እዩ።

ስእላዊ መግለጺ ናይቲ ሰላማዊ ሰልፊ ምርኣይ ቀጽሉ

IMG_4801

 

 

 

 

 

 

IMG_4789IMG_4751IMG_4750ክቡራት ተኸታተልቲ ድምጺ ኣሰና ነቲ ናይ ሎሚ ውዕሎ ሰለማዊ ሰልፊ ዘንጸባርቕ ቪድዮ፣ ክትከታተሉ ንዕድመኩም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
80 COMMENTS
  • dawit October 29, 2015

    You did it. We are proud of you deki hzbi.

  • Tesfamariam Weldegiorgis October 29, 2015

    መርከብ ህግደፍ ነኳላት ኣብዚሓ ዘልሕማ ተሳኢኑ እረአናያ ናብ ምዉት ባሕሪ ትሰጥም ኣላ፣ ዘዐርያ መካኒክ ስለ ዘይርከብ ቻው ቻው ህግደፍን መሰኪን ደቂ መዛምርቱን፣

  • Tes October 29, 2015

    Proud of you deki Ere. well done. PFDJ is naked every one to see. Soon will be all over.

  • Amanu October 29, 2015

    You have done it, you make proud your people in Eritrea. You are the voice of voiceless Eritrea

  • Tesfaldet abraha October 29, 2015

    Did you know your boss USA is knoking the.door.so.the human rights will listen to their boos & their boss USA is saying something. Good.by it’s council in ERITREA it is begging to open the.door. so.good luck

  • solomon Fisaha October 29, 2015

    ዝኸበርኩም ኣሳናዳእቲ ኣሰና እንቖዕ ሓጎሰና ብፍላይ ናዓኹምን ንደለይቲ ፍትሕን ከምኦ ናይ ኩሎ ደንበ ተቓውሞ,
    ውጽእት ስለ,ዝኾነ እቖዕ ሓጎሰና ንህዝቢ ኤርትራ ድማ ይመጹኻ ኣለው ደቅኻ ተሓበን።
    ዝኸበርካ ህዝባዊ ሰራውትና ተዳሎ ንድሕነት ህዝብኻ ንመጸካ ኣሎና ንስኻ ዋልታ ሃገር እኻ ንዲክታቶር ናብ መቓብር ንስኻ ምስ ህዝቢኻ ደዊከምትብል እይጣራጠርን፡
    ዓወት ንዊጹዕ ህዝቢ፥፥፥

  • Berhane Kidane October 29, 2015

    I am proud that I´m one of you Eritreans for justice, human rights and democracy in Eritrea. You are the voice for the voiceless Eritrean people.

  • T.Yitbarek October 29, 2015

    ጽቡቕ ስራሕ ደቂ ኤረይ ጀጋኑ

  • sara October 29, 2015

    well done

  • tsega October 29, 2015

    EGZABHER AMLAK MESAKUM YEKUN YEHWATEY AWET YEHABKUM

Post a Reply to hp Cancel Reply