ስደተኛ መንእሰይ፡ በዓል ነጻነት ናበይ?
ምዕራባዊ ክፍለ ዓለም እትነብር ዘሎኻ ስደተኛ ጎበዝ ሃገርና፡ ናይ ሎሚ መዓልቲ ጽሑፈይ ምሳኻ ግጠም ይብለኒ ኣሎ። “ኣንታ እቲ መንእሰይ እሞ…መንእሰይ መንእሰይ ንብል ኮይና እምበር፡ ደይ ከም ህዝቡ’ዩ።” እንተበልክዎ፡ “ላላእ! ኩሉ ነገር አእዋኑን ገግዚኡን ኣለዎ። ዕላል ይኹን መዛረቢ ኣርእስቲ፡ ዛዕባታት ከይተረፈ ብግዜ’ዩ ዝግዛእ።
ስደተኛ መንእሰይ፡ በዓል ነጻነት ናበይ?
ምዕራባዊ ክፍለ ዓለም እትነብር ዘሎኻ ስደተኛ ጎበዝ ሃገርና፡ ናይ ሎሚ መዓልቲ ጽሑፈይ ምሳኻ ግጠም ይብለኒ ኣሎ። “ኣንታ እቲ መንእሰይ እሞ…መንእሰይ መንእሰይ ንብል ኮይና እምበር፡ ደይ ከም ህዝቡ’ዩ።” እንተበልክዎ፡ “ላላእ! ኩሉ ነገር አእዋኑን ገግዚኡን ኣለዎ። ዕላል ይኹን መዛረቢ ኣርእስቲ፡ ዛዕባታት ከይተረፈ ብግዜ’ዩ ዝግዛእ።
ኣደራዕ ባርነት እዩ። “ወርሓዊ መሃያ ዜጋ ንመዋእሉ ካብ 400 ናቕፍ ኣይሕለፈሉ፡” እንዳበለ፡ “ውፈር!!” ዝብል ሽፍታዊ ምምሕዳር ኣብ ሃገርና 20 ዓመቱ ቆጺሩ። ንኹሉ በልማማ ዝለበደ ማዕርነት ኣብ ትሕቲ ግፍዒ፡ መግለጺኡ ማዕርነታዊ ባርነት እብሎ። ንኡስ ወለዶ ክነግረኩም። ዓመቱ ዓመት ጭርሖታት እዩ። እቲ ኣበዓዕላ ነጻነት ድማ እንዳተቐየረ እዩ ዝመጽእ ዘሎ።
ኣብ ናይ ሎሚ ርክብና፣ ንኩላትኩም ብምቛም “ሃገራዊ ምንቅስቓስ ደምበ ኣለና” ዝተሰመዓኩም ሓጎስ ንምግላጽ ናይ ዮሃና መልእኽቲ ዝሰደድኩም ብሓበራ፤ ብፍላይ ከኣ መራሕቲ ሃይማኖት ክልቲኡ እምነታትና፣ ውድባት፣ ሰልፊታትን ሓለፍቲ ብሄራዊ ምንቅስቓስን ብልቢ አመስግነኩም። እቶም ብዛዕባ ጉዳይ መጽሓፍ ዝሓተትኩም ድማ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ብተደጋጋሚ ዝበልኩዎ፣ ኣነ ኣዳልየ ካብ ዝውደኣ ሓያሎይ ኣዋርሕ ገይራ ኣላ።
ጀርመን ኣብ ኣርበዓታት፣ ኤርትራ ኣብ ዘመነ-ሚለንየም!
ብድሕሪ ኲናት ባድመ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ እዋን ሚለንየም ጉሒላ ኢሳይያስ ‘ተንኮለኛ ጉድጓድ ንኮዓቲኣ’ ኮይኑዎ፤ ህድኣትን ሰላምን ኣይረኸበን። እዛ ዘለናያ ዓመተ-2011 ከኣ ገበነኛ ኢሳይያስ፣ ካብ ኣዲስ ኣበባ ተኾልኲሉዎ ዝወፈረ ናይ ጥንቲ ድጉል ሕልምታቱ ዝቐበጸላ ዓመት ኢያ። “
ንዓ’ባ ንህዝብኻ ዝረ!!
ብጸላእተይ ተሳዒረ ዘይፈልጥ ሰብ እየ ኢልካ ትጅሃርን ተዘንቱ ትኸውን። ዝኣምነካ እውን ኣይሰኣንን። እንተኾነ ግና ኣካላትካ ዕድመ ደፊኡ፡ ከም ጸላኢኻ ከፈራርሰካ ምስ ተበገሰ፡ ክትስዕሮ ኢልካ ዘይሕሰብ ቃልሲ ከምዝኣቶኻ ትፈልጥ።
ርሑስ በዓል ትንሳኤ፣ ንኩሉኹም ምእመናን ክርስትና!
“ጽሑፍ ይነውሕ ኣሎ” ዝብል ተደጋጋሚ ርእይቶ ተኸታተልትና ክንቅበል ጸኒሕና ኢና። ስለዚ ካብዛ ክፋል እዚኣ ንደሓር ኣብ ክንዲ 6-7 ገጻት፤ ናብ 4-5 ገጻት እናኣሕጸርና ክንቅጽል ኢና። ኣብዘን ዝሓለፋ ሸሞንተ ኣዋርሕ ደምበ ኣለና ኣርባዕተ መድረኻት ተሰጋጊሩ ኣሎ። 1) ሓበሬታ /Information/ ካብ ምጅማር ጽሑፍ ‘ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ’ ክሳብ መደምደምትኡ መበል 20 ክፋል ሓበሬታ ናብ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ኤርትራ ኣገዳሲ ሓበሬታ ኣመሓላሊፉ ኣሎ። በዚ ድማ ንኩላተን ናይ ኤርትራውያን መርበባት ኢንተርነት፣ ንድምጺ ኣሰናን ንማሕበረ-ሰባዊት ረድዮ ወጋሕታን ዓቢ ምስጋና ነቕርብ።
ወርሒ ምድማቕ ኣብያ
መሬት ኤርትራ ጸልሚቱ፡
ጥዑይ ድዩ ምዉት
ንምፍላጡ ኣሸጊሩ።
ብዛዕባ ህ.ግ.ደ.ፍ እንታይ ክትጽሕፈሉ፡ እንታይ ከ ክትዛረበሉ፡ ኩሉ ነገራቱ ከምዘይሓልፍ ተቐሊዑ እዩ ዝብሉኒ ሰባት ኣለዉ። ኣይተጋገዩን። ብዛዕባኡ ዘጽሕፈኒ ዝያዳ፡ ብዝክኣለኒ ዓቕሚ ከቃልዖ ኢለ ዝፍትን፡ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ምኽንያታት ግና፡ ጸላእየይ ከይርስዕ እዩ። ከምኡ እውን ንዕኡ ብዙሕ ኣይትውቀሶ ኣይትህረሞ ዝብል ርእይቶ እሰምዕ። ዝሃርሞ ዝወቕሶ ዝነቕፎ ከኣ፡ ክዕረ ኢለ ኣይኮንኩን። ፈሪሱ ክጒሓፍ ስለዝደልዮ እዩ።
መሪር ሓዘን ህልቂት
ልዕሊ 325 መንእሰያት ኤርትራውያን ደጊምና ንዘክር!
ሓዘን ኤርትራውያን መመሊሱ ይቕጽል ኣሎ። ጉዳም ዘመን! ኣብ ምድሪ ቤትን ቅርዓትን ጥራይ ዘይኮነስ፤ ኣብ ርእሲ ነፍስ-ወከፍ ኤርትራዊ ናይ ሓዘን ዳስ ተተኺሉ ኣሎ።
ክቡራንን ክቡራትን ደቂ ኤርትራ! ትማል ዓቢ እምባ ኤርትራውያን ፈሪሱ!!! ሞት 325 ዜጋታትና ሰሚዕና። እዚ ረዚን ሃገራዊ ሓዘን ኣብ ውሽጥና ኮይኑ ኣብ ዝሰራሰረሉ ግዜ፣ ዝርንዝሕ ነቢዕና።
“ካልእ ድኣ እንተ ኣለካ ኣምጽእ እምበር፡ እዚ ሽጣራ እዝስ ቀደም ብገርሁ ኸሎ ህዝቢ፡ ተበሊዕዎ እዩ።” ዝብል ዘረባ፡ ነቲ ንኸታልል ኢሉ ዝብገስ ተቓውሚ እየ ዝብል ባእታ፡ ዘሰምብድ ክኽውን ይኽእል እዩ።
ስለምንታይ ኢዩ ህዝቢ ብልቡን ብእግሩን ዝሽፍት? ፍትሒ ስለ ዝሰኣነ። ኣቦታትና ቀደም ካብ ሓደ ዓዲ ናብ ካልእ ይሰግሩሞ፡ ኣብ ጕዕዞኦም ገለ ሰባት ይረኽቡዎም፡ ከመይ ሓዲግኩምዎ ዓዲ ብምባል ድማ ይሓቱዎም።
እንታይ ዓይነት መንግስቲ ኢዩ ኣብ ህዝቢ ፈጺሙ ሓልዮት ዘይብሉ፡ ብዛዕባ ስልጣኑ እምበር ብዛዕባ ዕድል ህዝቢ ኸኣ ፋዕራ ዘይብሉ? ስልጣኑ ንምቕጻልከ እንታይ ሜላታት ይጥቀም?
መደምደምታ ዘይብሉ ጉዳይ የለን’ሞ፣ እዚ መበል 20 ክፋል ጽሑፍ’ዚ መደምደምታ ‘ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ’ ክኸውን ኢዩ። ምስ እዋናዊ ኩነታት ሃገርናን ከባቢናን ጉያ ኣብ ዘድልየሉ ዘሎ ወሳኒ ናይ ለውጢ ግዜ፣ ዝቕጽሉ ጽሑፋት ኣለና፦ “ዋዜማ፣ ዘመነ- ቅብጸት ኢሳይያስ!” ብዝብል ኣርእስቲ ክትክኡ ኢዮም።
ወለዶ ምሉእ ተሰካሚ ብረት
ሜዳ ሓርነት ካይሮ፡ ንሙባረኽ 70 ብልዮን ዶላር ሰሪቕካና ኣሎኻ፡ ኣምጽኣየን እንዳበለት ተተሓሒዛቶ ኣላ። ክንድዚ ዝኣክል ገንዘብ ንሃገርና ቁማር ኢልካያ ክትከይድ ኣይኮንካን።
ንዓለምን ንኸባቢኡን ኪልውጥ ዚኽእል ሓይሊ፡ እቲ ካብ ኣእምሮ መንእሰይ ዚምንጩ ናይ ለውጢ ድራኸ ኢዩ። እዚ ኣከታቲለ ዝጽሕፎ ዘለኹ ድማ፡ ናብኡ ዝዓለመ ኢዩ።
ንኣይ ካብ ኩሉ ነገራት ዝገርመኒ እንተሎ፡ ኣብተን መስረትቲ ደሞክራሲ ሃገራት ኵድም ኢልካ፡ መሰለይ ተገፊፈ እናበልካ ናብ ቤትፍርዲ እናኸሰስካ፡ ከምዚ ተበዲለ፡ ዝያዳ ኣኽፊልኩምኒ፡ ብዓሌታዊ መገዲ ስለ ዘዳለኹምኒ ከሓሱኒ፡ ኣደይ ኣምጽኡለይ፡ ሰበይተይ ጸውዑለይ: ደቀይ ኣክቡለይ፡ ወዘተ. ብምባል ነቲ መንግስቲ ላሕ እናበልካ፡
ፈጣሪ ንወድሰብ ካብ ዝሃቦ ህያባት እቲ ዝዓበየ ኣእምሮኡ ምዃኑ ንኹሉ ብሩህ ኪኸውን ይግባእ። ሓደ ናይ ኣእምሮ ስንክልና ዘለዎ ሰብ ኣብ ሓደ ነገር ኪኣምን ወይ ተንቲኑ ኣብ መደምደምታ ኪበጽሕ ይኽእልዶ? ኣይክእልን።
ኤርትራ ንኤርትራውያን
ንጎደና ሓርነት ኣስመራ ንምግላጽ ክብል ኣብ 3ይ ክፋል ዘቕረብክዎ ጽሑፍ፡ ነቲ መንእሰይን ጎበዝን ኤርትራዊ ዜጋ ንምንእኣስ ኣይኮነን። ሓይሊ መንእሰያት ከነኣእስ እንተድኣ ኾይነ ብቐሊሉ ክርታዕ ይኽእል።
ሰላም ኣብ ዘዘለኹሞ ክቡራት ደቂ ኤርትራ! ብፍላይ ድማ ብምኽንያት 8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ፣ ንኹለን ኤርትራውያን ደቀንስትዮና ናይ ቃልሲን ጽንዓትን ሰላምታ ይብጻሕክን።
እዛ ዓለም ከም ቁሸት ጌርና እንተ ደኣ ርኢናያ፡ እቲ ኣብኣ ዚነበር ህዝቢ ዳርጋ ኣብ ካንሸሎ ይነብር ከም ዘሎ ጌርካ ምርኣዩ ዘሸግር ኣይኮነን።
“ኣነ ቲፋኖስ፣ ንሱ ድጉል መንካዕ”
በታ እንምነያን እንቃለሰላን ዘለና ኣዝያ ጥዕምቲ ቃል ክፍልም። ሰላም! ክቡራት ተኸታተልቲ ‘ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ’። ናትና ግብረ-መልሲ ዝጽበ ሰናይ ዘመን ይመጽእ ኣሎ’ሞ ቆጽሊ ሰተሰምሃር ክንንስንስ፣ ክንሕበን ከም ቀደምና ክንተሓዋወስ…ቆፎና ክንመልእ መዓርና ክንብርብርን ለጋዕና ክንሓልብን ቀሪብና ኢና!
ጎደና ሓርነት ኣስመራ
ነቲ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝተኸስተ ህዝባዊ ማዕበል ክካታተል እንከለኹ፡ ሓደ ካብቲ ዝገርመኒ ነጥቢ እንተሃልዩ፡ ኩለን እዘን ካብ መግዛእቲ ነጻ ዝወጻ ዓዲ ጭቁናት፡ ጎደና ሓርነት ዝሽሙ ጽርጊያ ከምዘለወን ምፍላጠይ’ዩ።
ሽሕኳ ሃይማኖት ንባዕሉ ምኽንያት ውግእ ኪኸውን ዘይክእል እንተኾነ፡ ንሓያሎ ኣጀንዳታት ግን ከም ሽፋን ኮይኑ ከገልግል ጸኒሑ ኢዩ። ሓደ ህዝቢ ወይ ጉጅለ ገለ ማሕበራዊ ጸገም ምስ ዘጋጥሞ ወይ ፍትሒ ምስ ዚጐድሎ፡ ነቲ ዘይፍትሓውነት ንኺዋግኦ ሓይሊ ዚህቦ ውሽጣዊ ድፍኢት ይደሊ ኢዩ። ስለዚ ንሃይማኖት ከም መሳርሒ ተጠቒሙ ቃልስታቱ የካይድ ማለት ኢዩ።
ከምቲ ንቡር፣ ብሰላምታ እየ ክጅምር። ሰላም ንክቡራንን ክቡራትን ተኸታተልቲ ጽሑፋት ‘ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ’። ብድሕሪ ክፋል 16 ንኣቶ ዓብደላ ኣደም ብዝምልከት፣ ኣብ ቅትለት ስዒድ ሳልሕ ከም ዘይወዓለ ዝጸሓፍኩዎ መአረምታ፤ ብዙሓት ዜጋታት ቅዱስ ርእይቶኦም ጽሒፎሙለይ ኢዮም። እቲ ዘይጋገ እቲ ዘይሰርሕ ሰብ ጥራይ ኢዩ ዝብል ርእይቶ ከኣ ኣሎኒ።
መንእሰይ ከይኮነ ዝዓበየ ሰብ የልቦን። ገለ ግን ኣለዉ ስድራኦም ብንእስነቶም ሓላፍነት የሰክሙዎም እሞ፡ ንእስነት ከይረኣዩ ዚዓብዩ። ኩሉ ጸጽሕፍቶኡ ኣለዎ።
ሰላም ክቡራት ተኸታተልቲ ጽሑፍ ‘ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ’። ብድሕሪ ክፋል መበል 15 ናይዚ ጽሑፍ፣ ንክፋል መበል 16 ብዓቢ ሃንቀውታ ክትጽበዩ ከም ዝጸናሕኩም ይስደደለይ ካብ ዝነበረ መልእኽቲታት ተገንዚበ።
ሰላም ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ተኸታተልቲ። ሰላም ኣአንገድቲ ሃገራውያን ወብ ሳይታት ንጽሑፋት ‘ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ’።
ሰላም ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ተኸታተልቲ። ሰላም ኣአንገድቲ ሃገራውያን ወብ ሳይታት ንጽሑፋት ‘ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ’።
“…ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ካርቱም ሱዳን ዝነበረ ዓብደላ ኣደም፣ ህዝቢን መንግስቲን ኤርትራ ዘሰከምዎ ሓላፍነት ክሒዱ ሃዲሙ ኣሎ።” ኣብ ኣጋ መወዳእታ ዓመተ-2002 ብረድዮ ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ ዝተቓልሐ ዜና ኢዩ ዝነበረ።
ኣለና ኣብ ኩሉ ኤርትራዊ መንፈስ ዘለዎ ከባቢታት ዓለም። ኣለና ኣብ ዱሮ ዕሰሌ ኤርትራ! ኣለና ኣብ ዱሮ “ገዓት ሓምሊ ውጻእ ገዓት ጠስሚ እቶ” ኣብ ዝበሃለሉ ቅነ ጽንዓትን ጋማን!
ኣብቲ ዝሓለፈ 3 (ሰለስተ) ተኽታታሊ መደባት ‘ጸሊም መዝገብ ወጦታት ህግደፍ’፡ ኣብ ኦክላንድ ዝምቕማጡ ዕሉል ሃሱስ ህግደፍ፡ ምኪኤል ተስፋጽዮን (ኣፍዑት)፡
ኣብ ቀዳማይ ክፋል ጽሑፍና ገለ ውሑድ ተረክቦታት መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ምድረ ግብጺ ጠቒስና ኔርና። እቲ ጉዳይ ብሰፊሑ ኣቓልቦ ንኽረክብ ብማለት ከኣ ከም ኣገዳሲን ጭቡጥን ሓበሬታ መጠን ጽሟቕ ትሕዝቶኡ ብቛንቋ እንግሊዝ ተተርጕሙ ንገለ ካብቶም ብጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ ዝግደሱ ፈተውቲ ከምዝበጽሕ ተጌሩ።
ቀስ በሉ ከይትሳበሩ! ይብላ’ሞ እንቅዓ ጣፍ ኩኑ! ድማ ይውስኻሉ። እወ እተን ክቡራት ወለዲ፣ ንእግረ-መንገደን ደሃይ ዝጓየዩን ጫው-ጫው ዝብሉን ደቀን እንኪገብራ። ኣነ ድማ እንቋዕ ጥራይ ተቛይቕና ከይተበኣስና፣ ደሓን ውዓል/ሊ ደሓን ሕደር/ሪ፣ ብደሓን የራኽበና፣ ተበሃሂልና ናብ ንፈላለየሉ ምዕራፍ ገጽና ኣምራሕና’ምበሪ፣ እቲ መስርሕ ናይ ምውሳእ ጌና ይብገስ እንደኣሉ ዘሎ።
ቀስ በሉ ከይትሳበሩ! ይብላ’ሞ እንቅዓ ጣፍ ኩኑ! ድማ ይውስኻሉ። እወ እተን ክቡራት ወለዲ፣ ንእግረ-መንገደን ደሃይ ዝጓየዩን ጫው-ጫው ዝብሉን ደቀን እንኪገብራ። ኣነ ድማ እንቋዕ ጥራይ ተቛይቕና ከይተበኣስና፣ ደሓን ውዓል/ሊ ደሓን ሕደር/ሪ፣ ብደሓን የራኽበና፣ ተበሃሂልና ናብ ንፈላለየሉ ምዕራፍ ገጽና ኣምራሕና’ምበሪ፣ እቲ መስርሕ ናይ ምውሳእ ጌና ይብገስ እንደኣሉ ዘሎ።
ሰላም ክቡራት ተኸታተልቲ፤ ኣለና! ክሳብ እታ ኣብ መቓብር ኢሳይያስ እትቦቅል ተኽሊ ሰላምን ዲሞክራሲን እንርኢ…ክሳብ ምስ ገበነኛታትን ድርብ ገጻት ህግደፍን ኣብ ቅሉዕ መጋባእያ ቤት ፍርዲ እንራኸብን ድማ ክንህሉ ኢና። እቲ ምንታይ ሎሚ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ድርኩኺት ዓወት፤ ኢሳይያስን ቃፍላይ ህግደፍን ከኣ ናብ ኣፈፌት መቓብር ስለዘለዉ። ሎሚ መርድእ ኢሳይያስ ንክንሰምዕ ለይቲን መዓልቲን ኣእዛንና ኮኲዕና ጽን ንክንብል ደወልን ሃገራዊ ነጋሪትን ይሃርም ኣሎ። ሎሚ ኢሳይያስ ኣይኮነን ምውዳቕ ኣብዩ ዘሎ፤ እንታይ ደኣ ንሕና ኢና ብሰንኪ እቶም ህግደፍ ዘዋፈሮም ሳተላይታት ከም ኣሳትያ ኣኽላባት ኮይኑ ድምጽና።
ኣብ ቀርዳማይ ክፋል ጽሑፈይ: ንወዲ ትኹል ኣልዒለ ብዛዕባ ህላዌኡ: መርገጺኡ ኣብ ስርዓት ህግደፍ ዘሎዎ ቀይሩ ንህዝቡ ክኽሕስ:ንዝሕረረ ልቢ ህዝቡ ክድብስን ንሰማእታትና ድማ ሞስኦም ክመልስ ዝብል ጽሒፈ ኔረ፣ሕጂ ድማ ካልኣይ ክፋል ናይ ተስፋይ መሓሪ(ፍሒራ) የቅርበልኩም
30/11/2010 ብዙሕ ሰብ ነዛ ኣርእስቲ እዚኣ ክርኢ እንከሎ ኤርትራን ምድረበዳ ሲናይን እንታይ ኣራኸቦም ዝብል ሕቶ ከልዕል ይኽእል።
ኣለና፤ ንዝተቐብረን ዝተረስዐን ታሪኽ ጀጋኑ ኤርትራውያን ምንጋር’ምበር ክንዮኡ ዝመጣጠር ዕላማ የብልናን። ኣለና ኤርትራዊ ትንሳኤ ኢዩ! ኣለና ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ኣብ ወጻኢ ሃገራትን! ኣለና ብጋህዲን ብስዉርን።
መስፍን ሓጎስ መን እዩ?
በዚ ምስሉይ ኢሰያስ ኣፍወርቂን ተለኣኣኽቱ ከም መስፍን ሓጎስን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝተፈጸሙ ገበናት ኣብ ሓጺር ግዜ ጽሒፍካ ዝውድኡ ኣይኮኑን።