Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Voice of Assenna: Daily News – ዕለታዊ ዜና – Thursday, Nov 24, 2016

https://www.youtube.com/watch?v=45hFr3drAOo&feature=youtu.be

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • Desalegn November 24, 2016

    ሰላም
    ቀዳማይ ገጽ
    ማሕበር ሰላም ኣግኣዝያን (Peaceful Agazian Association)
    ማሕበር ሰላም ኣግኣዚያን ( Peaceful Agazian Association) ንኽምስርት ዝደረኸኒ ቀንዲ ነገር እንተሃለወ ህዝቢ ኣግኣዝያን ብፍላይ ትግርኛ ተዛሪቢ ዝኾነ ህዝብና ዘጋጠሞን ዘጋጥሞን ዘሎ ሽግራትን ጸገማትን ኣብ ግምት ዘእተወ ኮይኑ ከምኡዉን ሕብረተስብና ንቐጻሊ ከጋጥሞ ዝኽእል ሽግርን ጸገማትን ኣብ ግምት ብምእታው እዩ። ነዚ ጸገማት እዚ ንምግጣምን ንምብዳህን ዝኽእል ሓደ ጥርኑፍ ዝኾነ ሓይሊ ክህሉ ኣለዎ ኢለ ስለዘኣምን በዚ መሰረት ጥርኑፍ ዝኾነ ሓይሊ ማሕበር ሰላም ኣግኣዝያን ( Peaceful Agazian Association) ብምምስራት ንዝኾነ ዝመጽእ እንተታትን ተጻብኦታትን ንምብዳህን ንምግጣምን ምቹእ ዝኾነ ባይታ ምፍጣር እቲ እንኮ ኣማራጺ ኮይኑ ዝረኸብክዎ ምቋም ማሕበር ሰላም ኣግኣዝያን (Peaceful Agazian Association) ኣብ ዝብል ዉሳኔ መደምደምታ ክበጽሕ ኪኢለ ኣለኹ።
    ሕዝቢ ኣግኣዝያን (ትግሪኛ ተናጋሪ) ዝኾነ ህዝብና ቅድሚ ሕጂ ዘጋጠሞ ጸገማትን ሽግርን ከምእዉን ንቐጻሊ ከጋጥምዎ ዝኽእሉ ተጻብኦታት ጥራሕ ዘይኮነ ክተርፍ ዘይኽእል “ሓቂ” ብሕጽር ዝበል ዝበለ መልክዑ ክጠቕስ ክፍትን እየ።
    1. ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ህዝቢ ትግሪኛ ኣብ ገዛእ መሬቱን ዓዱን ሃገሩን ብስርዓት ህግደፍ እዚ ኢልካ ንኽትጽብጽቦ ዘይትኽእል ግፍዕታት ማህረምቲ፥ ማእሰርቲ፥ ምቕታል፥ ምስዋር፥ ሕርሻ መሬትን ንብረት ህዝብን ምዝማት ከምእዉን ኣባይቲ ህዝቢ ምዕናው … ወዘተረፈ ዝብሉ ኣሰቀቕቲ ዝኾኑ ነገራት ብስርዓት ህግደፍ ንልዕሊ 25 ዓመታት ተፈጺሞምን ይፈጸሙን ኣለዉ።
    2. መንእሰይ ኤርትራ ሃገራዊ ግብኡ ወዲኡ ነብሱ ከየማሓድርን ስድርኡ ከየኣልን ንልዕሊ ርብዒ ክፍለዘመን ከም ባርያ ንስርዓት ህግደፍ ኣብ ምክዳም ይርከብ ኣሎ።
    3. ኤርትራዊ መንእሰይ ብሰንኪ ብዕሉግ ዝኾነ ምሕደራ ኣልቦ ህግደፍ ሃገሩ ራሕሪሑ ናብ ሰደት ጊዒዙን ዋሕዙ ብዝተዓጽጸፈ ቕጽሩ ይቕጽልን ኣሎ።
    4. ስርዓት ህግደፍ መሬትን ባሕርን ኤርትራ ንባዕዳውያን ሃገራት ብምሻጥ መሬትናን ባሕርናን ልክዕ ካብ ናይ ግብረሽበራዊ ተግባራት ብዘይፍለ ኣገባብ ናይ ግብረ ሽበራ መናህርያ ብምግባር ነፈርቲ ካብ ዓሰብ ብምብጋስ ሳዉዲ ዓረብን መሻርኽታ ሃገራትን ኤርትራን ዝርከበአን ሃገራት ኣብ ሰላማዊ ህዝቢ የመን ዘዓለም መጥቃዕትታት ይፍጸም ኣሎ። ነዚ ካብ ናይ ግብረ ሽበራ ስራሕ ብዘይፍለ ደብዳብ ነፈርቲ ኣብ ሰላማዊ ህዝቢ የመን ዝካየድ ዘሎ ህግደፍ በወግዒ ክምዝተጸምበሮ ኢሳያስ ኣፈወቒ ኣብ ተለቪዥን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕቲት ኣብ ልእላዊት ሃገር የመን ኢዱ ከምዘእተወ ከይሓነኸ ገሊጹልና እዩ። እዘን ባሕርና ረጊጸን ከምኡዉን ክሊ ኣየርና ጥሒሰን ኣትየን ዘለዋ ሃገራት ኣብ ኤርትራ ወራር ኣካይደን ከምዘለዋ ክንግንዘቦ ዘለና ጉዳይ እዩ። ምኽንያቱ እዘን ዝተፈላለያ ሃገራት የዕራብ ናብ ኤርትራ ንኻእትዋ ናይ ባዕሉ ዝኾነ ምኽንያት ኣለዎ ኢልካ ዝስገር ጥራሕ ዘይኮነ እዘን ባዕዳዊያን ሃገራት ንመሬትናን ባሕርናን ብምጥቃም ዘካይድኦ ዘለዋ ደብዳብ ንሰላማዊ ህዝቢ የመን ይኹን ንተቓወምቲ ሓይልታት የመናዉያን ዘይምኽኑይ ዝኾነ ኩናት (unjustified war) ምኻኑን ካብ ስራሕ ግብረሽበራ ስፈልዮ ወላ ሓደ ነገር ክህሉ ኣይኽእልን እዩ።
    5. ህዝቢ ኤርትራ ምስ ህዝቢ ትግራይ ሰላም ንኸይነብር ብምስምስ ዶብ ኩናት ብምዉላዕ ዜጋታት ህዝቢ ክልቲኤን ሃገራት ብፍላይ ንኣግኣዚያን ትግሪኛ ህዝቢ ህልቂት ኣዉሪዱ ኢልካ ዝስገር ነገር ዘይኮነ ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ክልቲኤን ሃገራት ብቐሊሉ ክፍወስ ዘይኽእል ጽልእን ቅርሕንትን* ህግደፍ ደይ መደይ ኢሉ ካብ ዝሰርሓሎም ዘሎ ዓበይቲ ኣርእስትታት ከየስመርኩሎም ክሰግር ኣይደልን እየ።
    6. ተጋሩ ኣግኣዝያን ጎረባብትና ጥራሕ ዘይኮኑ ናይ ሓባር “መንነት ቋንቋን ባህልን” ንውንን ህዝቢ ክልተ ሃገራት ኢና። ኣብዚ ቀረባ እዋን ብስርዓት ሕግደፍ ዝተሃንደሰ ብኣምሓራ ብሄረሰብ ኣንጻር ትግሪኛ ተዛረብቲ ኣግኣዝያን ብዝተፈጸሙ ገበናት ናይ ሂወት ሰብ ክሳራን ናይ ዝተፈላለዩ ንብረታት ዕንወትን ዝምታን ዝተኻየደ ብዕሱባት ህግደፍ ዲያስፖራ እዚ ዘይበሃል ናይ ታሕጓስ ዳንኬራ ተወቒዒሉ እዩ። እንተኾነ ግን ናይ ኣምሓራ ጉራ ይኹን ናይ ካሊእ ጸላኢ ኣንጻር ትግርኛ ቋንቋ ተዛረብቲ ተደጉሉ * ዝነበረ ናይ “ሓዊ ቑልዒ” ክንየው ቖልዓ* ምኻን ክሰግር ዘይካኣለን ከይጎበዘ ተቖጽዩ* ምትራፍ ብተግባር ዝተራእ የሓቂ ኾይኑ ኣብ ትግርኛ ተዛረብቲ ና ይቲ ከባቢ ሕብረተሰብ ዝገደፎ ስምብራት ግና ክነየው እቶም ተጠቃዕቲ ናይቲ ከባቢ ሰጊሩ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ትግርኛተዛረብቲ ህዝቢ ሓያል ዝኾነ ቁጠዐ የሕዲርሉና ጥራሕ ዘይኮነ ደጊምና ንኽንሓስብ ሓጊዙና ስለዝኾነ ንዓና ንኤርትራዊያንን ንትግራዎትን ኣዚዩ ዓብይ ትምህርቲ ሚሂሩና ሓሊፉ ስለዘሎ “ንመጻኢ ጊዜ ሕጂ ንኽንዳለወሉ ባይታ ፈጢሩልና” እዩ እንተበልና ምግናን ኣይክኸዉንን እዩ።
    እዞም ልዕል ኢለ ክጠቕሶም ፈቲነ ዘለኹ ነጥብታት መንግስቲ ህግደፍ ብሓፈሻ ኣብ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ትግራይን ዝፈጸሞም ገበናት ብፍላይ ኣብ ትግርኛ ተናጋሪ (ኣግኣዚያን) ህዝቢ ኤርትራ ዝተፈጸሙ ገበናት ካብ ባሕሪ ብጭልፋ እዮም እንተበልና ምግናን ኣይኽኸዉንን እዩ።
    ነዞምኣብ ላዕሊ ዘርዚረዮም ዘለኹ ዓበይቲ ነጥብታት ኣብ ግምት ብምእታዉ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ትግራይን ናይ ሓባር ጸላኢና መንግስቲ ህግደፍ ከም ምኻኑ መጠን ነዚ ኣጋጢሙና ዘሎ ዓበይቲ ጸገማት ብፍላይ ናይ ትግርኛ ተናገርቲ (ኣግኣዚያን) ህዝብና ካብ ምጽናት ዓሌትና* ንምኽልኻልን ኣጋጢሙና ዘሎ ዘይምኽኑይ ናይ ሃገራት የዕራብ ወራር ኣብ ሓንቲ ልእላዊት ሃገር ኣፍሪካ ኣብ ባሕርን ምድርን ኤርትራ ሰራዊቶምን ሓይሊ ኣየሮምን ብምስፋር ኣንጻር ሰላማዉያን ህዝቢ የመን ዝቐንዐ ናይ ኣየር ደብዳብ ገበናት ህግደፍን የዕራብ ሃገራትን ንምምካት ብኹሉ መዳይ ሕዝቢ ትግርኛ (ኣግኣዚያን) ብኣግኡ ዘድሊ ምድላዋት ብምክያድ ንዘጋጥሞ ዘሎን ንዝመጽእ እንተታትን ንምብዳህ ናይ ሓባር* ሓደ ጥርኑፍ ዝኾነ ሓይሊ ማሕበር ሰላም ኣግኣዚያን ( Peaceful Agazian Association) ምቋም ዝብል ሓሳብ እዚዩ ወሳንን ምኽኑይን (justified) ብምኻኑ ካሊእ ኣማራጺ ዘይብሉ እንኮ ምርጫና ምኻኑ ንህዝቢ ኤርትራን ንህዝቢ ትግራይን ከዘኻኽር እደሊ።
    “ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ትግራይን ሓበራዊ* ቋንቋ ትግሪኛ ከምእዉን ኣብ ሓደ ዓይነት ዝተሰረተ ባህሊ ስጋብ ዝወነንና ናይ “ሰላም ኣግዓዝያን ማሕበር ( Peaceful Agazian Association) ዝብል ኣብ ሰላም ዝተሰረተ ብኹሉ መዳይ ናይ ምትሕግጋዝ ማህበር ክንምስርት ዘዓግተና “መንግስቲ ይኹን ዶብ” ክህሉ ኣይኽእልን ጥራሕ ዘይኮነ ብኹሉ ሸነኻቱ ምኽኑይ (justified) ምኻኑ ዘጠራጥር ነገር ከምዘይብሉ ብዙሕ ኣይጠራጠረሉን እዩ”
    እግረመንገደይ ከመሓላልፎ ዝደሊ መልእኽቲ እንተሎ ከምዚ ዝስዕብ ይኸዉን:
    ኤርትራ ህዝቢ ክርስትናን ምስልምናን ሓቢሩ ዝነብረላ ኣፍሪካዊት* ሃገር ከምኻና መጠን ዝኾነ ዓይነት ናይ የዕራብ ሃገራት ኣብ ልእላውነት ሃገራ ኢድ ምትእትታዉ ብትሪ እንዳተቓወመት ነዚ ናይ የዕራብ ሃገራት ባሕርን ምድሪን ልእላዊት ኣፍሪካዊት ሃገር ኤርትራ ጥሒሰን ናይ ኩናት ሓይሊ ኣየር ኣብ ዓሰብ ሰሪተነኦ ዘለዋ ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኹነት ዉዱብ ሓድነት ኣፍሪካ ብሓፈሻ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ ብፍላይ ህዝቢ ኤርትራ መንግስቲ ሱዳን መንግስቲ ጁቡቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክቃወመኦ ጥራሕ ዘይኮነ የዕራብ ሃገራት ካብ ዓሰብ ይኹን ካሊእ ቦታታት ኤርትራ ናዉተን ጠቅሊለን ክወጻን እዚ ምስ ዘይትግብራ ኣብ ልዕሊ ዶብ ቀይሕ ባሕሪ ሰጊራ ዝመጸት ዝኾነት ዓረባዊት ሃገር ኣድላይ ዝኾነ ስጉምቲ ክምዝዉሰደላ ምኻኑ ጥብቕ ዝበለ መተሓሳሰብን መጠንቀቕታን ንመራሕቲ ዓዕራብ ሃገራት ብመንገዲ ውዱብ ሓድነት ኣፍሪካ ክመሓላለፍ ይግባእ።
    “ኤርትራ ኣፍሪካዊት ሃገር ደኣምበር ዓረባዊት ሃገር ኣይኮነትን እዚ ኩነት እዚ ከኣ ንህዝቢ ኤርትራ ጥራሕ ይምልከት። ምኽንያቱ መንግስቲ ህግደፍ ዘይሕጋዊ መግስቲ ክነሱ ንሃገር ኤርትራ ይኹን ንህዝባ ብምዉካል መሬታ ይኹን ባሕራ ንኽሸይጥን ክልዉጥን ዝኾነ ዓይነት ሕጋዊ ዝኾነ ባይታ ወይ መሰል የብሉን እዩ።

    የቐንየለይ!

    ደሳለኝ

    ናይ ቀረባን ናይ ርሕቑን ዕላማ ማሕበር ሰላም ኣግኣዝያን (Peaceful Agazian Association) … ይቕጽል

  • Desalegn November 25, 2016

    ኣይትደቅስ ተበራበር !

    ኤርትራዊ ትግርኛ ብህግደፍ እንዳተጨፍጨፈን እንዳጸነተን እንከሎ ትግራዋይ ኣግኣዚ ኣእዳዉ ኣጣሚሩ ክዕዘብ ከምዘይግባእ ኩሉ፥ ትግራዋይ ኣጋዚ ብቤሄረ ኣምሓራ እንዳተጨፍጨፈን እንዳተዘምተን እንከሎ ኤርትራዊ ዜጋ ኣእዳዉካ ኣጣሚርካ ምዕዛብ ኣይክህሉን እዩ። ምኽንያቱ ህግደፍን ብሄረ ኣምሓራን ኣብ ሓደ ሰኪዔት ኮይኖም ንትግሪኛ (ኣግኣዚያን)ፍጹም ንምጥፋእ ሓቢሮም ይሰርሑ ከምዘለዉ ካብ ምስማዕ ሓሊፍ ብተግባር ዝተራእየ ስለዝኾነ ነዚ ኩነት እዚ ከይቀደመካ እንከሎ ንኽትቅድሞ ኤርትራዊ ኩን ትግራውይ ብዘየገድስ ተበገስ ኣብ ማሕበር ሰላም ኣግኣዚያን ብምጥርናፍ ንኹሉ ተጻቦኦታት ድልዊ ኩን!
    “ንናይ ኤርትራ ናጽነት ስጋብ ሕጂ ዘይተቐበለን ዘይኣመነን እንተሎ ህዝቢ ኣምሓራ ጥራሕ እዩ”

  • Desalegn November 25, 2016

    ኤርትራዊ ትግርኛ (ኣግኣዚያን)፥

    ሕብረተሰብካ እንዳሓሰሞ እንከሎ ጥራሕ ዘይኮነ ብጎረቤትካ ሽግርን ጸበባን ምሕጓስ መን መሃረካ:

    እዚ ብባህልኻ ድዩ ቕቡልስ እቲ ልሙስ ህግደፍ እዩ ንሓንጎልካ ኣልሚሱካ:

    ኣግኣዚ [ትግሪኛ]ሓየት ሕሰበሉ ድኣ ነቲ ብኹሉ መዳይ ከምዘይተሓብ ዝበከለካ:

    ናብ ንቡር ክትመልሶ ደኣ ፈትን ነቲ ዘንቢዑ ዘሎ እተሓስበሉ ሓንጎልካ:

    • meg November 25, 2016

      Eritrean are suffering regardless of their religions or region. The government (gangster)of Eritrea is responsible.

  • T belew November 25, 2016

    The Eritrean people suffering for more than 25 year until now 2016 by TPLF & Hugdef.
    TPLF is the number one the eritrean people enamis. Fact!

  • Desalegn November 26, 2016

    ኣስተዉዕል ኤርትራዊ!

    ህዝቢ፥ ሱዳን ጁቡቲ ብፍላይ ትግራይ* ጎረባብትኻ ወይ የሕዋትካ ምኻኖም ምስ ዘይትኣምን!
    ኪድ ቀይ ባህርና ተሳገር፥
    ከም ህግደፋዉያኣን* ናይ የዕራብ ሃገራት ጎረባብትኻ ወይ የሕዋትካ ግበር!
    እዚ ተግባርትዚ ግን ፍጹም ክሕደት መንነትካ ጥራሕ እዩ!

  • Eritreawit November 26, 2016

    Desalegn, Instead of trying to create a new country Agazean, why don’t you try to work in peace with one we have now, There is Eritrea and There is Ethiopia. If you care so much about Tigrigna speaking Eritreans why were you quiet for 25 years while the dictator dismantiling the unity of the family, by refusing any rule of law in our country; the land of Higi enda Abba,

POST A COMMENT