Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኢሰያስ፡ ካብቶም ምሩጽ ጮማ ዝቕልቦም ኣስታት 20 ደማሙኡ፡ ነቲ ዝያዳ ኩሎም ኣብ ኣእጋሩ ሕልኽልኽ ኣብ ሑቕፉኡ ድማ ሕስይስይ ዝብል ዝፈትዎ ድሙኡ “ዓሊ’’ ኢሉ ከምዝጽወዖ ትፈልጡዶ፧

sahleመሃንዘል፡ ኣንታ ዓርከይ ሳህለ ‘ታይ ደኣ ‘የ ዝሰምዕ ዘለኹ፡ ነቲ ሚኒስተር ወጻኢናስ ምእታው ከሊኦሞ ‘ቶም
ካናዳ፡…. ርኤኻ ሓቁ እንድዩ እዚ ሰብኣይ ተጻቢኦምና ‘ናለ ክኸሶም…ብቐደሙስ ኣበይ ተዋሒጡሎም ኢልካዮ ሃገር
ምዃንና…

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናይ ምሳሕ ሰዓቱ ኣኺሉ ላንድኩረዘራቱ ኣምሪሑ ረሽራሽ ዝጸዓነት ጂፕ ኣኸቲሉ ጽርግያ ጽርግያ ብኤምባሲ ኣመሪካ ናብ ገዝኡ ክሓልፍ ከሎ ኣብ ኣፍደገ ቀጽሪ ኤምባሲ ኣመሪካ ካብ ናይ ባኒ ዝነውሕ መስርዕ መንእሰያት ይርኢ።