Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ እዋን ሓጎስ ኮነ ሽግር ብሓድነትን ምትሕብባርን ክነብር ጽኑዕ እምነት ዘለዎ ማሕበር ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ፡ ከም መርኣያ ናይዚ ሰናይ ትምኒትዚ ንሓድሽ ዓመት 2010 ኩሉና ኤርትራውያን ብሓባር ክንጽምብሎ ምእንቲ ሁቡባት ሙዚቀኛታትን ድምጻውያንን ብምዳም  ዓቢ ለይታዊ ትልሂት ንድሮ ሓድሽ ዓመት ኣዳልዩ ‘ሎ። 

ስርዓት ህግደፍ በቲ ጽባሕ ኣብ ርእሰ ከተማ ሱዳን፡ ካርቱም፡ ክግበር ተመዲቡ ዘሎ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ተጎልቢቡ፡ ካብ ስርዓቱ ኣምሊጦም ኣብቲ ቦታ ዝርከቡ ኤርትራውያን ዜጋታትን ተቓወምቲ ሓይልታትን ንምጭዋይ ሰለይቲ ኣዋፊሩ ይንቀሳቐስ ከምዘሎ  ብምምልካት፡ ስክፍታ ዘለዎም ኤርትራውያን ጥንቃቐቐ ከዘውትሩ ከምዝግባእ ምንጭታት ኣዘኻኺሮም።

ኣብ ሰሜን ኣመሪካ፡ ኣብ ኖርዝ-ካሮላይና ዝቕመጡ ግዱሳት ኤርትራውያን፡ ድምጺ ኣሰና ንምስሳን ብዝወሰዱዎ ተበግሶ ኣስታት 2 ሽሕ ዶላር ብምውጻእ፡ ኣብ ቀጻልነት ድምጺ ኣሰና ዓቢ ኣበርክቶ ገይሮም።

ገዲም ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ነበር፡ምምህር ተስፉ ዘውደ፡ኣብ ህለው ኩነታት ሃገርና ኤርትራን ዞባናን ኣመልኺቱ ሰፊሕ ብመርትዖ ዝተሰነየ ምግለጺ ክገብር ኢዩ። ምምህር ተስፉ ከም ገዲምን ምኩርን ተጋዳላይ መጠን፡ንታሪክ ሰውራ ኤርትራ ኣመዓባብልኡን ኣብ ጉዕዞ ሰውራታት ዘጋጠመ ፍጻሜታት፡ብጠቅላላ ቅድምን ድሕርን ናጽነት፡ብፍላይ ድማ ነዚ ህዝብና ገጢምዎ ዘሎ ተርክቦ፡መብገሲኡን ኣመጻጽእኡን፡ብኸምይ ምፍትሒ ከምዝርከቦ ብዕምቆት ክድህስስ ኢዩ።

ኣቐድም ኣቢሎም፡ ንኤውሮጳ ኣብ ጉዕዞ እንከለለዉ ጃልብኦም ብምብልሻዋ ብምትሕግጋዝ መንግስቲ ጥልያንን ሊብያን ካብ መዓት ወጺኦም ናብ ሊብያ ዝተመልሱ ዝርከቡዎም 150 ዝኾኑ ኤርትራውያን ብሰበስልጣን ሊብያ ተገፊፎም ምስ ተወስዱ ደሃዮም ጠፊኡ ከምዘሎ ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ብዕለት 11.10.2009 ኣብ ከተማ ካርልስሩሀ ኣኼባ ኣካየድቲ ሽማግለታት ናይተን ኣባላት መርበብ በርገሳውያን ማሕበራት ኣብ ኤውሮጳ ዝዀና ኤርትራዊያን በርገሳውያን ማሕበራት ኣብ ሃገር ጀርመን ተኻይዱ።

ኣብ ማያዊ ክሊ ማልታ ናይ ሞት ሓደጋ ኣንጻላልዩዎም ዝነበረ ‘ሞ ብሓለዋ ባሕሪ ማልታ ዝደሓኑ 106 ዳርጋ ኹሎም ኤርትራውያን  ምዃ’ኖም ዝእመነሎም ስደተኛታት ማልታ ኣትዮም ከምዘለዉ ብዝተፈላያ ማዕከናት ዜና ማልታ ተረጋጊጹ። ቪድዮ ንምርኣይ ኣብ ታሕቲ ተመልክቱ።

ኤርትራውያን ስደተኛታት ጽዒና ካብ ሊብያ ናብ ኤውሮጳ ኣብ ጉዕዞ ዝቐነየት ጃልባ፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ኣህጉራዊ መስመር ምስ በጽሐት ነዳዲ ወዲኣ ጠጠው ኢላ ከምዘላ ‘ሞ ኣብ ናይ ጥፍኣት ሓደጋ ከምዝነበሩ ተሳፈርታ ተደጋጋሚ ናይ ረዲኤት ጻውዒት ይገብሩ ከምዘለዉ ብመርበብ ሓበሬታ ኣሰና ነጊርናሎም ዝነበርና ግዳያት፡ ድሒኖም ከምዘለዉ ትማሊ ምሸት ዝረኸብናዮ ገና ምርግጋጽ ዘድልዮ ኣፈናዊ ሓበሬታ የረድእ።

ሓንቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ጽዒና ካብ ሊብያ ናብ ኤውሮጳ ዝተበገሰት፡ ዝነቐለትሉ ዕለት ዘይተፈልጠ ጃልባ፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ኣህጉራዊ መስመር ምስ በጽሐት ነዳዲ ወዲኣ ጠጠው ኢላ ከምዘላ ‘ሞ ኣብ ናይ ጥፍኣት ሓደጋ ከምዝርከቡ  ተሳፈርታ ተደጋጋሚ ናይ ረዲኤት ጻውዒት ይገብሩ ኣለዉ።

ጀኔቭ፣30/09/2009: ኤርትራውያን መንእሰያት ተቐማጦ ዙሪክን ከባቢኣን ንቓልሲ ይለዓሉ !

ብቐዳምነት ዓበይቲ በዓላት ናይ ክልተ እምነታትና ኣብዒልና እንቋዕ ኣብ’ዚ ኣብቓዓና ንብል። ወርሒ መስከረም ኣብ ቓልስና፣ ኣደ ምምካትን፣ ኣደ ጽንዓትን፣ ስለ ዝኾነት ኩልና ካብኣ ክንመሃር፣ እቲ ክፍጸም ዘይክኣል ዝነበረ ሓይሊ ፣ ሓደ ብሓደ ዝሰዒርና፣ ሳላ እምነትናን ተስፋናን ኢዩ፣

እንስሳዊ ጠባዮም ሳዕሪሩ ብኤርትራዊ ህይወት ምጽዋት ዝቕጽሉ ዘለዉ ገንዘብ ዝሃይማኖቶም ‘ነጋዶ ሰብ’ ዝኾኑ ኣባላት ራሻይዳ፡ ኣብ ምስሪ ስራሕ ረኺብናልኩም ኣለና፡ ኢሎም ብምትላል ን85 መንእሰያት ካብ ከሰላ ናብ ምስሪ ብምውሳድ፡ ካብቶም 81 ሰሰለተ ሽሕ ዶላር ክዘምቱ ከለዉ፡ ንሓንቲ “ኣብ ወጻኢ ስድራቤት የብለይን፡ ካበይ ከምጻልኩም፡ ክኸፍል ኣይክእልን እየ” ዝበለቶም ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ፡ ብኻላሽን ቀቲሎም፡ ኣብ ቅድሚ ‘ቶም መማጽእታ ብኻራ ጠባቢሖም ኮላሊታ ከምዝወሰዱዎ ንናይ ዓይኒ መሰኻኽር ብምጥቃስ ምንጭታት ሓቢሮም።

 እዚ ዛጊት ረኺብናዮ ዘለና ኣስማትን ትውልዲ ዓድን ናይቶም ካብ ሊብያ ናብ ዓዲ ጥልያን ክሰግሩ ክብሉ ኣብ መፋርቕ ነሓሰ 2009 ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጠሓሉ 75 ኤርትራውያን  ግዳያት ህልቂት ምሉእ ከምዘይኮነ እናኣዘኻኸርና፡ ዝተማለአ ሓበሬታ ዘለኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ክትተሓባበሩና ብትሕትና ንሓትት።


ካብ ሊብያ ናብ ዓዲ ጥልያን እናተጓዕዙ እንከለዉ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሓደጋ ኣጋጢሙዎም ረዲኤት ሓቲቶም ዝደሓኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ (8 መስከረም 2009) ናብ ሊብያ ተመሊሶም ከምዘለዉ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

እቶም ትማሊ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሓደጋ ኣጋጢሙዎም ረዲኤት ከምዝሓተቱ ብመንገዲ ኣሰና ዝሓበርናኩም 90 ኤርትራውያን ናይ ህይወት ኣድሕን ጻውዒቶም ኣንታዊ ምላሽ ድሕሪ ምርካቡ፡ እቲ ንምርድኦም ብሓለዋ ባሕሪ ዝተኻየደ ስርሒት ሎሚ 8 መስከረም ድሕሪ ቐትሪ ተዛዚሙ፡ ከምዝደሓኑ ካብ ዓዲ ጥልያን ዝረኸብናዮ ኣፈናዊ ኣፍሊጡ።

ማሕበር ኤርትራዉያን መንእሰያት ንለውጢ(ኤመለ) ብውሑዳት በጻብዕቲ ዝቑጸሩ መንእሰያት እዩ ዓሚ ከምዚ ሕጂ ተመስሪቱ። ነዚ ማሕበር ዝመስረትና ሰባት ኩልና ራእይ ኔሩና ። ራእይና ከም ናይ ህግደፋውያን ኤርትራ ናብ ሲንጋፖር ምቕያር ዘይኮነስ ራእይ ብቕዋም ትምሓደር ኤርትራ። ጫማኻ ማዕረ እግርኻ ከምዝብልዎ እቲ ራእይኻዉን ጠገለ ዘለዎ ክኸዉን ይግባእ።


90 ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብዛ ሰዓት እዚኣ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሓደጋ ኣጋጢሙዎም ኣብ ናይ ሞትን ህይወትን ኩነታት ከምዝርከቡ፡ ሓደ ካብኣቶም  ሎሚ ቅድሚ ሒደት ሰዓታት ኣብ ነርወይ ንዝረክቡ ቤተሰቡ ቴሌፎን ብምድዋል ርድኡና ክብል ጸዊዑ ኣሎ። 

ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፡ ገለ ተሓባበርቲ ኤርትራውያን ዝርከቡዎም ዘይሕጋውያን መሰጋገርቲ ራሻይዳ፡ ብውሑድ ገንዘብ ናብ እስራኤል ከነስግረኩም ኢሎም ብምትላል ካብ ሱዳን ድሕሪ ምብጋስ ኣብ ምድረበዳ ሓውሲ ደሴት ሲናይ ምስ በጽሑ ኣዝዩ ዝተዓጻጸፈ ገንዘብ ክኸፍሉ ብማረምትን ማእሰርትን ሓዊ ምንዳድን የገድዱዎም ኣለዉ። እዞም ሞቶም ዝብሃሉ ዘለዉ ሰለስተ መንእሰያት ከኣ ግዳያት ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ግፍዒ እዮም።

ዝተፈላለያ ኣህጉራዊ ማዕከናት ዜና እንተላይ ቢቢሲን ድምጺ ኣመሪካን ከምዝተቐሳኦ፡ ማእከላይ ባሕሪ ክሰግሩ ካብ ዝፈተኑ 80 ኤርትራውያን እቶም 75 ‘ሞይቶም’ ዝብል ከቢድ ስግኣት ከንጸላሉ ኸሎ፡ ሓደ ህጻንን ሓንቲ ሰበይትን ዝርከቦም 5 ካብኣቶም ግን ድሒኖም ኣብ ደቡባዊ ጥልያን ኣብ ትሕቲ ሕክምናዊ ክንክን ይርከቡ ኣለዉ።

in

ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ነባሪ ኢንዲያናፖሊስ ኢንዲያና ዝርከቡ ኤርትራውያን “ ንጽምብል ናጽነት በበይንካ ተኸፋፊልካ ምብዓል የብቅዕ “ኣብ ትሕቲ ዝብል ሓድነታዊ ጭርሖ ኣጽሊሉ፡ ብመሪሕነት ካብ ውሽጢ ህዝቢ ዘቖማ ናይ ገዛእ ርእሱ ሽማግለ ዕዉት በዓል ናጽነት ከምዘሕለፈ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

musieሙሴ ኤፍሬም ዝባሃል ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ዜጋ ኣባል ጸጋማዊ ሰልፊ (Vänsterpartiet) ዝኾነ፡ ኣብዚ ጽባሕ (7 ሰነ 2009) ዝውዳእ መዓልቲ ምርጫ፡ ንፓርላማ ኣውሮጳ ይወዳደር ከምዘሎ ክነላልየኩም ንደሊ፡፡ ኩሉኹም ኣብ ሽወደን ትቕመጡ ኤርትራውያን፡ መሰል ምርጫ ዘለኩም፡ ድምጽኹም ነዚ መንእሰይ ንክትህብዎ ነዘኻኽር። እቶም ከተድምጹ ዘይትኽእሉ ድማ፡ ከድምጹ ንዝኽእሉ፡ የዕሩኽትኹምን ቤተሰብኩምን ድምጾም ንሙሴ ኤፍሬም ክህቡ ከተተባብዑዎም ነዘኻኽረኩም።

ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ድሒረን ኣገልግሎት ኢንተርነት ዘተኣታተዋ ሃገራት ኣፍሪቃ ‘ኳ እንተኾነት፡ ካብ ድምር ብዝሒ ተጠቃመት ኢንተርነት ኣፍሪቃ፡ ክልተ ሚእታዊት (2%) ሒዛ ከምዘላ እቲ ሓበሬታ የረድእ። እቲ “ኣብ ስደት ንዝነብሩ ኤርትራውያን ኢንተርነት ካልኣይ ቤቶም ኮይኑ ‘ሎ ዝበለ” ጸብጻብ፡

Reporter

እቲ ብቤትምኽሪ ሚኒስተራት ኢትዮጵያ ከምዝጸደቐ ዝጠቐሶ መምርሒ፡ እቶም ካብታ ሃገር ከምዝወጹ ዝተገብሩ ኤርትራውያን፡ ግላዊ ንብረቶም ንምርካብ፡ ንግዳዊ ምንቅስቓስ ንምክያድ፡ ኣብ ባንክታት ኢትዮጵያ ዘሎ ገንዘቦም ብምንቅስቓስ ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ከምዘለዉ ተቖጺሮም ኣብ ንግድን ወፍርን ንኽነጣጠፉ ዘኽእሎም ምዃኑ የገንዝብ።

24 ግንቦት እቲ ቐንዲ ዕላማኣን ምስጢራን ኣገባብ ኣባዓዕላኣን ከይሓዘት፣ ብመንግስቲ ኤርትራ ጀሆ ኮይና ብህግደፍ እትምእከል በዓል ነጻነት መደለቢት ገንዘብ ጥራይ ዘይኮነ፣ ንንግስነት መራሒ ህግደፍ ክንቕበል፣ ንጭቖናኡ እህህ ከይበልና ክንውሕጥ፣ ሃገር ብኹሉ መደይ እናኣንልቖለት ከላ ዓይንና ክንዕምት፣ እሱራት ፖሎቲካ ንዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክማስኑን ከእዉዩን እዝንና ክንዓብስ፣ መንእሰያትና ሃጽ ኢሎም ክስደዱ  ከም’ቲ ንሱ ዝሕጭጨሎም ክንሕጭጭን ክንወራዘን ፣ ብሕጽር ዝበለ ውርሒ ግንቦት መንገዳ ሲሒታ፣ ታሪኽ ጀጋኑና ሓኺኻ፣ ንዓሰርተ ሾሞንተ ዓመት ንክብርን ዝናን ፕረሲደንት ትባዓል ኣላ።

ብዕለት 7ተ ግንቦት ብሓልዮት ተቛም ሰላምን ፍትሕን ኣካል ዩኒቨርሲቲ ሳንድያጎ (Institute of Peace and Justice in University of San Diego) ዝተዳለወ ሰሚናር ናይ መሰል ደቒ ሰባት ተጣበቕቲ (Human Rights Watch) ሰለስተ ተቓለስቲ ግዱሳት ኤርትራውያን ተሳቲፎም። እቶም ዝተሳተፉ ኤርትራውያን ክፍለ ዓንደ (ኣባል ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቕስቓስ)፤ ገብረሂወት (ጎነይ) (ኣባል ኤርትራውያን ተጣበቕቲ መሰል ደቂ ሰብ ኣብ ሳንድያጎ)ን ረዘነ ገ.ሚካኤል (ኣቦ ወንበር ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ሰሜን ኣመሪካን) እዮም።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ከባቢ ፖርትስሚዝ፡ Haslar፡ ኣብ ዝብሃል ቤትማእሰርቲ ዝርከቡ 5 ኤርትራውያን መንእሰያት ብግዴታ ናብ ኤርትራ ናይ ምምላስ ሓደጋ የንጸላልዮም ከምዘሎ ብምጥቃስ፣ ሲቪካውያን ማሕበራት፣ ተቓወምቲ ውድባትን ግዱሳት ወልቀሰባትን ናብ ኤርትራ ካብ ምምላስ ከናግፉዎም ብጥብቂ ኣተሓሳሲቦም።

YPFDJ

ኣብ ወጻኢ ብዝያዳ ኸኣ ኣብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ዝመደበረን ኤርትራውያን ሲቪካውያንን ናይ ምትሕግጋዝን ማሕበራት፡ ናይ ሕጊ ክኢላታትን ግዱሳት ወልቀሰባትን ተሓባቢሮም፡ ነተን ዲፕሎማስያዊ ውሕስነት ተጠቐመን፡ ብግብሪ ግን መሓውር ብልሽውናን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ሓርነትን ኤርትዊ መበቆል ዘለዎም ዜግታት ኮይነን፡ እኩይ ተልእኾ ኣብ ምትግባር ተዋፊረን ዘለዋ ኣበየ ሃገሩ ዝርከባ ኤምባሲታት ስርዓት ህግደፍ ክስታት መስሪቶም ኣብ ቅድም ሕጊ ከቕርቡወን ኣሰና ሚድያ ፋውንዴሽን ጸዊዑ።

ypfdjክቡራት ተኸታተልቲ ኣሰና፡ ሓንቲ ኣብ ኦስሎ እትነብር ኣባል ናይቲ ህግደፍ ኣብ ወጻኢ ከም ሃሱስ ዘዋፍሮ ብ YPFDJ ዝፍለጥ ጉጅለ መንእሰያት ዝኾነት ኤርትራዊት ዝሰደደትልና መልኽቲ፡ ኣብ ናይ ትማሊ ረቡዕ መደብና፡ ብምኽንያት ሕጸረት ሰዓት-ፈነወ ጽማቝ መልእኽቱ ጥራይ ኣቕሪብናልኩም ኔርና። ትርጉም ምሉእ ትሕዝቶኡን እቲ ብእንግሊዝኛ ዝተጻሕፈ መልእኽቲ ከምዘለዎን ከኣ ነቕርበልኩም።

መራኸቢ ብዙሃን የልምዕ መራከቢ ብዙሃን ድማ የጥፍእ። ክንዲ ዝኾነ መራኸቢ ብዙሃን ሚዛናዊን ሓቀኛን ኪኸውን ይግባእ።እንተኾነ ብዙሓት ቴክኖሎጂ ብዝፈጠሮ ምዕባለ ተጠቒሞም ሕሱር ፕሮፖጋንዳ የካይዱ። ካብ ኩሉ ዘስደመም ድማ ብኣፎም ጸፍ ዝብሉ ወይ ብኻልኦት ዝወራዘዩ ምዃኖም ኢዩ።ገለ ዉሑድ ካብቲ ብዙሕ ከም ኣብነት ክጠቅስ።

msriስርዓት ህግደፍ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሓምለ 2008 ምስ መንግስቲ ምስሪ ተሰማሚዑ በስገዳድ ናብ ኤርትራ ንዝመለሶም 740 ኤርትራውያን “ጽቡቕ ገይረ ተቐቢለዮም፡ ተሓጕሶምስ፡ ኣመስጊኖምኒ ‘ኳ” እናበለ፡ በቲ ናይ ሓሶት መናፍሑ ኣውርዩ ከምዝነበረ ትዝክሮዎ ኢኹም።

ማሕበረኮም ኤርትራውያን ኣብ ናይሮቢ ፡ ኬንያ ፡ ስርዓት ህግደፍ ብዝተፈላለየ ጉልባብ ገንዘብ ከዋጽኡ ንዝገበረሎም ጸቕጢ ብስሙር ድምጺ ከምዝነጸጉዎ ሎሚ 19 ታሕሳስ ብዘውጽኡዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጦም።

ዕለት 16.11.2008 ኣብ ከተማ ካርልስሩሀ ናይተን ኣባላት መርበብ ኤርትራውያን በርገሳውያን ማሕበራት ኣብ ኤዉሮጳ ዝዀና ኣብ ሃገር ጀርመን ዝንቀሳቐሳ ማሕበራት ኣኼባ ተኻይዱ።

ዲሞክራውያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ’ (RSADO) ኣካል ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን እዩ። ስለዚ ድማ ንሕና፡ ንኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳንን ነተን ሓቝፉወን ዘሎ ኣባላት ውድባትን ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ፡ ኣብቲ ድሮ ተሃዊኹ ዘሎ ዞባ ብቐሊሉ ካብ ምቍጽጻር ወጻኢ ክኸውን ዝኽእል ጎነጽ ክቝጠቡ ንጽውዕ።

mumsኣብ ቤተ ክርስትያን ኣብ ጸሎት ኣርፊደን፡ ቀጺለን ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ዳርጋ ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ዝመስል ምህለላ ዘካይዳ ዝነበራ ቁጽረን ብ ገምገም 40 ኣቢሉ ይኸውን ኤርትራውያን ኣዴታት ቅድሚ ትማሊ 27 ጥቅምቲ ብ ኣባላት ጸጥጥታ ህግደፍ ተገፊፈን ድሕሪ ምውሳደን ኣብ ዝተፈላለየ ኣብያተ ማእሰርቲ ኣስመራ ተኣሲረን ከምዘለዋ ምንጭታት ሓቢሮም።

ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ከተማ ጀኔቭ ፣ ከም ኣመሎም ህዝቢ ከደናግሩን ክሓልቡን ህግደፋውያን፣ንዕለት 01.11. 2008ዓም  ካብ ኤርትራ ተዋሳቲ ጉጅሌ ጸዊዖም፣ ሙዚቓ መደብ ኣዳሊዮም ኣለዉ። እዚ ናይ ሙዚቓ መደብ ኢዚ ኣታዊኡ ንበትሪ ወልቐ መላኺ ከም ዘተርርን ኣምሰዩኡ ከኣ መጨፍለቕን መጨቆንን ህዝብና ከም ዝውዕል ኣይትስሕትዎን ትኾኑ።

ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ጸሓይ ከም ዘሎና ዝዝንግዑ ህግደፋውያን፣ ንህዝቢ ከታልሉ፣ ኣይከኣሉን። ተቓወምቲ ዜጋታት ተቐማጦ ስዊስ ነዚ መደብ ከይጀመረ ክፈሽል ንህዝቢ ብምምሃርን ብምምዓድን ጀመርናዮ፣ ቀጺሉ ድማ ኣብ’ቲ ምሸት ኣብ ኣፍደገ ኣደራሽ፣ ተረኺብና “ቐዳምነት ቁዋማዊት ሃገር” “ንሕጊ ዝጸልእ ንባርነት የፍቅር” ዝብል ጭርሖን ዝዝርጋሕ ወረቓቕትን ሒዝና፣ ሰላማውን ሕጋውን ተቓውሞና ኣርኢና።