ብተስፋይ ተኽለ
ህዝቢ ኤርትራ ንኽልቲኡ ቅዱስ ዝኾነ ሃይማኖታት ክርስትና ኮነ ምስልምና፣ ካብቶም ቀዳሞት ዝተቐበሉዎ አህዛብ ሐደ ኢዩ። ክልቲኡ ቅዱስ ዝኾነ ሃይማኖታትና ከአ አብ ማሕበራዊ መነባብሮና ኮነ አብ መዓልታዊ ጉዕዞና፣ ከም ህዝቢ ጸገም ፈጢሩልና አይፈልጥን ኢዩ። ክልቲኡ ሃይማኖታት ብሐቀኛን መሰረታዊ መግለጺኡ ንፍቕርን ሰላምን ሕውነትን’ምበር፣ ንጽልኢን ጎነጽን ባእሲን ከቶ አየስተምህርን ኢዩ።