ህግደፍ ን5 ጳጳሳት ተዋህዶ ኣደስኪልዎም ን1 ፈላሲ ኣሲርዎም
5 ጳጳሳት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ደሃይ ካብ ዘጥፍኡ ድሮ ገለ ሰሙናት ሓሊፉ ኣሎ:: ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝኾነ ንግደት ይኹን መንፈሳዊ በዓላት ከይሳተፉ ካብ መንፈሳዊ ኣገልግሎቶም ብምኽልካል ብጽኑዕ ሓለዋ ይከታተሎም ኣሎ:: ንሳቶም (1) ኣቡን ቀርሎስ ጳጳስ ዞባ
5 ጳጳሳት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ደሃይ ካብ ዘጥፍኡ ድሮ ገለ ሰሙናት ሓሊፉ ኣሎ:: ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝኾነ ንግደት ይኹን መንፈሳዊ በዓላት ከይሳተፉ ካብ መንፈሳዊ ኣገልግሎቶም ብምኽልካል ብጽኑዕ ሓለዋ ይከታተሎም ኣሎ:: ንሳቶም (1) ኣቡን ቀርሎስ ጳጳስ ዞባ ደቡብ ዓዲ ቀይሕ፥ (2) ኣቡን ሰላማ ጳጳስ ዞባ ደቡብ – መንደፈራ (3) ኣቡን ዮሃንስ ጳጳስ ሰሜናዊን ደቡባውን ቀይሕ ባሕሪ፥ (4) ኣቡን ጴጥሮስ ጳጳስ ዞባ ማእከል፥ (5) ኣቡን ኣትናትዮስ ጳጳስ ዞባ ጋሽ ባርካ እዮም:: ስርዓትህግደፍ ሓድሽ ፓትሪያሪክ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ንምምራጽ ኣብ ዝሸባሸበሉ ዘሎ እዋን እዞም 5 ጳጳሳት ግን ሓድሽ መራሒ ኣይንመርጽን ኢሎም እምቢ ስለዝበሉ ንድሌቱ ዝጻባእ ዘይተጸበዮ መርድእ ኮይንዎ ኣሎ::
እዞም 5 ጳጳሳት: ሓድሽ ፓትሪያሪክ ኣይንመርጽን ኣምሳያኡ ግን ነቶም ኣብ ማሕዩር ዝርከቡ ፓትሪያሪክ ኣንጦንዮስ ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሖም ይምርሑና ብምባል ካልእ ሓድሽ ፓትርያርክ ከምዘይመርጹ ምስ ሓበሩ ስርዓት ህግደፍ እቲ ሓድሽ ኣካይዳ ጳጳሳት ስለሰምበዶ ክድህሎምን ክህድዶምን ፈቲኑ:: ሞባይል ስልኮም ቆሪጹ ምስ ሰባት ከይራኸቡን ክንጽሎምን ዝከኣሎ ጻዕሪውን ይገብር ኣሎ:: ቅድሚ ሓደ ወርሒ እዞም 5 ጳጳሳት በቲ ስርዓት ዝተመወሉ ክልተ ኣማሓደርቲ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ነቲ ስርዓት ከይሓበሩ ስለዘባረርዎም ኣብቲ ስርዓት ቝጥዐ ፈጢሩ ቀንዩ ነይሩ:: ኣባ ክብረኣብ ዝበሃሉ ፈላሲ ናይ ገዳም ኣቡነ ፍሊቆስ ቢዘን ስርዓት ህግደፍ ብ6 ጥሪ 2016 ኣሲርዎም ኣሎ:: ኣባ ክብረኣብ: መንግስቲ ካብ ቤተክርስትያን ተዋህዶ ኢዱ የውጽእ ስለዝበሉ እዮም ተኣሲሮም::
ኣብዚ ግዜዚ ኣባ ሉቃስ ዝበሃሉ ናይቲ ስርዓት መሳርሒ ብምዃን ንበይኖም ይጋልቡ ኣለዉ:: ኣባ ሉቃስ ከም መራሒ ተዋህዶ ኮይኖም ኣብ በዓላትን ንግደትን ዝቕልቀሉ ዘለዉ ድማ እቲ ስርዓት ሕጹይ ፓትሪያሪክ ተዋህዶ ንሶም እዮም ንምባል ዝዓለመ ዩ::
ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብሩ ክልተ ጳጳሳት: ስርዓት ህግደፍ ንዝገብሮ ዘሎ ጣልቃ ብምቅዋም ምስቲ ስርዓት ዝነበሮም ርክብ በቲኾም ኣለዉ:: ጳጳስ ሽኖዳ ዝበሃሉ ኣብ ኣብ ኣሜርካ ዝቕመጡን ሕጂ ኣብ ኤውሮጳ ዝቕመጡ ዘለዉ ኣቡን ማርቆስ ዝበሃሉ ጳጳስ ካብቲ መንግስቲ ተነጺሎም ይነብሩ ኣለዉ::
የርህዎዝጊ
ከባቢ ጸጸራት, ኣስመራ::
Berhe Tensea February 5, 2016
The illegal act of the regime shows that how much it disrespects the Eritrean Orthodox church and its followers. THhe church papasat or leaders have shown the courage to oppose Satanic acts by the PFDJ.
People of the Orthodox faith must oppose and stand up for their religious right.
Ti February 5, 2016
ኣምላኽ ጽንዓት ይሃቦም: ኣብ ጸሎትና ድማ ንዘክሮም::
ዚ ጽቡቅ ተበግሶ ኢዩ: ማለት“ ሓቢርካ እንቢ ምባል“
tsaeda February 5, 2016
IRP orthodox church Eritrea.tsiniat yhabkum kulukum agelgeltin memahiranin tewahido biete christiana bfilay,bhafeshieu dima niamani orthodox,akele,tefetseme kabzi nilaeli bsetan timrah Eritrea kitmetsie aytikieln eye,gn ajiokum niamilki ember nhigdef aytifrhu.eti zihibin zikelien hade amilak eyu.
ertra n ertrawyan February 5, 2016
በቃ እዚ ኢዩ ክኣ እቲ ግቡእ። ኤርትራውያን ምእንቲ ሓቂ ተሪርና ስለዘይተቓለስና ኢዩ ድማ እዚ ጉጅለ ህግድፍ ዘርእና ኣብ ምጽናት ዝርከብ ዘሎ። እምብኣር ኣቦታትና ንሓቂ ደው ካብ በሉ ኩልና ንስዓቦም። ኩሉ ብብውልቁ ንሓቂ ደው እንተ ኢሉ ድማ ህግደፍ ፈትዩ ጸሊኡ ናብ ናይ ህዝቢ ድሌት ኢዩ ክኣቱ። ሰለዚ ከም ኣባጊዕ በብሓደ ክሳብ ዝውድኣና ተሃኒና ኣይንርኣዮ። ህግደፍ ኣብ ሞቱ ኢዩ ዘሎ ነዛ ናይ መወዳእታ ሸቶ ሃየ ንጓየየላ ኢደይ ኢድካ ንበል።
ertra n ertrawyan February 5, 2016
ናይ መጠንቀቕታ ደወል ናብ ገበንኛታት ህግድፍ
እዞም ኣብ ታሕቲ ኣስማትኩም ተዘርዚርኩም ዘለኹም ብጽንተት 450,000 መንእሰያት ኤርትራ ተሓተቲ ምዃንኩም ዘኪርኩም እታ ጽባሕ እትወግሕ መዕልቲ ከይመጸት ይቕሬታ ንህዝቢ ሓቲትኩም ንህዝቢ ክትክሕሱ ዕትብትኹም ካብቲ ውጹእ ውልቀመላኺ (Extreme Dictator) ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ክትበትኩ ነትሓሳስብ።
1. ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ
2. ሓጎስ ገብርሂወት ክሻ
3. ስብሓት ኤፍረም
4. የማነ ገብርኣብ
5. ፍሊጶስ ገብረዮውሃንስ
6. ኣብርሃ ካሳ
7. ተኽለ ማንጁስ
8. ተኽላይ ሃብተስላሴ
9. ሰመረ ርእሶም
10.ዘምህረት ወልደዮውሃንስ
11.ኣሕፈሮም ተወልደ
12.ወለንኪኤል ኣብርሃ
13.ተስፋይ ገብረስላሴ
14.ፎዝያ ሓሺም
16.የማነ ገብረመስቀል
እዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለው እቶም ናይ ጅምላዊ ጽንተት ገበኛታት ኮይኖም ካልኦት ታሕተዎት ሓለፍቲ ብፍላይ ናይ ሰራዊት፡ ቤት ማእሰርትታትን ሃገራዊ ድሕነትን ስለያን ውን ዝለዓለ ተሓታትነት ከምዘለኩም ኣሚንኩም ካብ ዝቕጽል ገበናት ክትቁጠቡን ናብዚ ናይ መወዳእታ ናይ ዓወት ቃልስና ክትጽምበሩን ነዘኻኽርን ነጠንቅቕን።
ዓወት ንሓላል ህዝብና
ህዝባዊ ማዕበል
05-02-2016
ኣርዓዶም ኣርኣያ February 5, 2016
ባዕሉ ይዓቢ፡ ብኢዱ ዕዋላ ኣሉዶ ኣይኮነን፡ ጳጳስ እውን’ኮ ባዕሉ’ዩ።
ወይ ጉድ!
ነዚ ኩሉ ባዕለይ ዝብል(ንብኢዱ ዕዋላ)፡ እግዚኣብሄር ጎይታ ሰራዊት ይግንሓዮ!
ዓርኪ ጠንቆልትን፡ ፈለጥትን፡ ቆጸርቲ ኮዋኽብትን፡ ፍቖዶ ማየ-ማያት ዝምለኹ ኣጋንንትን. . . ክውከስ፡ ዝውዕልን ዝሓድርን፡ ዘገልግልን፡ ዕዋላ መራሕ ሃገር፡ አቲ ልዑል ኣምላኽ፡ ጎይታ ኩሉን ርእሲ ኩሉን፡ኢየሱስ ክርስቶስ ናዝሬታዊ ባዕሉ፡ ሰንሰለታቱን ናይ ጸልማት ፍሕሶታቱን፡ ኣብ ልዕሊ ሃገርናን ህዝብናን ዚኣተዎም ሰይጣናዊ ውዲታትን፡ ደም ብሉጻት መንእሰያትና ንዝለመዱን ኣጋንንቲ፡ ዘቕርበሎም መስዋእትን፡ ካብ ሱሩ ይበታትኽ!
ኣሜን።
Concerned Eritrawi February 5, 2016
For what ever it is we Eritreans are paying heavy price. It is just mind boggling.
Zeray February 5, 2016
2 Chronicles 7:14
and My people who are called by My name humble themselves and pray and seek My face and turn from their wicked ways, then I will hear from heaven, will forgive their sin and will heal their land.
2ይ ዜና መዋዕል 7:14
እዚ ብስመይ እተሰምየ ህዝበይ ከኣ ትሕት እንተ በለ፡ እንተ ለመነ፡ ገጸይውን እንተ ደለየ፡ ካብ ክፉእ መገዱ ድማ እንተ ተመልሰ፡ ሽዑ ኣነ ኻብ ሰማይ ክሰምዕ እየ፡ ሓጢኣቶም ከኣ ይቕረ ኽብለሎም፡ ምድሮምውን ክፍውሰሎም እየ።
AHMED SALEH !!! February 5, 2016
HGDF politics refused to recognize the awareness of human values
and they are unable to lead the country with social intelligence .
They might feel blindly arrogant to disobey God for their choice
on confrontation with holy places servants .
They keep piling SINS in Eritrean land . May GOD get rid these evils
and forgive our silent reactions .
k.tewolde February 5, 2016
NAAKUTEKE NBEL BHABAR.This is a sacred ground where I grew up, and got my early schooling, I still remember keshi Gebredingle the leader of the GEDAM visiting us at home during NIGDET KIDANEMHRET, good memories,yes,those were the times when we lived in harmony as a community with dignity, when our fathers chipped in to repair or build a home for the less fortunate neighbor or make a wedding happen for that beautiful bride who comes from a poor family by erecting a sprawling DAS and our mothers decorating it and providing the feast for the guest.Ironically, this happen to be during our colonial rulers.Now we have this animals telling us how think,pray,behave,walk,talk, and when to sleep,rise,eat,shit…like a toddler all over again.In my wildest dreams,I never thought anybody could trespass the sanctity of that church,but these barbarians did.