Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Independence Day Poem

[gview file="http://demo.archive.assenna.com/wp-content/uploads/2014/05/INDEPENDENCE-DAY-POEM-5-24-2014.pdf"]

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • Mesinas May 28, 2014

    ዝኸበርኩም ኣቶ ዕቑባይ ገ/መድህን ሰላምታይ ብምቕዳም ኣብዛ “ይኣክል!…” ዘርእስታ ናዕታኹም ዘሎኒ ዓለቕ (ርእይቶ) ንኽህብ ብትሕትና እሓትት? ብመጀመርያ ትሕዝቶን መልእኽትን ናይዛ ግጥሚ ዕዙዝ ሙዃኑ ክገልጽ እፈቱ። ንመልእኽታን ዕላማኣን ዝጻረር ክልተ ነገር ግን ተዕዚበ። ቀዳማይ፦ ኣጸሓሕፋ ማለት ኣወዳድቓ ናዕታ ስኒ ከልቢ ስለ ዚመሰለ ኣጸሓሕፋ ስርዓተ ግጥሚ ስሒቱ ኣሎ። ዋላ’ኳ ሃገራዊ ሕጊ ስነ ጽሑፍ እንተዘይሃለወና ክሳዕ ኣብቲ ደረጃ’ቲ ንበጽሕ ግን ንግዜኡ ዚሓሻን መብዛሕትና እንጥቀመሉን ክልተ ኣገባባት ኣጸሓሕፋ ግጥሚ ኣሎዋና። 1ይ፦ ነቲ ካልኣይ ራዕታ ናብ ፍርቂ መስመር ናይቲ ቀዳማይ ራዕታ እትው ኢልካ ብምጽሓፍ ኪኸውን ከሎ፤ እቲ 2ይ ድማ ሓደ መስመር እናነጠርካ ዚጽሓፍ ናዕታ እዩ። ካብዚ ወጻኢ ካብ ናይ ባዕዲ ቋንቋታት ቀዲሕና ኣብ ትግርኛ እንጥቀመሉ ዘይስሩዕ ኣጸሓሕፋ ከይሳዕረረ ከሎ ኪግታእ ዘሎዎ ልምዲ ኮይኑ ይስማዓኒ። እዚ እቲ ቀዳማይ ለበዋይ ወይ ርእይቶይ እዩ።

    እቲ 2ይ ድማ ዓቐን ናዕታ’ዩ። ብዝሒ ስታንዛ ኣብ ግጥሚ ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ። ምኽንያቱ ልክዕ ከምቲ ጥዑም ሙዚቃን ዜማን ዘሰነዮ ግጥሚ (ደርፊ) እዝኒ ሰማዒ ዚስሕብ፣ ምጡን ዚዓቐኑን ብግቡእ ዚተጻሕፈን ናዕታ ከኣ ልክዕ ከምኡ ዓይኒ ኣንባቢ’ዩ ዚስሕብ። ስለዚ ናዕታ ነዊሑ እንተ ተባህለ ካብ ዓሰርተ ስታንዛ ኪበዝሕ የብሉን። እዛ ራዕታ እዚኣ ግን ኣብ ገሊኡ ካብ ሸውዓተ ረምታ ንላዕሊ ዚሓቘፈ 40 ስታንዛ ኣሎዋ። እዚ ማለት ኣብ ኣርባዕተ ዚተፈላለየ ኣርእስቲ ክትክፈል ምኸኣለት ኔራ ማለት’ዩ። ብዙሕ ስታንዛ ኣብ ሓደ ኣርእስቲ ኣንባቢ ኣይዕድምን’ዩ። ኣንባቢ እንተዘይዓዲሙ ኸኣ መልእኽቱ ኣየመሓላልፍን’ዩ። ስለዚ ኣብ ቀጻሊ ብዓቐንን ዓይነት ኣጸሓሕፋን ዝተማሓየሸ ናዕታ ክንርእን ከነንብብን ልዑል ተስፋ ኣሎኒ። የቐንየለይ። ሓው መሲናስ።

    • ሽብለሎም May 29, 2014

      ጽቡቕ ምር‘

  • Ogbai GhebreMedhin May 31, 2014

    ዝኸበርካ ሓው መሲናስ፡-
    ብተገዳስነት ነቢብካ ሃናጺ ርእይቶኻ ዘቕረብካለይ ልዑል ምስጋናይ ይብጻሕካ። ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ኣብዚ ዓሸውየ ዝዓብለሎ ዝንጉዕ እዋን፡ ኣብ ትሕዝቶን ኣቀራርባን ጽሑፍ ኣተኲርካ ሃናጺ ነቐፌታ ናይ ምቕራብ ልምዲ ዳርጋ የለን ኪበሃል ስለ ዝከኣል፡ ርእይቶኻ ናብ ምዕባለ ቋንቋ ዘተኵር ብምዃኑ ክተባባዕ ኣለዎ እብል። እቲ ጐዲሉ ዝበልካዮ ኣብ ቀጻሊ ጽሑፈይ ብዓቕመይ ከተኵረሉ ከም ዝግብኣኒ ከም ጸሓፊ መብጽዓ ዘየድልዮ ሓላፍነተይ ምዃኑ እርዳእ። ብኹሉ መኣዝኑ ምሉእነት ዘለዎ ጽሑፍ ክጽሕፍ እየ ኢለ መብጽዓ ክኣቱ ግን ኣይኽእልን።
    በዚ ኣጋጣሚ ክብሎ ዝደሊ፡ ቋንቋ ትግርኛ፡ ብሰሪ መግዛእቲታት ባህሪያዊ ምዕባሌኡ ንኣስታት ሓደ ዘመን ተዀሊፉ ይጽናሕ`ምበር፡ ከም ካልእ ምዕቡል ቋንቋታት፡ እሩም ኣዘራርባን ኣጸሓሕፋን ንምዝውታር ዘኽእሎ ስሩዕ ሰዋሱኣዊ ኣገባባትን ሕግታትን ኣሎዎ። ከምኡ`ውን ኣብ ኣጸሓሕፋ ግጥሚታት ርዱእ ዝኾነ (ማለት ናይ ሕጊታት መወከሲ ጽሑፍ ምህላዉ ብርግጽ ዝፈልጦ የብለይን) ልምዲ ኣሎ። ኣብዚ ተሃሲዩ ዝጸንሐ ቋንቋ ትግርኛና፡ ዝለዓለ ጥንቃቐ ዘድልዮ ጉዳይ እንተ ኣሊዩ ዘይክዳኑ ከይለብስ፡ ማለት ናቱ እናሃለዎ ናይ ባዕዲ ከይልቃሕ (ንኣ፡- ሰልቺዩኒ ኣብ ክንዲ ሰልኪዩኒ፣ ድሕሪ-ባይታ ኣብ ክንዲ መበገሲ፡ ወይ ተመክሮ ህይወት. .ወ.ዘ.ተ.) ምጥንቃቕ ከም ዘድልየና ኢዩ። ካብኡ ተረፈ፡ ንዘይብልካ ቃል ካብ ካልእ ተልቂሕካ ምስ ባህልኻ ብምውህሃድ ናትካ ክትገብሮ ዝከኣል`ዩ። ኣብነት፡ ቋንቋ እንግሊዝኛ ካብ ላቲን፡ ግሪኽ፡ ፈረንሳ. . . ኣናወሰደ`ዩ ምዕቡል ቋንቋ ኪብሃል ክኢሉ። ኣብዚ ነቐፌታዊ ጽሑፍካ `ውን ስታንዛ (መበቀሉ ጣልያንኛ) ተጠቒምካ ኣለኻ። ብወገን ሕጊታት ኣጸሓሕፋ ግጥሚ ግን ከካራኽር ዝግብኦ ኣርእስቲ ኾይኑ፡ ኣብ ድሩቕ ዝኾነ ሕጊታት ምትኳር፡ ነቲ ኣዚዩ ክተባባዕ ዝግብኦ ናይ ምጽሓፍ ልምዲ ማሕለኻ ከይኸውን እስከፍ። እዚ`ውን ዘካትዕ ኣርእስቲ ኢዩ።

    ኣብ ምዕጻው ክብሎ ዝደሊ፡ ሓው መሲናስ፡ ምናልባት ብወገንካ ካብ ካልእ ጽሕፋተይ እዛ ርእይቶ ዝሃብካላ ጥራይ ጎፍ ኢላትካ ክትከውን ይከኣል፣ ብወገነይ ግን ጽሑፋትካ ብተገዳስነት እነቦን፡ ብፍላይ ብዛዕባ እሩም ኣዘራርባ ትግርኛ ምስ ሓተትቲ እትገብሮ ምልልስ እምጕሶን እየ። ምስ ኣብ ቅንፍ መግለጺ እተበርክቶ ቃላት ክነብብ ከለኹ ኸኣ ኣፍልጦ ትግርኛይ ኣብ ምልክት ሕቶ የእትዎ፣ ዝኾነ ኾይኑ፡ ነቲ ምስ መግለጺ እተበርክቶ ቃላት መበቈሉ ግዕዝ ዲዩ ወይ ካብ ናይ ካልእ ብሄራትና ዝተወስደ ምዃኑ እንተ ትሕብር ዝተማለአን ሓጋዝን ምኾነ። የቕንየለይ።

    ብዝተረፈ፡ ንቐጻሊ ምይይጥ ከኽእለና፡ ኢ-መይለይ እሰደልካ።

    oghebremedhin@gmail.com

  • Mesinas June 1, 2014

    ዝኸበርኩም ቀናዪ (ገጣሚ)ኣቶ ዕቑባይ ገ/መድህን፡ ብመጀመርያ ነቲ ዝሃብኩምኒ ካብ ምኩር ስነ ጥበበኛ እትጽበዮ ግብረ መልሲ ብልቢ አመስግን። ቀጺለ ንኣጸሓሕፋ ግጥሚ ዚምልከት ጽሑፍ ናብ ኢ-መይል ኣድራሻኹም ልኢኸ ስለ ዘለኹ ኣብዚ ብዛዕባኡ ገለ ኣይክብልን’የ። ኣብዚ ከብርሆ ደልየ ዘለኹ ግን ንኣኹምን ንኹሉ ኣንባቢ ጽሑፋተይን ብሩህ መታን ኪኾነሉ ሰለስተ ነገራት’የ ደጊመ ከነጽር።

    1ይ፡ ኩላቶም ኣነ ዝጥቀመሎም ዘይዝውቱራት ቃላት ግእዝ ዝመበቈሎም ጽሩያት ትግርኛ ምዃኖም፣
    2ይ፡ ካብ ባዕዲ ዝረዓሙ ወይ ድማ ናይ ባዕዲ ቃላት እንተ ኮይኖምውን ከምኡ ናትና ዘይምዃኖም ምሕባር፣
    3ይ፡ ናትና ኮይኖም እሞ ብጌጋ እንጥቀመሎም ዝነበርና ቃላት፡ ብቕኑዕ ኣጠቓቕማ መታን ክንጥቀመሎም ምንጻር’ዩ። ንኣብነት፥ በሃም፣ ፍሕሹው፣ ምግዋሕ፣ ኣጸሓሕፋን ዓቐንን ግጥሚ ወዘተ.።

    እቲ ቀንዲ ንኣይ ብዛዕባ ቋንቋናን ባህልናን ተገዲሰ ካብ ምቕባር ከድሕኖ ዓቕመይ ዚፈቕዶ ንኽቃለስ ዚቐሰበኒ ዓቢ ነገር ከኣ ቋንቋናን ባህልናን ኣብ ድሕሪ ናጽነት ኣዝዩ ይህሰ ብምህላዉ’ዩ። ኣዚ ምናልባት ካብ ዓውዲ ስነ ጥበብ ርሒቑ ንዚርከብ ሰብ ምግናን ይመስሎ ይኸውን’ምበር ጃንዳ ህግደፍ ካብቶም ዝሓለፉ ባዕዳውያን ገዛኣቲ ብዓሰርተ ዕጽፊ’ዩ ንባህልናን ቋንቋናን ቀቲሉ ዝቐብሮ ዘሎ። ብኸመይ? ንዚብል ለባም ምሉእ ዘይጉዱል መልሲ ምስ ጭብጥታቱ ስለ ዘሎኒ ኣብ ዚደለዮ ኣዋንን ግዜን ክዝርዝረሉ ይኽእል’የ። የቐንየለይ።

    ሓውኹም መሲናስ

POST A COMMENT