Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Mesinas December 29, 2013

    ርእይቶ፥

    ዝኸበርኩም ኣሰናዳእትን ኣቕረብትን ራድዮ መድረኽ፡ ሰላም። ኣቐዲመ ብዛዕባ’ታ ነዚ ብሕሱም ምሕደራ ምልኪ ኣፉ ተዓቢሱ ብሕሰም መነባብሮን ግፍዕታት መላኽን ዝሳቐ ዘሎ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቲ መታለሊ ምስሉይ ኣውቶክራትን (መላኽን) ጉጅለኡ ህግደፍን እንታይነቶም ንምግላጽ ጽቡቕ ዕድል ረኺባ ዘላ ራድዮ መድረኽ ዝምልከት ሰፊሕ ጽሑፍ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ኣቕሪበ ነይረ። ሽዑ፡ ራድዮ መድረኽ ነዚ ወርቃዊ ዕድል ብግቡእ ክትጥቀመሉ ብዘይምኽኣላ ነቐፌታን ሓበሬታን’የ ጽሒፈ ነይረ።

    ብድሕሪኡ ግን ብዘይቀለዓለም በብመዓልቱ መደባትኩም እናተመሓየሸን እናጸፈፈን ከም ዝመጸን ትማሊ ቀዳምውን (28/12/2013) ዋላውን እቲ መደብ ገለ ክፋሉ ድጋም ይኹን፡ ኣዝዩ ኣድማዒ መልእኽቲ ዘሎዎ መደብ ብምትሕልላፉን መደባትኩምውን ዘይእዋናዊ ሙዚቃ ከይተሻመዎን ዓቢ ቁውም ነገር ኣብ ምትሕልላፍ ብዝግባእ ስለ ዝተጠቐምክምሉን፡ ኣዝየ ብልቢ ስለ ዝዓገብኩን ዝተሓጐስኩን ከመስግነኩም’የ ዝጽሕፍ ዘለኹ። ኣብዚ ብዝያዳ ነታ ሰጋእ መጋኣ ዘይብሉ፡ ብንጽሩን ተሪርን ድምጽን ናብ ልቢ ሰማዒ ሰርሲሩ ከም ዚኣቱ ጌራ ዘቕረበቶ ሃብሮም ጋዜጠኛ ፌበን ሰሎሞንውን ኣዝየ ከድንቓን ከመጉሳን እፈቱ።

    “ንሰባት ብምኽሪ፣ ንእንስሳታት ብበትሪ፣ ሻቦያ ኢልና ጓሓፍ ህግደፍ ነጽሪ!”

    ርሑስ ልደተ ክሩስቶስን መቕሰኒና ዓመተ ሓርነትን ይግበረልና! ኣሜን!!!

    ካብ ሓውኹም መሲናስ 29-12-2013

  • Delay fthi January 1, 2014

    Hzbna abe Eritrea zelo dluw eyu a edge zelo eyu dengyu

POST A COMMENT