Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዘዕብየትኒ ስድራቤት፡ ዓደይ፡ መተዓብተይ፡ መማህርተይ፡ ናይ ናጽነትን ሓርነትን መቃልስተይ ከምዘይነበረ  ክርስዖን ካብ ሓንጎለይ ከውጽኦን ዘይከኣል እዩ።ወይ ድማ ኣእምሮይ ዝሰሓትኩ ክኸውን ኣሎኒ ማለት እዩ።

ተስፋን ጽቡቕ መጻእን ሃገር ንልቦናና ዓብሊሉዎ፡ “ምእንቲ ናጽነት ኩሉ ባዕሉ ይፈልጥ” እናበልና ደም ርሂጽናን ክዒናን ዘምጻእናዮ ናጽነት ኳዅቶ ኣብቍሉ እናረኣናዮ፡ ሎሚ “ምእንቲ ለውጢ ኩሉ ባዕሉ ይፈልጥ” ክንብል ኣይወሓጠልናን እዩ ‘ሞ ነቲ ወዛል ኵሒል ንበሎስ ኣይግድን።

ቃል ኣቦ-መንበር ተጋ. ኣድሓኖም ገብረማርያም ኣብ 2ይ ውድባዊ ጉባኤ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ !!

ኣብ ሃገርና ወሪዱ ዘሎ ጸገምን ኣደራዕን እንታይ ይመስልን ከመይ ጌሩ ክፍታሕ ይኽእልን ብዙሓት ተባዓት ዜጋታት ብድርሰታዊ ክእለቶም ብደርፎም ብግጥሞም ኮታስ ብኽገልጽሉ ዝኽእሉ ኣጋባብ ጌሮም ናብ ዘይፈለጠን ዘይተረድኤን ከረድኡን ሓሳባቶም ከሰጋግሩን ፈቲኖም፡፡ ንስምዓዮም ኣይንስምዓዮም ኣይኮነን እቲ ሕቶ፡፡ እቲ ሕቶ እቶም ዝኽእሉ ዜጋታትሲ ሓላፍነቶም ይገብሩ ኣለው፡፡

ንኢትዮጵያዊ ሜጀር ጀነራል ሓየሎም ኣርኣያ ብኣካል ኣይፈልጦምን እየ።ብዝተፈላለዩ ጽሑፋትን ሰነዳትን፤ከምኡውን ምስ ብዙሓት ምስዝፈልጥዎምን መጋድልቶምን ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን ኣባላት ህወሓትን ኤርትራውያን ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባርን ብዝካየድክዎ ዕላላትን ወግዕን ከምዝተረዳእኽዎ ግና ጀነራል ሓየሎም ኣርኣያ ጅግና ሓርበኛ፤ተባዕ ወዲ ህዝቢ ምዑት ተጋዳላይ እዮም ነይሮም።

ኤርትራውያን ካብ ኣተዓባብያና፣ ባህልና፣ ከምኡውን ሃይማኖትና ዝመጸ ክኸውን ዝኽእል ዒብ ምግባር መፈጠርና ኢዩ። እዚ ድማ ኣብ ኩሉ ናብራና ዝጸልወና ኮይኑ፣ ልቢ ምዕባይ’ውን ምስኡ ተመስሪቱ ዝኸይድ እዩ። ዒብ ምግባር መብዛሕትኡ ግዜ ረብሓኻ፣ ጠቕምኻ፣ ኣሕሲምካ ወይውን ከይብሉኒ ኢልካ፣ ወይውን ይኣኽለኒ ኢልካ እትፍጽሞ ነብሰ-ግትኣት እዩ።

እዚ ንኣትዎ ዘለና ዓመተ 2008 ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ከም ነበልባል እናተወልዓ ዝኸይድ ዘሎ ሕቶ ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ንምምስራት ብዝያዳ ዝሕይለሉ ዓመት ንክኽውን ኩላትና ክንሰርሓሉ ዘለና ዓመት እዩ።

ዝከበርካ ኣንባቢ መሰል ድምጹን ሓሳባቱን ከቅርብ ዘይክእል፣ ሽግራቱ ኣብ ጊዜኡ ክፈትሕ ኣይክእልን እዩ ዝብል ኣርእስቲ ተሞርኪሰ ክጽሕፍ እንከለኹ፣ ብዙሕ ትዕዝብትታት ስለዘሎኒ እዩ።

ተጻዋርነትን ዓቕልን ዝድለን ዝምስገንን ጠባይ ከምዝኾነ መብዛሕትና ንሰማማዓሉ ይመስለኒ።እዚ ተጻዋርነት ግና መጠኑን ማእዝኑን ስሒቱ ናብ ተጎምጻጻይን ተንበርካኻይ ምኹዋን ገጹ ከየምርሕ ኣየፍርህንዶ? ዝብል ለባም ሕቶን ሓታትን ክልዓሉ ኣገዳሲ’ዩ ይብል።

እዘን ክልተ ሃገራት ከም ኣመሪካን ካናዳን ክቀራረባ ምተገብአ። ግን ስለ ምንታይ ኢየን ኢትዮጵያን ኤርትራን እንደገና ኣብ ገምገም ውግእ ዘለዋ?

ኣብዚ ብ25 ሕዳር ዘካይዶ ኣኼባ ክንሳተፍ እንተወሲና ርጡብ ሕቶ ንምሕታት ንዳሎ። እቶም ኣብቲ ኣኼባ ክትሳተፉ ዘይትደልዩ ድማ ኣብቲ ንገብሮ ታቤላዊ ተቓውሞ ተጸንበሩና። 7 Croatia Street (Between Dufferin and Bloor – South of Bloor and North of Dufferin Mall) ሃየ ግዜ ዝጠልቦ ስራሕ ንስራሕ!

ንዝወረደካ መከራን መዓትን ግና ወይ ኣሜን ኢልካ ተቐቢልካ ምርማስ፤ ወይ አምብለይ! ኣይፋል ንጨቆና ፤ኣይፋል ንውርደት፤ኣነ ሰብየ ከም ከብቲ ኣይሕረድን ኢልካ በብዘለኻዮን በብትኽእሎን ምምካት ኣማራጺ ዘይብሉኣገባብ ዩ።

አብ ቀንዲ ትሕዝቶ አርእስተይ ንምእታዉ እምበአር፡ ወይዘሮ ሶፍያ ተስፋማርያም ዝተፈላለዩ ተቓለስቲ ንምዉንጃል ማለት ክሳብ ብደረጃ ሓላፍነት ንህ.ግ ዝመርሑ ዝነበሩ ጠቂሳ አብ ዘስፈረቶ ጽሑፍ ብዓቕመይ ርኢቶይ ንምሃብ ኢለ ዝጽሕፍ ዘልኹ እዩ።

ድሁል ዝብል ቃል ኣብ ትግርኛ ቀሊል ትርጉም ኣይኮነን ዘሎዎ። ልዒል ምስንባድ ሓሊፉስ ኩሉ ስብእናዊ መንነቱ ብምትንካፉ ኣብ መነባብርኡ ርእሰ ምትእምማን ከጥፍእ ከሎ እዩ። እዚ ብዝያዳ ኣብ ገለ ኣብ ደገ ዘሎዉ ኤርትራውያን ክንጸባረቕ እንርእዮ ዘሎና ተርእዮታት እዩ።

መሪሕነት ኤርትራ ከም ንቡር፡ ንውሳኔታቱ ይተዓወቱ ይፍሸሉ ሓላፍነት ክስከመሎም ኣይተብዐን። እንሆ ኸኣ፡ ኣብ ክንዲ ካብ ጌጋ ናብ ቅኑዕ ዝምለስ፡ ካብ ጌጋ ናብ ጌጋ ይሃጽጽ፡ መዓልቲ መዓልቲ ነቲ ዓፍራ “ከውሒ” እናበለ ይረግጾ። እቲ ጸገም እቲ ጌጋ ኣይኮነን፡ እቲ ጸገም፡ ካብ ጌጋኻ ክትሃድም ክትብል ኣደራዕ ህዝብን ሃገርን ምዃን እዩ። ሃገርና ኣብዚ ኩነታት ‘ዚ ኸላ ከኣ ‘ዩ ድምጺ ኵናት ዘቃልሕ ዘሎ።

ዛጊት ሰላም ረኺብካ ሩፍ ኣይበልካን። እቲ ብ “ኣይሰላም ኣይኵናት” እናተገልጸ ንዓመታት ላሕ ዘበለካ ሰንፈላል ዝበዝሖ ዘይቅሱን ኩነታት ሕጂ መመሊሱ እናኸፍአ ብምኻድ ብግህዶ ናብ ኵናት ክዘዙ ይርአ ኣሎ። ንስኻ ገበነኛ ወይ ሓጥያተኛ ስለዝኾንካ ኣይኮነን ደበና ኵናት ኣብ ሰማያትካ ዳግም ሰሪቡ። ዘይወዓልካዮ ዕዳ ዕቡዳት ምኽፋል፡ ግዳይነትካ ስለዝለመደ ደኣ ‘ምበር።

Aመታዕቢተይ፡ እዛ ሃገር ናብ ምንታይ ተመርሕ ከምዘላ ትዕዘቡ ዶ ኣለኹም? ዝተዳህከ ቁጠብኣ ከይተበራበረ፡ ዝተዘርገ ጸጥትኣ ከይተመልሰ፡ ዝተመዛበለ ህዝባ ከይተጣየሰ፡ ዝተጎድአ ቁስላ ከይሓወየ ካልእ ሓደጋ ከንጸላልዋ ጀሚሩ።

aronሓደ ሰኽራም ሰብኣይ ብሓጺር ዝልዳቱ ኣፍደገ ክኣቱ ይፍትን። ቁመቱ ልዕሊ’ቲ ልዳት ስለዝነበረ ብግንባሩ ምስቲ ልዳት ተጋጭዩ ንድሕሪት ይምለስ። ሰኽራም፡ እንደገና ተመሊሱ ብጠጠዉ ብናህሪ ክኣቱ ይፍትን፡

ሕዝብና ካብ ዝሓለፈ ግዝያት ንላዕሊ ንፍትሕን ሕግን ንመሰሉን ንምቅላስ ይለዓል ከምዘሎ ኣብቲ ዝነበረ ብዝሒ ተሳተፍቲ ክዕዘብ ክኢለ፤ ብናተይ ውልቃዊ ትዕዝብትን ግምትን ከኣ ብውሑዱ 500 ዝኸውን ሕዝቢ ኣቢሉ ይኸውን ነይሩ በሃላይ ኢየ።

እዚ ሎሚ ዕለት 18 .09.2007 ኣብ ለንድን፡ ሮማ፡ ሰቶኮልም፡ ዋሺንግቶን፡ቀኢሉ እውን ኣብ ፍራንክፈርት፡ ዝግበር ዘሎ ሰለማዊ ሰልፍታት እዋናውን ኣንፈት መጻኢት ኤርትራዊት ደሞክራሲን ኢዩ። 

ኣንቱም ሰባት፣ ሰዊት ዕድሜኻ ኣብ በረኻን ስንጭሮን ኣሕሊፍካ፣ ህይወትካ ኣወፊኻ፣ ነጻነት ኣምጺእካስ፣ ኣብ ዝኣተኻዮ ዘይፍለጥ ሽታ ማይ ኮይንካ ሽርብ ክትብል። ሎሚ ይምለሱ ጽባሕ ይምለሱ፣ ኣብ እምባትካላዶ፣ ዒራዒሮዶ፣ ካርሸሊዶ፣ እከለ ተሰዊኡ እከለ ኣሎ እናበልካስ ዓመታት ክሓልፍ።

Septእሱር፣ ኣብ ቅድሚ መንግስቲ ኤርትራ፣ ካብ ክትሕረድ ዝቐረበት ደርሆ ንታሕቲ መሰል ዘለዎ፣ ባህላውን መንፈሳውን ሃገራውን ክብሪ ዝተቐንጠጠ፣ ሬሳ ዓይኒ ዘለዎ እዩ። ከይጠሚ፣ ከይህረም፣ ስድራኡ ክበጽሕዎ፣ ክሕከም፣ ክመሃር፣ ጉዳዩ ብነጻ ቤት ፍርዲ ክርኤ፣ ብጠበቓ ንነፍሱ ክከላኸል መሰሉ እዩ። እዚ ግን ኣብ ኤርትራ ዘይሕሰብ ከም ዝኾነ ኩልና ንፈልጦ ሓቒ እዩ።

ታሪኽ ብቓልዕ ክድገም ንዕዘብ ኣሎና፡፡ ካብቲ ውሕጡና ዘሎ ትኻስ ተበራቢርና ዓገብ ከይንብል እንታይ ዓዘመና፡፡ እነሆ እቲ ብውሽጢ ውሽጢ ንዓመታት ዝተራሃጸሉ እኵይ ሃቐና መዓልቱ ኣኺሉስ ኣብ ምዝዛሙ ይርከብ፡፡ እቲ ስራሕ ብረቒቕ ተንኮል ንዓመታት ተሰሪሕሉ ኢዩ፡፡

ኣብዚ እዋን’’ዚ መውጽኢ ኣፍ ‘መንግስቲ ኤርትራ’ “ ኣመሪካ፡ ኣመሪካ “ ኮይኑ ‘ሎ። ሎምስ እቲ መረረ ፕረዚደንት ዝጥርዙ መደረ፡ ኣብ ሃገራዊ ጽምብላት ውሒዱስ፡ ከም “ዋዕላ ዕርቂ ሶማላውያን” ዝኣመሰለ ንኣመሪካ መጻረፍን መተንፈስ ቅብጸትን ዝኸውን መድረኻት ምፍጣር ‘ውን ተጀሚሩ ኣሎ።

ትርጉም ናይዚ ቃልዚ ብዙሕ`ዩ፡ ዝመሳሰል ዘይኮንካዮ ሙኻን ዝብል ናይ ገርሂ ቃል ከመስል እኽእልዩ፡፡ ኣብ ፖለቲካ ግን ሰፊሕን ዓሙቕን ትርጉም ኣለዎ፡። ካብቲ ብገርህኻ እትህቦ ትርጉም ገዲፍካ ክትማራመረረሉ እንተሃቂንካ ካልኦት ዝገብርዎ ኩሉ ጌጋ ኣነ ዝገብሮ ድማ ኩሉ ዝወጾ ዘይብሉ ቅኑዕ ኣብ ዝብል መደምደምታ ዘብጽሕ ናይ ዕቡያት ኣተሓሳስባ`ዩ፡፡ እዞም መደበር ትዕቢት ዝቤቶም ሰባት ሶንኩፍ ኢዮም።

POST TAGS:

EPLFብርግጽ መራሕትና ኸዲዖሙና፡ እወ ህዝቢ ኤርትራ እቲ ንዘመናት ዝሓልሞ  ናጽነት ጋህዲ ምስኾነ ከም ህዝብታት ኤርትራውያን ክንብሃል ምስ በቓዕና። ነቲ ሕልሚ ጋህዲ ዝገበሩ ተቓለስትን፡ ቓልሲ መሪሖም ብዓወት ናጽነት ህያው ዝገበሩ ኣብ ጉድጓድ ሰፊሮም ሕማቕ ረኺብና “ዘመን ኣካሒዳ”።

ደና ሓርነት ኣብ ነዊሕ ሓተታ ዘስፎሮ ጽሑፉ ዘጠቓልሎ 1) ብዛዕባ ጸገም መፋጥርቲ ደቂ ሰብ ምዃና…ኤውሮጳውያን ዃ፣ ኣብ ዝሓለፈ  ቅድሚ 100 ዓመታት፣ ዝነበረ ኩነታት ንሪጋ ባኒ ዘይኮነስ ምሳሕ ንክረኽቡ ኪሎሜቶራት ከምዝተሰሩዑ…ኣብ ሻድሻይ ወራር ገሊኦም ደቀሃገር  ምስሃደሙ 13,000 ዝኾኑ ተጋደልቲ  ን120,000 ዝኾኑ ገጢሞም ከምዝተዓወቱ ..ንነዊሕ ዝጥምት ናይ ሓደ ሰብ መሪሕነት ከምዝነበረ… ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ጌና ኣሎ: ዝብል ነይሩ።

ISእዚ ብፕረሰደንት ኢሳያስ ኣብዚ ሳምንቲ ብዛዕባ ኣመሪካ፣ ኣቐድም ኣቢሉውን ብዛዕባ ኢትዮጲያ ዘካየዶ ቃለ መሕትት ከም ጓል ዘረባ ድኣ እምበር፣ ምስ ዘረባ ዝቑጸር ኣይኮነን።…..ኣብዚ እዋን መንግስትና ካብ ህዝብን ንኣገልግሎት ህዝቢ ምዃኑ ረሲዑ፣ ብትምክሕቲ፣ ኣነነት፣ ትዕቢት፣ ጃህራ፣ መን ከማይነት፣ ነብሰ ብሉጽነት፣ ጽምኢ ስልጣን፣ ጠፊእካ ምጥፋእን ወዘተ ዝኣመሰሉ ድኻማት ተዋሒጡዩ ዝኸይድ ዘሎ።

westተባሂሉ ክበሃል ዝሰማዕኩዎዩ። ቅድሚ ገለ ዓመታት’ዩ፡ ከምቲ ኣብ ወጻኢ ዝጸንሐ ልሙድ  ኣሰራርሓ መግስቲ ኤርትራ ፡ ሓደ ፍሩይ በዓል ስልጣን ንህዝቢ ዓዲሙ ኣኼባ ኣጋቢኡ ወዓለ’ሞ፡ መግለጺታቱ ድሕሪ ምዝዛም’ውን፡ ኣብ ሕቶን ርእይቶን ተሰግረ። ነዚ ዕድል’ዚ ክጥቀመሉ ዝመረጸ ሓደ ዜጋ፡ ግደ ድሕሪ ምርካቡ፡ ብነድሪ፡ “እዚ ኢንተርነት ዝበሃል፡ ጠጠው ዘይተብሉዎ።“ ክብል፡ ንብዓለማ ካን ኩንን ከብላን፡ ካብ እዚ ተባሂሉ ዝብሃል ዘይመቕሰኒ ሓንብን ንሓዋሩን ያኢ ምኸዕርፍ፡ ብዕቱብነት ሓቲቱ ይበሃል።

Fesሕጂ ግን ኦረማይ!  ዝተዓሸናዮ ይኣኽለና። ኤምባሲኹም፣ ህግደፍኩም፣ ፈሲቲቫልኩም ንዓኹም ግበርዎ። ጌጋታትና ክንእርም ኢና። እቲ ፍቕሪ ሃገርና ጌና ምሳና ኣሎ፣ ሕጂውን ኣብቲ ዘምዕረልና ሲቪካዊ ማሕበራት ዲዩ፣ ካልእ ምንቅስቓሳት፣ ኣብዛ ከቢድ መስዋእትን ተጋድሎ ዝተኸፈለላ ሃገርና ኤርትራ፣ ቅዋማዊ ስርዓት ንምትካልን ዴሞክራስን፣ ፍትሕን፣ ርትዕን፣ ሰላምን ንምምጻእ ዝከኣለና ንከነወፊ ምዃና ነረጋግጽ።