Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ልኡኻት ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ሚላኖ፣ ኣብታ ከተማ ዝርከባ ኣዴታት ካብቲ ኣብ ቦለኛ ከካይዱዎ መዲቦሞ ዘለዉ ፈንጠዝያ ከይቦኽራ መታን ዝተፈላልየ ብልሓት እናተጠቕሙ ብቐጻሊ ጸቕጢ ይገብሩለን ከምዘለዉ ተፈሊጡ።

ኣብ ከተማ ሚላኖ ዝርከቡ ቆንስል ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስን መሓዮታቱን፣ ኣብታ ከተማ ዝርከባ ኣዴታት እቲ ስርዓት ኣብ ቦለኛ ከካይዶ መዲቡዎ ካብ ዘሎ ፈንጠዝያን ዳንኬራን ከይተርፋ ምእንቲ፣ ን 7-8 ግዜ ብቴለፎን እናደወሉ፣ “ኣብቲ ውራይ ንነፍሲ ወከፍክን መደብ

ኣብ ከተማ ሚላኖ ዝርከቡ ቆንስል ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስን መሓዮታቱን፣ ኣብታ ከተማ ዝርከባ ኣዴታት እቲ ስርዓት ኣብ ቦለኛ ከካይዶ መዲቡዎ ካብ ዘሎ ፈንጠዝያን ዳንኬራን ከይተርፋ ምእንቲ፣ ን 7-8 ግዜ ብቴለፎን እናደወሉ፣ “ኣብቲ ውራይ ንነፍሲ ወከፍክን መደብ ስራሕ ተዋሂቡክን ስለዘሎ ፣ ብሰንኪ ምትራፍክን እቲ ተመዲቡልክን ዘሎ ስራሕ እንተቦዂሩ፣ ብሓላፍነት ተሓተቲ ኢኽን፣ ከይትተርፋ” እናበሉ ብቐጻሊ ጸቕጢ ይገብሩለን ከምዘለዉ ምንጭታት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።

እቶም ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ምፍርራሕ ዕማም ተዋፊሮም ዘለዉ ልኡኻት ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፣

1 –  ርእሶም ገብረገርስ – ቆንስል ህግደፍ

2 – ዮርዳኖስ  – ጸሓፊት ቆንስል

3 – ተስፋይ – ካብ ቤትጽሕፈት ቆንስል

4- ጎይቶኦም ዮሃንስ ዝተባህለ ልኡኽ ህግደፍ እዮም።

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ልኡኻት ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ እቲ ብስም መበል 40 ዓመት ኣብ ቦለኛ ከካይዱዎ ዝሸባሸቡሉ ዘለዉ ፈንጠዝያ መታን ከይጽሙዎም፣ ኣዴታት ናብ ኤርትራ ክገብራኦ ዝሓሰባ መገሻ ኣቋሪጸን ክሳተፋ ብምሕባል፣ ገና ኣብ መስርሕ ሕቶ ዑቕባ ንዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ‘ውን ኣብ መጽንሒ ቦታኦም ልኡኻት ኣዋፊሮም ብምድንጋር ኣብቲ ፈንጠዝያ ከምዝሳተፉ ክገብሩዎም ኩሉ ዓይነት ውዲታት ይጥቀሙ ኣለዉ።

ብዘይካ ‘ዚ፣ ኣብ ዓዲ ጥልያን ንዝርከቡ ደገፍቲ ናይቲ ምልካዊ ስርዓት ተቓወምቲ ክመጹ ስለዝኾኑ መታን ከየጥቅዑኹም ኣብ ክንዲ በብውልቂ በብጉጅለ ክንቀሳቐሱ ኣለኩም ዝብል ናይ  ምፍርራሕ ሜላ ብምምሃዝ፣ መኻይድቲ ሒዞም ክመጹ ይጉስጉሱዎም ኣለዉ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
42 COMMENTS
  • johnny July 1, 2014

    desperate regime will do or say anything when they are cornered.the light is coming out under the tunnel.if they are confident the Eritrean people would come out in a drove why threat people.the wall is crumbling right in front of there eyes the only thing we want them to do run to red sea and the sharks waiting for them with open mouth.

  • ኣርዓዶም ውፉይ July 1, 2014

    እሞ`ኸ ካብ ተቓወምቲ ዝተገብረ ነገርከ እንታይ ኣሎ፣ ህግደፍ እዅ ኣብ ዝሓዞ ዘይብሉ ከም`ዚ ገይሩ ክውድብ ዝኽኣለ፣ እቶም ተወዲብናን ተቓዊምናን ንብልከ፣ መራሕትና እንታይ ውጥን ኣውጺኦምልና፣ ነዚ ፈንጠዝያ ንኸነምክኖ`ኸ ዓዲሞምና`ዶ !! እዚ ፈንጠዝያ እዚ ብበትሪ ምስ እትሰሃሃል ጥራይ ኢዩ ጠጠው ክብል ዝኽእል። ስለዚ እዚ ኩሉ መንእሰይ ተቓዋሚ ካብ`ዚ ዝኸፍእ እዋን ስለዘየለ፣ እንተ ውሓደ ዓጢቑ ነዚ ኣብ ርእሲ ሬሳታት የሕዋትና ዝድብል ደሎ ፈንጠዝያ ህግደፍ ከምክኖ ይምነ። መራሕቲ ኩለን ውድባት ነዚ ዕማም ናይ ሓባር ስለዝኾነ፡ ብሓባር ክንምክቶ ይላቦ።

    ዓወት ንወፍሪ ደለይቲ ፍትሕን ሓርነትን
    ዕንወት ነቶም ኣብ ዝባን ሬሳትት የሕዋትና ዝድብሉ ዘለው ህግደፋውያን ሕልና ኣልቦ።

    • Saba July 1, 2014

      ኣርዓዶም ሓወይ፡ ካብ ብራዕዲ ብምዕዶ፡ ብኻልእ ዓይነት መቕጻዕቲ ይሓይሽ በሃሊት እየ። ጎነጽ ካልእ ጎነጽ እዩ ዘምጽእ።

      • ERITREAN UNCLE July 1, 2014

        ኣርዓዶም,

        ዓዲ ጣልያን፣ዓዲ ሕጊ ስለ ዝኾነ ብሕጊ ክንሕተት ስለ ንኽእል__ብሰላማዊ መገዲ፣ብታቤላታት ጌርና ነቲ ንቃወሞ ዘለና ምግላጽ ይሓይሽ።ቀንዲ ተቓውሞኖ ንቕትለት ናይ ህግደፍ ኣይኮነን__ምኽንያቱ ህግደፍ ዝተፋላለየ ኣስማት እናቐየረ ንሓምሳ ዓመት ክቐትል ዝኸረመ ድርጅት እዩ_ ደም ሰባት ነጊዱ ምጽጋብ ስኢንዎስ ንራሻይዳን በደዊንን ይሸጠና ኣሎ።እቲ ሰላማዊ ሰልፍና እውን ኣንጻር ናይዚ ኣይኮነን።ቀንዲ ተቓውሞና__እቲ ሬሳታት ንኤርትራ ስደዶ እሞ ድሓር ክትቀትልን ክትሸይጥን እንተዄንካ ኣብ ኢንተርነት ጥራይ ክንጸርፈካ ኢና እዩ እቲ መልእኽቲ።
        ሬሳ ንሬሳ ጠጠው ስለ ዝብለሉ፣ንህሉዋት ገዲፍና ንሬሳታት ጠጠው ንብል ኣለና።ተቓውሞና ኣንጻር ፈንጠዝያን ጓይላን ናይ ህግደፍ እዩ።
        ስለዚ ጭርሖታትና ንዕኡ ከንጸባርቕ ይግብኦ።ንኣብነት ጭርሖታትና ኣንጻር ንዕቀት ሬሳ ናይ ህግደፍ ስለ ዝኾነ፣ጭርሖታትና እዚ ዝስዕብ ይኹን,
        __ ህግደፍ ኣንጻር ሬሳታት ንዝገብሮ ጭቆና ብቓልሲ ነፍስሄራት ክድርዓም ዩ !!
        __ ኮቦሮታት ህግደፍ መድሓርሓርቲ፣ኮቦሮታት ተቓወምቲ ግን ገስጋሲ እዩ !!!
        ___ ነቶም ኣብ ናይ ህግደፍ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ካልእ እንዳ ሳዕስዒት ዝኸዱ ኤርትራውያን እውን ክንቃለሶም ኢና !!!
        ___ ቅድሚ ንዝሞቱ ብዘለዉ ዝጭነቕ ሰብ መድሓርሓሪ ኤርትራዊ እዩ !!!

        • Teclay July 2, 2014

          Eritrean Uncle

          Uncle said “__ ቅድሚ ንዝሞቱ ብዘለዉ ዝጭነቕ ሰብ መድሓርሓሪ ኤርትራዊ እዩ !!!”

          This is number one, among many paradoxes in Eritrean society.If by chance you find one wise Eritrean ,and ask to give his opinion about the futility of the Ghedli project from the beginning .The most probable answer you expect from a wise Eritrean is “yes you are right,but we have already more than 100,000 SWUAT” .
          -In normal society = The dead serves the living .
          -In abnormal Eritrean society = The living even the unborn must serve the dead (suatna).

          We heard the saying “the Boss is always right ” .But in the fantasy Eritrean world “Swuat are always right “.
          What was this HIDRI SWUAT at all?. We have been hearing this phrase thousand times .My dead brother or as many like it to say SWUE brother said us nothing to his young brothers .What may the others heard what i do not heard ? i wonder .

          • ahmed saleh July 2, 2014

            Teclay
            You question the term ” HIDRI SUWUATNA ” just to step on our toes .
            For some reason you enjoy to bring provocative arguments . If in
            deed you have SUWU brother no wonder to betray his sacrifice .
            Cowards go after victims

          • ERITREAN UNCLE July 2, 2014

            Nephew Teclay ,

            ክቡር ወዲ ሓወይ ፣

            ኣነ ዋላ ዘይረብሕ ሰብ ለኽባጥ ይበለኒ ፣ምእንቲ ን ኣኻትኩም መንእሰያት ንጉሆ ንጉሆ ሓሳበይ ክቕይር ኣይሓንኽን (ዕላማይ ከይስሓትኩ)።ኣንታ ክቡር ወዲ ሓወይ እስከ ኣረድ ኣኒ እንታይ እዩ ን ኣረገውቲ ኣንስትን ገለ ደቂ ግራተይ ኣዝማደይ፣ብሻዕብያ ናይ ሓማሴን እያ ዝሰርዕዎም ደቂ ኣርብዓን ፣ነዚኦም ክትቃወሙስ ሃገርነት ተቖጺሩ፧ ኣንቱም መንእሰያት በታ ን ኤርትራ ምድሓን ትብል ዝወጸት ዶኩሜንት ናይ መዓልቲ ስዉ ኣትኩም መሰረት ጌርኩም ዘይትቃለሱ።ተኽላይ YOU KNOW YOUR UNCLE YOUR’S TRULY IS EXTREMELY WISE ,IF YOU DO NOT WORK IT OUT ,GET READY FOR THE CALIPHATE..THAT HAS ALREADY ESTABLISHED A REGION …FROM SYRIA & IRAQ…YOU THINK THROUGH YEMEN THEY ARE NOT EXTEND IT TO ERITREA & SUDAN..& BOKO HASRAM FROM NIGERIA TO CENTRAL AFRICA:
            Do not think I am being silly ,I am more informed than CNN & BBC combined.
            PLEASE ORGANIZE FOR OUR ERITREAN PPL:

            ERITREAN UNCLE

        • ኣርዓዶም ውፉይ July 2, 2014

          Eritean Uncle

          ስነ-ሓሳባትካ ተረዲኡና ኣሎ፡ ትብሎ ደለኻ ብደዎም ኣህዛብ እንዳ ተገፍዑስ፣ ትብል ኣለኻ። ብዛዕባ ኩሉ ነገራት ሓንቲ ከዘኻክረካ፡ ንኹሉ ዝተገብረ ግፍዕታት ተቓውሞና ኣስሚዕናን ነጊርናን ኢና። ነቶም ኣብ ሲናይ ይኩን ኣብ ሱዳን ዝተገፍዑን ዝግፍዑ ዘለውን ኩሉ ተነጊሩሎምን ህዝቢ ብዝተኻእለ ከፊሉሎምን ይኸፍለሎም ኣሎን። ዘይተነግረ የለን፡ ኣሰና ኣማኒኤል ደው ይበል። ሳላ ኣሰና ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ጸበባኡ ተነጊሩን ተመዝጊቡን ኢዩ።

          እታ ናይ ተግባር ግዜ ድማ እንዳቐረበት ትመጽእ ኣላ፡ ንኹሉ ገግዚኡ ኣለዎ ይብል መጽሓፍ ቕዱስ፡ ስለዚ ንሕማቕን ጽቡቕን ጭቖናን ራህዋን ንኩሉ ግዚኡ ኣለዎ። ግዚኡ ንኸነእክሎ ድማ ክሳብ ሕጂ ነቲ ሕማቕ ሕማቕ ኣንዳበለና ነቲ ጽቡቕ ጽቡቕ ኣንዳበልና ምእንቲ ሓርነት ህዝቢ ነነቓቕሕ ኣለና።

          ናትካ ስነ-ሓሳብ ብሓቒ ዘሕዝን ኮይኑ ረኺበዮ፡ ንሕና ንህያውን ንምውትን ከነኽብር ሓላፍነትና ኢዩ። ኣብ ርእሲ ሬሳታት ዘለካ ንዕቐት ኢዩ ዘርኢ። ዘረባ ረኺበ ኢልካስ፡ ህልዋት እንዳ ተሳቐዩ ንሬሳታት ትዘርዩ ክብልስ ኣይትሓፍርን። ከም`ቲ ኣብ ላዕሊ ዝበልኹኻ ኩልና ህልዋት ስለዝኾንና ንህላዌና ንጣበቕ ኣለና። ከም ውጽኢቱ ንሬሳና ዘየኽበር ኣይሓውናን ኣይሓብትናን ኣይባህልናን ድማ። ስለዚ ስነ-ሓሳብካ ኣረሜንነት ኢዩ። ካብ ሻዕብያ ወይ ካብ ህግደፍ ዝወረስካዮ ስለዝኾነ ግን ኣይሕድሰናን ኢዩ።

          ሕጂ`ውን ክብሬ ንዝመቱ ሕዋትና ኣኤርትራውያን
          ቕላስና ሓርፋፍ ግን ክንዕወት ኢና።
          ዓወት ንደለይቲ ሓርነትን ሰላምን ኣብ ኤርትራ

          • ERITREAN UNCLE July 2, 2014

            ኣርዓዶም

            ብጌጋ ኣይትረድኣኒ፣ነቲ ቅደም ተኸተል ገላቢጥና ልቕሉቓት መቓብር ኴንና እየ ዝበልኩ እምበር ንምዉታት ኣይንገደስ ኣይበልኩን።ብዛዕባ ኣማኑኤል ኢያሱ ዝበልካዮ ኣማንካ።ከምቲ ዝግባእ ኣይገበርናን፣ኡይ ኣይበልናሎምን እየ ዝበልኩ፣ግን ህግደፍ ይኹን ሻዕብያ ይትረፍሲ ነቲ ብረት ሒዝካ ኮለል ምባል እውን ከንቱ ምዃኑ ተዓዚበ እየ፣
            ግን ኣብ መገዲ ክሓርእ ዘይሓነኸ ህዝቢ ኣብ መገዲ ኣይብላዕንዩ ነውሪ ዝብል ተጋላቢጦሽ ሎጂክ ስለ ዘለና ሓቅኻ።በል ብበትሪ እተዎም እሞ ሕጊ ክኣ ትርእያ።

        • solomon July 2, 2014

          ARADOM nemukanu neska entaway ika ? WEYANE mukanka abti tsehufatka tefelet ,” DEREGET IYU” ilka ezi kal ezi nay tegaru komalat iyu , selezi gudayka geber ab nahna ayeitwekan iyu————–AGAME KOMAL——

          • ERITREAN UNCLE July 2, 2014

            solomon

            ናይ ሕሶት ኣንበሳ፣ኣንበሳ እቶን እዩ ኣርዓዶም።ነደይ ቅዱሳን ብበትሪ ሃሪሙ ክጎዪ።ግን ብተቓወምቲ ውፉይ እዩ ዝብሃል።

          • AHMED OMER July 3, 2014

            without Tegaro’s help your MASTER ASIYAS is not on power Tegaro are your master’s master to be sure you idiot go and ask your master weddi khommarit Asiyas .

  • simba July 1, 2014

    Assenna for heavens sake! u r just spreading piles of lies. What have u done for the people of Eritrea? just talking about egdef, (who r doing their jobs)We Eritreans need people who participate in our struggle in deeds not merely in spreading unjustified news that cause untold suffering to our people. Pls don’t use those victims for ur own political gains.

    • Zeray July 1, 2014

      Simba- you said, “We Eritreans need people who participate in our struggle”. Do you see a problem with this statement? After 23 years PFDJ and followers are still struggling. This struggle you admit is due to a failed system of PFDJ and its dictator’s illogical and cruel practices. By the way, there is an exception to the rule of this struggle you are talking about. Issayas, Generals and the top leaders are not struggling while the rest of the citizens are suffering, lacking and living in fear in their own country. Shame!

    • haile July 1, 2014

      Simba,
      are you later for Bolgna guyla over graves little children last years victems? Just keep dancing with PFDJ…judgment day will come soon.

    • ERITRAWIT July 2, 2014

      Simba, refraf halay!!!!!!!

  • a,s.e July 1, 2014

    tesfay bet tsihfet hgdf
    bejaka adetat aytetalil srah keyewtsuka aytfrah
    come fa uno che insegnava democrasia servire il DITATORE
    almeno tu non sei come quelli analfabeti che hai attorno PENSACI

  • afro July 1, 2014

    NO MATTER HGDF & DICTATOR DO OR SAY, IT IS NOT GOING TO WORK FROM NOW ON.THE ROPE IS GETTING THINNER EVERYDAY WHETHER IN ERITREA OR OUTSIDE ERITREA.THE DICTATOR IS GOING TO FACE JUSTICE IN THE INTERNATIONAL COURT OR THE ERITREAN PEOPLE GOING TO CUT HIM INTO PIECES.

  • Merhawi July 1, 2014

    the Dictator Regime in Asmara (Gugle Mafia ) is trying his last chance In Bologna,,the Bologna Festival will be a histirical,i am sure we ( the Delyti-Fithi ) shall win Over HGDEf gangs smerrrrrrrrrrrrrrrr wedi erirey as well as gual Erey

    • m July 2, 2014

      we have to be man like wadi Ali forto and go fight the dictator, we suffering and diyng evryday what we waiting for we only talk smerrr smerr help nothing

  • ERITREAN UNCLE July 1, 2014

    ኣበዩ መገሻኻ __________________ ኢሎም ሓቲቶምኒ ?
    BOLOGNA ኢለዮም______________ ምእማን ኣብዮምኒ፣
    ብሂወት ዘለዉ እናተሳቐዩ________ ኣብ ኤርትራ ኣብ ሲናይ
    ITALY ትነቅል___ ኣብ ክንዲ ሬሳታት ክትቍዝም ምቕናይ ??
    ሉቕሉቕ መቓብር ኢሎም ድሃሉኒ፣ዘይኮኑ ኤርትራውያን ከምዚ ከማይ !!!

    “ኤረየ ኤረና_____ ኣብ ቦሎኛ ኮይኑ ምዓስከርና
    ታክሲ ዝዘወሮ ምስ FOODSTAMPS ናይ ኦባማ
    ይዋናጨፍ ኣሎ___ ተቓላሳይ ንህግደፍ ክግልድማ
    ብጭርሖን ጸርፍን ነደይ ቅዱሳን ፈሽኳል ከጽምማ”

    ንገሩዎም ምዓድዎም_______ ነዞም ህግደፍ ገልዳማት
    ኣነስ ኣይደልይንየ _______ናይ ቦሎኛ ፓርቲ ጸማማት
    ንሬሳታት ጠጠው ክብለሎምየ____ ከም ኩሎም ለባማት
    ኣንጻር ኮቦሮን LOUD SPEAKERን ናይ ጭርሖ ህጁማት
    ነሞይ ጽርሃን ምዓሮይ ቅዱሳንን ዝወቅዕ___ ነዘን ባሃማት !!!

    ጅግና ተልዓል________________ ጎሮሮኻ ኣብልሓዮ
    ንጓይላ ህግደፍ ብሕርቃንካ_________ እንተዘይዘሪግካዮ
    ኣዴታት ኣይድበሳን እየን,ጉዳይ ሲናይ minor ዩ ረስዓዮ
    UN ኬድካ እንዶ ግዳ,__ንጸላኢና,ንኾቦሮ ህግደፍ ኣቃልዓዮ
    ኣንጭዋ ቀቲልካ ገዳይ____ ናትና ናይ ኣቦታትካ ወሪስካዮ
    ተቓውሞን ምድርዓምን እምበር ፍቕሪ ህዝቢ ኣየናይ ኢልካዮ
    ናይ ሳላሳ ዓመት ቃልስና_________ ብተግባር ደጊምካዮ
    ራዛ ናይ ኣቡኡ ሓዛ___ ክሻኻ ቆፎ መስከረም ምልኣዮ !!!

    ንStepMotherረይ___StepMotherራ ሞይታታ
    ቀብሪ ጸዊዖምኒ____________ ክኸውን መመላእታ
    ኣዔንተይ ክነብዓ ሽጉርቲ ገዚኤ ካብ ሰይቲ ኣቦይ ብላታ
    ሓዘንተኛን ሓላዪን ክመስል________ንዘይብለይ ደንታ
    ንቋሬጣ ወሰድኩሎም__________ ዝኣረገ ሙታንታ
    ጓለይን ወደይን እናትዓመጹ__ብበደዊን ህግደፋዊ ኣጀንዳ
    ቦሎኛ ከድኩልኩም,ነዛ ጨናዊት ኣረጊት ከልብሳ ሓመዳ
    ደቀይ ከየድሕን,ጽልኤይ ከርኤ መረጽኩ ብፍሕሹው ደስታ !!!

    እዞም ኣብ ዶብ እስራኤል ብጭቆና ማሕቡስ ሾብሮ ዝገብሩ
    እዞም ስሱዓት እሱራት ናይ ኤርትራ ኣነኸ ተረሲዔ ዝብሉ
    እዘን ኣብ ድፋዕ ዝዕመጻ፣__እዞም በዕራብ ሲናይ ዝውቀሩ
    ጸረ ኮቦሮ-ህግደፍ ቃልሲ ኣለና____ እስከ ኣደብ ግበሩ
    ኣደይ ቅዱሳንን ኣቦይ ብላታን__ ፓርቲ ምኻዶም ክሓፍሩ
    ተቓላሳይ ድያስፖራ ,ህጁም ጭርሖታት ብጅግንነት ወርዊሩ
    ዓወት ክረክብዩ ፣እንዳትዓመጽኩም ዕልል ጥራይ ኣማዕብሉ
    ናይ ባድመ ጭርሖ-ኣዴታት__________ ሕጂውን ዘምሩ
    Italy ዝወስደና ኣይሮፕላናት ብሰላም ክምለሳ እዝግዮ በሉ
    ደገፍቲ ኢሳያስ መኻልፍ ኣጋጢምዎም ኣብ internet ክንውሩ !!!

    ኣይውዓልካን ዲኻ __________ህጁም ናይ ቦሎኛ ???
    ብዶሽካ ጭርሖታትና ንወይጦታት_ ኮይንዎም ዓቢ ቡኛ
    ወረ ኢሳያስ ተገምጢሉ ኢሎሞ___ብሰውራዊ ኣኼባና
    ንኾቦሮን ላውድስፒከርን_______ ብጥብቂ እናውገዝና
    ብኮማንዶ ጫውጫው,ጸረ ጓይላ ቃልሲ ሓርነት ሃገርና
    ዕድመ ንታቤላታት,”ስርሒት ፈንቅል Party ህግደፍ” ተዓዊትና !!!

    ኮቦሮን ላውዲስፒከርን ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዝኾኑ (ኣብ ቦሎኛ ጥራይ)__ኣብ ካልእቦታ እንተዘይኮይኑ ኣጥቢቕና ንቃወም !!!

  • ERITREAN UNCLE July 1, 2014

    “ተስፋ ዝህብ ወረ_____ከስምዓኩም ደስ ምበለኒ
    ኣይሕሱንየ__ሓቂ ክነግረኩም,ዋላ ንግዚኡ ጽልኡኒ”

    ነታ ኣብ ድፋዕ__________እኒ ይክኣሎ ዝዕምጽዋ
    ነታ ኣብ ሲናይ ________ዓሰርተ ኣዕራብ ዘራኸሱዋ
    ነታ በደዊን__________ኣጥባታ ብማሕረሻ ዘሕረርዋ
    ኣይትትሃወኽ______ ሰብ ወጻኢ ብዙሕ ዕማም ኣለዋ
    ህዝቢ ድያስፖራ_ጉዳይ BOLOGNAከም ዝሓዞ ንገርዋ
    ኢሳያስ______ኣብ Internet ዝጽረፎ ዘሎ ሓብርዋ
    ክተት ተባሂሉ___ ሰለስተ ሰብ ከም ዝፈረመ ኣውግዕዋ
    ሕልናዊ ህዝቢ፣___ብPaltalk ከም ዝጭርሕ ኣበስርዋ
    ነዚ ሰሚዓ___________ክንደየ ናይ እዩሞ ከተስፍዋ ???

    ኣታ ትኣሲርካ ዘለኻ__________ትሕቲ መሬት
    ድፋዕ ትኣርግ ዘለኻ________ብስቅያት ብምረት
    ኣንታ ብበደዊን ____ስብእነትካ ዝለበሰ ሕፍረት
    ህግደፍ ኣብ facebook ይውገዝ ኣሎ ብድፍረት
    ንማንጁስ ብርእይቶታት___ ይዓልቦ ኣሎ ውርደት
    ከውሒ ዝሰብር ግጥምታት_______ንዓኻ ክብረት
    ንድርጉሖ ኣለና _______ዒም ዝበለ ይትሓረድ !!!

    ኣዴታት_________ ማሕጸንክን ጀጋኑ ዘብቆላ
    ድያስፖራዊ ሰብኣይ______ ተባዕታይ ኤርትራ
    ተላዒሉ እዩ፣ ንሃገሩ______ንምጭውቲ ባንዴራ
    BOLOGNA ሃጂሙ,ንህግደፍ,ኣእጋራ ክሰብራ
    ብTwitter ___እናተወርወረ ከም ጆፌ ኣሞራ
    youtube ተኻታተላ___ ክንምርሽ ኢና ኣስመራ
    ዓወት ንሓፋሽ__________ ሎምዘበን ሓንቲኣ´ላ !!!

    • ERITRAWIT July 3, 2014

      ERITREAN UNCLE,
      Adey Kdsan or Ato Keleta newrey eu newrey elka seekey gtemelom ab hakey entetezarebna yhayshe kem dekom zeyreo-om zelew nezom maltey maltey tezokekom zwesew zelew btamey NHAZEN!!!!!

      • ERITREAN UNCLE July 3, 2014

        Respected ERITRAWIT,

        I had high hope when the message of june 20th came & everybody gave it a thumbs up 96% (with no exaggeration). I have no doubt that PFDJ is falling on it’s own weight ,however is that the only objective,don’t you worry who is going to fill the vacuum up ? You do not see danger ? Why is unity not given priority,not empty unity ,but like that dicument clerarly pointed it out ?
        I do believe you are very smart person ,I will give it the benefit of the doubt ,that unity will happen naturally.

        My respect to you
        Eritrean Uncle

  • Danny July 2, 2014

    what to expect from this regime. always they used same tactic for many years I hope people understand stay out form bologna.

  • Yohannes July 2, 2014

    እቲ ጉዳይ ግሉጽ እዩ። ህግደፍ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ እቲ ዝኽእሎ ዘበለ ይፍትን ኣሎ ብኹሉ መዳያት ብፖለቲካ፤ ብደርፊን ዳንኬራን ፈስቲቫላትን፤ ብሕጽበተ ኣእምሮ፤ ብቑጠባዊ ምግባት፤ ብፈላሊኻን በታቲንካን ግዛእ፤ ብባህላዊን ስነኣእምረኣዊን ባርነት፣ ወዘተ፣ ወዘተ። እቶም ደለይቲ ፍትሒ ዝኾንና ካብቲ ናይ ህግደፍ ዝበልጽን ዝስልጥንን ሜላታት ተጠቒምና ወኒናን በልዑል ወንን ብልሓትን ክንቃለሶን ንህዝቢ ኤሪትራ ስላምን ምዕባለን ሓርነትን ራህዋን ከነምጻኣሉን እዩ
    ዘሎና. ብልሓት፣ እምበር እዚ ገበረ፣ እዚ ሓሰበ፣ እዚ ተንኮለ ዘበሃሎሉ ጊዜ ኣይኮነን ። ንሕሰበሉ ድኣ።
    ሜላ፣ ውጥን ስትራተጂ ኣውጺእና ከነተግብር ኣበርቲዕና ንንቃሳቐስ፡

    1. What should be done to initiate and boost a popular challenge against the Inept, greedy, brutal, primitive and undemocratic PFDJ? This is to protect the country from destruction and promote its sustainability.

    2. Have we fully and profoundly knew and understood the root causes of the continued malicious and destructive works of PFDJ?

    If the answer is No, what should be done to convince and mobilize the broad Eritrean people against this malignancy? If the answer is yes, can we propose strategies or alternatives to confront it? Or, what alternatives do we have to bring a sustained solution to marginalize the PFDJ malignancy and actively engage in genuinely democratic and popular governance, peace, development and stability process of our country?

    4. Can we propose (at least for discussion) effective, realistic and savvy initiatives and strategies to be instrumental in marginalizing the malignant PFDJ in a sustainable way?

    5. What do we need to implement those alternatives and strategies? This means how we seriously handle the hows and whys of our proposals?

    6. What should be the mechanisms of evaluating our progress in marginalizing PFDJ malignancy? How are they going to help us?

    I believe that all justice and peace loving Eritrean do have all the necessary wisdom and ability to show

    • ERITREAN UNCLE July 2, 2014

      Excellent point Yohannes.
      By opposing every stupid thing that PFDJ does is falling into it’s trap.

1 2 3

Post a Reply to MID Cancel Reply