Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

kekia

ሰማንያታት ዝዕድሚኦም ፍሉጣት ሽማግለ ኣቦታት ሓሰን ኬክያን ዓብዱ ዮኑስን ትማሊ ቐዳም 13 ሰነ ብህግደፍ ካብ ኣባይቶም ተለቒሞም ከምዝተኣስሩ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

HagosKishaYemane

መንግስቲ ኣመሪካ፡ ቀንዲ ኣገልገልቲ ዲክታተርያዊ ስርዓት ህግደፍ ብምዃን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣደዳ ስቓይን ዓመጽን ኣብ ልዕሊ ምግባር፡ ጸረ ረብሓታት ኣመሪካ ብንጥፈት ንዝስርሑ ዘለዉ ኣመሪካዊ ዜግነት ንዝነበሮም ሸሞንተ ላዕለዎት ሰበስልጣን ህግደፍ ኣመሪካዊ ዜግነቶም ከምዝሓኸኾ ናይ ቀረባ ኣፍልጦ ዘለዎም ዲፕሎማስያዊ ምንጭታት ንኣሰና ሓቢሮም።

 

ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሳምንቲ ጀሚሩ ንህዝቢ ዓዲ ገብራይ፡ ቆልዓ ሰበይቲ ከይተፍረፈ ብጅምላ፡  ኣብ ከባቢ ጋሕቴላይ ኣብ ኣጻምእ ኣብ ዝተደኮነ ማሕዩር ዳጕኑዎ ከምዘሎ ምንጭታት ኣፍሊጦም።

atlantaኣብ ስደት ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ፡ ን24 ግንቦት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ብልዑል ሃገራዊ ወንን ናይ ቃልሲ መንፈስን ከምዝጸምበላ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝበጽሑና ጸብጻባት ኣመልኪቶም። ናይ ሎሚ ዘበን ጽምብል ናጽነት ካብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝፍለየሉ ምኽንያት፡ ነቲ ንህግደፍ ከም ኤርትራ፡ ንመዓልቲ ናጽነት ከኣ ከም ድግስ ህግደፍን ደገፍቱን ጥራይ ዝጽምብል ፈላላዪ ዳሳት ህግደፍ ብምብዳህ፡ ተቓወምቲ ውድባት፡ ሲቪካውያን ማሕበራትን ግዱሳት ሃገራውያንን ናይ ገዛእ ርእሶም ዳሳት-ነጻነት ብምትካል ነቲ ብመሪር ተጋድሎ ዝተረኽበ ናጽነት ኤርትራ ብውዕዉዕ መንፈስ ምጽንባሎም እዩ።

Cab  Cab 2

ብሃንደበታዊ ጻውዒት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብህጹጽ ዝተጋበአ፡ ካቢኔ ሚኒስተራት፡ ኣመሓደርቲ ዞባታትን ኣዘዝቲ ስሪሒታትን ዝተሳተፉዎ፡ ‘ስሉሳዊ ኣኼባ’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣኼባ መራሕቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ከምቲ ተመዲቡዎ ዝነበረ፡ ንኻልኣይ መዓልቲ ‘ኳ ከይቀጸለ፡ ስምምዕ ተሳኢኑዎ ፍረ-ኣልቦ ኮይኑ ከምዝተዛዘመ ምንጭታትና ኣፍሊጦም።

fiatከም ውጽኢት ናይዚ ስጉምቲ ‘ዚ፡ እቲ ስርዓት ሰራዊት ኣዋፊሩ ንኹለን ናይ ዘይመንግስታውያን ማሕበራት፡ ማለት ኮድ 4 ናእሽቱን ዓበይትን መካይን ድሮ ኣኪቡወን ከምዘሎ እቲ ሓበሬታ የረድእ። ካብዚ ቐጺሉ ነተን ብኮድ 3 ዝንቀሳቐሳ፡ ናይ ትካላት ተሽከርከርቲ ኣብ መፈተሺ ንቝጣታት ደው ብምባል ክእክብን ጀሚሩ ምህላዉ ተፈሊጡ።

Prisonብ 10 መጋቢት ኣብ ኣስመራ ኣብ ሓደ ቤትማእሰርቲ ሓደ እሱር ካብ ዋርድያ ብረት መንዚዑ ብዝፈነዎ ኣድራጋ ቶኽሲ: ነቲ ተረኛ ዝነበረ ዋርድያ፡ ካልኦት 3 እሱራት፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ንነብሱ፡ ብድምር 5 ትንፋስ ከምዘሕለፈ ምንጭታት ሓቢሮም።

መብዛሕትኦም ኣብ ከረን ዝዓዩ ዝነበሩ ልዕሊ 20 መማህራን ኣብ ባርካ ሂምቦል ኣብ ዝብሃል ቦታ ሓደ መሰጋገሪ ተመሲሉ ዝተዋስአ መጋበርያ ኣብ ኢድ ህግደፍ ከምዝውዕሉ ድሕሪ ምግባሩ፡ ንሱዳን ክትከዱ ሓሲብኩም ብዝብል ክሲ ኣብ ዓዲ ኣቤቶ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ምንጭታት ይሕብሩ።

ስርዓት ህግደፍ፡ “ክትሃድሙ ተረኺብኩም” ብዝብል ምኽንያት ኣብ ቤትማእሰርቲ ዓዲዃላ (ካርሸሊ) ኣሲሩዎም ንዝቐነየ ሰለስተ ተማሃሮ/መንእሰያት ካብቲ ቤትማእሰርቲ ናብ ጎልጎል ኣውጺኡ ብኡንብኡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ከምዝረሸኖም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንመርበብ ሓበሬታ ኣሰና ሓቢሮም።

 ፕረዚደንት ኢሳይያስ 16 ኣምባሳዶራት ካብ ስርሖም ክድስክሉ ትእዛዝ ከም ዘመሓላለፈን እቲ ጉዳይ ኣብ ውሽጢ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዓቢ ምፍሕፋሕ ፈጢሩ ከምዘሎን ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።  እቶም ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናብ ኣስመራ ድሕሪ ምጽውዖም ብ20 ለካቲት ኢሳይያስ ናይ መዛዘሚ ኣኼባ ዘካየደሎም ኣምባሳደራት፡ ኣብቲ ኣኼባ በዳህቲ ሕቶታት ከምዘቕረቡሉ ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፉ ምንጭታት ኣፍሊጦም።

isaiasሰራዊት ኣመሪካን ኔቶን ነቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘሎ ኩነታት ንምቑጽጻር ኣብ ዝንቀሳቐሰሉ ዘሎ እዋን፡ ቀጻልነት ስልጣኑ ኣብ ኣስጋኢ ደረጃ ምብጽሑ ዝተራእዮ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ሻቕሎቱ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ዓሪጉ፡ “ስልጣን ብሰላም ክለቅቕ” ይማታእ ከምዘሎ ምንጭታት ኣሰና ሓቢሮም።

ነጋዳይ ኣልኣሚን መሓመድ ዓሊ (ወዲ ገረወይና) ካብ ዝሓለፈ ቕንያት ጀሚሩ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ከምዝርከብ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

መንግስቲ ሱዳን፡ ካብ ሓሙስ 12/07 ኣትሒዙ ኣብ ካርቱም መጠነ ሰፊሕ ግፋ ኤርትራውያን ስደተኛታት የካይድ ከምዘሎ ምንጭታትና ካብ ካርቱም ሓቢሮም።