Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ መወዳእታ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን “ኣብ ማእከላይ ባሕሪ 5 ኤርትራ ድሒኖም 75 ግን ሃለዋቶም ኣብ ስግኣት ኣሎ” ዝብል ወረ ብማዕከንት ዜና ዓለም ምስተሰምዐ፡ ዋላ እቶም ሞት ርእዮም ካብ ሞት ዝደሓኑ ዝደሓኑ ክልተ ህጻናት ዝርከቡዎም ውጻእ-መዓት “ብዘይካና ዝተረፈ የለን” እናበሉ ኸለዉ ከይተረፈ፡ ሚልዮናት ህዝቢ ኤርትራ ክንኣምኖ ኣይደለየን። ልቡ ሓቝፉ ቀንዩ። ነቲ ጥፍኣት ‘ኣሜን’ ኢሎም ዝተቐቡሉዎ እቲ በላዕተኛ ስርዓት ህግደፍን ዓሳታት ማእከላይ ባሕርን ጥራይ እዮም። ሕጂ ግን እንሆ እቶም ዝደሓኑ መለስቲ ኣውያት ምዃኖም፡ እቶም ካልኦት 75 ንጹሃት ኤርትራውያን ዜጋታት ግን፡ ኩሎም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ተዋሒጦም ብጅምላ ሃሊቖም ኣለዉ። እቲ ጥፍኣት ተረጋጊጹ ‘ሎ። ንብዓትን ኣውያትን ዘይኣኽሎ መሪር ሓዘን እዩ።