Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

demoንዕለት 13 ሚያዝያ 2010 ኣብ ከተማ ኦስሎ፣ ኖርወይ ሰዓት 3:00 ድ.ቀ. ብኤርትራውያን ዝካየድ፣ ንእገዳ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ገለ መራሕቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝኹንን፣ ሰላማዊ ሰልፊ ክካየድ ምዃኑ፣ ኣብ መርበባት ኣንቢበ ነይረ:: ኣብዚ ዝተጠቅሰ ዕለትን ሰዓትን ድማ ነቲ ክዓዮ ንዝነበረኒ ናይ ውልቂ ስርሐይ ንግዝዪኡ ኣወንዚፈ፣ ነቲ ሰልፊ ክዕዘቦ ተንቀሳቀስኩ:: ውልቀ ዋኒነይ ገዲፈ፣ ሰላማዊ ሰልፊ ንኽከታተል ዝገደዱኒ ክልተ ውሽጣውያን ድርኺታት ነይሮምኒ::