Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብግፍዓዊ ኣተሓሕዛ ስርዓት ህግደፍ ዘስካሕክሑ፡ ዊዓ ኣብ ዝተባህለ ኣብ ምብራቓዊ መታሕት ኤርትራ ዝርከብ ህሮርማዊ ቦታ ኣብ ትሕቲ መሬትን ኮንተይነራትን ኣሲሩዎም ዝጸንሑ 400 እሱራት፡ ሓለውቶም ጥሒዞም ድሕሪ ምምላጥ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ኤርትራ ተበቲኖም ከምዘለዉ ምንጭታት ሓቢሮም።


ስርዓት ህግደፍ ኣማኑኤል መሓሪ (ወዲ መሓሪ) ንዝተባህለ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ብፊዝክስ ዝተመረቐ መንእሰይ ኣብ ዶብ ሱዳን ብተመልከትለይ ተኵሶም ከምዝቐተሉዎ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ሓቢሮም።

ኣማኑኤል መሓሪ፡  ብ2001 ዓመተ ምህረት ካብ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ድሕሪ ምምራቑ፡ ኣብ Eritel ዝተባህለ ትካል ከም ናይ ኢንተርነት ቴክኖሎጂ ክኢላ ንሸውዓተ ዓመታት ኣገልጊሉ።

‘ፕረዚደንት’ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ናይ ቦታን ስልጣንን ምቅይያራት ገይሩ ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም ።

ኣብ 41 ብጽኑዕ ዝሕለዋ ዝነበራ ኮምፒተራት ተኸዚኑ ዝነበረ ኤለትሮኒካዊ ሰነዳት ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኤርትራ ብ25 ሰነ 2009 ብምሉኡ ተጓሕጕሑ ከምዝተወስደ ምንጭታት ሓቢሮም:: 

kekia

ሰማንያታት ዝዕድሚኦም ፍሉጣት ሽማግለ ኣቦታት ሓሰን ኬክያን ዓብዱ ዮኑስን ትማሊ ቐዳም 13 ሰነ ብህግደፍ ካብ ኣባይቶም ተለቒሞም ከምዝተኣስሩ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

HagosKishaYemane

መንግስቲ ኣመሪካ፡ ቀንዲ ኣገልገልቲ ዲክታተርያዊ ስርዓት ህግደፍ ብምዃን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣደዳ ስቓይን ዓመጽን ኣብ ልዕሊ ምግባር፡ ጸረ ረብሓታት ኣመሪካ ብንጥፈት ንዝስርሑ ዘለዉ ኣመሪካዊ ዜግነት ንዝነበሮም ሸሞንተ ላዕለዎት ሰበስልጣን ህግደፍ ኣመሪካዊ ዜግነቶም ከምዝሓኸኾ ናይ ቀረባ ኣፍልጦ ዘለዎም ዲፕሎማስያዊ ምንጭታት ንኣሰና ሓቢሮም።

 

ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሳምንቲ ጀሚሩ ንህዝቢ ዓዲ ገብራይ፡ ቆልዓ ሰበይቲ ከይተፍረፈ ብጅምላ፡  ኣብ ከባቢ ጋሕቴላይ ኣብ ኣጻምእ ኣብ ዝተደኮነ ማሕዩር ዳጕኑዎ ከምዘሎ ምንጭታት ኣፍሊጦም።

Cab  Cab 2

ብሃንደበታዊ ጻውዒት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብህጹጽ ዝተጋበአ፡ ካቢኔ ሚኒስተራት፡ ኣመሓደርቲ ዞባታትን ኣዘዝቲ ስሪሒታትን ዝተሳተፉዎ፡ ‘ስሉሳዊ ኣኼባ’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣኼባ መራሕቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ከምቲ ተመዲቡዎ ዝነበረ፡ ንኻልኣይ መዓልቲ ‘ኳ ከይቀጸለ፡ ስምምዕ ተሳኢኑዎ ፍረ-ኣልቦ ኮይኑ ከምዝተዛዘመ ምንጭታትና ኣፍሊጦም።

fiatከም ውጽኢት ናይዚ ስጉምቲ ‘ዚ፡ እቲ ስርዓት ሰራዊት ኣዋፊሩ ንኹለን ናይ ዘይመንግስታውያን ማሕበራት፡ ማለት ኮድ 4 ናእሽቱን ዓበይትን መካይን ድሮ ኣኪቡወን ከምዘሎ እቲ ሓበሬታ የረድእ። ካብዚ ቐጺሉ ነተን ብኮድ 3 ዝንቀሳቐሳ፡ ናይ ትካላት ተሽከርከርቲ ኣብ መፈተሺ ንቝጣታት ደው ብምባል ክእክብን ጀሚሩ ምህላዉ ተፈሊጡ።

Prisonብ 10 መጋቢት ኣብ ኣስመራ ኣብ ሓደ ቤትማእሰርቲ ሓደ እሱር ካብ ዋርድያ ብረት መንዚዑ ብዝፈነዎ ኣድራጋ ቶኽሲ: ነቲ ተረኛ ዝነበረ ዋርድያ፡ ካልኦት 3 እሱራት፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ንነብሱ፡ ብድምር 5 ትንፋስ ከምዘሕለፈ ምንጭታት ሓቢሮም።

መብዛሕትኦም ኣብ ከረን ዝዓዩ ዝነበሩ ልዕሊ 20 መማህራን ኣብ ባርካ ሂምቦል ኣብ ዝብሃል ቦታ ሓደ መሰጋገሪ ተመሲሉ ዝተዋስአ መጋበርያ ኣብ ኢድ ህግደፍ ከምዝውዕሉ ድሕሪ ምግባሩ፡ ንሱዳን ክትከዱ ሓሲብኩም ብዝብል ክሲ ኣብ ዓዲ ኣቤቶ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ምንጭታት ይሕብሩ።

isaiasሰራዊት ኣመሪካን ኔቶን ነቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘሎ ኩነታት ንምቑጽጻር ኣብ ዝንቀሳቐሰሉ ዘሎ እዋን፡ ቀጻልነት ስልጣኑ ኣብ ኣስጋኢ ደረጃ ምብጽሑ ዝተራእዮ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ሻቕሎቱ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ዓሪጉ፡ “ስልጣን ብሰላም ክለቅቕ” ይማታእ ከምዘሎ ምንጭታት ኣሰና ሓቢሮም።

ነጋዳይ ኣልኣሚን መሓመድ ዓሊ (ወዲ ገረወይና) ካብ ዝሓለፈ ቕንያት ጀሚሩ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ከምዝርከብ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ምረት መነባብሮ ህዝቢ ኣብ ዝኸፍአ ደረጃ ወረዱ ከቢድ ሓደጋ ወዲቑዎ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ መሳጊድን ኣብያተ ክርስትያናትን ክምህለል ይውዕል ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ይሕብሩ።

ስርዓት ህግደፍ፡ ጠንቁ ብዘይተነጸረ ምኽንያት ኣብ ኣስመራ ዝመደበሮም ብዙሓት ነጋዶ ኣሲሩ ምህላዉ ምንጭታት ይሕብሩ።