Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Voice of Assenna:ላዛታት ስነጥበብ ምስ ኣሰና – Sat, May 2nd, 2015

https://www.youtube.com/watch?v=trh-4dXKc6c&feature=youtu.be

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Mesinas May 3, 2015

    እዚ ኣብ ኤርትራ ሃገርና ዘሎ ሕሱም ጉጅለ ምልኪ፡ “ምብላዕ ምብልዑስ ዝብኢ ዓድና ይብላዓዮ” ንዚብል ምስላ፡ ከተግብር ዝዝተበገሰ’ዩ ዝመስል። ምስ መአግስታት ሩዋንዳን ኡጋንዳን ብምውድዳር እምበኣር ካብ መሸጣ ኤርትራውያን ገንዘብ ክረክብ ይጽዕር ኣሎ!? ሓቁ። ኣታዊታት ሲና ከም ቀደሙ ይቕጽል ስለ ዘየሎ ናይ ግድን ሸርፊ ወጻኢ ንርረክብ ካልእ ዕዳጋ ከናዲ ኣለዎ። ንመላኺ ስልጣንን ገንዘብን ጥራይዶ ኣይኮናን ዝዓጥኦ! እቲ ዝገርም ነገር ናኣይ መላኽን ጃንዳኡ ህግደፍን ኣይኮነን! ናይቶም “ምስ ዓጋም ዝተጸግዐት ቈልቋልሲ እናደመየት ትነብር” ዚብሃል፡ ምስ መላኺ ምጽጋዕውን እንትርፎ ክሳራን ጭንቅን ካልእ ምንም ከምዘይርከቦ እናፈለጡ ከለዉ፡ ንምንታይ እዮም ነዚ ገንዘብን ንብረትን ምምንዛዕ ጥራይ ዝሓዳሩ ፋኖ ገና ‘መንግስትና!’ እናበሉ ዝተሓባበሩዎ ዘለዉ!? መልሱ? መልሱ? መልሱ?

    ዝኸበርካ ሃብሮም ጋዜጠኛ ዓይነታ፡ ብቕዓት ኣናብባኻ ብፍላይ ድማ ኣብ ናዕታ ዘሎካ ክእለት፡ ኣዝዩ፡ ኣዝዩ ብሉጽ’ዩ! ከምኡውን ኣመራርጻ ንመደብካ ዘሰንዩ ዜማታት ዕጹብ ድንቅ’ዩ! በዚ ከኣ ኣድንቖተይን ምስጋናይን እናገለጽኩ፡ ነተን ኣብዚ ኣቕሪብካየን ዘሎኻ ክልተ ኣዝየን እዋናውያን ግጥምታት፡ ደጊምካ ናብቶም ብሳተላይት ጥራይ ዝከታተልኹም ሰማዕቲ ከተብለን እላበወካ? ሃምበል! ምሉእ ብቕዓት ዘሎዎ ዘሐብን ጋዜጠኛ! ዝኾነ ይኹን መደብ ኣቀራርባኡ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ’ዩ ዚስራዕ! ኣቀራርባ እንተዘይ ጥዕዩ ከኣ ዋላ ኣዝዩ ብሉጽ ፍርያት ይኹን ዝግባእ ትርጉም ኣይህብን’ዩ! በዚ ኣገዳስነት’ዚ ድማ’የ ንብቕዓት ጋዜጠኛ ዓይነታ ምሕረትኣብ ዘድንቕ ዘለኹ። እዚ መደብ’ዚ ኣብ ምምዕባል ቋንቋናን ባህልናን ዘሎዎ ሓያል ኣበርክቶ ብቐሊል ዚርአ ኣይኮነን! የቐንየልና ክቡር ሓው። የቐንየልና ኣሰና።

    ድምጺ ናይ ውጹዓት መዘና ዘይብልኪ
    ህዝቢ ካብ መስከረ ናቱ ከም ዝኾንኪ
    ህዝባዊት ኣሰና እንቋዕ ሓጐሰኪ
    ናብ ወፍሪ ሓርነት ኪጋልብ ፈረስኪ
    ሃየ ጸዓንዮ ኣጽዋርኪ ኣዋዲድኪ!

    ኪዲ’ወ ጋልቢ ናብ ወፍሪ ሓርነት
    ህዝብና ክረክብ ራህዋ ምስ ቅሳነት
    ኣብ በረኻን ባሕርን ከይትጠፍእ ህይወት
    ሃገር ከይትባድም ብዘይትካእ ዕንወት
    ቃልሲ ሓርነትና ቀልጢፉ ኪዕወት
    ህዝብና ኣዕስልዮ ጠርኒፍኪ ኣብ ሓድነት!

    ልዑል ምስጋና ነቶም ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ዝከኣሎም ዘበርከቱ ውፉያት ኤርትራውያን!

    ዮሃና ነታ ብሰፊሕ ተሳታፍነት ህዝቢ፡ ህዝባውነታ ዘረጋገጸት ድምጺ ውጹዓት ኣሰና!

    ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!

    ካብ ሓውኹም መሲናስ 01/05/2015

POST A COMMENT