ብዘይ መስዋእቲ ዝኾነ ዓይነት ምዕባለ የልቦን። ብዙሕ ዓይነት መስዋእትነት ኪህሉ ይኽእል ይኸውን። ናይ ግዜኻ ምስዋእ፡ ናይ ጉልበትካ፡ ናይ ምቾትካ ምስዋእ፡ ናይ ገንዘብ፡ ናይ ዝና፡ ናይ ስልጣን ወዘተ.። ኣብዛ ዩኒቨርስ ናጻ ድራር ዚብሃል ነገር የልቦን። ማለት፡ ኩሉ ከፊልካ ኢዩ ዚርከብ።
ብዘይ መስዋእቲ ዝኾነ ዓይነት ምዕባለ የልቦን። ብዙሕ ዓይነት መስዋእትነት ኪህሉ ይኽእል ይኸውን። ናይ ግዜኻ ምስዋእ፡ ናይ ጉልበትካ፡ ናይ ምቾትካ ምስዋእ፡ ናይ ገንዘብ፡ ናይ ዝና፡ ናይ ስልጣን ወዘተ.። ኣብዛ ዩኒቨርስ ናጻ ድራር ዚብሃል ነገር የልቦን። ማለት፡ ኩሉ ከፊልካ ኢዩ ዚርከብ።
ሓድሓደ ግዜ ካብ ሳልሳይ ዓለም ናብተን ዝሰልጠና ምዕራባውያን ሃገራት ክትስደድ ከሎኻ፡ ከምዚ ካብ ዓለም ናብ ማርስ ወይ ጁፒተር እትገይሽ ዘሎኻ ኮይኑ ኢዩ ዚስመዓካ፡ ከመይሲ እቲ ኣብተን ምዕራባውያን ሃገራት ማዕቢሉ ዘሎ ንመሰላት ወድሰብ ዚምልከት ኣምራት ወይ መትከላት፡ ኣዚዩ ዘገርምን ዘደንጹን ብምዃኑ።
ስለምንታይ ኢዩ ህዝቢ ብልቡን ብእግሩን ዝሽፍት? ፍትሒ ስለ ዝሰኣነ። ኣቦታትና ቀደም ካብ ሓደ ዓዲ ናብ ካልእ ይሰግሩሞ፡ ኣብ ጕዕዞኦም ገለ ሰባት ይረኽቡዎም፡ ከመይ ሓዲግኩምዎ ዓዲ ብምባል ድማ ይሓቱዎም።
እንታይ ዓይነት መንግስቲ ኢዩ ኣብ ህዝቢ ፈጺሙ ሓልዮት ዘይብሉ፡ ብዛዕባ ስልጣኑ እምበር ብዛዕባ ዕድል ህዝቢ ኸኣ ፋዕራ ዘይብሉ? ስልጣኑ ንምቕጻልከ እንታይ ሜላታት ይጥቀም?
ንዓለምን ንኸባቢኡን ኪልውጥ ዚኽእል ሓይሊ፡ እቲ ካብ ኣእምሮ መንእሰይ ዚምንጩ ናይ ለውጢ ድራኸ ኢዩ። እዚ ኣከታቲለ ዝጽሕፎ ዘለኹ ድማ፡ ናብኡ ዝዓለመ ኢዩ።
ንኣይ ካብ ኩሉ ነገራት ዝገርመኒ እንተሎ፡ ኣብተን መስረትቲ ደሞክራሲ ሃገራት ኵድም ኢልካ፡ መሰለይ ተገፊፈ እናበልካ ናብ ቤትፍርዲ እናኸሰስካ፡ ከምዚ ተበዲለ፡ ዝያዳ ኣኽፊልኩምኒ፡ ብዓሌታዊ መገዲ ስለ ዘዳለኹምኒ ከሓሱኒ፡ ኣደይ ኣምጽኡለይ፡ ሰበይተይ ጸውዑለይ: ደቀይ ኣክቡለይ፡ ወዘተ. ብምባል ነቲ መንግስቲ ላሕ እናበልካ፡
ፈጣሪ ንወድሰብ ካብ ዝሃቦ ህያባት እቲ ዝዓበየ ኣእምሮኡ ምዃኑ ንኹሉ ብሩህ ኪኸውን ይግባእ። ሓደ ናይ ኣእምሮ ስንክልና ዘለዎ ሰብ ኣብ ሓደ ነገር ኪኣምን ወይ ተንቲኑ ኣብ መደምደምታ ኪበጽሕ ይኽእልዶ? ኣይክእልን።
እዛ ዓለም ከም ቁሸት ጌርና እንተ ደኣ ርኢናያ፡ እቲ ኣብኣ ዚነበር ህዝቢ ዳርጋ ኣብ ካንሸሎ ይነብር ከም ዘሎ ጌርካ ምርኣዩ ዘሸግር ኣይኮነን።
ሽሕኳ ሃይማኖት ንባዕሉ ምኽንያት ውግእ ኪኸውን ዘይክእል እንተኾነ፡ ንሓያሎ ኣጀንዳታት ግን ከም ሽፋን ኮይኑ ከገልግል ጸኒሑ ኢዩ። ሓደ ህዝቢ ወይ ጉጅለ ገለ ማሕበራዊ ጸገም ምስ ዘጋጥሞ ወይ ፍትሒ ምስ ዚጐድሎ፡ ነቲ ዘይፍትሓውነት ንኺዋግኦ ሓይሊ ዚህቦ ውሽጣዊ ድፍኢት ይደሊ ኢዩ። ስለዚ ንሃይማኖት ከም መሳርሒ ተጠቒሙ ቃልስታቱ የካይድ ማለት ኢዩ።
መንእሰያት ኤርትራ ኣይተዓደሉን። ጽቡቕ ዕድል ከይጠዓሙሉ ተወዲኡ። ናጽነት ብምርካብ ክርህዎምን ክጥዕሞምን ዝሓሰቡዎ፡ ኣብ ፈቐዶ ናይ ስደተኛታት መዓስከራትን፡ ኣብ ዘይምቹእ ካልእ ቦታታትን ደሴታትን ሃገራትን ኮይኖም ይሳቐዩ ኣለዉ።
ሓደ ካብቲ ንኤርትራውያን ጸገም ኮይኑና ዘሎ ጉዳያት፡ ኣብ መንጎ ሃገርን መንግስትን ዘሎ ፍልልይ ኣነጺርካ ከተለሊ ዘይምኽኣል ኢዩ። ሃገር ከም መሬት መጠን፡ ኣምላኽ ሰማይን ምድርን ኪፈጥር ከሎ ዝፈጠሮ ቦታ ኢዩ።
ሓደ እዋን ኳዅ ግዜ ሞቱ ስለ ዝቐረበ ንደቁ ኣብ ጥቓ ዓራቱ ኪመጹ ኣዘዘ’ሞ፡ ከምዚ ኪብል ተዛረቦም፣
እነሆ እምበኣር ኣነ ኣሪገ እየ፡ ደጊም ምምዋተይ ቀሪቡ ኢዩ፡ ግን ሓደ ነገር ክመኽረኩም ስምዑኒ፣ ኣብ ኦም ዓሊብኩም ምስ እትህልዉ እሞ፡ ቈልዑ ናባኹም ቀሪቦም እምኒ ከልዕሉ ድንን ምስ ዚብ ሉ፡ ፍር ኢልኩም ደኣ ካብቲ ቦታ ረሓቑ፡ ከመይሲ ብእምኒ ገይሮም ምስ ቀተሉኹም፡ መጻወቲ ድማ ከይገብሩኹም።
እቲ ሕማም ኣብቲ ርእሲ ኢዩ ዘሎ። እቲ ላዕሊ ዘይጠዓየ፡ እቲ ታሕቲ ኪጥዒ ኣይክእልን። ሕዱር ሕማም’ዩ ዚመስል፡ ከተሕውዮ ድማ ጸገም ኢዩ።
ኣብዛ ዓለምና ጭርሖታት ኣይወሓዱን፡ ኣብ ግብሪ ደኣ ኣይወዓሉን እምበር። ንኣብነት ኣብቲ ኮሙኒዝም ዓሚሩሉ ዝነበረ እዋን፡ ማለት ኣብ 50ታትን 60ታትን፡ ኩሉ መንእሰይ ዓለም፡ ናይ ማርክስን ለኒንን ጭርሕታት በብመገዱ ኣቃሊሑ ኢዩ።
ኤርትራውያን፡ ብፍላይ ድማ ብሄረ ትግርኛ፡ ከምኡ’ውን ትግራዎት፡ ጓይላ ኣዚና ኢና እንፈቱ። ካብዚ እተላዕለ ኢዩ መስለኒ ኣምሓሩ፡ ኣባጅጎ ጓይላ ዊን ምስ ዚብሎ ንትግራዎት ወይ ንትግርኛ ተዛረብቲ ኢዩ መጀመርታ ዘጽግብ ዚብሉና።
ሓንቲ ካብ’ተን ደስ ዝብላኒ መደባትኩም፡ ብመምህር ኣማኑኤል ሳህለ እትቕረበልና ዘላ መደብ ‘ሓንቲ ዓለም’ እያ። ተሳትፎን ኣበርክቶን ኣማኑኤል ሳህለ ናብ መኣዲ-ኣሰና፡ ነቲ ጥዑም ቅጫኹም ዘጽግብ ጎጎ’ዩ ተደሪብዎ።
መነሊክ ንጣልያን ኣብ ዓድዋ ምስ ሰዓሮም፡ ኣብ ኤርትራ ውሑዳት ወትሃደራት ጣልያን ኢዮም ተሪፎም ነይሮም ይብሃል። ኣትዩ ከሳጉጎም ይኽእል ነይሩ። ግን ንኤርትራ ገጹ ኪቕጽል ኣይደልየን። ዓሻኽሩ ኣኻኺቡ ንሽዋኡ ደኣ ተመልሰ።
ኣብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እተጋብአ ሃገራዊ ዋዕላ በጺሐ ምስ ተመለስኩ፡ ኣስታት ክልተ ኣዋርሕ ይገብር፡ ሓንቲ ሰበይቲ ከምዚ ክትብል ሓቲታትኒ፣
”እሞ ኸመይ ረኺብካያ ኢትዮጵያ? ምስ ለመንታን ምስ ርስሓታን ክኢልካያዶ? ስርቂኸ ገዲፎምዎ ዶ? ጥምየትከ ከመይ ነይሩ?” ዘይሓሰብኩዎ ሕቶ ኢዩ ነይሩ።
ብዛዕባ ብፓይሎታታን ብሆስተሳታን እተጨውየት ነፋሪት ዚሕብር ዜና ሰሚዕኩምዶ ትፈልጡ? ኣይመስለንን። ከምዚ ዝበለ ኣጋጣሚ ኣብ ዓለምና ልሙድ ኣይኮነን፡ ከመይሲ ከምዚ ዚገብሩ ፓይሎታት ሕሙማት ጥራይ ኢዮም ኪኾኑ ዘለዎም።
ሓቂ ክብርትን ብቐሊሉ ዘይትርከብን ጥሪት ስለ ዝኾነት፡ ብቝጠባ ክንጥቀመላ ይግበኣና። ስለዚ ኣብ ሓደ ብሓሶት እተጋዕተ ምግቢ፡ ቅሩብ ጨው ሓቂ ፈይ ኣቢልካ እንተ ዘይኮይኑ፡ ንሓቂ ብኹላ ብሓደ ግዜ እንተ ደኣ ተጠቒምካላ፡ ቀልጢፋ ኢያ እትውዳእ።
ሓደ እዋን ሓደ ብጻየይ ዘጻወተኒ ትዝ ይብለኒ። ወኻርያ ብዛዕባ ናይ ቀረባን ናይ ርሑቕን ቍጠባዊ ራኢኡ ኣመልኪታ ንዝብኢ ከምዚ ዚስዕብ ሓቲታቶ፣
ካብ ኤርትራ ተሰዲድካ ምውጻእ ብዙሕ ደስ ዘብል ስምዒት ኣይህብን፡ ጽቡቕ ተመክሮ’ውን ኣይኮነን። ኣነ ኣብ ህይወተይ ንመጀመርታ ግዜ ካብ ኤርትራ ዝወጻእኩሉ (ኣብ 60ታት) እዋን፡ ተመሃራይ እየ ነይረ። ትምህርቲ ንምቕጻል ድማ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይደ።