Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ካብ ብዙሕ መደረ ውሑድ ስጉምቲ

መጋቢት 15, 2015 ካብ ብዙሕ መደረ ውሑድ ስጉምቲ ንልዕሊ ዕስራ ዓመታት፡ ብውልቀን ብጉጅለን፡ ብራድዮን ጋዜጣን ከምኡ’ውን ብኻልኦት መራኸቢ ብዙሓንን፡ ብዛዕባ ሜላ ስርዓት ኢሳያስ፡ መበቆልን ጠባያትን ካብ መጠን ንላዕሊ ተዘሪቡን ገና ይቅጽል ኣሎን። ንኣብነት ኢሳያስ ጽሩይ ኤርትራዊ መበቆል

መጋቢት 15, 2015

ካብ ብዙሕ መደረ ውሑድ ስጉምቲ

ንልዕሊ ዕስራ ዓመታት፡ ብውልቀን ብጉጅለን፡ ብራድዮን ጋዜጣን ከምኡ’ውን ብኻልኦት መራኸቢ ብዙሓንን፡ ብዛዕባ ሜላ ስርዓት ኢሳያስ፡ መበቆልን ጠባያትን ካብ መጠን ንላዕሊ ተዘሪቡን ገና ይቅጽል ኣሎን። ንኣብነት ኢሳያስ ጽሩይ ኤርትራዊ መበቆል ኣለዎ ድዩ? ናይ ብሓቂ ወላዲቱ መን’ያ? ኢሳያስ ክጋደል ድዩ ወጺኡ ወይስ ሰውራ ክስሊ? ኢሳያስ ንኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ስደት ኣስፊሩ ንኤርትራ ከጥፍኣ ሕልሚ ኣለዎ፡ ወይ ድማ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን መራሒ ክኸውን ሃረርታ ኣለዎ፡ ኢሳያስ ኣብ እንዳ ስዋ ኢዩ ዓብዩ፡ ኣብ ትምህርቲ ንፉዕ ኣይነበረን፥ እቲ ዝርዝር ብዙሕ’ዩ፡፡ ብርእይቶይ፡ ኢሳያስ  ህቡብን ብሕጊ ዝግዛእን መራሒ እንተዝኸወን ነይሩ፡ ከም መራሒ ተኣሚኑሉ ምስ መዝነቱ  ዝዛመድ  ገምጋማት ክግበረሉ ኣይምተጸልአን። ንዘሉ ሽግራትና መፍትሒ ኣብ ክንዲ ምንዳይ፡ ብዛዕባ ወለዶ ኢሳያስ ብተደጋጋሚ  ምልፍላፍ ፋይዳኡ እንታይ ኢዩ? ብርግጽ ድኽመትን ዘይምጥርናፍን ናትና፡ ንውልቀ መላኺ ኢሳያስ ዕድሚኡ ከናውሕን  ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ንዕቀትን ከሕድርን ክኢሉ ኢዩ። ኢሳያስ ሰብ ይቅተል፡ ይእሰርን የደስክልን፡ ንህዝብና ብሓለንጊ ጥሜት ይገረፎ፡ መንእሰያትና ዘርሚዘርሞ ይጥፍኡ፡ ብሕም ከምዘይንብልን ለሚስና ከምዘለናን ኣጸቢቑ ኣጽኒዑና’ዩ።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ክሳብ መኣስ ምፍልላይ፡ ሓድሕድ ምምንጫት፡ ብኢሳያስን ሰዓብቱን ክንርገጽን መጻኢ ህላወና ኣብ ሕቶ ምልክት ክኣቱን! ሃገር’ኮ ትጠፍእ ኢያ ዘላ። ንእኩይን ባርባራዊ ተግባራትን ኢሳያስ ዝምክት ሓይሊ ወይ ልቦና የድሊ’ሎ። ብዘየማትእ ጎዲሉና ዘሎ ሓደ ነገር’ዩ፡ መፍትሒ ምንዳይን ኣንጻር ስርዓት ኢሳያስ ስሙር ስጉምቲ ምውሳድን። ብወገነይ ንህሉው ሕማማትና መፍትሒ ዝብሎን ንዕድመ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ኢሳያስ ዘሕጽርን ዓሰርተ ነጥብታት ክልግስ። ሓሳባተይ፡ ቅድሚ ሎሚ ብፈላጣትን ለባማትን ኤርትራውያን ዝተባህለ ክኸውን ይኽእል፡ ምድጋሙ ግን  ኣይጽላአን ምኽንያቱ ንሱ’ዩ እቲ እንኮ ጎደና።  ካብ ኣንበብቲ ድማ፡ ሃናጺ ርእይቶ ወይ ካልእ ኣማራጺ ሓሳባት ክቀርብ ብሃራርታ እጽበ።

ሓደ፡ እቲ ኣውራን ወሳኒን ዕማም፡ ፖለቲካዊ ፍልልያትና ወንዚፍናን ናይ ሓባር ጸላኢና ኣለሊናን፡ ኣብ ሓደ ጽላል ምጥርናፍን ስሙር ግንባር ፈጢርካ ንስርዓት ኢሳያስ ምምካትን’ዩ። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ፡ ብምኽንያት ዝተራቐቐ ስለያዊ ትካል ስርዓት ኢሳያስን ፍርሕን ግሁድን ሓያልን ህዝባዊ ተቃውሞ ኣይሃሉ’ምበር ሓሓሊፉ በጨቅ ምባል ኣይተረፈን። መዓልቱ ሓልዩ ዝነቱግ ምንቅስቃስ ከምዝመጽእ ድማ ዘማትእ ኣይኮነን። ኣበየ ክፍለ-ዓለማትን ዝተፈላለየ ሃገራትን ዝተበታተነ ንስርዓት ኢሳያስ ዝቃወም ዘይጥርኑፍ ተቃውሞታት ኣሎ። እዚ ምንቅስቃሳት’ዚ መልክዕ ክሕዝን ንዕኡ እትመርሕ ግዝያዊት ኣካል ክትቀውምን።

ክልተ፡ መሰረታዊ ለውጢ ዝመጽእን ንስርዓት ኢሳያስ ዝብድህን፡ በቲ ኣብ ኤርትራ ጅሆ ተታሒዙ ዘሎን ብመዳርግቲ ኣልቦ  ሕሰም ዝሳቀ ዘሎ ሓፋሽ ህዝብን  ሰራዊትን ስለዝኾነ (ብቀንዱ ከኣ ብሰራዊት ኤርትራ)፡ ምስጢራውነት ሓልዩን ብዝለዓለ ተወዲቡን  ኣንጻር ኢሳያስ ቆራጽ ስጉምቲ ምውሳድ። ከይሞትካ ድማ ራህዋ የለን። ኣብ ዝለዓለ ወተሃደራዊ ጽፍሒ ዝርከቡ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራን ትካላት ጸጥታን ድማ መሪሕ ተራ ክጻወቱ ተስፋ ይንበረሎም። ብፍትወት ነብሲን ግዝያዊ ጥበራ ኢሳያስ ምትዕሽሻው ግን ልኡምነት ጥራይ ዘይኮነ ዘይትምሕር ሻሞጥ ኢሳያስ ከተርክበሎም ምዃና ክዝንግዑ የብሎምን። ካብ ከም በጊዕ ፋስጋ ብኣባላት ጸጥታ ስርዓት ኢሳያስ ተወጢጥካ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንብላሽ ምማት፡  ሞት ብሞቱ ታሪኽ ፈጽምካን ህይወትካ ንህዝብኻ  ምውፋይን ዘለኣለማዊ ክብሪ ኢዩ። ካብ ምስ ሓራዲ ምቁምጣዕ ድማ ነቲ ስርዓት ምርሕራሕ ይምረጽ።

ሰለስተ፡ ስርዓት ኢሳያስ ዘለዎ ወተሃደራዊ፡ ጸጥታውን ፖለቲካውን ብልጫታትን ሓይልን ኣብ ግምት ብምእታውን ዘሎ ህዝባዊ ተቃውሞ ንዕኡ ዘይዳረግ ምዃኑ ብምእማንን፡ ስርዓት ኢሳያስ ብኸመይ ካብ ሰልጣኑ ይውረድ ምፍላጥ ኣዝዩ ወሳኒ’ዩ። ብዝተኻእለ መጠን ኩሉ’ቲ ህይወት ዝበልዕ፡ ንብረት ዘዕኑን ሓድነትና ዘላሕልሕን ኣገባብ ቃልሲ ከነወግድ ኣሎና። ኣብ ጎቦታት ሳሕል፡ ኣብ ጎላጉል ጋሽ ባርካ፡ ኣጻምእ ቀይሕ ባሕርን ዶባት ኤርትራን እንተ ተገዲዶም ወይ ተታሊሎም  ብረት ተሰኪሞም ዘለዉ ኣሕዋትናን ኣቦታትናን ድብያ ብምክያድ ምቅታል ዓወት ኣይኮነን፡፡ ሰለማውያን ሰባት ዝጸዓነት ማኪና ምብራዕን ምዕናውን ንስርዓት ኢሳያስ’ውን ዘሕምሞ ኣይኮነን። እቲ ፍታሕ ንኢሳያስን ሰዓብቱን  ኣብ ቀይዲ ምእታው’ዩ።

ኣርባዕተ፡ ካብ ኤርትራ ወጻኢ እንነብር ዜጋታት፡ ስርዓት ኢሳያስ ነቲ  ኣብ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ንምቅላዕን ጭብጥታት ኣኪብካ ብጥሙር ድምጺ ናብ ማሕበረሰብ ዓለም ጥርዓንን ስምዕታን ብምቅራብ፡ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ኢሳያስ ፖለቲካዊ፡ ዲፕሎማስያውን ቁጠባን ማሕንቆ ከምዝኸርር ምግባር። ስርዓት ኢሳያስ ኣብ ወጻኢ ብመገዲ ኤምባሲታቱን ሃሱሳቱን ዕድሚኡ ንምንዋሕ ዘካይዶ ኣኼባታትን ዝተፈላለየ ጽምብላትን ምሕሳምን ንምብርዓኑ ሕጋዊ ተቃውሞ ምክያድን።

ሓሙሽተ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናት ዓለም፡ ብዙሓት ፈላጣትን ንማሕበረ ሰብ ዓለም ክጸልዉ ዝኽእሉን ኤርትራውያን ስለዘለዉ፡ ስቃይ ህዝቦም ንኸብቅዕ ብዝሓየለን ብዝተወደበን መልክዕ እጃሞም ከበርክቱ እዋኑ’ዩ። ብኣውራኡ ድማ፡ ነዚ ኣብ ወጻኢ ጀሚሩ ዘሎ ዘይጥርኑፍ ህዝባዊ ተቃውሞ መልክዕ ኣብ ምትሓዝን ራኢኡ ኣብ ምንጻርን ብልሓት ክፈጥሩ።

ሽዱሽተ፡ ንማሕበረ ሰብ ዓለም ብሓፈሻ ንትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድማ ብፍላይ፡ ነዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ስቃይ ጠጠው ንኽብል ኣብ ልዕሊ ስርዓት ኢሳያስ ሓያል ስግምቲ ክወስድ ንእንታይነት ስርዓት ኢሳያስ ዘቃልዕ ሓቅታት (ንኣብነት ብዘይ ፍርዲን ጠበቃን ንዓመታት ዝሳቀዩ ናይ ዘለዉ እሱራት)፡  ምስናይን  መጸዋዕታ ምቅራብን።

ሸውዓተ፡ ኣብ ኤርትራ ተኣዊጁ ዘሎ ቁጠባዊ እገዳ ብግብሪ ንመነባብሮ’ቲ ብቀደሙ’ውን ዘይነበሮ ህዝቢ ሕሰም ዘብእስ እምበር፡ ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ጉጅለ ኢሳያስ ዘሕምሞ ኣይኮነን። ብግብሪ፡ ዕስለ ኢሳያስን ትካላት ጸጥታኡን ላዕለዎት ጀነራላቱን፡ ኣብ ዘይሕጋዊ ንግዲ ተዋፊሮም እቶቶም የኻዕብቱን ፈንጠዝያ ዝመልኦ ናብራ የሕልፉን ኣለዉ። ስለዚ ቁጠባዊ እገዳ ናብቶም ህዝቢ ኤርትራ ዝረግጹን ዘሳቅዩን ዘለዉ ዝቀንዐ ከኸውን ኣለዎ። እቶም ዓይነ-ብርኪን ርእስን ኢሳያስ ኮይኖም ዕድመ ስልጣን ኢሳያስ ዘናውሑ ዘለዉ የማነ ገብረኣብ፡ ሓጎስ ገብረሂወት፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ጸጥታን ከምኡ’ውን ነቶም ልሳን ኢሳያስ ዘኳማስዑን እከይ ፖሊስታቱ ዘተግብሩን ኣምባሳደራትን ቆንስላትን ዝቀንዐ ክኸውን ኣለዎ።

ሸሞንተ፡ ነተን ምስ ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ዲፕሎማስያዊ፡ ቁጠባዊ፡ ፖለቲካውን ጸጥታውን ዝምድናታትን ውዕላትን ዘለውን ሃገራት፡ ሽርክነተን ኣብ ክንዲ ራህዋ ሕሰም፡ ኣብ ክንዲ ምዕባለ ድኽነት ኣብ ክንዲ ፍትሒ ዓመጽ የንግስ ከምዘሎን ጭንቂ ህዝቢ ኤርትራ ከምዘብእስ ተገንዚበን ዘይቅዱስ ርክባተን ንኸቋርጻ ምጽዓርን ጸቅጢ ምፍጣርን። ናብ መራሕቲ’ተን ሃገራትን ኣህጉራዊ ተሓለቅቲ ሰብኣዊ መሰላትን ድማ ወግዓዊ ቅሬታን ነቀፌታን ምልኣኽ።

ትሽዓተ፡ ስርዓት ኢሳያስ ግዜ ይንዋሕ ይሕጸር መሽሙሹን ብህዝቢ ተፈንፊኑን ኣብ ጉሓፍ ከምዝደርበ ፍሉጥ’ዩ። ከምቲ ብዙሓት ውልቀ መለኽቲ ኣብ ዜሮ ሰዓት ናይ ውድቀቶም ዝፍጽምዎ እከይ ተግባራት፡ ኢሳያስ’ውን ናይ ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ ፖሊሲ፡ ስልጣኑ ንምንዋሕን፡ ኤርትራዊ ንሓድሕዱ ከምዝናቆትን ከምዝፈናጨልን ሰንካም ስጉምትታት ካብ ምውሳድ ድሕር ኣይብልን’ዩ። ኣብዚ ፈታኒ መድረኽ፡ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ኣባላት ፖሊስን ጸጥታን ኤርትራ ምስ ሓፋሽ  ህዝቦምን ደለይቲ ሰላምን ክውግኑ ድኣ’ኣምበር ኣንጻር ህዝቦም ብረት ከቅንዑን ቃንዛ ወገኖም ከዛይዱን ኣይግባእን። ናይ ስልጣን ባዶሽ ወይ ሃጓፍ ከይርከብን ዘየድሊ ሕጊ ኣልቦ ሃዋህው ከይፍጠርን ‘ውን ካብ ሕጂ ክሕሰበሉ ኣለዎ።

ዓሰርተ፥ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዝግበር ዝምድና፡ ናይ ጸላኢአይ ጸላኢ ፈታውየይ ዝዓይነቱ ምምሕዛው ክኸውን የብሉን። እቲ ዝግበር ምምሕዛው፡ ንልኡላውነት፡ ንሓድነትን ንኽብርን ህዝቢ ኤርትራ ዘረጋግጽ ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝመደበሮምን ብኣኣተን ዝሕብሐቡን ውድባት ወይ ጉጅለታት፡ ብስም ተቃውምቲ ስርዓት ኢሳያስ ግዚኡ ዘይሓለወን ንሓድነት ኤርትራ ዘላሕልሕን  ሕቶታት ምልዓል፡ ንፖለቲካዊ መናውራታ ስርዓት ኢሳያስ ዘህጥር፡ ዕድመ ኢሳያስ ዘናውሕን ካብ ህዝቢ ኤርትራ እምነት ኣጉዲሉ ‘’ዘሎ ስርዓት ይሕሸና’’ ኣብ ዝብል መደምደምታ’ዩ ዘብጽሕ።

ጽላል- ካብ ሕቡራት መንግስታት ኤርትራ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Truly Truly i say to you March 15, 2015

    Dear Tsellal, All the points you mentioned is acceptable, but you have to know the reason we talking about Isyas´s origin background it has enormous value. Let alone about nation rulers background, this time unless you even know your neigbours and comrades background it is hard to walk with together. But its motive it should not be from racist ground. Finally we Eritreans exactly know let alone our mixed Eritrean citzens even a lot decent full from Tigrian origin born Eritreans as they paid high sacrifice for liberation strugle, and with what Isayas and co. by abusing power now accomplishing evil agenda and unbearable human right violation how very disappointed are. What i mean is Isyas evil did is enforcing us to make that was a none issue in opur tradition to be an issue, not because we are racist or we do not like to acknowledge people from different background. So it is must to know exactly where this people in power originally come from and who as they are.

  • Sara March 15, 2015

    ብስም ሃገራዊ አገልግሎት መንእሰያት ኤርትራ ክፈርሱ ጸኒሑም፡ ብስም ሚኒሻ ዑጡቓት አቦታት ክገደዱ ጸኒሑም፡ ስድራ ቤታት አንፈተን ጠፊኡ ክፈርሳ ጸኒሓን፡ ሎሚ ድማ ገዛውቶም ይፈርስ አሎ።
    ኢሳያስ ናይ ኣእምሮ ሕሙም ሙኻኑ ብግብሪ ጥራሕ ኢዩ ዝረጋገጽ ዘሎ። ብመሰረቱ ናይ ኣእምሮ ሕማም ዝፍለጥ በቲ ተግባራት እምበር ካልእ መለለይ የብሉን። ሃገር ብምልእታ ትዓንው አላ። ኤርትራ ድመህት ዝረከባ ግዜ ርሑቕ አይከውንን ኢዩ። ድመህት ንሓድነት ኢትዩጵያ ኢየ ዝቃለስ ይብል አሎ። ኢሳያስ ድማ ንኢትዩጵያ ብዝሕ ክገብሮ ዝግባእ ነገራት አይገበርኩን ኢሉ ምስ ኢሳት አብ ዝገበሮ ቃለ ምሕትት። ንሕና እንታይ ንጽበይ ድኣ እንተበልካ ስጋብ ንኢትዮጵያ ዘረክቡና፡ ሓየ ተስእ መንእሰይ ደቂስካ ተንብብ ዘለኻ። ሕሹኽ ሹኽ ዋጋ የብሉን።

POST A COMMENT