Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Renaissance / ትንሳኤ

ኣብ ቤት ት/ቲ ጎዳይፍ ሻብዓይ ክፍሊ እናተመሃርና ኢዩ፡ መምህር ተስፋይ ናይ ታሪኽ ፍልጠቱ ንተመሃሮኡ ከሕልፍ ብዝነበሮ ልዑ ል ተገዳስነት፡ ንዘመነ-እምኒ፡ ማዕከላይ መዋእልን ካልእን ኣስተምሂሩ ኣብዛ ተጠቒሳ ዘላ ኣርእስቲ ምስ በጽሐ፡ ብሓጺር ኣገላልጻ “R enaissance means

ኣብ ቤት ት/ቲ ጎዳይፍ ሻብዓይ ክፍሊ እናተመሃርና ኢዩ፡ መምህር ተስፋይ ናይ ታሪኽ ፍልጠቱ ንተመሃሮኡ ከሕልፍ ብዝነበሮ ልዑ ል ተገዳስነት፡ ንዘመነ-እምኒ፡ ማዕከላይ መዋእልን ካልእን ኣስተምሂሩ ኣብዛ ተጠቒሳ ዘላ ኣርእስቲ ምስ በጽሐ፡ ብሓጺር ኣገላልጻ “R enaissance means to born again“፡ ረነይሰንስ ማለት ዳገማይ ምውላድ ማለት ኢዩ“ ምስበለ ኩላህና ከምዝተረዳኣና ይዝከረኒ። ምስጋና ነቲ ናይሽዑ ጻዕሪ መማህራን! እንተኾነስ ኣረዳድኣና ኣይከም ናይ ጸጋይን። መንግስ ኣብራሃ ድማ ኣብክንደይ‘ታ ቁንጽብናኡ ክዋዘ ጉድ ኢዩ ዝነበረ። ኣቐዲሙ ንጸጋይ በቲ ድሮ ዝተመሃርናዮ “ Pagan “ፓጋን ክብል ስለዝሰየሞ ጸጋይ ድማ ኣዝዩ ዝጸለመ፡ ንፉዕን ጥዑምን ነበሮ‘ሞ ኩላህና ፓጋን ክንብሎ እንከለና ሽዑ ብዘይካ ሰሓቕ ክፍኣት ኣይነበረን። ጸጋይ ፓጋን ንዳግማይ ምውላድ ብኣንክሮ ክጽበያ እንከሎ፡ መንግስ ከኣ “ነዛ ውቃበ‘ዚኣ ሒዝካ ዳግማይ ካብትውለድ ትትረፍካ“ ክብሎ እንከሎ ኩሎም ይራአዩኒ። በዓል ኣርኣያ፡ ማህደረ፡ ወዲየሴፍን ካሎኦትን በቲሓደ፡ በቲካልእ ድማ ድሮ ፖለቲካ ተጀሚራ ስለዝነበረት ናይ እኒ እስቲፋኖስ /ሓ ማ/ን ካልእን ይዝከረኒ። ዝበዝሑ ደቂ ክላስና ተጋዲሎምን ውሑዳት ከምእኒ ኣርኣያ ብሂወት እንተዘይሃልዮም ኣብ ሰውራ ሓሊፎም ኢዮም። ኣነግና ምስ‘ዛ ወግዖም ተሪፈ የዘንትዎልኩም እነኹ።

ምስ ዳግመ-ትውልዲ ቃልሲ፡ ምስ ሓደስቲ ተቓለስቲ ኣብ ሓድሽ ዓውዲ ቃልሲ ምህላውሲ እንታይኮን ይጥዕም?

ዝጠዓመ ይጥዓም፡ እንተቃልሲ ግን መንእሰይ ኤርትራ ሃገሩ ከውሕስ ቆሪጹ ብምትንሳኡ እንሆ ባግባግ ኢሉ። ባልባል ኣብውሽጢ፡ ባልባል ኣብ ወጻኢ። ብገዳይምን ተካእቲ መንእሰያትን። ከምዚ ዓይነት ናህሪ‘ዃ ኣይተራእየን። ጉድድድድድድድ!!

ብዙሕ ግዜ ዘይድለ‘ዃ ይኹን‘ምበር ግን ንተመኩሮ ከምዝጥቀስ መጠን ይዝክረኒ መንእሰይና ጸገሙ ከይተጋህደ እንከሎ፡ ብጸለመ ህግደፋውያን ናይሎሚ መንእሰይ ብዘይካ ሃዳምነት፡ ብዘይካ ኣውያት ሓንቲ ከምዘየማዕሪ ስንዳው ፈታሕ ስረኡ ኮይኑ ኣብዝተናኣኣ ሰሉ እዋን ኣነ ካአ ብውልቀይ ንመንእሰይ ብዝጥዕም መገዲ /ብጋህድን ብስዉርን/ መንእሰይ ዓለሙ ክፈጥር ከምዘለዎ ተማሕጺነ።  ንኣብነት ብ30-08-2011. “ኣገናዕ መንእሰያት ሊድስ“ ብዝብል፡ ከምኡ ድማ ብዕለት 31-10-2011. “ናይ ለውጢ ግዜ ብነብሱ ኣኺሉ ኢዩ“ ብዝብል ዘቕረብኩዎ ጽሑፋት ምጥቃስ ኣኻሊ ኢዩ። ከምውጽኢቱ ብሓፈሻ ነዚ ተበጺሑ ዘሎ መድረኽ፡ ብፍላይ ድማ ነዚ ብኣጋጣሚ ናይ ሎሚ ዓመት ዝኽሪ ናጽነት ኣብ ዋሽንግቶን ክዕዘብ ብምብቃዐይ ከኣ ኣዝየ ዕድለኛ ኢየ። ንነብሰይ‘ውን ከምቲ “ትኣ ምኖ ልኢኽካስ እንታይ ተሪፍኒ ኣይትበል“ ኢለ ዘቕረብኩዎ ጽሑፍ፡ ነብሰይ ደቃ ልኢኻ ከምዘስተርሃወት ገይረ ኢየ ዝወስዳ።

ኣኼባኹም እንታይ ይመስል ነይሩ?

ብቐዳምነት እንዃዕ ኣምላኽ ምስቲ ውጻእ መዓት ኣቦ ገዲም ተጋዳላይ ተስፋይ ተምኖ ኣራኣኣየኩም።ንስኻትኩም ብኣካል ርኢኹሞ፡ ኣነ‘ውን ከም ግዳይ መጠን ኣብታ ባዕሉ ምስ ጻጸ-ጽንጽያ ከምዝተመሓዘወላ ዝጠቐሳ ሸላ ምስ ሕፍሶ ቁማለ-በላዕተኛይ እንከለኹ መራኽብቲ ጸገመይ ስለዝነበረ፡ እንታይ ኢልና ከምነዕልል ድኣ እንድዕሉ‘ምበር ከምዛናትኩም ብኣካል ከራኽበና እልምኖ ንኣምላኽ!!

ብዝተረፈ ተስፋይ ሰናይ ትምኒቱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብጭቡጥተመኩሮኡዘጥረዮትልሚመገዲቃልሲ ኣብሪሁ። ከምኡ ድማ ኣብ ቲ ኣኼባ ውፉያት፡ ገለ ተቓለስቲ ንእግረ-መገድኹም ሓሳብ ንሓሳብ ኣጋጭኹም ብምርሳኑ ሓደ ካብ ገዳይም ተቓለስቲ /ኣማኑኤል/ ብዓንተቦኡ መንእሰይ፡ መንእሰይ ኽኸውን ከምዘለዎ ከምዝተማሕጸነ መጠን ሽዑ‘ውን ኣብኣኼባ መዳፍዕ ቃላት ዘኒቡ ኢሂን ምሂን ከምዝፈጥር ብምእማን ብትብዓት ኤርትራዊ መንእሰይ ዝያዳ ክውፈ ኣድሚቑ  ክሳብ ንዓወት ኣብዘላቶ ኬድና ክንደልያ ኣስሚሩሉ።

መቸም ንስኹም‘ዃ እንተዘይራአኹሙኒ ኣነ ግን ኣመል ግዲ ኮይንኒስ ምሳኻትኩም ከኣ ነበርኩ። ብሓቂ ድማ ኩሉ ደስ ኢልኒ ደስ ይበልኩም። ናይ ለውጢ ግዜ ብነብሱ ከምዝኣኸለ‘ውን ልዕሊኡ ምስክርነት የለን። እንተኾነስ ከምዚ ድማ ንዓይ ተራእይኒ።

ተጋደልቲ እንከለና ነታ ጠርኒፋትና ትምርሽ ዝነበረት  ሰውራ እትገልጽ መርከብና እትብል ደርፊ ነይራትና። “ዘይጠፍእ ሞተራ ንቕ ድሚት ተወርዋሪት፡ ትጓዓዝ ኣላ ለይቲ ምስቀትሪ“ ኢያ ትብል ዝነበረት። መራሕቲ መርከብና ብጉቡእ ከምዝመርሑዋ ታኣማሚን ና ኣብኣ ኩላህና ደይብና ነበርና። ድሕሪ ናጽነት መርከብና ናበይ ገጾም ጠማዘዙዋ? ኣማስያኣኸ ብሰላማ ክትዕሸግ ክኢላዶ ዋላስ ኣብ ትጽ ቢት ኢያ ዘላ? ኩሉ ካብዘይኮነኸ ንምዃኑ ኣላዶ ዋላስ ማዕበል ገፊዑ ምስ ኣኻውሕ ኣራጺሙ ደራቝስዋ ጠሓለት?……..ወይ ምስ‘ዞ ም መራሕቲ‘ዚኦም ክሳብሎሚ ብሂወት ምህላዉ ክብርትዕ!!

ናይ ትማሊ ታሪኽ ነዚ ይመስል ነይሩ። ነዚ ሕቶታት ጭቡጥ መልሲ ዘለዎም መንእሰያት ካብሕጁ ኣብጉዳይ መሪሕነት ናይዛ ተበጊሳ ዘላ መርከቦም እንተተጋጨዉ ቅንጣብ ኣይኣበሱን። ንሱ‘ሞ መልክዑ ከይሰሓተ፡ ኣብ ሓቀኛ ሃገራውነት ዝተነጽፈ እንተኾይኑ መሰረት ብዙሕነትን ዲሞክራሲያውነት ብምዃኑ ኣይጽላእን ኢዩ።

ሓደ ነብሱ ኣብዝኾነ ፖለቲካዊ ውዳበ ከምዘየእተዋ ዝጠቐሰ ተሳታፊ፡ እታ ዝተበገሰት መርከብ መንእሰያት ናይ ኣየኖትጉጅለ ዃና ጠፊኣቶ ክሓትት ተሰሚዑ። ብቐዳምነት ንዘይስቀላ ንምንታይ ሓቲትላ ኢልኩም ከይትጓንይዎ ሓደራኹም። እታ መርከብ ናይ ኩሎ ም ብሃገሮም ድቃስ ዝሳአኑ ኤርትራውያን መንእሰያት ምዃና ግለጽሉ። ብተወሳኺ ናይቶም ጉርሒ ዘሽካዕልለሎም ፈተውቲ ነብሶምን ዕሩባት ሕልናን ከምዘይምዃና ግለጽሉ። ጸኒሑ ድማ ንባዕሉ ኣብታ መርከብ ብዘየስቀሎ ጉዳይ ወይ ካልእ ነገሩ ከጣዕሶ ኢዩ።

ነገር ጎረቤትና ሃገር ንርእሱ በጨቕ በለ። ኣብዚኣ‘ሞ ዋጋ ዕዳጋ ስለዘይግባእ ካብ ጭቡጥ ንበገስ። ንምንታይ ኢዩ ገንዘብ /ካፒታል/ናብ ሓደ ነገር ዝፈስስ“? ኢልና ንጀምር። ገንዘብ  እንተወፊሩ ምኢቲን ልዕሊኡን ካብ ምኢቲ ዕዉት ክኸውን ድማ ትጽቢት ኣውፋሪ ክህ ሉ ባህሪ ወፍሪ ኢዩ። በዚ ሕጊ ወፍሪ ንሰማማዕ እንተኰንና ኢቲዮጲያዊያን ናብ ኤርትራን ህዝባን ብዘዋፍርዎ ኩሉ ዓይነት ወፍሪ 100% መኽሰብ እናተጸበዩ ክሳብ 60-70% ክዕወቱ እንተኽኢሎም ንዓና 30-40-% ጥራይ ኢየን ዝተርፋና‘ሞ ጠፊእና በሉና።

ንነገሩ ንሕና ግዲ መን ኢና? ንሕና‘ኮ እቶም ‘ኣይንግዛእን‘ ኢልና ንብኢቲዮጲያኣ እሾኽን ተኾርባን ዝዘራእናላ “ተነጸልቲ“ ኢና። ኦሞ ኣብምንትምንታይ ድኣ ክሳብክንድኡ ተደናጊጾም ብዘይጸቕጢ ክንንቀሳቐስ ክፈቕዱልና? ጽባሕከ እንታይ ክንፈድዮም ክጽበዩ? ከም ኡ ዓይነት ፖለቲካኸ ኣበየናይ ዓለም ተራእዩ ይፈልጥ? ነዚ ፖለቲካዊ ክዉንነት ጐሲኻ ብመበቆልዶ ጉርብትና እናኣመኽነኻ ተገም ጢልካ በታ ሃገር ከተቑጨምጭም፡ ያኢ ብጸጋኣን ምሕደራኣን ኣፍካ ማይ ክመልእ ከተመላኽዓ ክትብል ነብስኻ ምድቓቕን መንነት ካ ምስሓትን ይርአ ስለዘሎ ኢዩ ወዮ ‘‘ጋዜጠኛ‘፡‘ ኤርትራዊ ኣብዝኸደ ከይዱ ንሱ ክመስል ዝመዓደ። እምበር ኢቲዮጲያዊያን ከምኡ ምሕሳቦምን ገንዘብ ምፍሳሶምንሲ ምንም ኣይተጋገዩን። ድሓር ከኣ ኩሉ ዓይነት ጸቕጢ ብፍላይ ናይ ህግደፍ ከምዘለዎም ራዲዮ ወ ጋሕታ ሳሊና ትመስክር። ንሳቶም ኩሉ ግዜ ኣብቃራና ከምዘለዉ ኣይትዘንግዑ‘ሞ ኪኖ‘ዚ ዘሎ ዲፕሎማሲ ዝጥምት ፖለቲካ ክትው ንኑ ኣለኩም።

መወዳእታኡ ተስፋይ ተምኖ‘ውን ከም ኩሉ ወላዲ መንፈሳውን ንዋታውን ነገራት ክትዓጥቁ ክምሕጸን ተሰሚዑ። ልክዕ ኢዩ ኣብዚ ሎሚ እዋን ስክፍታ ንቡር ኮይኑስ፡ ኣነ‘ዃ ከምኩሉ ተቃላሲ ብዓቕመይ ንዕጥቂ መንእሰያት ብዝምልከት ከም “መንእሰያትን መድረ ኽ ጃላነትን፡ ከም ናይባህሪ ለውጢን ወዘተን ዝኣመሰለ ሓያለይ ተኸታታሊ ጽሑፍ ኣቕሪበ ነይረ። ልክዕ ኢዩ‘ውን ክሳብ ዝደልወካ ገሌኻስ ናብ ዓውደ-ውግእ ከይተረፈ ጃለ ኮንካ ይውፈር ኢዩ። ሽዑ ዕጥቂ በየን ከምትርከብ ምብልሓት ይካአል። ሓገዝ ምጽባይ ዘ ይተርፍ‘ዃ እንተኾነ ንጸላኢ ብጥይቱ ብብረቱ ኢልካ ምጭራሕ ድማ ኣብርእሲ ዝፈጥሮ ፍቕርን ነብሰ-እምነትን ኣሳልጦ ከኣ ኣለዎ። ብቐዳምነት ግን ጸላእትኻ  ምፍላጥ ንዓወትን ኣሳላጦኡን ወፍሪ ወሳኒ ኢዩ።

ኣብዛ ግዜ‘ዚኣ “ጸላኢና መን ኢዩ“? ትብል ሕቶ ወሳኒት ኢያ። ኣብዛ ግዜ‘ዚኣ ብዛዕባ ቅንዕና ህግደፍ ክጣበቕ ዝፍትን ብዘይጥርጥር ንሱ/ንሳ/ ደመኛ ሃገርናን ህዝባን ምዃኑ ምንም ዘጠራጥር የለን‘ሞ ከምቲ ሕዩር ሚ/ር ሃይለ ዝበሎ ሕሳብና ንግበር!!

ሕሳብና ክንገብር ድሕሪ ሕጂ ዝታለል መንእሰይ ክህልወና የብሉን። ሎሚ መንእሰያትና ስምዒታዊ፡ ወገናዊ ወይ ኣዕናዊ ዘይኮነ ኣዝ ዩ ዘመናውን ስነ-ፍልጠታውን ኣኺሉ ዝተርፍ ሓበሬታን መሊኡ እንሀልኩም። ሎሚ ሳላ ሰውራ ኮምፒተር ኩሉ ነገር ኣብገገዛኹም ጠጣውላኹም ይመጸኩም ኣሎ። ንሕና ከምወለዲ ኩሉ ክንገብሮ ዝግባኣና ክንገብር ክንምዕድ፡ ንስኻትኩም ድማ ምስ ዓለም እናመ ረሽኩም ከተርክቡ ከተዛምዱ ክትመርጹ ኣለኩም። ሃገርና ብሰንኪ ከምኡ እንተኸሲራ ብሰንኪ‘ቲ መግቢ ቀሪብካሉ እንኮላይ ከተኾ ልሶ ዝጽበ ውሉድ እምበር ብሰንኪ ወላዲ ከምዘይምዃኑ ኣጸቢቑ ሓላፍነትኩም ክትስከሙ ዝድርኽ ህሞት በጺሕና ኣለና:፡ ብኾፍካ “ፍርቂዶ ርብዒ ናጽነት ኣምጽእኩም“ እናበልካ ታሪኽ ተጋድሎ ምድዋን ንርእሱ ልዕሊ‘ቲ ከዳዕ ህግደፍ ከወንጅል ይኽእል።

ዶክተር ኣሰፋው /ንሱ‘ውን ክሳብ ዓጋመ ወይ ገለ መነኣኣሲ ዘንጥቡሉ/ ኣብ ቃለ-መሕትቱ ኩሉ ወዲእዎ ኣሎ። ንሱ ክጠቅስ እንከሎ እዚ  ናይ ሎሚ ወለዶ ኣንጻር‘ቲ ናጽነት ዘምጽአ ሓይሊ ክዓጥቕ ከቢድ ምዃኑ ምግላጹ ሓቁ ኢዩ። ህግደፍ ድማ ናይ እንዳማቱ ታሪ ኽ ዘሚቱ ኢዩ ካባ ሃገርነት ተኸናኒቡ ዝጸንሐ። ዝጠፍአ እንተጠፍአ ምንም ዘይእንታዩ ብምዃኑ ድማ ብጉልባብ ሃገራዊ ናጽነትኣብ ውጹእ ዕንወት ሃገርን ህዝብን ተዋፊሩ። ከምሳዕቤኑ ቆፎ ናጽነት ንህቢ የብላ መዓር!! መንእሰይና እምባአር ሎሚ ኣሰር ህግደፍዶ ካ ልኦት መስሓትያን ዘርግጽ እንታይ ዘጋጊ ኣለኩም? ካብዘይሃለወስ በሉ ከምቲ ቀዳማይ ኣያኹም መንእሰይ ዓለምኩም ፍጠሩ።ንሱ‘ኮ ከምቲ ከማኹም ተማሂሩ ኣብ ደስ ዝበሎ ክነብር ይክእል ነይሩ።ቃሕታኡ ምግዳል ጥራይ ብምንባራ ምርጫኡ ገይሩ።ንስኻትምከ?

ከምሓቂ ናጽነት እርትራ መን ዘይበሃጋ። ከምቲ ኣሰፋው ዝበሎ /ኣነ‘ውን ኣብ ሓደ ጽሑፍ ከምዝጠቐስኩዎ/ ግደፍ ንሕና ሰብውራ ይስ ከምእኒ ዓብዱራሕማን ባቡ ዝኣመሰሉ ምሁራን ወጻእተኛታት ከይተረፉ ዝተጸበይዎ ለውጢ ተመሊሱ ነዴና ማይ ከምንወርደላ ጌርና ጉድ ኮይኑ። እሞ ተስፋይ እንተተላወበ፡ ወዲ መምህር እንተሓተተ፡ ደ/ር እንተመለሱ፡ ኣነን ከምዚከማይን እንተመላእና ደጋጊ ሙ ንምልኣተ-ትጽቢትና ኣስተዋጽኦ ምድራብ ጥራይ ዘይኮነ ብቀንዱ ንዝተቖጸየ ዓላማና ክንመልስ ዘለና መፍትሕ ኣፍደገና ንሱ‘ዩ። እዚ መፍትሕ‘ዚ ከኣ ንኣባላት ህ.ግምባር ነበር ጥራይ ኣይኮነን። ከምዚ ሎሚ ከይኮነ ህ.ግምባር ብሓቂ መፍትሕ ማዕጾ ናጽነትን ሓር ነትን ሃገር ብምንባራ። ብኸምኡ ኢዩ‘ውን “ሓርበኛ ኣይነብርን ታሪኹ ኢዩ ዝውረስ“ ዝተባህለ።

በሉ ከምታ “ደሊና“ ትብል ናይ ዶክተር ግጥሚ፡ ሕጂ ድማ ንሕና ኩሉ ደሊና። ልክዕ ከምታ ጸጋይ ፓጋን ዳግማይ ክውለድ ዝበሃ ጋ፡ ቃልስና ዳግማይ ክውለድ ደሊናስ ተወሊዱ ድማ። ግናኸ ከምታ ሓሳብ ናይ መንግስ ኣብራሃ ኣበር እንተኾይኑስ ብዘይብእኡ ምፍጣር ክተርፍ ኣይከኣልን። ተጠቀምቲ ናይቲ ‘ኣበር‘ ምዃን‘ኮ ድማ ዝያዳ ብልጸት ኢዩ።

ስለዚ መንእሰያት እንዃዕ ነዚ ክቡር ምትሕውዋስ ኣብቃዓና! መንእሰያትና ድማ ኩሉ ግዜ ኣብነብስኹም ስለትተኣማመኑ ነዚ እዋናዊ መኻልፍ ሰጊርኩም ግደፍ ነዛ ጥርቕሞዖ ሃገርናስ ንብዓለማ ከምትኾኑዋ ምንም ኣይንጠራጠርርርርርንንንንን።

የቐንየለይ፡

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!

ጎደፋ፡

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • hawileito June 3, 2013

    Thank you Mr Godfa that your article is tauching and an idea to grasp. I do understand the youth must follow the his elders to fulfill the national dream. EYSNS members have this common understading as the Debrezeiti conference portrait it.

    What I don’t understand is the elder and/or x-fighters can not believe us that we are mature enough to have national vision, goals etc. The history of our struggle might made us aggressive and responsive to any happenings like the DC conference. Our elders should understand us where come from and the pressure in our mind.

    I believe the elders and/or x-fighters have a lot to contribute but you should know the youth profoundly. Nezi menisey kibri habuwo, mikeruwo bhanaxi megedi. Hadera ayteferarhwo eta tefia zela eritra azia keytitefie. Hadera hadera hagerna kab birsetn tifatn nmdhan ekul temekro alena.

    Thank you

POST A COMMENT