Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኢሳይያስ ነቶም ብወገን ፖለቲካ ጽግም ክብሎ ኸሎ መልጎም ጠዊቑ ከም መብረ ዓሻክሩ ዝጥቀመሎም ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍ ኣብ ውሽጢ ሃገር፡ ነቶም ሓንቲ ቃሉ ከይርስዑ ወይ ከይመልኡ ፈጥፈጥ እናበሉ ዘንብቡ ኣምባሳደራት ከኣ ኣብ ወጻኢ ኣዋፊሩ፡ ነቲ ብባይቶ ጸጥታ ዝተበየነ ኣብ ሓለፍቲ ህግደፍ ዘነጻጸረ እገዳ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ዝቐንዐ ምዃኑ ንምእማን “ ናይ ርድኡና ርድኡና” ዘይተኣደነ ሰሚናራት ከካይዱ ኣዚዙዎም ቀንዩ።



ኣብ መስርሕ ሓርነታዊ ቃልስና በብጊዚኡ ዘይምርድዳእን ምፍሕፋሕን ካብ ዝርኤ ዓመታት ኣቁጺሩ ኣሎ፡ እቲ ብዝያዳ ጎሊሑ ዝርኤ ካአ ኣብ ሞንጎ መሰረታዉያንን መሪሕነታትን ሰልፍታትን ይኹና ዉድባት፣ ከምኡዉን በርገሳዊያን ማሕበራትን ብጠቅላሉኡ ኣብ ደምበ ተቛዉሞ እንርከብ ዝርኤ ጉዳይ ኮይኑ፣ እዚ ምትፍናንን፣ ምንቅቃፍን አብ መስርሕ ሓርነታዊ ቃልስና ባህርያዊ ኢዩ.