Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Eritrea Focus ዝተባህለ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ኤርትራ ብሕልፊ ብናይ ወጻኢ ኩባንያታት ዝካየዱ ዘይስነምግባራዊ ወፍርታትን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዝከታተል ማሕበር፡ ኣብ ኤርትራ ብመጋበርያነት ኣብ ዕደናዊ ስርሓት ዝነጥፋ ኩባንያታት ወጻኢ ዝፍጸም ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዘቃልዕ ሰፊሕ ዝርዝራውን ጸብጻብ ናብ ናይ ዓዲ እንግሊዝ All-Party Parliamentary Group on Eritrea ኣቕሪቡ ።

Eritrea Focus ዝተባህለ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ኤርትራ ብሕልፊ ብናይ ወጻኢ ኩባንያታት ዝካየዱ ዘይስነምግባራዊ ወፍርታትን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዝከታተል ማሕበር፡ ኣብ ኤርትራ ብመጋበርያነት ኣብ ዕደናዊ ስርሓት ዝነጥፋ ኩባንያታት ወጻኢ ዝፍጸም ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዘቃልዕ ሰፊሕ

Eritrea Focus ዝተባህለ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ኤርትራ ብሕልፊ ብናይ ወጻኢ ኩባንያታት ዝካየዱ ዘይስነምግባራዊ ወፍርታትን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዝከታተል ማሕበር፡ ኣብ ኤርትራ ብመጋበርያነት ኣብ ዕደናዊ ስርሓት ዝነጥፋ ኩባንያታት ወጻኢ ዝፍጸም ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዘቃልዕ ሰፊሕ ዝርዝራውን ጸብጻብ ናብ ናይ ዓዲ እንግሊዝ All-Party Parliamentary Group on Eritrea ኣቕሪቡ ።

እቲ Eritrea Focus ኣብ ህዝባዊ ሰነዳት ተመርኲሱ ዘዳለዎ፡ ብዓይነቱ ፍሉይ ዝኾነ 98 ገጻት ዝሓዘ ጸብጻብ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝመደበሮም ትካላት ዝርከቡዎም ኣህጉራውያን ኣውፈርቲ ኣብ`ቲ ንጉልበት ኤርትራውያን ዝምዝምዝ ዘሎ ዕደናዊ ስርሓት ኤርትራ ብምስታፍ ክሳብ ክንደይ ኣብ ምብኣስ ዘበናዊ ጊላነት ተጨማሊቖም ከም ዘለዉ ዘጉልሕ ኮይኑ፡ ብሕልፊ ምስቲ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ዘለዎ ንዘበናዊ ጊላነት ዝቃወም መርገጺ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ዘይስነምግባራዊ ወፍሪ ኣሻቓሊ ከምዝኾነ ዘገንዝብ እዩ።

እቲ ጸብጻብ፡ ካብ 18 ዓመት ንላዕሊ ዘለዉ ኩሎም ኤርትራውያን ኣብቲ ደረት ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክስርዑ ከምዝግደዱ ብምጥቃስ መብዛሕትኦም ብ ህዝባውን ብሕታውን ጽላት ኣብ ዝካየድ ግዱድ ዕዮ ክሳተፉ ከምዝግደዱ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት መርማሪ ኮምሽን ከምዘረጋገጸ የመልክት።

ዝኾነ ኣብ ኤርትራ ዝነጥፍ ኣህጉራዊ ትካል ብሕጊ ነተን ጉልበት ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝጥቀማ መንግስታውያን ኩባንያታት ህንጻ ብኩንትራት ክቖጽር ስለዝሕተት ከኣ፡ እተን ኣብ ኤርትራ ዝዋስኣ ኩባንያታት ወጻኢ ተጠቀምቲ ናይቲ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብምዃን ብተጠቃምነት ጊላዊ ዕዮ  ክኽሰሳ ቅሉዓት ከምዝኾና ስቴት ዲፓርትመንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ 2015 ዓመተ ምህረት ገሊጹ ምንባሩ `ውን የዘኻኽር።

ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ኣገባብ ዝሰርሕ፡ እቲ ቀንዲ ምንጪ ኣታዊ ዝኾነ ጽላት ዕደና ኤርትራ መመወሊ ዘይምርግጋእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይኑ ብምህላዉ፡ ኤርትራ፡ ኣብ ህዝባዊ ገንዘባዊ ንጥፈታታ ግልጽና ከተዘውትር ኣብ ውሳኔ ቁጽሪ 2023 ጸዊዑ `ኳ እንተነበረ፡ ኤርትራ ግን ነዚ ኣብ ግብሪ ከምዘየውዓለቶ እቲ ጸብጻብ ይገልጽ።

ቀጺሉ ጸብጻብ Eritrea Focus፡ ካብቶም ኣብ ትሕቲ `ቲ ን መደበር ዕደና ቢሻ ዘካይድ ነቭሱን ሪሶርስርስ ዝሰርሑ ብገምጋም 1500 ዝኾኑ ሸቃሎ፡ 1400 ብመንገዲ `ቲ ብ ህግደፍ ዝውነን ኩባንያ ህንጻ ሰገን ዝሰርሑ ብምዃኖም፡ እቲ ናይ ወጻኢ ኩባንያ ብዝያዳ ኣብ ጉልበት ሃገራዊ ኣገልግሎት ይምርኮስ ምህላዉ ሁማን ራይትስ ዎች ከምዝኸሰሶ `ውን የገንዝብ።

ብ 2013 ሁማን ራይትስ ዎች ን ጽላት ዕደና ኤርትራ ብዝምልከት ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ እቶም ብመንገዲ ሰገን ኮንስትራክሽን ኣብ ቢሻ ዝዓዩ ኣባላት ኣህገራዊ ኣገልግሎት፡ ብዘይብቑዕ መግብን ዘይውሑስ መዕቀልን ኣብ ኣዝዩ ክፉእ ኩነታት መነባብሮ ኮይኖም ክሰርሑ ከምዝግደዱ ዘየማትእ ጭብጥታት ከምዝረኸበ ምግላጹ፡ እቶም ቃለመጠየቕ ዝተኻየደሎም ግዳያት ከኣ ብዛዕባ`ቲ ዝበጽሖም ዝነበረ ሽግር ጥርዓን ከየቕርቡ መጠንቀቕታ ስለዝተዋህቦም ኣብ ፍርሕን ስግኣትን ይነበሩ ከምዝነበሩ  የዘኻኽር።

ኣብ መወዳእታ፡ Eritrea Focus ምእንቲ `ዚ ጸብጻብ ኣብ ዘካየዶ ጻዕሪ፡ ኣብ ኤርትራ ግዱድ ዕዮን ግፍዕታትን ዝውቱር ምዃኑ መረጋገጺ ከምዝኣከበ፡ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ምዝመዛ ዝበዝሖ፡ ዘይውሑስን ዘይንቡርን ናይ ስራሕን ናብራን ኩነታት ከምዝሰርሑ፡ ሓንሳብ ሓንሳብ እቲ ዝርካቡ ደሞዝ ዝኽልከሉሉ ኣጋጣሚታት `ውን ከምዝነበረ ምግላጾም ብምጥቃስ፡ ከም ብዓል M&G ዝኣመሰሉ ኣብ ነቭሱን ዓቢ ብርኪ ዘለዎም ኩባንያታት ዓዲ እንግሊዝ ዝርከቡዎም ብውሑዱ 17 ናይ ዕደናን ዳህሳስን ኩባንያታት፡ ኣብቲ ብዘበናዊ ጊላነት ዝግለጽ ኩነታት ጉልበት ኤርትራውያን መንእሰያት ብምምዝማዝ ብዘይስነምግባራዊ ወፍርታት መኽሰብ ኣብ ምንዳይ ተዋፊሮም ምህላዎም ዘሻቕል ምዃኑ ኣብቲ ናብ All-Party Parliamentary Group on Eritreaዘረከቦ ጸብጻብ ኣረዲኡ።

ነዚ ዘይስነምግባራዊ ወፍሪ ደው ንምባል ክውሰዱ ዘለዎም ስጉምታት ደረጃ ብደረጃ ሰሪዑ ድማ ለበዋኡ ኣመሓላሊፉ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT