Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

VOICE OF ASSENNA: ዕለታዊ መደብ – ዘናን ዝርርብ ምስ ኣቶ ክብሮም ዳፍላ ብዛዕባ ሓዳስ መጽሓፍ ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ – Mon, Sept 03, 2018

https://www.youtube.com/watch?v=rLGbB2Z0yH8&feature=youtu.be

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • ቀሺ ማርስ September 4, 2018

    ሰላማት ኣሰና፡

    ይገርም`ዩ፡ ናይ ኣቶ ብርሃነ ኣብረሀ ኪዳነ፡ ኣብ ውሽጢ ከብዲ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኮይኑ፡ መጽሓፍ ዝኣክል ክጽሕፍ፡ ኣደ ወሊዳ ትምከን፡ ናይ ብሓቂ ጂግና ወዲ ህዝቢ።

    ኢሰያስ መገሰም ግን “ዓሻ ተበልዋስ ልዋ ዝበልዋ መሲልዋ“ ከም ዝባሃል፡ ወዲ ትኳቦ ፈስቲቫል መጸት ቅድሚ ሕጂ ሕሪ ሕራይ ጌሩ ነቂፉዎ ከብቅ መገሰም ግን መመሊሱ ናብ ገደል ዝስጉም ከፊፍ`ዩ። ናይ ዞባና ጎብለል ክኸውን ”ዝወደቀ ኾኸብ“ ብዕድል ህዝቢ ዝጻወት ”ኣብ ጊዜና“ ልኡኽ ሰይጣን ኢሰያስ፡ ኦሮማይ ጊዜኻ ሓሊፉ`ዩ፡ ኢትዮጵያ ኻኣ ሓደ እግራ ኣብ ገደል ኣትዩ ትጽገን ሃገር ኣይኮነትን፡ ቅበጻ።

    ስም ይመርሕ ከም ዝባሃል ምስ ሃገሩ ዝኣተዎ ኪዳን ሽግ ብርሃን ኮይኑ ንኸብርህ ብመልክዕ መጽሓፍ ኣዳልዩ ቀሪቡልና ኣሎ`ሞ ሃየ ንጠቀመሉ።

  • Alazar September 4, 2018

    Like the Oromay book that killed its author during Derg {Mengistu H/mariam},
    former minister Berhane Abraha will also lose his precious life for his new book.
    But, my urgent question and concern would be why is ato Kibrom Dafla endagering
    Berhane Abraha’s life by announcing/advertising so soon, while the poor man is still in Eritrea?

  • ተወልደመድህን September 4, 2018

    ብዛዕባ መጽሓፍ ዝብሎ ኣብለይን።ምክንያቱ ገና ኣብ ኢደይ ኣይበጽሐትን።ሓደ ክህቦ ዝኽእል ግምት ግን፡ልክዕ ከምተን ዝሓለፋ መጻሕፍቲ፡መጽሓፍ ጥራይ ከምት ኸውን ፍሉጥ’ዩ።እዚ ከብለኒ ዝኽእል፡ዝኾነ ኣብ ህግ ዝለኦኣለ ሃላፍነት፡ኣባላታ ሕብእቲ ሰልፊ ዝነበረ ብፍጹም ጠቓሚ ወይ ሰብ ብወረን ብጥርታረን ዝፈበጽሖ ዘይትሕብር ወይ ምስክርነት ዘይትህብ ወይ ከኣ ሰብ ዘይፈለጦ ሚስጢር ንግዳም ከውጽ ኡ ፍጹም ኣይደልዩን።ዘይፈልጡ ኮይኖም ዘይኮነ ድሌት ኣይብሎምን።ድሌት ዘይምህላው ከኣ፡
    1,ቅድሚ ኩሉ ኣብቲ ፍጻሜታት ዝከየደሉ ግዜ ኣባላትን የማነ ጸጋም’ቲ ኩነታት ዝነበሩ ስለዝኾኑ፡ከሕትቶም ስለዝኽእል ወይ ከኣ ሕይወት ካብ ምጥፋእ ከድሕንሉ ዝኽእሉ ብብብብብዙሕ ክእለት ስለዝነበሮም’ሞ ዝኮነ ይኹን ፈተነ ስለዘይገበሩ፡ንሳቶም’ውን ናይቲ ሕማቕ ስራሕን ግብርን ፈጸምቲ፡ኣፈጸምቲ፡ስቕ ኢሎም ተመልከቲ ስለዝነበሩ የሕቶቶም ስለዝኾነ’ዩ።ብሃቂ ኣብ ኡ ኔርካ፡ኣብ ዝኾነ ምግሃስ መሰል ይኹን ዘይቅኑዕ ነገራት ክትር ኢ ከሎኻ ሕይወት ከፊልካ ክትከላከል ኔሩካ።ስለምንታይ ኣብቲ ግንባር ሕይወት ከፊሎም ዜጋታት ንጸላኢ ደው የብሉዎ ኔሮም።ንስኻ ንቅንዕና፡ንፍትሒ፡ንመስል ክትስዋእ እንድኻ ወጺእካ ? ዘብል ሕቶ ክመጽእ ኢዩ።እዚ ኣዋራዲ ዝኮነአአአአ ሕቶ ክምልሹ ዝኾነ ይኹን ክእለት ዘይብሎም ስለዝኾኑ።
    2, ዝኾነ ተጋዳላይ ኣብ ህግ ዝተፈጸሙ ስረሓት ኩሎም፡በቲ ላዕላዋይ መሪሕነት ተጸኒዑ ዝተወስደ ስጉምቲ’ዩ።እዚ ስጉምቲ’ዚ ናይ መላእኽቲ፡ብሃገራዊ ጉዳይ ተጸኒዑ ዝተወስደ ስጉምቲ ስለዝበሃል፡ፍጽሙ ክቀልዕዎ ኣይደልዩን።ኣብዚ ሃገራዊ ሚስጢር ተባሂሉ ዝተሓዝ ስለዘሎ።
    3,ዝኾነ ተጋዳላይ ነበር፡ኣብ ህግ ካብቲ ዘሎ ኩነታት ሰንተኽ ምባል ከአአአአምዘየሎ እናተነግሮ’ዩ ዓብዩ፡ሳዕስዕ ግን ካብ መስመር ከይትወጽእ እናተባህለ’ዩ ዝነውሀ ግዜኡ ኣሕሊፉዎ።ኣብዚ ኩነታት’ዚ ኣይኮነን ቃላት ተቃውሞ ከስምዕ፡ኣብ ኣኼባ ኮፍ ኣበሃህላ፡ኣብ ጉኦዞ ዝረአ ናይ ጦናን ድኻምን ተጉላባ ተብሂሉ፡ኣንጻርና’ዩ ተባሂሉ ክመጾ ዝኽእል ናይ የመነ ጸጋም ክስን ፍርድን ጽቡቕ ገይሩ ሃሊፉሉ ኢዩ።ካብዚ ቀጺሉ፡ቀንጸልትን ሰለይትን ኣብ ዝከዶ ቦታ ምህላዎም ኣጸቢቑ ዝፈለጠሉ ሕይወት’ዩ።ስለዚ ዝኮነ ተጋዳላይ ሎሚ፡እቲ ሰላይን ቀንጻልን ዝነበረ፡ልክዕ ከምቲ ናቱ ስራሕ ኣብዝከዶ ቦታ ቀንጸልትን ሰለይትን ከምዘለው ይፈአአአአልጥ’ዩ።ወይ ኣብቲ ስራሕ ዘይነበረ ህግ ከም ኡ ከምዝገብሩ ስለዝፈልጥ ዝ ኣምኖ ኣይብሉን።ንስድራ ቤቱ ኣይኣምን።ስለዚ ኣዚ ስለዝኾነ ዝኾነ ይኹን ተጋዳላይ ህግ ነበር ዝጽሕፎ፡መጽሓፍ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ብገምጋም ይኹን ብገለ በለቕ ዝበለ እንተዘይኮይኑ ካልእ ከውጽ ኡ ኢልካ ዘይሕሰብ’ዩ።
    ብዛዕባ’ቲ ምስ ኦሮማይ ምንጽጻሩ ግን፡ባህሪ ኤርትራውያን ምኳኑ’ዩ።ንሕና ንዘሎና ንእሽቶ፡ንዘሎና ውሑድ ከምቲ ዘሎና ናይ ምቅባል ጸገም ኣሎና።ጸገምና ካብ ትሕተ-ውነ ወይ ናብስና ናይ ምትሓት መንፈስ ስለዘሎና፡ንዘሎ ሕማቕ ክነጻባብቕ፡ንዘሎና ውሑድ ክነብዝሕ ሸገርገር ንብል።ቃላት ሒዝና ንዘልል’ሞ ኣብ ገሊኡ ተንጠንጢልና ንተርፍ።
    ስለዚ ኦሮማይ ኣበይናይ እዋን ተጻሒፋ።ኣብ እዋን ስርዓት ደርጊ ኢዩ።ኣብቲ ግዜ’ቲ ስርዓት ደርጊ፡ሰውራ ኤርትራ ከጥፍእ ዘለዎ ዝኮነ ኣካኪቡ ዝመጻሉ ወቕቲ ኢዩ።እዚ ክገብር ከኣ ምሉእ፡ኒሕን ስንቕን ኦኣጢቑ ዝመጸ’ዩ።ኣዚ ከግብሮ ዝከኣለ እቲ ስርዓት ምሉእ ዓቕሚ ዝነበሮ’ዩ።ስለዚ ኣብትሕቲ’ዚ ብፖለቲካን ወተሃደራዊ ተደራጅዩ ዝነበረ፡ካብ ኣፍሪቓ ብቀዳማይ ወይ ካልኣይ ደረጃ ዝስራዕ ስርዓት ኮይኑ’ዩ ጽሒፉዋ።ብሓጺሩ ኣብ ትሕቲ መንጋጋ ኣንበሳ ኮይኑ’ዩ ጽሒፉዋ።ኣቲ ካልእ ፍሉይ ዝግበሮ፡በዓሉ ግርማ ጋዜጠኛ’ዩ።ኣብቲ ስርዓት ዝኾነ ይኹን ሓላፍነት ኣይነበሮን፡ብዘይካ’ታ ኣብ ቀይ ኮኮብ ዘመቻ ዝተወሃቦ ፕሮፖጋንዳዊ ሓላፍነት።(ቅዳሕ ኦሮማይ ኣብ 1983-84 ረኢእየዮስ፡ገለ ከንብብ ፈቲነ ኔረ።ጽቡቕ ኣይተረደንን።ሎሚ ግን ኣብዝሃለፈ ዓመት’የ ኣንቢበያ።ጽቡቕ ገይረ ተረዲአዮ ኢየ )።ስለዚ በዓሉ ነቲ ስርዓት ዝገብሮ ኩሎም ኣብቲ ስርዓት ዝነበሩ ዝገብሩዎ ዝነበሩ ኣቃሊሑ።ንሱ ናቱ ግብርን ስራሕን ከዊሉ፡ንካልእ ወይ ቁንጭል ኣቢሉ ንመንግስቱ ኣይወቐሰን፡ንብምሉኡ እቲ ስርዓት ወቂሱ።ብዘይካኡ፡ስርዓት ደርጊ ኣብቲ ሓይሊ ዝነበረሉ ግዜ’ያ ወጺአ።
    ኣቶ ብርሃነ ግን፡ናይቲ ስርዓት ኣካል ኢዩ ኔሩ።ስለዚ ዝኾነ ይኹን ኣብ ህግ ዝፍጸም በታ ሕብእቲ ሰልፊ ዘለው ኣባላት ተፈሪሙሉ ኢዩ ዝሓልፍ።ስለዚ ኣቶ ብርሃነ ኣካል’ታ ሕባቲ ሰልፊ ብምኳኑ ናይቲ ሽግር ኣካል ኢዩ።ኣብ መጽሃፉ ከኣ ን ኢሳያስ ከምዝወቅስ ይገልጽ ( ኣብቲ ፕሮፖጋንዳ )ስለዚ ናይ ኤርትራ ጸገም ኢሳያስ ኣይኮነን ወይ ኢሳያስ ጥራይ ንዝብሉ ከኣ ስለምንታይ ዘይተቆጻጽሩዎ፡ስለምንታይ ሕግታትን ኣገባብን ሰሪዖም ክእደብ ዘይገብሩዎ ተባሂሉ ናብቶም ኣብ ጥቓኡ ዝነበሩ ሰባት ኢያ ትዘውር እታ ሕቶ።ዝኾነ ይኹን መሳርሕቲ ዘይረከበ ውልቀ መላኺ ከምዚ ህዝቢ ክበታተን ዘኽ ኣሎ ንሕማቅ ስራሑን ተንኮሉን ዝሰርሑ ስለዘለው ኢዩ።ካልእ ኣቶ ብርሃነ፡ስርዓት ህግደፍ ካብ ዓለም ኣብዝተነጸሉ፡ሕሉፍ ሓሊፉ ድሕሪ ኣዲስ ኣበባ ምኳዱ፡በተን ትምህርቲ ዘይብለን ኣደታትና ከይተረፈ ተናዒቑ ዘሎ፡ብፖለቲካ ውዱቕ ከም ሰብ መጠን ሕሙም ምዉት ኣብዝኮነሉ፡ኩሎም መስራሕቱ፡ኩሎም ነቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ መናውራት ሰራሕቲ ዝነበሩ ነብሶም ኣብዘውጽእሉ ስሮኣት ኢሳያስ ገድፊም ዝሃደምሉ እዋን፡ዳርጋ ፍሹል ስርኣት፡ውዱቕ መንግስቲ ኣብዘለዎ ኣዋን’ያ ትወጽእ ዘላ። ናይ ኢሳያስ ባህሪ ገሊጹ’ሞ ካብ ጥፍ ኣት ክንድሕን ደልዩ እንተዝከውን፡ቅድሚ ኩናት ባድመ ወይ ኣብቲ ሰባት ዝ ኣስረሉ ዝነበረ ናይ 2001 ኣቢሉ ኣውጺኡዋ ኒኦአሩ ኣንተዝከውን፡ኣወ ዝመጸ ይምጻእ ኢሉ ን ኢሳያስ ህዝቢ ክፈልጢን ክጥንቐቕ ከምዘለዎ ንህዝቢ ኤርትራ ኣጠንቒቁ ምበልናዮ።ሎሚ ግን ኢሳያስ እንታይ ሒዙዎ ከምዘሎ’ምበር ውዱቕ ምዉት፡ዝ ኣረገ ኣስናን ዘይብሉ ተኹላ ኮይኑ ተሪፉ’ዩ።ብሓፈሻ፡ዕራቖቱ ወጽዩ ኢዩ ኢሳያስ።ስለዚ እቲ ስርዓት ሳላ’ቲ ኣብ ወጻኢ ይኹን ኣብ ካልእ፡ብእኩብ ይኹን ብውልቂ ተቃውሞ ኣስሚዑ፡በዚ ኣገባብ’ዚ ስሮኣት ህግደፍ ኣብ ትሕቲ ዝመወተን ዝመሽመሸ ስርዓት ኮይኑ’ዩ ዝጽሕፋ ዘሎ።ስጉምቲ ክውሰደሉ ኣብዘይክእል ደረጃ በጺሑ ከምዘሎ ጽቡቕ ገይሩ ይፈልጥ ወይ ፈሊጡ ኣሎ ማለት’ዩ።ሓደ ንስሮኣት ህግደፍ ሒዙዎ ዘሎ፡ወተሃደር ኢዩ።
    ስለዚ መጽሓፍ ብምጽሓፉ ኣይቃወምን’የ።ግን ናይ ዝፈተኻዮ ኣቆናጅኻ ምዝራብ፡ናይ ገለ ምቁንጻብ’የ ዝጸልእ።ጽቡቕ ይጸሃፍ፡ምስቲ ካልእ ዘንበብናዮ ኣነጻጺርና ንርእዮ።ኣብዚ ግን ባህሪ ኢሳያስ ኩሉ ፈሊጡዎ ኢዩ።ኣቲ ኣገዳሲ፡ኣብታ መጽሃፍ ኣንታይ ከምጽእ ‘ዩ ሓዲሽ ነገር።
    ብዛዕባ ንስሮኣት ምውዳቕ ኣንተኾይኑ ኣይትዓሽው።በዛ መጽሓፍ ኣዚኣ ዝወድቕ ስሮኣት የለን።ባህሪ ኢሳያስ ፈሊጥካ ስርዓት ኣይወድቕን ኢዩ።ኢሳያስ ወረደ፡ኣቲ ካልእ ን ኢሳያስ መሳርሒ ዝነበረ ደቂሱ ዘሎ ሴል፡ዋህየ ከኣ ኢዱ ማይ ድዩ ዓሚኹ።ከምዚ ኣንተኾይኑ፡እታ መጽሃፍ ንሓደ ኢሳያስ ንምእላይ ጥራይ ኢያ ትመስል።ንሕና ግን ኢሳያስ ብ ውልቂ ጥራይ ዘይኮነ፡እቲ ስርዓት’ዩ።ስሮኣት ከኣ ብሃደ ዘይኮነ፡ናይ ብዙሓት ሰባት እክብካብ’ዩ።ስለዚ መጽሓፍ፡ንውልቀሰብ ትምልከት ጽቡቕ፡ግን ነቲ ስርዓት፡እቲ ንሱ ኣንታይ ተሳትፎ ኔሩዎ ካልእ ክህተት ዘለዎ ዘምጽእ ኢዩ።
    ስለዚ ምጽሃፉ ጽቡቕ ግዳስ ከምቲ ዝበልኩዎ ንሱ ጥራይ ኣይኮነን ፈለማ ጸሃፊ ፕሮፖጋንዳ ዝህቡ ዘይረከቡ ኮይኖም’ምበር ክንደይ ዘይተጻሕፈ፡ክንደይ ዘይተባህለ ብዛዕባ ኢሳያስ።

  • Gezae September 5, 2018

    Yemane G. Meskel
    @hawelti
    The President of the Republic of Somalia, H.E. Mohamed Abdullahi Mohamed, will arrive in Asmara later today for a tripartite Summit with President Isaias Afwerki and Prime Minister Abiy Ahmed.

    View image on Twitter 42m

    Yemane G. Meskel
    @hawelti
    Ethiopia’s Prime Minister Abiy Ahmed arrived in Assab this morning for 2-day working visit to Eritrea. Z Prime Minister, who will also visit Massawa &Asmara, will hold extensive discussions with President Isaias Afwerki to assess & expedite implementation of z Agreement of 9 July

    View image on Twitter 59m

  • Teclay September 5, 2018

    ጋዜጠኛ ኣማኑኤል
    why did you delete my comment …Respected Amanuel please don’t do that again .To begin with it is my opinion not yours ,so you do not have a moral authority to erase it…I hope you will learn form BBC others what a free and independent journalist mean..
    ጋዜጠኛ ኣማኑኤል እዚ ህይወት ክትሶዅዓሉ ትጽዕር ዘሎኻ ገድሊ ሞይቱ እዩ ።እቲ ዋንኡ ኢሱ እዚ በድኒ ጨና ውዲኢኒ ኢሉ፣ ምስ ጉሓፍ ብሓጎስ ኣፍልቡ ሃሪሙ።ጽቡቕ ገበረ ጨና ወዲኡና ነይሩ ንኹልና። ስለዚ ኣማኑኤል ሓውና ገድሊ ቅበጾ ሞይቱ እዩ ። ቀደም ንሕና ነጊርናኩም ኣይሰማዕክሙናን ፣ሕጂ ድማ እቲ ዋንኡ ይነግረኩም ኣሎ.
    with all due respect

  • bahta September 5, 2018

    Berhane Abrhe : Black star of Eritrea ???

POST A COMMENT