ን30 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት ግብጺ ሑስኒ ሙባረክ፡ በቲ ንዝሓለፉ ክልተ መዓልታት ተጓሃሂሩ ሎሚ ዓርቢ 28 ጥሪ ናብ ጥርዙ ዝበጽሐ ህዝባዊ ናዕቢ መንግስቱ ክብትን ተገዲዱ።
ን30 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት ግብጺ ሑስኒ ሙባረክ፡ በቲ ንዝሓለፉ ክልተ መዓልታት ተጓሃሂሩ ሎሚ ዓርቢ 28 ጥሪ ናብ ጥርዙ ዝበጽሐ ህዝባዊ ናዕቢ መንግስቱ ክብትን ተገዲዱ።
Thousands of demonstrators calling for a Tunisian-style revolution in Egypt brought the centre of Cairo to a halt last night after a “day of wrath”.
እቲ ዒብ ዘይብሉ ነውራም ስርዓት ህግደፍ፡ መብዛሕትኦም ድርብ ደቆም ንዝተሰውኡዎም 57 ገባሮ ማዕረባ ኣምሳያ ‘ቶም ካብ ስርዓቱ ዘመለጡ ደቆምን ደቂ ደቆምን 50 ሽሕ ናቕፋ ክኸፍሉ የገድዶም ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።
እቲ ኣይ ካብ ባይቶ ኣይ ካብ ጋዜጣ ኣይ ካብ ህዝቢ ሓታቲ ዘይብሉ፡ ከከም ኣተሳስኡ ባህ ዝበሎ ዝገብር ቀይዲ-ኣልቦ ስርዓት ህግደፍ፡ ነቲ ባዕሉ ተሓሲሙዎ ዝጸንሐ ውክልና ሕብረት ኣፍሪቃ ብምቕባል ከም ወኪሉ ከገልግሎ ንግርማ ኣስመሮም ናብ ኣዲስ ኣበባ ልኡኹዎ ከምዘሎ ኣህጉራዊ ማዕከናት ዜና ዓለም ገሊጸን።
ስርዓት ህግደፍ ነቲ ንገለ እዋናት ኣዋዲቑዎ ዝጸንሐ 50 ሽሕ ናቕፋ ‘መቕጻዕቲ’ ካብ ኤርትራ ናብ ስደት ዘምለጡ ዜጋታት ብምቕጻል፡ ንወለዲ የሸገርን ይኣስርን ከምዘሎ ካብ ንኡስ ዞባ ሰገነይቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣገንዚቡ።
ሰማዒ ዝሰኣነ ኣውያት ህዝቢ
ኣብዚ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መሰክሕ ግፍዕታት ስርዓት ኢሰያስ ተጸሚዱሉ ዘሎ ግዜ፣ እቲ ኣብ ሰሜናዊ ባሕሪ ብሕርሻን መጓሰን ዝነብር ህዝቢ ንጥፍኣቱ ዝሃቀነ ሓድሽ መርድእ ካብ መንግስቲ ህግደፍ ተነጊሩዎ ኣሎ።
ዓመት መጸ ምስ ስርዓት ህግደፍ ዝግበር ምፍጣጥ ንታሽዓይ ዓመቱ ሎሚ ዘመን’ውን ከምቲ ልሙድ ኣብቲ ብሳዕብቲ’ቲ ጨፍላቒ ስርዓት ዝተመርጸ ቦታ ተገይሩ።
ብመከራን ስቓይን ህዝቦም ዝግደሱ፡ ኣብ መልበርን፡ ኣውስትራልያ ዝርከቡ ውፉያት ኤርትራውያን፡ ሎሚ 8 ጥሪ ጸረ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።
ነቲ ህዝባዊ ተቐባልነቱ ኣንቆልቍሉ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ንምርዳእ፡ ኣብ ወጻኢ ንዝነብሩ ኤርትራውያን ብደርፊ ንምጕስጓስ እቲ ስርዓት ብዘውጽኦ መደብ መሰረት ናብ ኣውስትራልያ ነቒሎም ዝነበሩ ኤርትራውያን ሙዚቀኛታት መንግስቲ ኣውስትራልያ መእተዊ ቪዛ ከምዝኸልኦም፡ ካብ መርበብ ሓበሬታ ዓዋተ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣርዲኡ።
ዓሚ ከምዚ ሎሚ ሕር ሕራይ ጌርና ጸፊዕናዮ ሸውዓተ ሸይጣን ስጋብ ዝረኣዮ። ንመን? ንመን ደኣ ነቲ ብጎረባብቲ ሃገራት፡ ብው.ሓ.ኣ.፡ ብው.ሕ.ሃ. ብምዕራባውያን ሃገራት፡ ብሃገራት ዓረብ ኮታ ነቲ ዓለም ብዓለማ ትጸልኦ ስርዓት ህግደፍ እምበር ንመን ደኣ።
ትማሊ ዓርቢ 31/12/2010 ዓ.ም. ኤርትራውያን ተቐማጦ ኣዲስ ኣበባ (ኢትዮጽያ) ዝተሳተፍዎ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመትን ዝኽሪ ሓደ ዓመት ምጽንባራዊ ሓድነቱ ብኽብ ዝበለ ድምቀት ኣኽቢሩ ዊዒሉ፡
ኣዲኡ ነቲ ኣብ ምስጢራዊ ቤትማእሰርቲ ህግደፍ ተሓይሩ ሃለዋቱ ጠፊኡ ዘሎ ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ይስሓቕ፡ ኣደይ ለታይ ክፍለማርያም፡ ኣብ መበል 70 ዓመተን ከምዝዓረፋ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣገንዚቡ።
ኣብዘን ዚሓለፋ 9 ዓመታት ኣንጻር ናይቲ ብህግደፍ ዝምወል “ኤርትራዊ ባህላዊ ምርኢት ኣብ ኣውስትራልያ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ፤ ብሰላማዊ መንገዲ ስልጣን ናብ ህዝቢ ክማሓላለፍ፣ ሰብኣዊ መሰላት ክኽበር፣
እቲ ብስም ማሕበር መንእሰያት ዝፍለጥ http://www.ypfdj.com/ ናይ መበል ሻብዓይ ዓመት ጉባኤኡ ንሚያዝያ 2011 ኣብ ኖርወይ ንኽገብር እሻባሸብ ከም ዘሎ፡ ርጉጽ ሓበሬታ ዘለዎም ምንጭታትና ሓቢሮም፡፡
ትማሊ ቀዳም 11 ታሕሳስ 2010 ድሙቅ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ። ኣብ‘ዚ ሰላማዊ ሰልፊ’ዚ ካብ ዝተፋላለየ ከም ፍራንክፎርት፣ ስቱትጋርት፣ ካስል፣ ማንሃይም፣ ካርልስሩሀ፣ ከለን፣ ወዘተ…. ዝኣመሰላ ከተማታት ጀርመን ዝመጹ ኤርትራውያን ተኻፊሎም።
Vatican City – Pope Benedict XVI on Sunday urged an end to the plight of dozens of migrants, mainly from Eritrea, believed to be held hostage by human traffickers, along the Egypt-Israel border.
ኣብ ዕለት 15 ሕዳር 2010 ዘውጻእናዮ ጋዜጣዊ መግለጺ እቶም ኣብ ውሽጢ ኮይና ተቓውሞና ከነስምዕ ዝጸናሕና ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለን ማእከላይ ባይቶን ሰ.ደ.ህ.ኤ ብትኹል ይኹን ብጋድም ከምዝተሰንጠቐ ገሊጽና ነይርና።
12 ተወላዶ ሰቲሞን ሌ/ኮሎኔል ዑስማን ኣቡጠዊላ ዝተባህለ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ንኡስ ዞባ ተሰነይን ተኣሲሮም።
ማሕበር ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ዝሓለፈ ቀዳም ነቲ ናይ ሙሁራት ሙሁር፡ ናይ ፈላጣት ፈላጥ፡ ናይ ሙኩራት ሙኩር ኤርትራዊ ሊቅ ዶ/ር በረኸት ሃብተስላሴ ብመልክዕ ሰሚናር ምስ ህዝቢ በይ ኤርያ ከምዝራኸብ ገበረ።
ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፣ ብሰልፊ ህዝቢ ኤርትራን ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስን ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራን ካብ 29 ክሳብ 31ታሕሳስ 2009 ዓ.ም.ፈ ኣብ ፍራንክፈርት ዝተካየደ ናይ ምጽንባር ዋዕላ ዝተመስረተ ሰልፊ ምዃኑ ዝዝከር ኢዩ።
ኣብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ከም ናይ ኮምፒተርን ኔትዎርክን ብዓል ሞያ ኮይኑ ዘገልግል ዝነበረ በረኸት ገብረብርሃን ዝተባህለ ክኢላ ንተወሳኺ ስልጠና ናብ እስራኤል ድሕሪ ምኻዱ ነቲ ስርዓት ከም ዝራሕርሖ ደንጕዩ ዝበጽሓና ሓበሬታ የረድእ።
ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣገዳሲ ሞያ ዝነበሮም፡ ገሊኦም ከኣ ኣብ ልዕለዋይ ጽፍሒ ሓላፍነት ዝነበሩ ፡ ሓሙሽተ ሓለፍትን ምሁራትን ናይቲ ሚኒስትሪ ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ኣሲሩ ደሃዮም ኣጥፊኡዎ ከምዘሎ ድንጕዩ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
1) በዓልቲ ቤቱ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ወ/ሮ ሳባ ሃይሉ ናብ ኣይቮሪ ኮስት ምስጢራዊ መገሻ ገይራ ከም ዝቐነየት ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም። እታ ምስ በዓል ቤታ ይኹን ንውልቃ ቅድሚ ሎሚ ንወጻኢ ክትገይሽ ዘይተራእየት ወ/ሮ ሳባ፣ ናብ ኣይቨሪኮስት ዑደት ምግባራ ዘገርም ተርእዮ ምንባሩ ተዓዘብቲ ይገልጹ።
ኣስመራ ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ሕማቕ ኢያ ዘላ። ኣብ ግዜ ለይቲ ሓሓሊፉ ድምጺ ጠያይት ይስማዕ ኣሎ። ንግሆ ሓያሎይ ሰባት ቀታሊኦም ዘይተፈልጠ ከም ዝተጋጨወት መኪና ኣብ ኣንጎሎታት ሞይቶም ይርከቡ ኣለዉ።
ትማሊ 6 ሕዳር ‘ደሃይ ካብ ኤርትራ’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ፡ ኣብ ስርዓት ህግደፍ ብልሽውና ክሳብ ክንደይ ሳዕሪሩ ከምዘሎ ጠቒስናልኩም። ሎሚ ድማ ከም ኣብነት ናይዚ ሕማም’ዚ ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ህግደፍ ዝተኸስተ ጉዳይ ነቅርበልኩም።
ብቀዳም 30/10/2010 መንእሰይ በረኸት ካሕሳይ ኣባል ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ምስ ኣቶ ዓንደብርሃን ተቐማጣይ ከተማ ማንቸስተር ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ዝተሳተፈን ዜጋ ብምዃን ዕዉት ህዝባዊ ኣኼባ ምስ መንእሰያት ኣብ ከተማ ሊድስ ኣቃኒዖም።
ስርዓት ህግደፍ ብ ቀዳም ዕለት 30 ጥቅምቲ 2010 ዓ.ም. ኣብ ኦታዋ ርእሰ ከተማ ካናዳ ንዝቅመጡ ኤርትራዊያን ፍሹል ኣኼባ ኣካይዱ።
ብፈጻሚት ሽማግለ ሰ.ደ.ህ.ኤ ዝተወስደ ናይ “ኤ.ህ.ም” ምስጓግ ስጉምቲ ዝምልከት ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ መስከረምነት ኣብ ዓንሰባ ኮምን ኣብ ሓርነት ኦርግን ተዘርጊሑ ኣንቢብና።ትሕዝቶ ውሳኔን ባህሪ ናይቲ ዝወሰኖ ኣካልን ንግንዛበ ኣንባቢ ንገድፎ።
ኣብ መዓስከር ወተሃደራዊት ታዕሊም ሳዋ ኣብ ዝርከብ፡ ንትሕቲ ዕድመ መንእሰያት ብዕስክርናዊ ኣተሓሳስባ ኣብ ምብካል ዝነጥፍ ቤትምህርቲ ከገልግሉ ዝጸንሑ መማህራን ብብዝሒ ናብ ስደት ስለዘምለጡ፡ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ዘጋጥሞ ሕጽረት መማህራን ንምትካእ፡ ኣብቲ ቤትምህርቲ ክማሃሩ ካብ ዝጸንሑ ሓያለ ተማሃሮ መንእሰያት ብሕርያ ኣትሪፉ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።
ክቡራት ተኸታተልቲ ድምጺ ኣሰና፡ ብፍላይ ድማ ካብ ኤርትራ፡ ቀርኒ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ብራድዮ እሰምዑዋ ተኸታተልቲ።
Eritrean Athlete Zersenay Tadese is leading.
ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኮይና ክትቃለስ ዝጸንሐት ወ/ሮ ምሕረት ገብረየሱስ፡ ካብ’ቲ ሰልፊ ክትሳናበት ናብ ኣቦ ወንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣቶ ወልዴሱስ ዓማር ወግዓዊ ምልክታ ከምዘቕረበት ምንጭታት ሓቢሮም።
ስርዓት ህግደፍ ነቲ ካብ ኣስመራ ክሳብ ተሰነይ፡ ከምኡ ‘ውን ካብ ባጽዕ ናብ ዓሰብ ተዘርጊሑ ዝነበረ ምእንታውን ምውጻእን ሰባት ብምቍጽጻር ዓቕሊ ሰብ ከጻብበሉ ዝጸንሐ ናይ ሓለዋን ተፍትሽን ንቕጣታት (ኬላታት) ኣብዚ ቕንያት’ዚ ከምዝገደፎ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።
እቲ ኣብ ህዝቢ ባይታ ስኢኑ እናተነጸለ ዝኸይድ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ወጻኢ ንዝነበር ህዝቢ ብስምዒት ንምሓዝን መደልደሊ ዲክታተርያዊ ስርዓቱ ዝኸውን ዶላራት ንምጥርቓምን ኣበጊሱዎ ኣብ ዘሎ ፕሮፖጋንዳዊ ባህላዊ ጎስጓስ ክጥቀመሎም ዝሓረዮም ደረፍቲ ብመንግስቲ እንግሊዝ መእተዊ ቪዛ ስለዝተኸልከሉ ብሓሶት ናይ ዲፕሎማት ፓስፖርት ኣውጺኡ ብምድንጋር ቪዛ የሳልጠሎም ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።
ክሳብ 19 ሓምለ 2010 ኣምባሳደር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኮይኑ ዘገልግል ዝነበረ፡ Ron McMulen ናይ ኣገልግሎቱ ግዜ ኣእኪሉ ካብ ኤርትራ ምስ ከደ፡ ዛጊት ብደረጃ ኣምባሳደር ከምዘይተተክአ ምንጭታት ንኣሰና ሓቢሮም።
ስርዓት ህግደፍ ኣብዚ ቕንያት’ዚ ማእከሎት ሓለፍቲ ዝርከቡዎም፡ ኣብ መንግስቱ ከገልግሉ ዝጸንሑ 30 ተጋደልቲ ነበር ከምዝኣሰረ ምንጭታት ሓቢሮም።
ማርሕበረኮም ኤርትራውያን አብ ሳንታ ክላራ ካውንቲ አብ ክፍለ ግዝኣተ ካሊፎረንያ ትማሊ 03 ጥቅምቲ 2010 ናይ’ቲ አብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ዝኸፈቶ ሓዲሽ ኮማዊ ማእከል (ኮሚኒቲ ሰንተር ) ናይ ምምራቕ ስነ ስራዓት ብዓቢ ደምቀት አካይዱ።
ዓብላሊ ስርዓት ህግደፍ፡ ነቲ ቅድሚ ሓያለ ኣዋርሕ ዝጀመሮ ዕማም ምዕጻው ብሕታዊ ኣብያተ ሕክምና ከም ዝፈጸሞ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም። በቲ ሓበሬታ መሰረት፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኩለን እተን ብገንዘብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ዝህባ ዝነበራ ኣብያተ ጥዕና ደው ኢለን ኣለዋ።
ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ፡ ሎሚ ዘበን፡ ካብቶም ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከባ መዓስከራት ስደተኛታት ተዓቝቦም ዝጸንሑ 100 ኤርትራውያን መንእሰያትከስተምህር ፍቓደኛ ኮይኑ፡ ድሮ ዳርጋ 90 ካብ ሚእቲ ናይቶም ሕጹያት ንምህርቲ ኣብ ምቅርራብ ከምዝርከቡ ምንጭታት ሓቢሮም።