Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

isሎሚ ሕዝቢ ኤርትራ እቲ ኣብ ውሽጢ ከብዲ ዓዱ ከም ረመጽ ዝሽልቡቦ ዘሎ ሕቶ ቅዋም፡ ሕቶ ነጻ ፕረስ፡ ሕቶ ስራዓተ ሕጊ፡ ሕቶ መሰል፡ ሕቶ ደሞክራሲ፡ ሕቶ ምርጫ፡ ሕቶ ፍትሒ፡ ሕቶ ምዕባለ፡ ሕቶ እሱራት ምፍታሕ፡ ሕቶ ዓመጽ፡ ሕቶ ፖለቲካዊ ምንዝርና፡ ሕቶ ብልሽውና፡ ሕቶ ተሓትትነት፡ ሕቶ ግሉጽነት….. መልሲ ዘቛምተሉ ዘሎ እዋን ኢዩ፡፡

farmerኤርትራ ሃገርና ከም ኩለን ዘይማዕበላ ሃገራት ቁጠባ ኤርትራ አብ ሕርሻ ዝተሞርኮሰ እዩ። ስለዝኸነ ድማ 80 ካብ ሚእቲ ህዝቢ ኤርትራ ብማሕረስ ከምዝመሓደር ይፍለጥ። ቁጠባ ሃገርና ትሕቲ 15 ካብ ሚእቲ አብ ሕርሻ ዝተመርኮሰ እዩ።

ሰላምትማሊ ዕለት 18 ሓምለ 2007 ሓደ ጽሑፍ ብኣቶ ተስፋማርያም ሓጎስ ዝተባህለ ዝተጻሕፈ፣ ኤርትራ ህያብ ስዋኣትና ኢያ፣ ንምዕቃባን ንምሕያላን ንጽዓር፣ ንጽባሕ ንጠምት፣ ብዝብል ኣብ ድምጺ መሰልና ደሊና ሰሚዕና። ኣብ ትሕዝትኡ፣ ግልብጥሽ ብዝኾነ ኣዘራርባ፣ መንእሰይ ሃገርካ ሕድሪ ስዋኣትካ ገዲፍካ ትሃድም ኣሎኻዶ ካልእዶ ብምባል ብቃና ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ ምስ ሰማዕኩ ተዳናጊረ።

ይገርመና ሎእወ ሕጂ ከኣ ብዝያዳ ይገርመናሎ! ካብቶም ገበርቲ እከይ ህግደፍ ተኸዊልና እንተበልናስ፣ ኣብዚ ክልተ ሰለስተ መዓልቲ ብዓል የማነ ገብርኣብዶ፣ ብዓል ሓጎስ ኪሻዶ፣ ብዓል ማንጁስዶ፣ ብዓል ጠዓመ (መቐለ)ዶ ኣብዚ ከተማ ጁባ ኣትዮም፣ ምስ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪየር ማርዲት ካልኦትን ኣብ ሆተላት ከወደኽድኹ ይረኣዮ ኣለዉ።

sawaገለ ወለዲ ካብ 1ይ ዙርያ ጀሚርና ደቅና በብጊዚኡ ዝለኣኽና ንህሉ ንኸውን። ንሕሰቦ ክሳብ 21 ዙርያ፣ ሓንቲ ዓመት እንተሓለፈት ሓንቲ  ተርክብ። እዚ ነቶም ወፋሮ ተማሃሮ ጥራይ ዘይኮነ ንወለዲ ክሳብ ክንደይ ኣብ መነባብሮኦም ቅልውላው ከምዘእትወሎም ዝፍለጥ እዩ።

J clarckብቀዳምነት ከም ናይ ሓለፊ ናይ ነቭሳን ዕደና ወርቂ ኣብ ኣፍሪቃ፣ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኤርትራ ኮይንኩም ኣብ ቢሻ እተካይድዎ ዘሎኹም፣ ናይ ማዕድን ዳህሰሳ ስራሕ፣ እንቋዕ ኣብ ዓወት ኣብጻሕኩም ንብል። እቲ ዓወትኩም ዓወት ህዝቢ ኤርትራ ብዓቢኡ ብምዃኑ።

NSመንእሰይ ሞተር ሃገር ተባሂሉ ብክንክን ጥዕናን፣  ብትምህርቲ፣  ብሃናጺ መግቢ፣ ስፓርት ወዘተ፣ ተኾስኪሱ ክዓቢ ዝግባእ ቀንዲ ክፋል ናይ ሕብረተ ሰብ ኣካል እዩ። እንተኾነ ግን ኣብ ኤርትራና ብግልብጥሽ ኮይኑ፣ ክውዒ ብማንካ ክዝሕልን ብኢድካ ከምዝበሃል፣ ኩናት እንተመጸ ንዕኡ፣ ስራሕ ባርነት እንተሎ ንዕኡ፣ ግፋ እንተመጸ ንዕኡ፣ ስም ምኽፋእ እንተመጸ  ንዕኡ፣ ብዓቢኡ ድማ ግዳይ ናይ ስደትን መከራን ሽግርን ኮይኑ ይርከብ።

Shidaበሉ ወይ ወረስ ኣይትበሉኒ፡ ወይ ድማ እቲ ዝግባኣኒ ሕድሪ ስውእ ኣውርሱኒ፡ ልዕልና ሕጊ ዘረጋግጽ፡ ኩናት ብሰላም፡ ዓመጽ ብፍትሒ፡ ዝትክእ። ሓድነት እዚ ሕላገቱ፡ ፍትሒ እዚ ባይትኡ፡ትርግታ ህዝቢ ኤርትራ ብኣንኹሮ ዝሰምዕ። ኣራግጻ እግሪ ሓደ፡ ንጥምርትን ስምርትን ብልጽግቲ ኤርትራ ዝሰርሕ ደምበ ተቓውሞ ኣውርሱኒ።

intenios 2…ኣቦና ቅድምውን ካብ ዓለም ወጺእኩም፣ ንሰማያዊ ህይወት ዝመነንኩም ብምኻንኩም፣ ወይልኦም ድኣ እቶም ገበርቲ ክፉእ እንበር ንዓኹም ድኣ ሱባኤ ናይቶም ቅዱሳት ኣቦታት ኣቡነ ፍሊጶስ፣ ኣቡነ ገብረመንፈስ ቅዱስ፣ ኣቡነ ተክለሃይማኖትን ካልኦት ኣቦታት ስለዝኾነ ብጸሎትኩም ነዞም ሰብኣዊ ህላዌና ተደሚሲሱ ዘሎ ደቅኩም ኣይትረስዑና። …..

ካብ ወልደንድራስ

ነጻነት ራህዋ እዩ። ነጻነት ተኸቢርካ አብ ሃገርካ ምንባር እዩ። ነጻነት መሰልካ ዝኽበረላ ሃገር ምውናን እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ግን ከምቲ ዝተመነዮን ዝሓሰቦን እቲ ንዓመታት ብሃረርታ ዝተጸበዮ ነጻነት ከምቲ ሃረርትኡ አይረኸቦን።

እዚ በዓል ናጽነት ህዝቢ ኤርትራን መራሕቲ ህግደፍን ብሓባር ክውዕልዎ ናይ ብሓቂ ዘገርም እዩ። ብዓል ነጻነት ሃገርና ነጻ ዝኸነትሉ ብህዝቢ ኤርትራ ዝተኸፈለ ከቢድ መስዋእ ድኣ እምበር ንህግደፍሲ ውራዩ አይኮነን። ህዝቢ ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ አብ ከቢድ ጸገም ተሸሚሙ አብ ዝርከበሉ ዘሎ እዋን ኢና ነዚ መበል 16 ዓመት ብዓል ነጻነት ነኽብር ዘለና። እዚ እዋን ንነብስናውን ካብቲ አቲናዮ ዘለና ኩነታት ክንወጽእ ንሓተሉ ግዜ እዩ።

መሰረታዊ ናይ ምባር መሰል ተሓሪምና፡ ብውሕሰነት ሃገር ጉልባብ ኣመክኒካ “ኣብ ዘይውዳእ ባርነት ወፊሪ ዋርሳይ ይከኣሎ” እንዳተረግጸ፡ መንእሰይ ኣደዳ ማእሰርቲ፡ ስደት ተቓሊዑ እንዳረኤና።  ነዚ ሕማቅ ናይ ድሕሪ ናጽነት መሬት ዝቓንየሉ ተሳኢኑ። ገዳይም እንተስ ዝሓለፈ ኣበርክቶና ይኣኽለና፡ ወይስ ቐደም ዘጓሳጎስናዮ መንእሰይ መስዋእቲ ፍረ ኣልባ ኾይኑ እዩ እሞ። እንታይ ክንደርፈሉ ኢሎም ግዲ ተስፋ ቆሪጾም ኾይኖም መልሓሶም ተለኺቱ ስቅ ምባል መሪጾም። ማሕበር ስቅ ተጸንቢሮም።