Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Voice of Assenna: ናፊቕናኩም፣ ግን ክንምለሰኩም ኢና, Saturday, Feb 28, 2015

https://www.youtube.com/watch?v=rdyCmVSZKbA&feature=youtu.be

aseye.asena@gmail.com

Review overview
18 COMMENTS
  • ሓቂ March 1, 2015

    ሕሴምናን ስቅያትናን አብ ክንድና እስኹም አፍ ኮንኩምልና ትዛሬቡልና ኔርኩም፡ሕጂ ድአኒ ሜን እዩ ክዛሬቤልና ሞ።እዚ ናትኩም ቴቤግሶ ሓቦን ዌፌያን ዝሓትት ዩ፡እቲ ጭኩን ኤርትራዊ/ት ክአ ዬድንቄኩምን ዬኽብርኹምን።እድሜን ጥእናን ይግቤሬልኩም።አምላኽ ሓላዊኹም ይኹን።ምስጋና ንዓኹም።

  • awet nhafash March 2, 2015

    እንታይ ኢና ሞ ክንብል ኣቱም ሰባት፣ እንዳሰማዕና አንዳራኣና ሬድዮ ኣሰና ክትዕጾ ሃየንታ ኢዩ። ንዓና ነዞም ኣብ ደገ ዘለና ኳ ተስፋን ሞራልን ዝሃበትናስ ነቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝብና ኸ፧ ተዓጽያ ምስ ሰማዕና ከምዚ ሰብ ዝሞተና ዓቢ መርድእ ዝሰማዕና ኢና ኮይና፣ ከመይ ዘይንኸውን ኩሉ ነገርና እንድያ። እዞም ኩልና ፈነወ ኣሰና ብድምጽን ጽሑፉን ንከታተል ከ ካባይ ጀሚርካ ቆቁሩብ እንተንሕግዝ ኣይመድሓናያን ዶ ኔርና፧ ወይስ አቲ ዋጋ ሳተላይት ኣዝዩ ክቡር ኢዩ፧ ገለ ባ በሉኒ በጃኹም።

    ኣማኑኤል ሓወይ ናይዚ ዘሎ ወለዶ ጎብለል ሓርነት ኢኻ እንተበልኩ ከም ድፍረት ኣይትቑጸሩለይ፣ነቲ ኹሉ ዝገበርካዮ ብስም ህዝብና አንዳሞጎስኩ ኣዝየ የኽብረካ። ወዲቕካ ምትንሳእ ናይ ቃልሲ መስርሕ ስለዝኾነ እቲ መላኺ ዘሰምድ ነጎዳ ድምጽኻ ኣብ ሓጺር ግዜ ክንሰምዖ ጥርጥር የብለይን።

  • Felega March 2, 2015

    If Assenna, the best independent website portal and radio program, is unable to conduct its full programming affairs because of lack of financial resources, then how do Eritreans dream to remove the Higdef regime armed in more than a billion dollars of cash deposited in Swiss and Gulf banks; this does not include its other resources?

    if the Eritreans in diaspora who many have lots of money, expensive houses, yearly vacations, thousands of monthly salary are not willing to give 2% of their money to Assenna, why would any Eritrean youth in Eritrea die for a nation and a land nobody cares?

    Eritreans like to talk the talk, but many of you are cowards not willing to share your time and money, let alone give your life and walk.
    We all know Eritrea died long ago and that is what most of you believe but talk lies in public, otherwise you would give your money to Assena. Am I surprised? not at all! These are the same people who have long betrayed their own history, ancestors, languages and norms to walk and talk like others.

    Dear Amanuel, I don’t know how far you are willing to pursue this noble idea of freedom by sacrificing your own time, opportunity, money and family for people who are long dead and are not willing to give a material called money?

  • Mesinas March 3, 2015

    እቲ ዚብሃል ኩሉ ኢልኩሞ ኢኹም ክቡራት ኣሓትን ኣሕዋትን። እተን ተሪፈን ዘለዋ ክልተ ነገራት ጥራይ እየን።

    ቀዳመይቲ፥ ሓው ኣማኑኤል እያሱ፡ ልቢ ኣዕብዩን ትብዓት ተቐኒቱን ነቶም ናይ ፈነወ ዕድል ረኺቦም ብዘይስክፍታ ዝቃለሱ ዘለዉ ኤረናን መድረኽን ምትሕብባሮም ብወግዒ ምሕታት ክትከውን ከላ፣ (ነዚ ሓሳብ’ዚ ግን ገለ ኣሕዋት ከም ምንብርካኽ ዝቖጸሩዎ ስለ ዘለዉ፡ ብዛዕባ’ዚ ውስጠዘ እዚ ገለ መብርሂ ክህብ ፍቐዱለይ? ብዙሓት ግን ነቲ ምስጢሩን ትርጉሙን ዚብል ስውያ ትግርኛ ተረዲኦሞ ኣለዉ። ሕጂ ነቶም ንበዳሊ ይኹን ተበዳሊ ሓገዙ ምሕታት ከም ርእሰ ምትሓት ጌሮም ዝወሰዱዎ ኣሕዋትና’የ መብርሂ ክህብ።

    ትርጉሙ ንጹር’ዩ። ሓገዝ ካብ ኣሕዋትካ ምርካብ’ዩ፤ እቲ ምስጢሩ ግን ሓድነት’ዩ። ምኽንያቱ፡ እዘን ትካላት’ዚኣተን ነታ ከምቲ ናታተን ንህዝቢ ሓርነት ንምጉንጻፍ ዕላማ ዘለዋ ትካል ኣሰና ምድጋፍ ማለት፡ ዕምሪ ምልኪ ምሕጻር ማለት ስለ ዚኾነ፡ ሓንጎፋይ ኢለን እንተ ደኣ ሓጊዘንኣን ኩላተን ሰሚረን እናተመላልኣ እንተ ሰሪሐንን ድርብ ጽፍዒት ነቲ ብምብትታንና ዝነብር ዘሎ ሕሉቕ ስርዓት ስለ ዚኾነ፡ ዓቢ ረብሓ’ዩ ዘለዎ። ርእሱ ዘትሓተ ሰብ ከኣ ኣብ መወዳእታ እቲ ዚለዓለ ንሱ ከም ዚኸውንን ከም ዚሽናህን ንኹሉ ብሩህ’ዩ። በዚ መሰረት ከኣ ኣሰና ነተን ኣብ ካልእ ድፋዕ ዓሪደን ዘለዋ ኣሃዱትታት ደለይቲ ፍትሒ፡ ሓገዘን ምሕታታ ንቡር’ምበር ነውሪ ኣይኮነን! ነፍሲ ወከፍ ደላዪ ፍትሒ፡ እንኮ ጸላኢ ጥራይ ከም ዘሎዎ ኪኣምን ኣለዎ! ንሱ ከኣ ደማሕን ጭፍራኡን’ዮም!

    ካልኣይቲ፥ ከምቲ ብዙሓት ተባዓት ሃገራውያን ገሊጾሞ ዘለዉ፡ ነፍሲ ወከፍ ደላይ ፍትሒ፡ ዋላ ሓንቲ ሳንቲም ንመዓልቲውን ትኹን ብስሩዕ ዘወፍየሉ መገዲ ኪፍጠር ኪኽእል ኣለዎ። ዚብል ርእይቶ ኣሎኒ። የቐንየለይ።

  • Felega March 3, 2015

    እዋእ!!

    ገዛውቲ ጸሎት፣ ዓዲ ገዛእቲ መደብ ኤርትራ፣ ማለት ጀል. ፍሊጶስ ደርዘናት መኮንናትን በዓቢኡ ፊልድማርሻል ብሪዘደንት ኢሳያስ ኣፈጨርቅን: ዓነው ካብ በለ፤ ኣርባዕተ ኣስመራ ካብ ተደግመ ደኣ፣ መሳኪን ዳዕሮ ቃውሎስ፣ ዓዲ ቀ፣ ዓዲ ጓዕዳድ፣ ቁሸት፣ ዓዲሰግዶ፣ ወኪድባ፣ ዓዲኣበይቶ፣ ዓዲ ንፋስ ኣንታይ ክተርፈክን። ወይ ተሰኣ ወይ ተቖጻጸያ እምበር።
    እተን ተሓቢእክን ዋእ ወስ ዘይብሉ ትብላ ድማ ሕሪሕራይ ጌሩ ከርክበልክን እዩ። ሪጋ ናይ ድባርዋ ደቀምሓረ መንደፈራ ዓዲቐይሕ ዓዲኳላ ከረን ጊንዳዕ ሰንዓፈ ገና ካብ ዓይኒ ኢሳያስ ርሑቕ ኣይኮነን።
    ንራድዮ ኣሰና፣ ናይ ሻሂ ቡንኩም ምቕባጽ ዝኣበኹም ደኣ፣ ነዚ ናይ ጽርግያ ጎብለል ናይ ትማሊ ወኻርያ ናይ ናይ ናቕፋ፣ ከመይ ጌርኩም ወስ ክትብልዎ።
    ሓቑ ክንድሕድሖ ሎምስ፣ ትማሊ ኣብ ሃገራት ዓረብ ኣብ በዓል ግብጺ ሊብያ ሱዳን መሳኪን ኤርትራውያን ቆልዓ ሰበይቲ ክድፈሩ ባሮት ኮይኖም ክሽየጡ፣ ኣብዛ ኣፍደገ ናይ ኤምባሲ ግብጺ ወጺኹም ኡይ ዘይበልኩምዶ ሕጂ ብማዕዶ መረባዓት ከተድሕኑ።
    መንነትና ታሪኽ ኣቦታትና ቋንቋታትና ምስ ጠለምናን ምስ ከሓድናን ሽዑ ብዓንተብኡ ኢና ዝተነዓቕና። ሕጂ ኩሉ ዓኽ ጡፍ እንተበለልና፣ ደንቆሮ ዓረብ እንተነዓቐና፣ እንታይ ሓድሽ ነገር ኣለዎ። እወ በዓንተብኡ እንድየ ተዘንጊዔ።

  • gerye March 4, 2015

    Anta bxue memhir n tegadalayn eka eske bel bselam temelesena

Post a Reply to Mesinas Cancel Reply