22 Mar 2011 !! መንግስቲ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ልክዕ ከም’ቲ ዕቡድ ዓርኩ ቓዛፊ ብፍርሒ ስለዝወሓጡን ዝረግጹዎን ዝዛረቡዎን ኣይፈልጡን: ወግዓዊ ብዘይኮነ ንህዝቢ ንምድንጋር መዓልታዊ ንርእዮ ዘለና’ዩ፡፡ ንሚኒስትሪ ምክልኻል ቀጠልያ መብራህቲ ወሊዑሎም ልቢ ዘለዎ ኩሉ ሓኒኹ: ንክብርን መሰል እምነትን ካህናትን ደናግልን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስታያን ዝግህስ ሓድሽ ወተሃደራዊ ትእዛዝ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣመሓላሊፉ።
ን30 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት ግብጺ ሑስኒ ሙባረክ፡ በቲ ንዝሓለፉ ክልተ መዓልታት ተጓሃሂሩ ሎሚ ዓርቢ 28 ጥሪ ናብ ጥርዙ ዝበጽሐ ህዝባዊ ናዕቢ መንግስቱ ክብትን ተገዲዱ።
መንግስቲ ሆንግ ኮንግ ነቲ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዘጽንዖ፡ ቀረብን ምስግጋርን ኣጽዋር፡ ምድስካል ኣብ ባንካትታት ዝርከብ ገንዘብ ናይቲ ስርዓትን፡ ምቕያድ ምንቅሳት ሰበስልጣንን ዘጠቓለለ እገዳ ባይቶ ጸጥጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ስራሕ ዘውዕል ኣዋጅ ከምዘውጽአ news.gov.hk ዝተባህለ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ናይታ ሃገር ኣፍሊጡ።
ኣዛዚ ሰራዊት ሶማሊላንድ ጀነራል ኤልሚ ሮቢለህ ፉሩር፡ ንጋዜጠኛትት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ምዕላሞም ኣብ ገማግም ባሕሪ ሶማሊላንድ ብምዕራፍ ናብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ክኣትዉ ንዝፈተኑ ኣስታት 300 ኣባላት ተቓወሚ ምንቅስቓስ ኢትዮጵያ፡ ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ኣብ ከበባ ብምእታው ከምዝሃደኑዎም ገሊጹ፡
ደጊም ‘ሲ፡ ኤርትራውያን፡ መንግስቲ ወይ ስርዓት ከምዘይብልና ኣረጋጊጽና ኣለና። ኣብ ሓንቲ ሃገር ከምዚ ዝኣመሰለ ባዶሽ ናይ ስርዓት ኣብ ዝህልወሉ ግዜ ብዕቱብ ክምለሽ ዘለዎ ዓቢ ሕቶ ‘ምብኣር፡ “ንሕና ከም ሕብረተሰብን ከም ህዝብን ከ ኣለና ዶ?” ዝብል ‘ዩ።
ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ ዝኾኑ ኤርትራውያን፡ ንመሰጋገሪ መንግስቲ ሶማል ዝቃወሙ ሶማላውያን፡ ከምኡ ‘ውን ኣባላት ቅንጅትን ግንባር ሓርነት ኡጋዴንን ዝርከቡዎም ሰልፈኛታት ነቲ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ዝበየኖ እገዳ ብምቅዋም ብ22 ለካቲት ኣብ ጀኔቫ ስዊዘርላንድ ተሰሊፎም ውዒሎም።
ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ትማሊ ሰንበት ዕለት 15/02/2010 ኣብ ናይ ኢትዮጵያውያን ፓል-ታልክ ሩም Ethiopian review.com on line ብኤልያስ ክፍለተመሪሑ፡ ተቓወምቲ ኢትዮጵያውያን ደገፍትን ወከልትን መንግስቲ ኤርትራ ከም ዶክተር በርሀ ሃብተጊዮርጊስን ካልኦትን ዝተሳተፍዎ ፓል-ታልክ ልዕሊ 200 ሰባት ሰሚዕዎ።




ኣርባዕተ ዓበይቲ ጋዜጣታት ሽወደን ብምውህሃድ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ካብ 2001 ኣትሒዙ ኣብ ምስጢራዊ ቤትማእሰርቲ ዳጕኑዎ ዘሎ ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ንጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ክፈትሖ ብምጽዋዕ ሰፊሕ ጎዘመተ ጀሚረን።
መንግስቲ ኤርትራ ካብ ምስሪ ብግዴታ ንዝተመልሱ 740 ኤርትራውያን “ጽቡቕ ገይረ ተቐቢለዮም፡ ተሓጕሶም፡ ኣመስጊኖምኒ” እናበለ፡ የውሪ ‘ኳ እንተሎ፡ ንሓያለ ተጋደልትን ታሕተዎት ሓልፍቲ ሰራዊት ነበርን ንበይኖም ፈልዩ ኣሲሩዎም ከምዘሎ ካብ ኤርትራ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝመጽእ ሰሙን (ፋልማይ ሰሙን) ናይ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ወራር ከካይድ እዩ’ ዝብል ሓበሬታ ካብ ትላላት ስለያን ግለሰባትን ሓበሬታ ከምዘሎ፡
መንግስቲ ኤርትራ ምስቲ ብ13 ጥቅምቲ ንኮለኔል ስምኦን ገብረድንል ንምቕታል ዝተኻየደ ፈተነ ቅትለት ብዝተኣሳሰረ ምኽንያት ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ሰባት ከምዝኣሰረ ምእማኑ ሮይተርስ ካብ ኣሰመራ ኣብ ዘመሓላለፎ ጸብጻብ ሓቢሩ።
ናይ ባይቶ ኣመሪካ (ሰነት) ኮሚተ ወጻኢ ዝምድናታት ጸብጻብ፡ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ብኣመሪካን መንግስቲ ሲሪላንካን ከም ‘ግብረሽበራዊ ውድብ’ ዝጥቀስ ‘ታሚል ታይገርስ’ ቀጥታዊ ወተሃደርዊ ሓገዝ ይገብር ከምዝነበረ ከምዘቃለዐ ኤሽያን ትሪቡን ዝተህለ መርበብ ሓበሬታ ይገልጽ።
መንግስቲ ኣመሪካ፡ ከም መርኣያ ናይቲ እናኣንቆልቆለ ዝኸይድ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናኡ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ካሊፎርንያ ዝነበረ ቆንስላዊ ቤትጽሕፈት ኤርትራ ክዕጾ ከምዝኣዘዘ ቢቢሲ ሓቢሩ።
መንግስቲ ኤርትራ ንእገዳ ኣጽዋር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምጥሓስ ንተቓወምቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማል ኣጽዋር ምቕባል ከምዝቐጸለ ብባይቶ ጸጥታ ነቲ እገዳ ክከታተል ዝተመዘዘ ጉጅለ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ኣፍሊጡ።
መንግስቲ ኤርትራ ንብጹእ ወ ቅዱስ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ፡ ኣቦና ኣንጠንዮስ ንዝገብረሎም ዘሎ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ዝዅንን ናይ ጸሎት ስነስርዓት ኣብ ለንደን ከምዝተኻየደ ቢቢሲ ኣብ ሰስፈሮ ዓንቀጽ ሓቢሩ።
“ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ፡ ነቲ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ብኣህጉራዊ ኮምሽን ዶባት ዝተወሰነ ብይን “ ብዘይ ቅድመ ኩነት ተቐቢልናዮ ኣለና” ከምዝበለ ኣሾሸይትድ ፕረስ ዘመሓላለፎ ጸብጻብ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነጺጉዎ።
ቀዳማይ ሚኒስተር መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማል ዓሊ መሓመድ ገዲ ምሕዝነት ተቓወምቲ ሶማልን እትዮጵያን ኣብ ኤርትራ ይቐውም ከምዘሎ ሎሚ (09 ሰነ) ብድምጺ ኣመሪካ (VOA) ንዝተመሓላለፈ ሓበሬታ ከምዘረጋገጾ መርበብ ሓበሬታ ድምጺ ኣመሪካ ኣገንዚቡ ።