Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Voice of Assenna: Daily News – እዋናዊ ዜና – Thursday, Dec 22 , 2016

https://www.youtube.com/watch?v=J3jeP3zl9HU&feature=youtu.be

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Desalegn December 22, 2016

    ብዘይ ዝኾነ ምግቡዕባዕ ነዚ ሓቂ’ዚ ክትቅበሎ ክትግደድ ኢኻ!

    ደገፍቲ ህግደፍ ይኹኑ ደለይቲ ፍትሒ “ንፍትሒ ትባሃል” ነገር ከምዝደልይዋ ኣካታዒ ነገር ኣይክኸውንን እዩ። እቲ ጸገም ኮይኑ ዘሉ ግና ከመይ ጌሮም ንሕጊ ከምዝረኽብዋ ጥራሕ እዩ። ምኽንያቱ ሕጊ ትበሃል ነገር ኩሉ ሰብ ዝደልያ ደኣ ይኹን እበር ደቂ ሰባት ድሌትና መትሓዝን መጨበጥን ዘይብሉ ልክዕ ከም ፈሳሲ ማይ ስለዝኾነ ንድሌታትና መዕገቲ ንኽንገብረሉ ስለንጽገም ጥራሕ እዩ ንሕጊ ሓቢርና ክንጭብጣን ክንረኽባን ዘይከኣልና ዘለና።

  • Desalegn December 24, 2016

    ሕሶት (ምምሳል) ትበሃል ነገር ካብ ነብስና ነርሕቕ!

    ኣብዛ ጊዜ እዚኣ ህግደፍ ይኹን ህዝቢ ኤርትራ ምስ ብጥምየት ክመዉት ዝደለየ ጨጓር ከልቢ ሕደ ዓይነት ባህርያት የንጸባርቕ ኣሎ ክበሃል ይከኣል እዩ። ስእነት፧ ሰላም ብምስኣን – ብባህርያዊ ድርቂ – ባልዕ – ስራሕ ብምስኣን ወዘተ ውርደት ዘይኮነ ንቡር ነገር ስለዝኾነ ሲኢነ ምባል ዘሕንኽ ወይ ዘሕፍር ነገር ኣይኮነን እዩ።

    ኤርትራዊያን ግና ኣብ ክንዲ ንዘሎ ኩነት ኣሚናን ተቐቢልናን ንፍታሕ ክንሰርሕ ንፍትን ንዘሎ ጸገማትናን ሽግርናን ሓቢእና ዘይ ንሕና ንምምሳል ዘይንገብሮ ነገር የልቦን እዩ እንተበልኩ ምግናን ኣይክኸዉንን እዩ። ኣብ ክንዲ ሰብ ክንመስል ንፍትን ንጨጓር ከልቢ ወይ ናይ ሓንቲ ምስላ ትቐያይር ነፋሒቶ መልክዕ ለቢስና ክንጉዓዝ መሪጽና ከምዘለና ክንፈልጥ ይግበኣና። እዚ ከኣ ምልክት ድኽመትናን ሕመቕናን ጥራሕ ዘይኮነ ናብ ጥፍኣት ገጹ ይወስደና ከምዘሎ ምፍላጡ ኣገዳሲ እዩ።

POST A COMMENT