Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣቱም ሰባት ሎምስ ጉድ አዩ ወሪዱና ምስ ወለሓደ ከተወዳድሮ ዘይትኽእል ጉድ እዚ ክብል ከለኹ ዝስምዓኒ ጓሂ መዳርግቲ የብሉን። ማለተይ ብደም-ረሃጽ ብጊዜ ብሉጻት የሕዋትና ዝመጸት ሃገር መጻወቲ ጉጅለ ህግደፍ ክትከውን ዓይንና እንዳርኤና ስቕ ምባልና ሓደ ካብቲ ዘሕዝን ፍጻመታት ታሪኽ ‘ዩ እንተበልኩ ዝተጋነነ ከምዘይኮነ ዝስሕቶ ከምዘየለ ርጉጽ እዩ:: ማለተይ ሎሚ ጊዘ ኤርትራ ካብ ኣብ ሶማል ዘሎ ሕጊ ኣልቦ ኩነታት ዝባሰ እንታዘይኮይኑ ዝሓይሽ ከምዘይኮነ በዛ እትስዕብ ማንካ ካብ ባሕሪ ንእሽተይ ምሳሌ ኤርትራን ሶማልን ከወዳድረን ክፍትን ካብኡ መልሲ ነንባባይ ክገድፎ::

ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን ኤርትራውያን፣ ሰላም ንኣኹምን ንወገንኩምን። እወ ነዛ ሰላም ተተምኒና፣ ደቅና ሓንጊጥና፣ ጎቦን ባሕርን ሰጊርና ኣብ እዚ ሃገር በጺሕና ኣምላኽ ይመስገን ድማ ንሕናን ደቅናን ኣብ ማእከል ፍትሕን ሰላምን ንነብር ኣሎና።