Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣዴታት ኤርትራ ብኸያ መሬት ዝበጣ ጸጉርኽን ንጸያ ብንብዓት ዝጠልቀየ ነጸላኽን ደርብያ ምእንቲ ዝዕጸዱ ዘለዉ ደቅኽን ከም ምጉያ ምእንቲ’ዛ ሃገር ዝተለወጠት ናብ ደም ራህያ ምእንቲ እዚ ዘይሓሰቦ ዝረኸበ! ዘጥፍኡዎ ዘዕበ! ከም ኣራዊት ዝተሃድነ ዝተበተነ ብጓሂ ተጠቢሱ ዝተኸድነ ድነ ብኸያ ‘ተዘንጊዕየ ባዕለይ ተዘንጊዐየ ውላደይ ኢለ ኣራዊት ኣዕቢየየ ምርቓ ዶ መርገም ይኸውንየ!’ እናበልክን ብኸያ ምእንቲ መጻወድያ ህግደፍ ምስባር ዝሰኣኑ ኣቦታት ዋርሳይ ይከኣሎ ዝተጠመቑ

READ MORE

መልቀስ ወየ!!!!ወየ!!!ወየ!!!! ወየ!!! ኣነ!!!! ወየ!!!ኣነ!!! ወየ ኣነ!!!! እንታይ ሰማዕኩ ሎሚ ቕነ እንታይ ተረኽበ ሎሚ ቕነ ኣንታ ኣነስ ሓወይ እምበር!! ስኢነ!!!!   ዶክተር ሃብተ ወዲ ጎመራ ንመን ገድፍካሉም ወዮ! ኤርትራ ዝኹሉ ጽዒርካ፡ ዘይብሉ ሽጣራ ንባርነት ዝስይሙ፡ እናበሉ ሓራ ኣውሪስካዮምዶ! ንደቂ ኣስመራ ነዞም ጠላማት እንስሳ ብዘይጭራ ሃብተ ሓወይ ብዓል ድርብ ጭማራ ኣላኮ ሃገርና ኣይወጸትን ሓራ።   ተማሃራይ ሃብተ ክዝክሮ ባሪቖ ዝባርቕ ቅድሚ ምህሮ መጻሕፍቲ ኣብ

READ MORE

ኣረጊት ክወጽእ - ሓዲሽ እንክኣቱ ገለ ኣብ ስደት - ገለ ኣብ ምድሪቤቱ ገምጋም ክገብር -  ኣብ ሕሉፍ ሕይወቱ ህሉው እንታይ ይብል - ንድሕሪት ጠሚቱ?   በረካዶ ኔሩ - በዱ ዝሓለፈ? ወይስ ለምለም - ሳዕሪ እተነጸፈ? ዕንባባ ዶ ኔሩ - ንህቢ ዝሃረፈ? ወይስ ተዋጋኢ - እሾኽ ዝዓንደፈ?   ሃሩር ዶ ኔሩ - ቑሪ ዝቐዘፈ? ወይስ ህዱእ ንፋስ

READ MORE

ንቡር ዝፈልጥ ውላድ ረኺባ ብሰላም ክትነብር ኣብ ዓዳ   ‘ላም ሓዊ ወሊዳ ከይትልሕሶ ኣንደዳ’ ከይትጉሕፎ ውላዳ ‘እንተ ተመሰለለይ!’ ኢላ ሃዲማ ተሰዲዳ ንሓዊ ዝኾነ ውላዳ ገዲፋ ዓዳ ግን ተሳጠሐት ንዝገደደ ሓደጋ ኮነት ግዳይ ባሕሪ ምድረ-በዳ ዘርከበ ዘሳድዳ ዘሸክማ ዘይነበራ ዕዳ ክፈሊ! ሓውሊ! ዝብል ሓኒቑ ብኽሳዳ የብለይን! ዘይፈልጥ ቡዳ ካብ ኣካላ ቅንጣብ ጓሕጊሑ ዝሰዳ ናብ ካልእ ኣካላ ዝጉሕጉሕ ይሰዳ ስለዚ ትምህለል’ያ ዘላ ‘ወላድ ትፍረድ!’ እናበለት ማይ

READ MORE

ትዝ ኢልካኒ ሕዳር 27/2016 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)   ትዝ ኢለካኒ ኣላህ ዎ! ኣክበር ፍቓዱ ኰይኑ’ምበር ጅግና ’ዶታ ’ቕበር   ረስሚ ተኸዲንካ ብዓል ፎርማ ዕማ እንተገበርካ ብዓል ግርማ ንፈተውቲ ቍርኣን ተንብበሎም ንጸላእቲ ብብረት ትሃድኖም ደርሆ ነቆ ጥንቲ ዝኸተተ ምስ ጀጋኑ ምስ ማሕበር ሸውዓተ ካብቶም ጀጋኑና ሓደ-ሓደ ንኽቃለስ ኢሉ ዝተወልደ ትዝ ኢልካኒ……   መን’ዩ ሶይራ ’ሉካ ክቡር ኣቦ? ሓቂ ኮይኑ ሳጓ ዝሓሰቦ እምበር እምባ ኣርሒቑ ዝጥምት ኣልቦ

READ MORE

ንታይ ዝኾነ ዩ: ካብ ህግደፍ ዝጽበ ፍረ ዕንወት: መሰረት ድንቁርና ካብ ሕማቕ ናብ ዝኸፍአ ዘውረደና ዘር ኢ ሙስሉያት ዝገበረና ኣብ ሰጣሕ ጎልጎል ኣውሪዱ ዝደርበየና ጥሙያት: ፈራሓት ጌሩ: ስረ ዘፍተሓና ህግደፍ ኳዩ ኣብዚ ዘብጸሓና ካብ ህግደፍ ንጽበ ደኣ;ሞ: ስለምንታይ ኢና?   ክብረት ስለዘይንፈቱ ዶ ዋላስ ሓንጎልና ስለዘይሰርሕ ዋላ ኣብ ስደት ከለና ብህግደፍ ክንፈርሕ ኣንታ እንታይ መዓቱ ንሰማዒ ዘደንጹ: ንለባም

READ MORE

ስም ተውላጠ ስም - ቅጽል ዘማእከለ ካብ ሕጊ ሰዋሱው - “ግስ” ዝፈንቀለ ብርኺ ካብን ናብን - ዓዲ ዘውዕለ ብርሃን ዝጎደሎ - ኣዒንቲ ዕንጕለ ብጽላሉ ዝምካሕ - ቃንጥሻ እጕለ   ግስ መስተጻመር - ኣንጊሆም ምስ ወጹ ብቓልኣጋኖ - ዝነብር ኣጊጹ ሓንቲ ከይሓዘ -  እግሪ ከም ኣረነ ሰኣን ሚእቲ ይብል - ከም ዓራጃጂነ   ንፋስ ስግር ባሕሪ -

READ MORE

ንጉያ ብጉያ ትቕድሞ ንቖሎ ስገም - ዓሚካ ትግስሞ ንጽቡቕ ከይደቀስካ ትሓልሞ ንመደብ ስራሕ - ኣቐዲምካ ትኣልሞ ውጽኢቱ ክትሓፍሶ ክተለምልሞ ባኺኑ ከይተርፍ - ውጽኢት ጻዕርኻ ተጋየይ ኣስተውዕል - የማን ጸጋምካ ንዓል ገበል ጎብየ - ከቲሮም ከይበልዑኻ ተጠንቀቕ መርምሮ - ጉዕዞ መገድኻ። ብእግርኻ ይረግጹ - ብጫማኻ ይኸዱ ንልሳንካ ጨውዮም - ብዛዕባኻ የኻዕድዱ መንነትካ ዘንጊዖም - ብምልሓሶም ይዓብዱ ንስኻ ክትርህጽ

READ MORE

መዋእል ተረሚሰ ብብዙሓት ረገጽቲ ብየማን ብጸጋም፡ ጻዓዱ ጸለምቲ ደቀይ ኣጓንዮም ንሃብተይ በርበርቲ። ድሕሪ ነዊሕ ገድሊ፡ ሰፍዘይብል ዋጋ እፎይ ኢለ፡ ከዕርፍ ብስጋ መንፈሰይ ኣይቀሰነን፡  ከየዉሓስኩ ሕጊ እንዳ`ባ ዓመጽ፡ ግፍዒ፡ ምልኪ ጨንይኒ ብኣጋ። ደቀይ እቶም ዉፉያት፡ ደለይቲ ፍትሒ ንነብሶም ዘይኮነ ነሕዋቶም ሓለይቲ በብሓደ ጠፍኡ፡ ብዉሑዳት ጠለምቲ። ወላዲት፡ እወ ኣነ እታ ወላዲት ኤርትራ ኣደራዕ ስቃይ ሓዘን ጥምየት ምስ መከራ ክጸሮ

READ MORE

ጀነቫ በጺሑ’ሎ ዝፈጸምካዮ ገበናት ሰንጢቑ ናይ ኤርትራ ሰማያት ስለዚ ተማሕጺነካ’ለኹ! ተማሕጺነካ! ጽባሕ 27 ግንቦት ካብ እግረይ ከይትተርፍ! እንተተሪፍካ ኣብኣ ትደኻ ክኸብድ’ዩ ዕዳኻ ከይትዝንግዕ ከኣ ኣብ ጀነቫ ምዃኑ ቆጸራይ ቆጽራኻ ይስቆረካ’ውን ይኸውን ናይ ካልኦት መሰል ግሂስካ ብዘይ ፍርዲ ሰብ ምጥፋእካ ናይ ገበን ገበን ከም ዝፈጸምካ ስለዚ ኣብ ናይ ዓለም ቤት ፍርዲ ቀሪብካ መሰልካ’ዩ ክትሰምዕ ክትቅበል ክስኻ መልሲ ክትህብ መልሲ

READ MORE

ይርድኣናዶ’ሎ ይርድኣና!   ኣቱም ኣሕዋት! ብጉድለት ንቕሓት ንጠፍእ ከም ዘለና ይርድኣናዶ’ሎ ይርድኣና! ኣብ ሓደጋ ንወድቕ ከም ዘለና! ይስቆረናዶ’ሎ ይስቆረና! ቅድሙን ድሕሩን ሰሪዖምና ከም ዘለዉ ከጥፍኡና ንዝቐደሙ ክነድሕን እንተ ዘይተጓየና ደድሕሪኦም ስዒብና ጠፋእቲ ምዃና ደቂ ጀጋኑ ሰብ ታሪኽ ምዃና ስለ ዘዘንግዑና ይሕልኑ ከም ዘለዉ ዋና ዘይብላ መሬት ከረክቡ ንጸላኣትና ይርድኣናዶ’ሎ ይርድኣና! ሓንቲ ጥራይ ምዃና ምርጫና እስከ ንሕተት ንተሓታተት! ከይጸቐጠና ድበት እስከ ንመርምር ሕልናና ንዘክር ደቂ ክቡር

READ MORE

ኣንበላይ ክንሱ ሃዳኒ መንደላይ ጽምዲ ተመስገን ዶ ይብል ዩ እሮማይ፣ ንዝሓርበተኩም ጣቍኡ ምልላይ እንሀልኩም ቃሉ ይድገም ብውራይ፣   ሰሚዑኩሞ ዶ ‘ንታ ጩቕጡቕታ ጨራሩ መሬት ከይወግሐ ኣብ ከውታ ጀሚሩ ቅብጸት መሊኹዎ ሰዓቱ ቀይሩ ምድማር ጸጊሙዎ ንምጕዳል ክኢሉ፣ ምዕራብ ምበር ምብራቕ የለን ይብለና ‘ሎ ‘ሞ ድማ ንሰራሕቲ ሰዓት ንግዜ ፈጣሮ ኣምላኽ ክኾነልና ሰብ ምዃን ዘይከኣሎ፣ ኣርሕቑዎ እዝንኹም እሙናት ወፋሮ ከውታ ኣይትንቀሉ

READ MORE

ክሳብ መኣስ ስቅታ ምብትታን፡ ሃገር እናባደመት ዝወለደት ኣደ ደቃ እናተመንጠለት እታ ነፍቅራ መሬት መንእሰያት ኣናበልዐት ዘይንላዘብ ዘይንጥርነፍ ዓንጋሊትና ንሓዋሩ ከይነጸፈት። ክሳብ መኣስ ስቅታ ምብትታን፡ ከም ምዉት ምድቃስ ብዘይ ቀባሮ ሬሳ ኣልቦ መልቀስ ዝቀተለን ዝመሓረን ብሓባር ክውደስ ንዳእትና መእሰሪ ዘይንገብረሉ ከይተበተነ ብንፋስ። ክሳብ መኣስ ስቅታ ምብትታን፡ ህዝብና ብህግደፍ እናጸነተ መሬትና ተሸይጡ ሃብትና እናተዘምተ ክብርና ተጋሂሱ መጻኢና

READ MORE

ኣቤት! ንጠፍእ ኣለና ብዕሹራት ብሰብ-መሰል ኣራዊት ኣብ ጎዳጉዲ ከይተሰምዐ ኣውያት ብደም ጀጋኑ ጨቅያ መሬት ብፍላይ ካብታ 18 መስከረም ዕለት ንህዝቦም ሓበን ዝኾኑ ጀጋኑ ዝበልዐት እናገደደ ዝመጸ ጥልመት ቅትለት ተስፋ ህዝቢ ዘጸልመተት   ጉድ’ዩ ተረኺቡ ዘሎ ዘይ-ኢትነገር!* (ክንገር ዘይከኣል) ንዝረኣዩ ዘጸልል ንዝሰምዑ ዘባህርር ኣብዛ ደቅናን ደቂ ደቂ ደቅናን ከፊልና ዘምጻእናያ ሃገር!   በላዕ ጥዑም ፈዳይ ሕሱም ወሊዳ  ሃገር ክንዲ

READ MORE

09/01/2016 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)   ኤርትራ ሃገረይ ደንደስ ባሕሪ ንጸላእቲ ጠሓሒራ ነብሪ ክንዲ ትሕፈርስ ትድፈሪ ትወልድዮም ጀጋኑ ስብ ስረ ሰብኣይን ሰበይትን ማዕረ-ማዕረ ካበይ ድኣ ምጹ ብዓል ማእረ   ገለ ይደፍኡኺ ብሃይማኖት በድሑር ዝምባሌ ወገንነት ወግሐ ጸብሐ ስኢንኪ ቅሳነት ዶብ የብልናን ኢሎም ይዛረቡ ጽንሕ ኢሎም ብዶብ የሳብቡ ጸረ ሰላም ሓሶት ዝርብርቡ   ሓንሳእ የውርዱኺ ንዕዳጋ ሕሱር ክሸጡኺ ብዘይ ዋጋ ሃህ ምስ በለ ናይ ወራር

READ MORE

-1- ተልዓል ህዝቢ ነሐሰ 23/2016 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)   ተልዓል ሓረስታይ!   ተዓጠቕ ሓረስታይ ስላዕ ምልክቱ ’ታይ ገበረ ብዕራይ ከለዉ ሸፋቱ ዕስለ ነፋሒቶ ወሪሮማ ሃገር ክንደይ ሳዕ ክድቀስ ሕጅስ ተበራበር   ሓሪስካ ክትበልዕ ጓሲኻ ክትጥቀም ብተኮ ማእለማ ናይ ከድዓት መልቀም ኣብ ክንዲ ትኸውን ናይ ባይቶኻ ዋና ኰለል ከብላኻ ደቂ ሕድርትና!   መንጢሎም ዝወስዱ ቦዂሪ ሕሳስ-ልደ ንብረት ህግደፍ ኰይኑ ኩሉ ዝተወልደ ኣየጒህየካን ድዩ በይንኻ ክትበሊ ካበይ

READ MORE

አዛበእ ዓድና እምብዛ ገርጊሮም ወግሐ ጸብሐ ዝⷅሩ ሕብሮም ሓሶት ክዛረቡ ምንም ዘየሕፍሮም ግርጉራት አዛበእ እከይ ግብሮም ናይ ቀደም አዛበእ ይዘምቱ ብለይቲ ናይ ሎሚ ግን ዋላ ብመዓልቲ ጨሪሶመን ንከብቲ ዕባራ ስብሕቲ መስኪናይ ዓኻይ ጥሪቱ ምሰአነ አደዳ ጥሜትን ሰእነትን ኮነ ግርግርቲ ዝቢኢ ምስ ክልተ ደቃ ናብ ደንበ አተወት ማዕጾ ፈንቂቃ ንዝደቀሳ እንሣሳ ኧእቲዋ ፋሕ ብትን ሓደ ሰብ አይነበረን ከድሕነን ዝፍትን ወይከ

READ MORE

ነሓሰ 12-2016 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)   ወዮም መሳቱኻ ድሓን ውዓል ኢሎም ወዮም መንእሰያት ቅልጽሞም ኣልዒሎም ቀምሲላ ትመውት ዘይትዓቢ ኪታ ብየማነ-ጸጋም ከውሒ ጎረቤታ   ተረፍ ተሳኢኑ ዝድርበ ካብ መግቢ ናይ ሰብሲ ግደፎ ፈንፊኑካ ከልቢ ህግደፍ ዓመጸኛ ወጺኡ ዕርቃኑ ኣበይከዩ ከብል መጺኦም ጀጋኑ   ሃልሃልታ መንእሰይ ደጊም ኣርከበካ ዝርዝር ከተቕርብ ክንበብ ደብተርካ ጋንታ ነይ ጠለምቲ ህዝቢ ዝሰረቐ ጸባሕ ክፍለጥ’ዩ መን ከም ዝሓንቀቐ   ባንዴራ መንእሰይ

READ MORE

ኤርትራ ዘይትርብርብ ኣደ 07/30/2016 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)     እዚ ኹሉ መሪሽኪ ንሰላሳ ዓመት ሕጂ’ውን ኣይከደን ኣይሃፈፈን ጥልመት ተሰካሚት ጋዶ ጽዕነት ዘይኸብዳ ኩሉሳዕ ማራቶን መገሻ ልማዳ   ወዲ እንተወለድኪ ቃልሲ ትምህርዮ ጽባሕ ዝመጸኪ ስለ ትፈልጥዮ ጓል እንተደገምኪ ጅግና ዘይትሕመ ኣለኹልኩም ትብል ወያ ህጻን ጋመ   ኤርትራ ሃገረይ ኣንቲ ፈራይት ላም ስለምንታይ ግና ትሕውሲ ጠላም? ኣብቲ ጻዕዳ እኽሊ ኣብቲ ስገም ስርናይ ለካ ስዓዕ ኣሎ ናይ

READ MORE

ሃይለ ሰኣላይ!!!!!የዕሪፍካዶ? ሓወይ! ዓርከይን! ተፈሊኻዶ? እሞኸ! ኣብ መገሻኻ በጺሕካዶ? ናብራ ዓለም! ተሳናቢትካያዶ? ከድካ ኣለኻ! ፡ ኩሉ ሰብ ዝኸዶ።   ብዓል መንደፈራ ሃይለ ተኽለ ብንእሱ ኸሎ ለይለይ እናበለ ቅድሚ ኩላትና ብሙያኡ ዝልለ ተማሃርይ ከሎ ሰኣላይ ዝተባህለ ክንደይ በራድ ሻሂሞ! ዘይከፈለ።   ሃይለ ተኽለ ብዓል ድበዛና ኣብ ማእከል ተኸላ መራሒትና ዓዲ ደግያት መሓሪ ብዓልዝና ለባም ናይ ዓዶቦ ደብተር ሰራየና ጠርኒፎም ዝጽሕፉ ሕጊ ዓደቦና ብዘንጊ

READ MORE

ማይ ነሓሰ: ጃሕጃሕ ክብል          ጎደናታት ተሓጺቡ          እኹል ማይ ጸጊቡ          ቀው ኢለ ጠመትኩ ከንሳፍፍ ጀመርኩ፥ ኣብ ናይ በይነይ ማዕበል ሓንጎለይ ተውንጨፈ: መን ከርክቦ ንናይ ብርሃን ፍጥነት ሓለፎ ኣብ ቦታይ በጻሕኩ:  ኣብ ናይ ሓጺር ጉዕዞ እዋይ! እንታይ ገነት ድኣ 'ዩ በልኩ ብርከይ ከይዓጸፍኩ ሰብ ብሩሃት

READ MORE

ብስራት ድምጺ ኣርሓ ደርሆ- ዎያ ሳልሰይቲ ብስራት ወጋሕታ - ኣፋናዊት ለይቲ ንድሕሪት ሰሪዓ - ኹሎም ኮዋክብቲ ብርሃና ሊኢካ - ንሰናይ መዓልቲ   ገሃጽቲ ምህርቲ - ገና ብጭልቕዑ ናቶም ኸይኣኽል - ሓንጊሮም ቖልዑ ለባም ኽሓዝን - ንሶም ዝስዕስዑ ይረድኡ ሎሚ - ድምጺ ህዝቢ ይስምዑ   ነዚ ድምጺ እንተ’ሎ - ፍጹም ዘየለሊ ንድሕሪት ዝቖጽር - “ሓደ ኢሉ ትማሊ” ናፋቒ  ውቤ

READ MORE

ኣፈ’ርክቡ 17/07/2016 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ) ኣውያት ኰይኑ ተደፊኑ ቀልቡ ገባር እከይ ጠሊማቶ ልቡ ዘመድ ተሳኢኑ ኣፈ ’ርክቡ የማን ጸጋም ኢሉ ዝረብረበ ክገይሽ ዝጸንሐ ከይሓሰበ ደበኽ ኢላ ወዮ ሓመድ ድበ   ካብ ወድ-ሰብ ኣራዊት ዝፈቱ ወዮ ምንጫት ስጋ ናይ ’ሕዋቱ ዋዜምኡ ግብኣተ መርየቱ መርድእ ኰይኑ ደይቦም ኣብ ህድሞ ብዓል ህበይ ብዓል ዘርም-ዘርሞ ንመቓብር ንዑናይ ኣንዲያሞ   ቅተል እሰር ጥራይ ዝለመደ ኣልቦ ሕፍረት ነ’ቦ

READ MORE

ዋኑ ከፊኡ፡ ከዊሑ ግዜና፡ ጸገምና ነዊሑ፡ በዚሑ ሓጢያትና፡ ተፈሪዱና ድዩስ፡ ወይስ ተረጊምና፡ ተደራራቢ ሕሰም፡ እንታይ’ዩ በደልና፡ ንመን ኢና ንጠርዖ፡ ሰማዒ ሲኢና፡ መጽለሊ ተሳኢኑ፡ ፈሪሱ ዑናና፡ መብራህቲ ጠፊኡ፡ ጸልሚቱ ገዛና፡ ዝስተ ማይ ሓሪሙዎ ትህዝብና፡ ዝሓርስ ተሳኢኑ፡ ባዲሙ ግራትና፡ ነጸላ ዘርጊሐን፡ ኣዴታት ክልምና፡ ቀንፈዘው ክብሉ፡ ኣቦታት ኣብ ጎደና፡ መንእሰይ ክስደድ፡ ናብ ዓዲ ጓና፡ ገሊኡ ክጥሕል፡ ኣብዘይ ብሕርና፡ ገሊኡ ክቕበር፡ ኣብዘይ

READ MORE

ተደዊሉ ረድኢ ክፍለ (ባሻይ) June 29, 2016   ወዮ ደወል እምበር ተደዊሉ ህዝቢ ዓለም ኩሉ ዘትዩሉ ጅገና መንእሰይና ኣምበልቢሉ ዓቢ ደወል-ደወል ናይ ኤርትራ ዓለም ዝነቓንቕ ኣውያት ስድራ ናይቲ ኩሉ ሓሳረ መከራ   ለጠቕ ’ተልካ ዳንጋ ተወጢሩ ክብ እንተልካ ቅልጽም ተገቲሩ መንእሰይ ደው ኢሉ ንሃገሩ ኣየ ኣጸዓዕና ኣየ ውድን ብየማነ-ጸጋም ጓልን ወድን ደብተር ተገነጸልካስ ሕግን ፍርድን   ኣርብዓን ኣርባዕተን ከርበ ህበይ ተፈልፊሉ ብዂርማጅ መንእሰይ ኣይ

READ MORE

    በኣሽሓት ክመጹ ተጸቢዮም ጥቓ 2000 እዮም ተቖጺሮም Tesfamariam Wel, 28/06/ Norway   ካብ ተላዕለ ደላይ ፍትሒ ህዝብና ገና ገና ተጸኒሕናስ ካልእ ክንሪኢና ንዓመጽቲ ብሓንቲ ገመድ ሓኒቕና ብሓደ ምስ  ኣኽላባት ክንቀብሮም ኢና   ሎምስ ክዉሕዱ ጉልሓይ ግዲ ኣትዩዎም ኣማዕዲኻ ክትሪኦም ተዳሂሎም ዎጅሆም ብኸይብሉኒ ሕድሕዶም ብፍርሒ ሪዒዶም ብገጾም ይፍለጡ ከም ዝመጹ ተወጢጦም   ኣምሓርኦም ኦሮሞም ሶማሊኦም ህግደፎም ግንቦት 7 ህዝቢ ብጥምዩ ህገደፍ ዝቕልቦም ኣንድነት

READ MORE

እምነ እምነ ጸጽብቁ እምነ ሰላም ክረከብ ብፍትሒ ክዳነ ብምሽቁራር ከይስጉም ደኒነ ኣብ ገዛእ መሬተይ ክድቅስ ቀሲነ። ብልቢ እምነ ኣብ መሬተይ ብኽብረት ክነብር ክወልድ ክዝምድ ከምቲ ንቡር ምስ ሞዛኖይ ብንእስነተይ ክዕንድር ንሰላም ክዝምር ወግዒ ሃገረይ ከስተማቅር።   እምነ ዓዲ ዝወዓሉ ወለደይ ክጥውሮም ዓስቦም ክኸፍሎም ፍረ ጻዕሮም ኣለኹልኩም ክብሎም ኣብ ሕማም እርጋኖም ብንጥፈት ክዋሳእ ኣብ ሓዘን ሓጎሶም። እምነ ብዙሕ’የ ዝምነ ግዱዕ ክሕግዝ

READ MORE

  Tesfamariame Wel. 19/06/2016 Norway   ጥሪት ህግደፍ ሕደግ ኣይትዓሹ ንሓቂ ድለያ ስምካ ኣይተባላሹ ሳዕሲዒት ግደፍ ዓደቦኻ ናበሪሱ ክሳብ መዓስ ከተታልል ክትሕሱ? ኣርክብ ኩሉዩ ኣብ ልመቡ ተመሊሱ   ዓዲ በጺሕካ ተዛረብ ታይሪኢኻ ኩነታት ህዝብና ከመይ ጸኒሑካ ሓቂ ንገር ጥውይውይ ከይበልካ ኣብ እዝነይ ህግደፍ ከይሰምዓካ ሕሹኽ በለኒ ሕሩም ከይነግረልካ   ክፉእ እናሰማዕና ክፉእ እናረአና ቁሩብ ተሪፉ ከተንቁሩዎ ዓይንና ብዓል ኣይስቆሮም መንሽሮ ህዝብና መታሓፍስቲ ዲክታቶር ጨፍላቒና ንዘጽንተና

READ MORE

እንታይ ገዲሽኩም ተሽበድብዱ ካብቲ ናቱ ናትኩም ገዲዱ ሎሚ ዲዩ ህዝቢ ተአጊዱ ገዛኹም አፍሪሱ ገንዘብኩም ወሲዱ ገዛ ገዛ ንሰብ ተዋርዱ ፈርም እንዳበልኩም ተገድዱ ኮሎ ገና ነብስኹም ፍረዱ ከይትሓፍሩ ጊዜ እንተወሲዱ አብ ቅድሚ ህዝብኹም ትዋረዱ። ርብዒ ዘመን ሓሊፉ ብከንቱ ህውከት እምበር እንታይ አበርኪቱ ገምትዎም  ዝጠፍኡ ዝሞቱ እቲ ዝተረፈ ተዘሚቱ ብዶላር ገዚኡ ንመሬቱ ዘሕዝነካ ናይቶም ዝመስረቱ ገሊኡ ፈሪሱ ገሊኡ መሪቱ መንግስትና ይብል አብ ስደቱ ብሳንዱቕ

READ MORE

ነቐለ ነቐለ ደላይ ፍትሒ ንጀነቫ ነቐለ ንመርማሪ ኮሚሽን ባይቶ ውድብ ሕ/ሃገራት ኣገናዕ! ተዓወት! ተዓወት! እናበለ ብመናውራ ህግደፍ ከይተደናገረ ህግደፍ ዝፈጸሞ ግፍዒ መሊኡ ከም ዝፈሰሰ ስለ ዝመስከረ ክክሓድ ዘይክእል ሓቂ ከውጽእ ስለ ዝኸኣለ ደላይ ፍትሒ ጀነቫ ውዒሉ ብሓጎስ እናዘለለ ኣገናዕ! ተዓወት! ተዓወት! እናበለ በቲ ዘሕለፎ ሰብራ ዜና ድሕሪ ጸላም ብርሃን ከም ዘሎ ፈሊጥና እናደጋገመ እናዘመረ ክጽበዮ ዝጸንሐ ዓወት

READ MORE

                                                               ብገዛኢ ኪዳነ                                      ጸሓይና ባናኣ የንጸባርቕ ኣሎ                                      ሎሚ'ውን ኣርክብ ብርኪ ሊሎ                                      ቀሪቡ ኢዩ ህግደፍ ክዕሎ                                      ኣጆኻ ጎበዝ ሻምላኻ ኣልዕሎ                                      ናብ ጀነቫ ኢዩ እቲ ንቕሎ።                                           ኣርክብ ኣብቲ ናይ ህግደፍ ቀብሪ                                          ብሕግን ስርዓትን ኣባይ ከነጽሪ                                          ኣጆኻ ጎበዝ በዓል ውልዶ እግሪ                                          ኣብ ከተማ ጀነቭ ዝለል ከም ነብሪ                                          ስለቲ

READ MORE

ወርቂ ፍሥሐየ መብራህቱ ርኣዩዋ በሉ ጓል ሃገረይ፡ ከም ንግሥቲ ተዓጂባ ከም ልዕልቲ ወርቂ ካባ ዘይዓጣ ዘይዓጅባ፣ ተዃሒላ ቀባሕባሕ በናጅር ኣብ ኢዳ ጨርባሕባሕ ኣልማዝ ካቲማታ ማሕማሕ ኵትሻ ኣብ እዝና ወዛሕዛሕ ጐባጉብ ኣብ ክሳዳ ፈሣሕሣሕ ወርቂ ሚዶ ኣብ ርእሳ ነፋሕፋሕ ሕልሕሎ ተኣንጊባ ሸማሕማሕ በራውር ኣንባር እግራ ሽዋሕዋሕ። እንድዒኸ! ናይዛ ኃውተይ ይገርመኒ ምስ ባህልና ዘየሣኒ ከይተቐብረ ሬሳ በድኒ ናብ ጓይላ’ያ ዝመስለኒ ተበጊሳ ጌራ ሳእኒ፡ ሓሚማዶ ክቱር ረስኒ? ዓቢዳዶ

READ MORE

መን እየ ኣነ? ሽግር  ሓሊክዎ መልሓስ ተዓጽፎ ዓለም መኒኑ ይነብር ኣብ ቆፎ ንእሽቶ መስኮት ንትንፋስ ገዲፉ ኣብ ጉድጓድ ይቅመጥ ኣብራዂ ዓጺፉ ዝባነ ዝባን ሸነን እንታይ ክዓብሰሉ ብኣየር ዝጓዓዝ ድምጺ እንተዘይብሉ ሓደ ግዜ ግን ሓንቲ ምድረ በዳ ፈጺመ ኣይሩህሩህን ዝበልክዎ ከብዳ ድምጸን ኣጕሊሔን ነጢረን ዝከዳ ኣሎና ዝብላ ብቅጽበት ወሊዳ ንክብሪ ሃለዋት ብሓባር ዘድምጻ ብቝሊ ምድሪ ድየን ካብ ሰማይ

READ MORE