Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

HAVE YOUR SAY – ክቡራት ደገፍትን ተኸታተልትን ድምጺ ኣሰና – ኣብ ቀጻልነት ኣገልግሎት ሳተላይትን ኦንላይንን ራድዮ ኣሰና ርእይቶኹም ክትህቡ ትዕደሙ ኣለኹም።

እታ ንዓሰርተ ዓመት መመላእታ፡ ወለንታዊ ገንዘባዊ ወፈያ ብምግባር ዝደገፍኩማ ራድዮ ኣሰና፡ ብሕልፊ ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ተዓፊኑ ዝርከብ፡ ብቑዕ ኣገልግሎት ኢንተርነት ዘይብሉ፡ ብሓደ መንገስታዊ ማዕከን ዜና ዝጸመመ፡ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፡ በቲ ዓፈና

እታ ንዓሰርተ ዓመት መመላእታ፡ ወለንታዊ ገንዘባዊ ወፈያ ብምግባር ዝደገፍኩማ ራድዮ ኣሰና፡ ብሕልፊ ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ተዓፊኑ ዝርከብ፡ ብቑዕ ኣገልግሎት ኢንተርነት ዘይብሉ፡ ብሓደ መንገስታዊ ማዕከን ዜና ዝጸመመ፡ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፡ በቲ ዓፈና ምልኪ ተርቢዑ ዝበጽሖ ዘሎ፡ ሳላ ደገፍኩም እነቃልሖ ድምጺ ሓቅን ፍትሕን ነቒሑ፡ ንምልኪ `ፎእ` ኢሉ ካብ ምጽያን ሓሊፉ ንምጽራጉ ፍኒሕኒሕ ኣብ ዝብለሉ ደረጃ ምብጽሑ፡ ወፈያኹምን ጻዕርናን ተደሚሩ ዘመጽገቦ ዓወት እዩ `ሞ፡ ብስም ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ምስጋና ይብጻሕኩም!

እዚ እዋን`ዚ፡ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ መሰረታዊ መሰል ምግላጽ ሓሳባት ህዝቢ ኤርትራ ኣጊዱ፡ ኣእምሮኡ ብነጻ ከይሓስብ ኣደንቊሩ ንዓመታት ዝፈጸሞ ገበን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ውልቀመላኽነት፡ ሕገ-ኣልቦነትን ዕንደራን ከይኣክል፡ ግልጽናን ተሓታትነትን ብዘይብሉ መንገዲ፡ ነቲ ኣብ ክልተ ዙርያ ደማዊ ኲናት ምስ ኢትዮጵያ፡ ህዝቢ ኤርትራ ከቢድ መስዋእቲ ከፊሉ ዘረጋገጾ  ናጽነትን ዝዓቀቦ ልኡላውነትን ብውዲት ኣብ ሓደጋ ኣእትዩዎ ከምዘሎ ዝተጋህደሉ፡ ጂኦ-ፖለቲካዊ ጣልቃታት ዝሓላለኾ በዳሂ እዋን ብምዃኑ፡ ንዓኹምን ንኣሰናን ተወሳኺ ድርብ ቃልስን ሓላፍነትን ዝሓትት ታሪኻዊ እዋን እዩ።

እታ ንፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ብዘይቃልዓለም፡ ከምዘለዎ ብምንጽብራቕ ጭቡጥ ፍትሓት ብምእማት ፍሉይነታ ኣረጋጊጻ ተሰማዕነት ዘመስከረት ድምጺ ኣሰና፡ ነቲ ንነዊሕ ዓመታት ምሳኻትኩም ኢደይ-ኢድካ ብምባል ከተሰላስሎ ዝጸንሐት መኸተ ሚድያዊ ዕማማት ቀጻልነቱ ብምርግጋጽ ብዝሓየለ ኣድማዕነት ንምዕዋቱ ሓድሽ ናይ ናበይቲ ኣሰና (Patrons) ውጥን ኣዋዲዳ ስለዘላ፡ ሎሚ `ውን ከም ትማሊ ሞያዊ ናጽነታ ዓቂባ ብሓርነት ሃገራውን ህዝባውን ኣበርክቶኣ ንምግባር ኣብ ዝድግፋ ቅጥዒ ተመዝጊብኩም፡ ስሩዕ ገንዘባዊ ወፈያ ብምግባር ብተወፋይነት ክትተሓጋገዙዋ ብትሕትና ትጽውዓኩም።

እቲ ካባኻትኩም ውፉያት ደገፍትና ወርሓዊ ክውፈ እንጽበዮ ገንዘባዊ ሓገዝ፡

  • ነቲ መዓልታዊ ናብ ኤርትራ ዝፍኖ ሳተላይት ራድዮ ኣሰና ኣብ ምሽፋን
  • ነቶም ድኻሞም ከይጸብጸቡ ብርቱዕ ጻዕሪ ብምግባር ትሕዝቶ ኣሰና ኣብ ምድላው ዝነጥፉ ጸሓፍትን ጋዜጠኛታትን ንምትብባዕ
  • ከምኡ `ውን ብግብራዊ ስራሕ ናይ ጽባሕ ነጻ ጋዜጠኛታት ሰብ ሞያ ኣብ ምፍራይ ክውዕል እዩ።
  • ኣብቲ ዝግበር ወፈያን ኣበርክቶን ብምምርኳስ ቀጻልነት ራድዮ ኣሰና ድሕሪ ምርግጋጹ ድማ፡ ኣገልግሎት ኣሰና ናብ ፈነወ ሳትላይት ቴለቪዥን ናብ ኤርትራ ዝሰጋገረሉ መደብ ክስርሓሉ እዩ።ኣስተዋጽኦኹም ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብምልካዊ ስርዓት ተዓፊኑ ዘሎ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ነጻ ሓበሬታ ንምቕራብ፡ ኣብ መወዳእታ ብዘዋህለሎ ንቕሓት ነባሪ ፍታሕ ኣረጋጊጹ፡ ከም ሓደ ነጻ ህዝቢ ኣብ ራህዋን ቅሳነትን ክነበር መንገዲ ዝጸርግ ዘሐብን ሃገራዊ ኣበርክቶ እዩ `ሞ፡ ሓገዝኩም ኣይፈለየና፡ ብስም እቲ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ምስጋና ይብጻሕኩም!

ነዚ መደብ`ዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ግን ርእይቶኹምን ምርጫኹምን የድልየና `ሎ።

ከምእትፈልጡዎ፡ ኣብ ዓለም ብነጻ ዝካየድ ፈነወ ራድዮ ይኹን ቴለቪዥን የልቦን። መወዓዊዒታት ብምሻጥ (Advertisement)፡ ዓመታዊ ክፍሊት ብምግባር (Licence Fee) ወይ ድማ ብምወላ ትካላትን ሃብታማት ሰብ ጸጋን እዩ ዝካየድ። ከምቲ ድሮ ዝተገልጸ፡ ኣሰና ግን፡ ኣብ ዘይስሩዕ ወፈያ ውሑዳት ውፉያት ኤርትራውያን ደገፍቲ ተመርኲሳ እያ ን 10 ዓመት መመላእታ ኣገልግሎት ክትህብ ጸኒሓ። በዚ ክብ ኢሉ ዝተጠቕሰ ኣገባብ ቀጻልነት ኣገልግሎታ ንምርግጋጽ ግን፡ ድምጽኹም ክትህቡሉ ሰለስተ ምርጫታት ኣዳሊና ኣለና `ሞ፡ ርእይቶኹም ሃቡ። (መርበብ ሓበሬታ ኣሰና archive.assenna.com ምንባብ ከም ቀደሙ ነጻ ኮይኑ – ርኢቶኹም ንኣገልግሎት ራድዮ ጥራይ ዝምልከት ምዃኑ ኣይትረስዑ)

ምርጫኹም ንምፍላጥ ኣብዚ ኣዋዲድናዮ ዘለና ድምጺ መውሃቢ ቅጥዒ (Poll) ድምጺ ምሃብ ኣይትረስዑ፡ ድምጽኹም ናይ መወዳእታ ውሳኔ ንምግባር ስለዝሕግዘና ኣድላዪ እዩ። ድምጺ ንምሃብ ኣብዚ ሊንክ `ዚ ጠውቑ። – Have Your Say

ሕጂ `ውን መርፍእ ኣለና ፈትሊ ኩኑና!

ኣሰና ፋውንዴሽን

15 ምስከረም 2018

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • በረቐ ሃይለ September 18, 2018

    ድምጺ ኣሰና ድምጺ ናይቲ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ኮይና ሽግር ህዝብን ሃገርን እተቃልዕን ተእውን እከይ ተግባራት እህግደፍ እትምክትን እትኩንን ፈነወ ሬድዮ ብሂወትና ኮለና ተዳኺማ ክንርኢ ንሕልናኻ ዘውቅስ ኢዩ ። ስለዚ ኢደይ ኢድካ ደኣ ንበል። ይግበርዎ ዘይኮነስ አእጃምና ንሃገርናን ንህዝብናን ነበርክት። ዕድመ ነሰና።

POST A COMMENT