Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

disኣቐዲመ ብስም ‘ቲ ኹሉ ዝኽእል እዚኣቢሄር ኣምላኽ ሰላምታ ከቕርበልኩም ፍቐዱልይ። መስቀልኩም ክሳለም ዝፈቅድ ግን ኣይኮንኩን። ከምኡ ብምባለይ ምናልባት ጸረ-መስቀል ከምዝኾንኩ ክመስለኩም ይኽእል እዩ። ኣነ ግን ኣብ መሰረት መስቀል ጸኒዐ ዝዓበኹ ኦርቶዶክሳዊ እየ። ሕጂ ‘ውን ኣብዚ እምነት’ዚ ጸኒዐ እርከብ ኣለኹ።

mumsኣብ ቤተ ክርስትያን ኣብ ጸሎት ኣርፊደን፡ ቀጺለን ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ዳርጋ ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ዝመስል ምህለላ ዘካይዳ ዝነበራ ቁጽረን ብ ገምገም 40 ኣቢሉ ይኸውን ኤርትራውያን ኣዴታት ቅድሚ ትማሊ 27 ጥቅምቲ ብ ኣባላት ጸጥጥታ ህግደፍ ተገፊፈን ድሕሪ ምውሳደን ኣብ ዝተፈላለየ ኣብያተ ማእሰርቲ ኣስመራ ተኣሲረን ከምዘለዋ ምንጭታት ሓቢሮም።

ነጋዳይ ኣልኣሚን መሓመድ ዓሊ (ወዲ ገረወይና) ካብ ዝሓለፈ ቕንያት ጀሚሩ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ከምዝርከብ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣብ ጽባሕ በዓል ናጽነት ስለምንታይ ናብ ኢራን ከምዝገሸ ገሪሙኩም ክኸውን ይኽእል እዩ። ግን
ኣይግረምኩም። ንበዓል ናጽነት ዝኸውን ሽሻይን ሕብስትን ከምጽእ ኣይኮነን ከይዱ ዘሎ። መገሽኡ ምስ ውልቃዊ ጉዳዩ
ዝተኣሳሰረ እዩ።

ስርዓት ህግደፍ፡ ጠንቁ ብዘይተነጸረ ምኽንያት ኣብ ኣስመራ ዝመደበሮም ብዙሓት ነጋዶ ኣሲሩ ምህላዉ ምንጭታት ይሕብሩ።

ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣምባሳደራት ኤርትራ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብዝገበረሎም ህጹጽ ጻውዒት ብሃንደበት ናብ ኣስመራ ከምዝኸዱ ምንጭታት ሓቢሮም።

ሓደ መዓልቲ ድሕሪ ‘ቲ “መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ፈለማ ሰሙን ወርሒ ሕዳር ወራር ኣንጻር ኤርትራ ከካይድ ካብ ኣመሪካ ፍቓድ ረኺቡ ኣሎ” ክብል  መንግስቲ ባዕሉ ብወግዒ ዘመሓላለፎ መግለጺ፡  ትማሊ ቐዳም 27 ጥቅምቲ ኣብ ኣስመራ ሰፊሕ ግፋ ከካይድ ከምዝወዓለ ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

asህግደፍ ክገፍፍ ኢዩ ዝብል ወረ ምስ ተሰምዐ መንእሰያት ካብ መጻወድያ ከምልጡ ሸበድበድ ክብሉ፡ ህዝቢ ‘ውን ተረቢሹ ውራዩ ገዲፉ ካብ ሹቕ ንገዝኡ ክኸይድ ሃታ ሃታ ክብል ከሎ ዘርኢ እዩ።

ቀዳም 6 ጥቅምቲ 2007፣ ስነ ስርዓት ቀብሪ ናይ መንእሰይ ነጋዳይ ኣቶ ፍቕረማርያም ዓንደማርያም ዝተባህለ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ተኻይዱ። እዚ ቀብሪ ቅድሚ ሕጂ ምስቲ ናይቲ ህቡብ ድምጻዊ ሓርበኛ የማነ ገብረሚካኤል፣ ከምኡውን ናይ ኣቦና ወልደኣብ ወልደማርያም ብዝመሳሰል ተጌሩ ክበሃል ይከኣል።

ደና ሓርነት ኣብ ነዊሕ ሓተታ ዘስፎሮ ጽሑፉ ዘጠቓልሎ 1) ብዛዕባ ጸገም መፋጥርቲ ደቂ ሰብ ምዃና…ኤውሮጳውያን ዃ፣ ኣብ ዝሓለፈ  ቅድሚ 100 ዓመታት፣ ዝነበረ ኩነታት ንሪጋ ባኒ ዘይኮነስ ምሳሕ ንክረኽቡ ኪሎሜቶራት ከምዝተሰሩዑ…ኣብ ሻድሻይ ወራር ገሊኦም ደቀሃገር  ምስሃደሙ 13,000 ዝኾኑ ተጋደልቲ  ን120,000 ዝኾኑ ገጢሞም ከምዝተዓወቱ ..ንነዊሕ ዝጥምት ናይ ሓደ ሰብ መሪሕነት ከምዝነበረ… ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ጌና ኣሎ: ዝብል ነይሩ።

Uniሳይንስ ዘይኣምን ትምክሕቲ ቀለቡ
ምሁር ምስ ዝርኢ ዝቖስል ልቡ
ብሱሱዕ ቅንኢ መንፈሱ ተሰሊቡ
ኣቐዲሙ ኣጥፊኡዎም በላሕቲ ቆላሊቡ
ሓደሽቲ ከይፈርዩ ተንኮል ሓሲቡ
ንዕውር ኣንቍሩስ እንታይ’ዩ መኽሰቡ::

MHኣቶ መስፍን ሓጎስ፣ ከም ኣቦ መንበር ናይ ሰልፊ ዶምክራሲ ኤርትራ መጠን ምስ መዘናታትካ  ዝኾኑ ተቓለስቲ፣ ዝሓለፈ ምፍሕፋሓት ብምርሳዕ፣ እንዳተራዳድእኩም ንክትከዱ፣ ናትካ ተራ መተካእታ ከምዘይህልዎ ፈታዊ ይኹን ጸላኢ ዝኣምነሉ ከምዝኾነ ጥርጥር የብልናን።

ሰላምትማሊ ዕለት 18 ሓምለ 2007 ሓደ ጽሑፍ ብኣቶ ተስፋማርያም ሓጎስ ዝተባህለ ዝተጻሕፈ፣ ኤርትራ ህያብ ስዋኣትና ኢያ፣ ንምዕቃባን ንምሕያላን ንጽዓር፣ ንጽባሕ ንጠምት፣ ብዝብል ኣብ ድምጺ መሰልና ደሊና ሰሚዕና። ኣብ ትሕዝትኡ፣ ግልብጥሽ ብዝኾነ ኣዘራርባ፣ መንእሰይ ሃገርካ ሕድሪ ስዋኣትካ ገዲፍካ ትሃድም ኣሎኻዶ ካልእዶ ብምባል ብቃና ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ ምስ ሰማዕኩ ተዳናጊረ።

sawaገለ ወለዲ ካብ 1ይ ዙርያ ጀሚርና ደቅና በብጊዚኡ ዝለኣኽና ንህሉ ንኸውን። ንሕሰቦ ክሳብ 21 ዙርያ፣ ሓንቲ ዓመት እንተሓለፈት ሓንቲ  ተርክብ። እዚ ነቶም ወፋሮ ተማሃሮ ጥራይ ዘይኮነ ንወለዲ ክሳብ ክንደይ ኣብ መነባብሮኦም ቅልውላው ከምዘእትወሎም ዝፍለጥ እዩ።

J clarckብቀዳምነት ከም ናይ ሓለፊ ናይ ነቭሳን ዕደና ወርቂ ኣብ ኣፍሪቃ፣ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኤርትራ ኮይንኩም ኣብ ቢሻ እተካይድዎ ዘሎኹም፣ ናይ ማዕድን ዳህሰሳ ስራሕ፣ እንቋዕ ኣብ ዓወት ኣብጻሕኩም ንብል። እቲ ዓወትኩም ዓወት ህዝቢ ኤርትራ ብዓቢኡ ብምዃኑ።

Asmaraኣብ ዓዋተ ዳት ኮም ሓደ ጽሑፍ The Tears of a Sadist ብዝብል ብኣክሊሉ ዘርአ ብ25 ሰነ 2007 ዝተደርሰ ቀሪቡ። እቲ ጽሑፍ ብቛንቛታት ትግርኛ ይኹን ዓረብ ተዳልዩ እንተዝቐርብ ብዝያዳ ሸትኡ ምወቐዐ ዝብል ግምት ኣሎና።

NSመንእሰይ ሞተር ሃገር ተባሂሉ ብክንክን ጥዕናን፣  ብትምህርቲ፣  ብሃናጺ መግቢ፣ ስፓርት ወዘተ፣ ተኾስኪሱ ክዓቢ ዝግባእ ቀንዲ ክፋል ናይ ሕብረተ ሰብ ኣካል እዩ። እንተኾነ ግን ኣብ ኤርትራና ብግልብጥሽ ኮይኑ፣ ክውዒ ብማንካ ክዝሕልን ብኢድካ ከምዝበሃል፣ ኩናት እንተመጸ ንዕኡ፣ ስራሕ ባርነት እንተሎ ንዕኡ፣ ግፋ እንተመጸ ንዕኡ፣ ስም ምኽፋእ እንተመጸ  ንዕኡ፣ ብዓቢኡ ድማ ግዳይ ናይ ስደትን መከራን ሽግርን ኮይኑ ይርከብ።

Musaፕረዚደንት ናይታ ሓውሲ ነጻ ዝኾነት ዞባ ሶማልያ (ፑንትላንድ) ኣዲ ሙሳ ነቲ ኣብ’ዚ ቐረባ እዋን ኣብ ኣስመራ ዝተመስረተ ጸረ መንግስታት ሶማልን ኢትዮጵያን ዝኾነ ኪዳን፡ ኣብ ዞባዊ ምምሕዳራዊ ግዝኣቱ ወጥሪ ክፈጥር ይፍትን  ከምዘሎ ምኽሳሱ፡ ሸቤሌ ሚድያ ነትዎርክ ካብ መቓድሾ ኣብ ዘመሓላለፎ ጸብጻብ ሓቢሩ።

June 20እወ ንዝክሮም! ደቅና ኣሕዋትና ኣቦታትን ኣዴታትን ስድራና ዝተፈለዩና፣ ከመይ ኢልና ድኣ ክንርሰዖም። መዓንጣና ሕርር ክምቱር ይብል፣ ኣሕ! ሕጂስ ከመይ፣ ኣበይ፣ እንታይ ምሃለኹም ንብል።  ሓዊ ሓብቲ ክትስእን፣ ጮቖቕ ኢሎም ዘዕበዩ ወለዲ፣ ወላድ መኻን ክኾኑ፣ ፍቕርኻ ፈታዊኻ ንዘንቲ-እለት  ክፍለ። ሪእና ከይጸገብናዮም፣ የዕሊልና ከይዛዘምና ተፈልዮምና።