Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Hustonእቲ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ሰኑይ ነሓሰ 16፡ 2010 ዓ.ም. ከባቢ ፍርቂ መዓልቲ፡ ኣብ ኣፋፌት ህንጻ ናይ ከንቲባ ኣኒስ ፓርከር፡ ዝርከብ ሲቲ ሃል ዝበሃል ቦታ እዩ ነይሩ።

 ሃገራዊ  መትከላዊ  ሰልፊ  ኤርትራ: ኣብ  ዉሽጢ  ሓደ ዓመት  ኣካላቱ  ሰሪዑምስ  ኩሎም ኣብ ዉሽጢ ኤርትራን ኣብ ደገን ዘለዉ ዲሞክራስያዉያን  ኣካላት  ተወሃሂዱ ክሰርሕ  ወሲኑ፡፡

EPDPልኡኽ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብመሪሕነት ኣቦ መንበር ሰልፊ፣ ኣቶ ወልደየሱስ ኣማር፡ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ መዓልታት ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዑደት ክፍጽም እዩ።

 Osloመቐጸልታ ናይቲ ኣብ ኩለን ሃገራት ዓለም ዝካየድ ዘሎ ኣንጻር ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ. ዝዓለመ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ትማሊ ብ25 05 2010 እውን ኣብ ከተማ ኦስሎ፣ ኖርወይ ብዓወት ተኻዪዱ:: እቲ ሰልፊ ንእከይ ግብሪ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ዘቓልዐ፣ ንኮራኵር ናይቲ ስርዓት ዘሰምበደ፣ ንሞራልን ተስፋን ናይቲ ውጹዕ ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ዘሕነነ፣ ረዚን መልእኽቲ ዘለዎ ዕዉት ሰልፊ ነይሩ::

Shefieldትማሊ ቀዳም ዕለት 01/05/2010 ኣብ ከተማ ሸፊልድ ዕዉት ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር እቲ ብተስፋሚካኤል ገራህቱ ኣምባሳደር ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ምስ ገለ ሒደት ተቐማጦ ሸፊልድ ዚተረኽብዎ ኣኼባ ዚተኻየደ ኢዩ።

EPDPመሰጋገሪ ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብዕለት 19 ሚያዝያ 2010 ህጹጽ ኣኼባ ብምክያድ፡ ነቲ ኣካታዒ ኰይኑ ዝቐነየን ዘሎን ምስንዳኣት ዋዕላ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ከም ኣጀንዳ ብምውሳድ፡ ንዝቐረበሉ ጸብጻባት ኣጽኒዑ ኣድላይ ውሳኔታት ኣሕሊፉ።

Osloእቲ ንሰሉስ ዕለት 13 ሚያዝያ ብተቓወምቲ ውድባትን ሲቪካዊ ማሕበራትን ኣብ ኦስሎ ኖርወይ ክግበር ተመዲቡ ዝጸንሐ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ናብ ካልእ ግዜ ከነመሓላልፎ ከም ዝወሰንና ክንሕብረኩም ንፈቱ፡፡

osloንሰሉስ ዕለት 13 ሚያዝያ ብተቓወምቲ ውድባትን ሲቪካውያን ማሕበራትን ኣብ ኖርወይ ጸረ ህግደፋዊ ዕንደራ ሰላማዊ ሰልፊ ክግበር ስለ ዝኾነ፡ ኩሉ ብህዝቡን ሃገሩን ዝግደስ ኤርትራዊ፡ ኣብ`ዚ ሰልፊ`ዚ ንኽሳተፍ ብኽብሪ ንዕድም ኣሎና፡፡

ኞ ቶ ዲችታቶርደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ ዝኾኑ ኤርትራውያን፡ ንመሰጋገሪ መንግስቲ ሶማል ዝቃወሙ ሶማላውያን፡ ከምኡ ‘ውን ኣባላት ቅንጅትን ግንባር ሓርነት ኡጋዴንን ዝርከቡዎም ሰልፈኛታት ነቲ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ዝበየኖ እገዳ ብምቅዋም ብ22 ለካቲት ኣብ ጀኔቫ ስዊዘርላንድ ተሰሊፎም ውዒሎም።

Demoብተበግሶ መንእሰያት ኤርትራ ንለዉጢ ዝተወደበ ሰለማዊ ሰልፊ ብ 19/02/2010 ኣብ ዓዲ ጥልያን ከተማ ሮማ ተኻይዱ፡፡ ዕላማ ናቲ ሰለማዊ ሰልፊ ነቲ ብዕለት 23/12/2009 ብባይቶ ጸጥታ ዝጸደቐ እገዳ ኣብሊዕሊ መራሕቲ ህግደፍ ዉጺኢት ናይቲ ዝገብሮ ዘሎ ጣልቃ ምእታዉ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራትን ምትሕብባር ምስ ግብረሽበራውዉያን ብኻልእ ሸነኹ ድማ ዘይ ቁዋማዊ ስራዓት ብምኻኑን ዝተወስደ ስጉምቲ ስለ ዝኾነ፡ ነዚ ስጉምቲ ደገፍና ንምሃብን ኮሙኡ ድማ ኣብ ኤርትራ በቲ ስራዓት ዝፍጸም ዘሎ ምግሃስ ሰባኣዊ መሰላት ንምቁዋም ዝዓለመ እዩ፡፡

Kinijitተቓወምቲ ኢትዮጵያ ትማሊ ሰንበት ዕለት 15/02/2010 ኣብ ናይ ኢትዮጵያውያን ፓል-ታልክ ሩም Ethiopian review.com on line ብኤልያስ ክፍለተመሪሑ፡ ተቓወምቲ ኢትዮጵያውያን ደገፍትን ወከልትን መንግስቲ ኤርትራ ከም ዶክተር በርሀ ሃብተጊዮርጊስን ካልኦትን ዝተሳተፍዎ ፓል-ታልክ ልዕሊ 200 ሰባት ሰሚዕዎ።

ሰበ ስልጣን ህግደፍ፡ብሰንኪ ዝኽተሉዎ ዓንዳሪ ፖሊሲ ብዕለት 23 ነሓሰ 2009 ማሕብረሰብ ዓለም ማዕቐብ ካብ ዝበየነሉ ግዜ ንኹሉ ኤርትራዊ ኣዛራቢ ኮይኑ ዘሎ ኣርእስቲ’ዩ።እዚ ማዕቐብ’ዚ፡ካብ ጽባሕ ነጻነት ጀሚሩ ዝተፈ ፈላለ ማዕቐብ ውሽጢ ወሪዱዎ፡ሎሚ ኣብዝለዓለ ጠርዙ በጺሑ ዝሳቐ ዘሎ ህዝብን፡ንሰዓት ናህሩ እናወሰኸ ዝኸይድ ዕንወት ሃገር ኣብዝረኣየሉ ክፉእ እዋን ስለዝተበየነ፡ክትቅበሎስ ይትረፍ ክትሰምዖ ስግድግድ ዘብል’ዩ።

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ርእሲ ስርዓት ኤርትራ ውሕሉል ማዕቀብ ካብ ዝወሰነሉ እዋን ጀሚሩ፡ እቲ ካብ ዓለም ዝተነጸለን ብኡ መጠን ዝተኾነነን መሪሕነት ስርዓት ኤርትራ ከይሓነኸ፡ ባይቶ ጸጥታ ዘይሕጋዊ ብይን ከምዝገበረሉ ከምስል ብናህርን ዲፕሎማሲ ብዝጎደሎን ኣገባብ ይጓየ ኣሎ።

ህላወን ኩነታትን ህዝቢ ኤርትራ ዓመት መጸ እናንቆልቆለን እናኸፈአን ይኸይድ ከምዘሎ ንኩሎ ኤርትራዊ ብሩህ እኳ እንተኾነ፡ ብፍላይ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ብሰንኪ’ቲ ብዕሉግ ፖሊሲ ህግደፍ ከቢድ ጥምየት፡ ራዕዲ፡ ሕጊ ኣልቦ፡ ዓለምለኻዊ ተነጽሎ፡ ማእሰርቲ፡ ዝኣመሰሉ ሽግራት ደረት ተሳኢንዎም ኣሎ። ህልቂት መንእሰያት ኣብ ምደረበዳታት ሳሕራን ማእከላይ ባሕርን፡ ቃፍላያት ሰደት ናብ ጎረባብቲ ሃገራትን ዝተራኣየሉ ዘስካሕክሕ እዋን እዩ ክባሃል ይኽእል። ነዚ ድማ እዩ መራሒ ህግደፍ ብባጫን ኣሽካዕላልን “ፓሳጆ እዮም ከይዶም ዘለዎ ክምለሱ እዮም” ኢሉ ብጥፍእትን ህልቂትን መንእሰያት ከላግጽ ዝወረሐ። እዚ ዘሕዝን ህልቂት’ዚ ንነብሲ ወከፍ ዜጋ ዝትንክፍ ክንሱ፡ ገለ ብደዎም ዝለመሱ ሰዓብቲ ህግደፍ ኢና በሃልቲ መንጠሊና ሕፍረት ተጎልቢቦም ክንሶም ጥፋኣትን ህልቂትን አሕዋቶምን ህዝቦምን ምግላጽ ዘሕፍሮም ጉዳመኛታት ምህላዎም ከ ምስ ምንታይ ይቑጸር?

ስርዓት ህግደፍ በቲ ጽባሕ ኣብ ርእሰ ከተማ ሱዳን፡ ካርቱም፡ ክግበር ተመዲቡ ዘሎ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ተጎልቢቡ፡ ካብ ስርዓቱ ኣምሊጦም ኣብቲ ቦታ ዝርከቡ ኤርትራውያን ዜጋታትን ተቓወምቲ ሓይልታትን ንምጭዋይ ሰለይቲ ኣዋፊሩ ይንቀሳቐስ ከምዘሎ  ብምምልካት፡ ስክፍታ ዘለዎም ኤርትራውያን ጥንቃቐቐ ከዘውትሩ ከምዝግባእ ምንጭታት ኣዘኻኺሮም።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ሰልፈኛታት ኣቐዲመ እንቋዕ ኣብዚ ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ክትካፈሉ ኣብቀዓኩም።

ከምቲ ኵላትና እንርደኦን እንግንዘቦን ኤርትራ ሃገርና ካብ ነዊሕ ዘበናት ኣትሒዛ ብዝተፈላለዩ ባዕዳውያን ገዛእቲን መሳፍንትን ትግዛእ ከም ዝነበረት ኣይኰነን ዘይብሃሎ ክዉን ታሪኽ ኢዩ።

ንዕለት 21.11.2009 ኣብ ከተማ ማንሃይም ንዝኽሪ 30 ዓመት ብሃማደኤ ዝፍለጥ ማሕበር ተዳልዩ ዘሎ በዓል፤ ንጥቅሚ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ዘይምቅላሱ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ውጽኢቱ ንመጨፍለቅን መቅዘፍን ዝዓበየን ዝነኣሰን ህዝቢ ኤርትራ ዝውዕል፡ ብስም ኤርትራውያን ንረብሓ ምልኪ ዘውደክድኽን ዝዕልልን ዘሎ ማሕበር  እዩ።

ንመደምደምታ ስምረት ሰለስተ ውድባት ማለት ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ፡ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራን፡ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስን ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ኣብ ዋሽንግቶን ዲ.ሲ. ዋዕላ ከካይዱ ምዃኖም ንሕብር። ቀንዲ ዕላማ’ ናይ’ቲ ዋዕላ፡ ኣባላት ሰልስቲኡ ውድባት/ሰልፍታት ነንሕድሕዶም ንኽላለዩን፣ ርኢቶን ለበዋን መሰረታት ኣብ’ቲ ናብ ኣባላት ተዘርጊሑ ዝወርሐ ንድፊ ፖለቲካዊ መደብ-ዕዮን ቅዋም ሰልፍን ጸሚቝካ ናብ’ቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ መጸናበሪ ጕባኤ ንምቕራብ እዩ።

ኣብ ስደት ብፍላይ ድማ ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ትርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ገለ ተበለፅቲ ናብ ካናዳን ኣሜሪካን ክትከዱ ፎርም ምልኡ ኢሎም ካብ ዘይብልኩም ዘይተኣደነ ገንዘብ የኽፍሉኹም ስለዘለዉ ንኽትጥንቀቑ ንሕብር። ኣቲ ናብዘን ሃገራት ኣዚኣተን ንምምፃእ ሕጋዊ ዝኾነ ፎርም ኣብ ኢንተርነት

READ MORE

ብዕለት 19 መስከረም 2009 . .ብፖለቲካውያን ውድባት፤ሰልፍታት፤ሲቪካውያን ማሕበራትን ሃገራውያን ዘጋታትን አበ ከተማ ስቱትጋርት ሃገር ጀርመን ዝተዳለወ  ንተዘክሮ መበል 18 መስከረም 2001 .. ኩሉ ግፍዕታት ዲክታቶሪያዊ ስርዓት .... ንህዝቢ ጀርመንን መንግስት ጀርመንን ህዝቢ ዓለምን ንምግላጽ፤ ከምኡውን ተቓውሞ ህዝቢ ኤርትራ ንምፍላጥ ብዙሕ ህዝብና ካብ ከተማታት ፍራንክፎርት፤ ኑርምበርግ፤ ኡሉም፤ ካርልስሩሄ ከምኡውን

ድሕሪ መሪር ናይ ሳላሳ ዓመት ደማዊ ኩናት ኤርትራ ነፃ ወፂኣ። ኩሉ ንነፃነት ኤርትራ ዝተቓለሰ ድማ ብነፃነት ተደቢሱ። ድሕሪ ነፃነት ኣብ ኤርትራ እንታይ ተሪፉና እንተ ኢልና ህዝቢ ኤርትራ ተሰማሚዑ ዘፅደቆ ቅዋም ተግቢርካ ፤ስልጣን ንህዝቢ ኣረኪብካ፤ በቲ ሕጊ መሰረት ሰልፍታት ኣቒምካ፤ ዝተዓወተት ሰልፊ ሃገር ክትመርሕ’ዩ ዝፅበየና ዘሎ ። ነዚ ንምትግባር ድማ ነቶም ዕንቅፋት ኮይኖም ዘለዉ መራሕቲ ህግደፍ ንሰላም ስለዝተሓረሙዋ ኣድላይ እንተኾይኑ ኣብ ልዕሊኦም ኣብ ወፃእን ኣብ ውሽጥን ዘሎ ህዝብን ሰራዊትን ጎነፃዊ ስጉምቲ ከካይድ ይኽእል። ሰራዊት ኤርትራ ኣካል ናይቲ ውጹዕ ህዝብናን ደላይ ለውጥን’ዩ። ኣብ ልዕሊ’ዚ ሰራዊት ዘይተደለየ ስጉምቲ ምውሳድ ግን ነቲ ስርዓት መሻደኒኡ’ዩ።

ታሪኽ ቆራጽ ፈራዲ ኢዩ፡ ፍርዲ አብ ምፍጻም እዉን ነግ ፈረግ ምባል ባህሪኡ አይኮነን። አብ ግዕዞ ታሪኽ ዝኾነ ፖለቲካዊ ስርዓት ልክዕ ከም ሐደ ህያዉ ፍጡር ይዉለድ፡ይጉብዝ ይአርግ፡ ይመዉት፡ ኢዩ። ካብ ጉቡእ ናይዚ ባህርያዊ ዑደትዚ ዘምልጥ ስርዓት ወይ ፍጡር ከአ የልቦን። እዚ ሐደ ፍጹም ሕጊ ናይ ባህርይ ኢዩ።

ሓዲሽ ሓበረታ ንሰላማዊ ሰልፊ ፍራንክፈርት ኣንጻር ፈስቲቫል ጉጂለ  ህ.ግ.ደ.ፍ  ኣብ ዝሓለፈ ስሙን ንዕለት 18.07.2009 ዓ.ም ካብ ስዓት ሰለስተ ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሩ ሰላማዊ ሰልፊ ክካየድ ከምዝኾነ ተገሊጹ ነይሩ ኮይኑ ግን ኣብዚ ዕለትዝን ሰዓትን ጉጂለ ህ.ግ.ድ.ፍውን ሰላማዊ ሰልፊ ከካይድ

READ MORE

እዞም ደቂ ዓዲ ከምዚ ይብሉ "put your money where your mouth is". እዚ ከኣ ንዝኾነ ይኹን  ጉዳይ ብዘረባ ጥራይ ዘይኮነስ ብግብሪ'ውን ክርኤ ኣሎዎ ማለት እዩ። ብካልእ ኣርዘረባ ከኣ እቲ ብዛዕባ ኣብ  ኤርትራ ዘሎ ግፍዒ ምንጽርጻርን ምሕማይን ምውርዛይን ፈኸራን፣ ከምኡ'ውን ብመልሓስካ ካብ ካልኦት ብዝበለጸ ንሃገሩን ንህዝቡን ሓላይን ኣስቆርቋርን ምምሳል ንግዜኡ ንሕደጎ'ሞ ሃየ ብግብሪ ነርኢ ማለት እዩ። ስለዚ ብሓጺሩ ኩሉ ናይ በለጽ ዘይኮነስ ናይ ብሓቂ ሓልዮትን ተገዳስነትን ዘሎዎ ኤሪትራዊ፡ ኣብዚ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብዙሕ ግዜኦምን ገንዘቦምን ወፍዮም ዘዳልዉልና ዘሎዉ ሰልፊ፣ ኣብ ዋሽንቶን ክንራኸብ ኣሎና ማለት እዩ።

Berlinመላኺ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘውርዶ ዘሎ ሕሰም ንምግላጽን፡ ዲሞክራሲን ስርዓተ ሕግን ኣብ ኤርትራ ዝጠልብን ዉዕዉዕ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ብ20 ግንቦት ኣብ ጀርመን ከተማ በርሊን ተኻይዱ።

fidelመንግስቲ ኤርትራ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ርእይቶና፡ ንዉላድና ዝኾነ ፊደል ኣማንኤል መንግስ፡፡ ወዲ ሽሞንተ ዓመት ሕጻን፡ ካባና ካብ ወለዱ ፈልዩ፡ ንልዕሊ ሽዱሽተ ዓመትን ፈረቓን ናባና  ንከይመጽእ ከልኪልዎ ይርከብ።

edp

መሪሕነታት ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራን ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራን ሓባራዊ ኣኼባኡ ብዕለት 11 ሚያዝያ 2009 ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ጀሚሩ። ኣብ’ዚ ብብጾት መስፍን ሓጐስን ወልደሱስ ዓማር፡  ኣቦ መንበራት ላዕለዋይ ሓባራዊ ኣውሃሃዲ ኣካል ዝተመርሐ፡ 16 ኣባላት መሪሕነት ናይ ክልቲኡ ሰልፍታት ዝተሳተፍዎ ኣኼባ’ዚ፡ ሓፈሻዊ መእተዊ ብዛዕባ ክልቲኡ ሰልፍታት ዝሓለፎ መስርሕ ናይ ሓድነትን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን መግለጺ ቀሪቡ።

mesfn

ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ፡ ኣቦ ወንበሩ ዝነበረ መስፍን ሓጎስ ንዘቕረቦ ስልጣን ናይ ምልቃቕ ሕቶ ብምቕባል ንኣቶ ተስፋሚካኤል የውሃንስ ከም ኣቦ ወንበር ሰልፊ ከምዝተከኦ ሎሚ 9 ሚያዝያ 2009 ኣብ ዝለኣኾ ጋዜጣ መግለጺ ሓቢሩ።

ብዕለት 7 ሚያዝያ ኣብ ኣሰና ብሚካኤል ኣብርሃ ንምሕረት ገብረየሱስ ብዛዕባ ሕብረት ኤውሮጳ ንርእሰ መላክን ቐታሊ ሰብን መንግስቲ ኢሳያስ ዝወሃብ ዘሎ ሓገዝ ኣመልኪቱ ዝገብረላ ቓለ መሕተት ኣንቢበዮ። ኣብ'ቲ ቓለ መሕተት ሓፍትና ምሕረት እቲ ዝተገብረ ጻዕሪ ቓልሲ ናይ ተቓወምቲ ንባዶሽ ከምዘይኮነ ግን ገለ ውጽኢት ወይ ዓስቢ ከምዝተረክበሉ እያ ተዛሪባ።  ኣቦታትና ክምስሉ " ጸርፊ ዝገደፍና የብልናን ኣሓ ግን ተወሲደን እየን" ይብሉ ፤ እሞ ሰላማዊ ሰልፊን ካልእ ጎስጓሳትን ከምዝተገብረ ተሓቢሩ ኣሎ ግን ነተን ገንዘብ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ካብ ኢድ እቲ ቓታሊ ሰብ- ኢሳያስ ከነድሕነን ኣይከኣልናን።

Frankfurtጻማ ፍረቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨውዩ ናብ ጉጅለኣዊ ረብሓታቱ ንዘውዓለ ጉጅለ ህግደፍ ዝኹንን:ፍትሒ ዲሞክራሲን  ሰብኣዊ መሰልን ዝጠልብ  ዉዕዉዕ ሰላማዊ ሰልፊ ብ28 ለካቲት  ኣብ ሃገረ ጀርመን ከተማ ፍራንክፈርት ተካዪዱ::

Demoሎሚ ሰንበት 22 ለካቲት ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ኣብቲ ብ ተቓወምቲ ውድባት፡ ኣባላት ሲቪካውያን ማሕበራት፡  ናይ ሚድያ ማዕከናትን ግዱሳት ውልቀሰባትን ብምትሕብባር ዝወደቡዎ ኣብ ከተማ ለንደን ኣፍደገ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተኻየደ ውዕዉዕ ሰላማዊ ሰልፊ ብምስታፍ ምእንቲ ምኽባር ሰብኣዊ መሰል ኤርትራውያንን ድሕነት ሃገርና ኤርትራን ድምጾም ኣስሚዖም ።

ኣቶኩሮ ናይ’ዚ ዓመት’ዚ፡ ናብ’ቲ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ማሕበረ-ሰብ ኢርትራ ብሓፈሻ ዝጠመተ ኮይኑ፡ ብፍላይ ድማ ነቶም ሰብኣዊ መሰላቶምን ናጽነቶም ተሓልይሎም ኣብ ፍትሒ ዝነገሶ ዓደታት ዝቕመጡ፡ ወዲ ሰብ ክሳብ ክንደይ ክቡር ምኻኑ ኣብ መዓልታዊ ሂወትም ዝዕዘቡ፡ ምሉእ መሰሎም ተሓልይሎም ምስ ደቀባት ናይተን ዝነብሩለን ሃገራት ተማዕራርዮም ዝነብሩ፡ ሕጊ፡ ፍትሒ፡ መሰል፡ ግቡእ፡ ዲሞክራሲ ዝብሉ ኣምራት ኣንታይ ምዃኖም ብግብሪ ዝምስክሩ ኤርትራውያን ዝዓለመ እዩ።