Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Beshirፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሺር ተጣባቒ መሰል ናጽነት ጋዜጠኛታት ዝኾነ ኣህጉራዊ ማሕበር፡ ‘ርፖርተርስ ዊዝ ኣውት ቦርደርስ’፡ ንናጽነት ሃገራውን ኣህጉራውን ጋዜጠኛታት ኣብ ሱዳን ብዝምልከት ንዘቕረበሉ ሰለስተ ሕቶታት፡ “ እንሓብኦ ነገር የልቦን” ብምባል፡ ከምዝመለሰ እቲ ማሕበር ኣፍሊጡ።

 ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ብምኽንያት 24 ግንቦት መዓልቲ ነጻነት ኤርትራ ኣብ ኣስመራ ስታድዩም ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ብዘይተግባራውነትን ምትሕልላኻትን ውሳኔ ምምላካት ዶብ ኤርትራ ኢትዮጵያን ተሓተቲ ሰበስልጣን ኣመሪካ ምዃኖም ገሊጹ።