ይድወል ኣሎ፡ ደወል ጥፍኣትን ዕንወትን ሎሚ፡ ልዕሊ ዝኾነ እዋን፡ ኣብ ከባቢናን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን፡ ካብ ንጉሆ ናብ ምሸት ዝቀያየር ክልተ ገጽን ጠባይን ዘለዎ ፖለቲካዊ ቁርቁስ፡ ነውጽን ቅድድምን ይርአ’ሎ። እቲ ቀዳማይ ክስተት፡ ውሽጣዊ ኩነታት ማለት ምግባት ስልጣን፡ ቀቢላዊ ወይ ሃይማኖታዊ ግጭት፡ ምምዝባል ህዝቢ፡ ቁጠባዊ ቅልውላውን ናይተን ሃገራት
ይድወል ኣሎ፡ ደወል ጥፍኣትን ዕንወትን ሎሚ፡ ልዕሊ ዝኾነ እዋን፡ ኣብ ከባቢናን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን፡ ካብ ንጉሆ ናብ ምሸት ዝቀያየር ክልተ ገጽን ጠባይን ዘለዎ ፖለቲካዊ ቁርቁስ፡ ነውጽን ቅድድምን ይርአ’ሎ። እቲ ቀዳማይ ክስተት፡ ውሽጣዊ ኩነታት ማለት ምግባት ስልጣን፡ ቀቢላዊ ወይ ሃይማኖታዊ ግጭት፡ ምምዝባል ህዝቢ፡ ቁጠባዊ ቅልውላውን ናይተን ሃገራት
ተጋዳሊት ኣለም ተስፋይ (ጓል-ተስፋይ) በዓልቲ ቤቱ ነቲ ካብ 2001 ኣትሒዙ ብፖለቲካዊ ምኽንያት ኣብ ዒራዒሮ ምስተሓየረ ደሃይ ዘይብሉ ሕዩር ተጋዳላይ ኪሮስ ዓወር ብሕማም ልቢ ክትሳቐ ድሕሪ ምጽንሓ፡ ኣብ ወጻኢ ንክትሕከም ከተቕርቦ ዝጸንሐት ተደጋጋሚ ሕቶ ተነጺጉ ካብ ኤርትራ ንኸይትወጽእ ስለዝተኸልከለትን እንሆ ሎሚ ምዓልቲ 20 ጥቅምቲ 2019 ዓሪፋ። ተጋዳላይ
ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኬር፣ እሙናት ወተሃደራት ናይቲ ኣቐዲሙ ካብ ስልጣን ዘባረሮ ምኽትል ፕረዚደንት ነበር ሪክ ማቻር ናብ ሎሚ ኣብ ዝወግሐ ለይቲ ዘካየዱሉ ፈተነ ዕልዋ ከምዘፍሸሎ ቢቢሲ ንጋዜጣዊ መግለጺኡ ብምጥቃስ ሓቢራ። ንሱ፣ ኣብ ዋና ከተማ ደቡብ ሱዳን፣ ጁባ፣ ከቢድ ናይ ቶኽሲ ምልውዋጥ ከምዝሓደረ ብዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና
ኣምባሳደር ስርዓት ኢሰያስ ተስፋሚካኤል ገራህቱ፣ ኣብ ከተማ ሊድስ ንዘካየዶ ኣኼባ ጸጥታ ንምዉሓስ ንዝተዋፈሩ ኣስታት 100 ሓይሊ ፖሊስ ዝተኸፍለ ገንዘብ ክዓዲ ካብ ምምሕዳር ፖሊስ ሊድስ £7000 ክፍሊት (BILL) ከምዝቐረበሉ ምንጭታት ካብ ከተማ ሊድስ ሓቢሮም። ኣብቲ ዝሓለፈ ሰምበት 03 መጋቢት 2013 ንቁንጣሮ ደገፍቱ ዘካየዶ ኣኼባ ተዓጻጻፊ ቁጽሪ ደለይቲ
ብ21 ጥሪ ኣብ ሕምብርቲ ከተማ ኣስመራ፡ ኣብ ፎርቶ ኣብ ዝርከብ ሚኒስተሪ ዜና ብትብዓት ኣትዮም መረረ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ተለቪዥን ብቐጥታ ብኣስመላሽ ኣብርሃ ከምዝንበብ ዝገበሩ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ንዘሎ ሓቀኛ ኤርትራዊ ሓያል ፍናን ሓበንን ተስፋን ሂቦም እዮም። እዞም ሰባት እዚኦም ደኣ ብኸመይ
ህግደፋውያን ኣብ መንጎኣም ነቲ ክርስትና ኦርቶዶክሳውያን ንካቶሊካውያንን፣ ከቢድ ኣዕናዊ ጽልኢ ምሂዞም ኣለዉ። ኤርትራውያን ይትረፍ ክርስትያናት ኣሕዋት፣ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ኣስላምን ክርስትያንንውን ብሓደ ተቓሊሶም ብሓደቁራስ እንጌራ ተማቒሎም፣ ክርስትያንበስመ-ኣብኢሉ፣ ኣስላማይብስም- ኣላህ፣ ኢሎም፣ መግቦም ቀዲሶም ፍቕሮም ሓልዮምን ዓመታት ዝጸንሑ እዮም። ህግደፍ ግን ይትረፍ ቁሩብ ናይሃይማኖት ኣፋላላይ ንዘሎካሲ፣ ስጡምሓዳርን ስድራን እንተርእዩ
ስርዓት ህግደፍ ካብ ሜጀር ክሳብ ናይ ኮለኔል ማዓርግ ዘለዎም ፡ ኣብ ሰራዊት ዘገልግሉ ዝነበሩ፡ ኣስታት 300 ማእከሎት ሓለፍቲ ካብ ናይ ስራሕ ቦታኦም ከምዝኣለዮም ምንጭታት ሓቢሮም። ካብዚኣቶም ክንደይ ከምዝተጠየሱ ክንደይ ከኣ ከምዝደስከሉ ዝገልጽ ዝርዝራዊ ኣሃዝ ኣይተረኽበን። ምጥያስ ፍጹም ካብ ስራሕ ምፍናውን ብነብስኻ ምሕዳርን ክኸውን ከሎ፡ ምድስካል
ኪዳን ቀርኔሎስ ዑስማን ኣልሓጅ ዓብደኑር ኣደም እሽማዒል መሓመድ ሳልሕ ሓጎስ ሸውጊ መሓመድ ኣሕመድ ወጻኢ ካብ ኪዳን ስዒድ እሽማዒል ኣደም ሓስል ክፍለ የውሃንስ ወለገርግስ ርእሶም ገብረገርግስ ሰሜን ኣመሪካ ዶክተር ኣፈወርቂ ጳውሎስ ዶር መሓመድ በሽር ማእከላይ ምብራቕ ጀማል መሓመድ ጣሕር ሳልሕ መሓመድ ዑመር ሱዳን ሓስም ዓሊ ዓብደላ ዓብደላ ሓምዳይ ኤውሮጳ ዶር መሓመድ ኬር ኣሕመድ ነጋሽ ደቀንስትዮ ኣበባ ኣብርሃ ሰልዋ ያዕጉብ መንእሰያት ውጅዳን መሓመድ ኑር ነስረዲን ኣሕመድ ዓሊ ደቡብ ኣፍሪቃ በረኸት ገዛኢ ነባራት ተጋደልቲ ሳልሕ ኢብራሂም ኢትዮጵያ ተውፊቕ ኑርሕሸን ልዊ ጃፎ ኣውስትራልያ ዶር ዓብደላ ጅምዓ አሓመድ
ኣብ ሱዳን ድንጎላ ኣብ ዝባሃል ቦታ ሕጹጽ ሓገዝ ድሕነትን ዝጽበዩ ኣስታት ቅድሚ ሰሙን ኣቢሉ ካብ መዓስከር ስደተኛታት ሸገራይብ ብምህዳም ኣብ ኢድ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ኣብ መሸጣ ንግዲ ደቂ ሰባት ዝተዋፈሩ ተወላዶ ብሔረ ራሻ-ይዳ ዝወደቑ 94 ደቂኣንስትዮን ሓንቲ ነፍሰጾርን 10 ቆልዑኡ ዝርከብዎም 365 ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ
ነቲ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ንምንጭታት ኣሰና ብምጥቃስ ቅድሚ ሒደት ሰዓታት ዘቃልሓቶ ዜና ሕቶ ዑቕባ 13 ኤርትራውያን ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ክለብ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ኤርትራ፡ Daily Nation ዝተባህለ ጋዜጣ ኬንያ ደጊሙ ኣረጋጊጹዎ።
ኣባላት ኣህጉራዊ ምሕዝነት ኤርትራውያን (EGS)፡ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራን (EYGM)፡ ኣሰና ፋውንደሽንን፡ ምስ ኣባላት ጉዳያት ወጻኢ ምምሕዳር መንግስቲ ኣመሪካን: ምስ ዝተፋላለዩ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካን (ኮንግረስ) ተራኺቦም ተዘራሪቦም።
afrol News, 6 May – Voices among the exiled opposition of Eritrea increasingly call for a Libya-style foreign intervention in the country, saying the situation is even worse in Eritrea.
The Republic of Somalia accuses the regime in Eritrea of financing and training the Al Qaeda linked Al Shabaab to destabilize the peace situation in Somalia and the horn.
In an exclusive interview with WIC, Somalia’s Ambassador to Ethiopia, Seid Yosouf Noor,
The Eritrean Government representative to the African Union, Ghirma Asmerom, was reportedly pleaded with some African Ambassadors to Ethiopia to mediate between his government and Ethiopia.
ንኹሉኹም ኣመንቲ ክርስትና እንቋዕ ጾመ-ሉጓም ፈትሓልኩም እናበልና፡ ርሑስ ብዓል ፋሲካ ንምነየልኩም። ኣሰና !
ኣብ ጀኔቫ ስዊዘርላንድ፡ ኣብ ቅድሚ ኣብያተ ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምኡ ‘ውን ኣብ ለንደን ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝርከብ ፊት ኤምባሲ ስርዓት ህግደፍን ብዓይነቱ፡ ተሳታፍነቱን ናይ ተቓውሞ መንፈሱን ፍሉይ ዝኾነ ንውድቀት ዲክታተርያዊ ስርዓት ህግደፍ ዝጽውዕ ውዕዉዕ ዘላማዊ ሰልፊ ይካየድ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ እዋን ነቶም ኣብ ሃገረ ግብጺ ሓደጋ ኣንጸላሊዎም፡ ናብ ኤርትራ ክምለሱ እውን ዝገደደ ከምዝጽበዮም ፈሊጦም ናብ ኢትዮጵያ ክምለሱ ዝጠለቡ ዜጋታትና ንምሕጋዝ ኩሉኹም ኤርትራውያን ካብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ሓገዝ ከምዝገበርኩም ይፍለጥ።
እዚ ሎሚ ጀሚሩ ዘሎ፡ ኣብ ሰሙን ሰለስተ ግዜ ማለት፡ ሰኑይ፡ ረቡዕን ዓርብን ብኣቋጻጽራ ኤርትራ ካብ ሰዓት 8፡00 ክሳብ ሰዓት 9፡00 ምሸት ዝፍኖ መደብ፡ ነታ ብፍላይ ናብ ኤርትራ ኣብ ሰሙን ክልተ ሳዕ ነናይ ፍርቂ ሰዓት መደብ ጥራይ ትፍኑ ዝነበረት ራድዮ ኣሰና፡ ካብ ጽበት ግዜ ብመጠኑ ከገላግላ እዩ።
ካብ ርሑቕን ቀረባን ከባቢታት ኦስሎ፡ ነርወይ ዝመጽኡ ግዱሳት ኤርትራውያን፡ ነቶ ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት ሰሜን ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ኣብ ሊብያን ሲናይን ሕሱም ግፍዕታት ዝወርዶም ዘሎ ኣሕዋቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምርዳእን ጉዳዮም ንዓለም ንምቅላሕን ዝዕላምኡ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሎሚ 17 መጋቢት ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዘጋብኦ ህጹጽ ኣኼባ ፡ ሲቪላዊ ህልቂት ደው ንምባል፡ ኣብ ሊብያ፡ ካብ በረራ ነጻ ዝኾነ ዞባ ክኽለል፡ ከምኡ ‘ውን ኩሉ ኣድላዪ ዘበለ ስጉምቲ ክውሰድ ውሳኔ ኣሕሊፉ።
ሎሚ’ውን ብርእሰ-ምትእምማን ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት ክንረባረብ ኢና!! ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብ15 መጋቢት 2011 ሰዓት 8:30 ቅድሚ ቀትሪ ብወግዒ ተኸፊቱን ዕማማቱ ጀሚሩን።
መራሒ ስርዓት ህግደፍ ‘ፕረዚደንት’ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብጽኑዕ ሓሚሙ ብምስጢር ናብ ቀጠር ከምዝገሸ እሙናት ምንጭታት ኣሰና ሓቢሮም።
እቲ ትማሊ ኣብ ትሕቲ “ንቕሎ ንሓድሽ ሓርነት” ዝብል ቴማ ዝጀመረ፡ 2ይ ጉባኤ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ሎሚውን ብርሱን ሃዋሁ ቀጺሉ ውዒሉ።
ሎም መዓልቲ መጋቢት 11 2011፡ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ካልኣይ ዓመታዊ ጉባኤኡ ኣብ ትሕቲ “ንቕሎ ንሓድሽ ሓርነት” ዝብል ቴማ ኣብ ከተማ ላስ ቬጋስ ብክብ ዝበለ ድምቀት ተኸፊቱ።
ኣምባሳደር ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኣመሪካ ዝነበረ ግርማይ ሳንቲም፡ ብመንግስቲ ኣመሪካ ድሕሪ ምስጓጉ ካብ ዋሺንግተን ዲሲ ክወጽእ ርዑኡ ጠቕሊሉ ተዳልዩ ከምዘሎ እሙናት ምንጭታት ሓቢሮም።
ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም 5 መጋቢት፣ ኣብቲ ብማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኖርወይ ዝተዳለወ ምሸት፣ 8 መጋቢት ብዓቢ ድምቐት ተጸንቢሉ ኣምሰየ።
በቲ ኣብ ናይ መወዳእታ ደረጃ በጺሑ ዘሎ ውዱቕ ውሽጣዊ ፖለቲካውን ቁጠባውን ኩነታቱን ሙሽሙሽ ስርዓቱን፡ ከምኡ ‘ውን ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ብዝቕጽል ዘሎ ውዕዉዕ ህዝባዊ ተቓውሞታት ተጨኒቑ፡ ኣብ ኤርትራ ‘ውን ህዝባዊ ተቓውሞ ከይለዓል ክቱር ስግኣት ሓዲሩዎ ዘሎ ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ኣስመራ ኣርባዕተ ክፍላተ ሰራዊት ኣኪቡ ከምዘሎ እሙናት ምንጭታት ሓቢሮም።
Saudi Arabia is drafting in up to 10,000 security forces to the north eastern Muslim Shia provinces ahead of mass protests planned next week.
ኣሽንባይ ዶ ሕጂ ኣብ ናይ ቅልውላውን ህውከትን እዋን፡ ኣብቲ ንቡር ግዜ ‘ኳ ኣብ ሊብያ ቅሳነት ኣይነበረኩምን። ጸገምኩምን ሻቕሎትኩምን ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብዚ ሊብያውያን ንጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ከም ዕሱባት ቐዛፊ ጠርጢሮም ዝሃድኑሉ ዘለዉ እዋን ኣብ ክቱር ሓደጋን ጭንቀትን ከምዘለኹም የሻቕለናን ይርድኣናን እዩ።
ኣሽንባይ ዶ ሕጂ ኣብ ናይ ቅልውላውን ህውከትን እዋን፡ ኣብቲ ንቡር ግዜ ‘ኳ ኣብ ሊብያ ቅሳነት ኣይነበረኩምን። ጸገምኩምን ሻቕሎትኩምን ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብዚ ሊብያውያን ንጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ከም ዕሱባት ቐዛፊ ጠርጢሮም ዝሃድኑሉ ዘለዉ እዋን ኣብ ክቱር ሓደጋን ጭንቀትን ከምዘለኹም የሻቕለናን ይርድኣናን እዩ።
በዚ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ምልዕዓልን ደገፍ ሰራዊት እተን ሃገራት ንተቓውሞ ህዝብን ዝረዓደ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ዚ ቐረባ እዋን ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ብወዛ (ተኽሊጥ) ክገብር ከምዝወጠነ እሙናት ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።
በቲ ኣብ ቱኒዝያ ጀሚሩ፡ ብግብጺ ቀጺሉ፡ ኣብ ሊብያ ተጓሃሂሩ ንምልካውያን ስርዓታት ዝሰሃሎም ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ወዲቑ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ኤርትራ ኣብነታዊ ጽልዋ ኣስዒቡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ተመሳሳሊ ተበግሶ ከይወስድ መታን ንኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ብሓድሽ መብጽዓታት ንምሕባል ሓዱሽ ጎስጓስ ከካይድ መደብ ኣውጺኡ ንምትግባሪ ተበጊሱ ከምዘሎ እሙናት ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።
“ኣነ ቲፋኖስ፣ ንሱ ድጉል መንካዕ”
በታ እንምነያን እንቃለሰላን ዘለና ኣዝያ ጥዕምቲ ቃል ክፍልም። ሰላም! ክቡራት ተኸታተልቲ ‘ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ’። ናትና ግብረ-መልሲ ዝጽበ ሰናይ ዘመን ይመጽእ ኣሎ’ሞ ቆጽሊ ሰተሰምሃር ክንንስንስ፣ ክንሕበን ከም ቀደምና ክንተሓዋወስ…ቆፎና ክንመልእ መዓርና ክንብርብርን ለጋዕና ክንሓልብን ቀሪብና ኢና!
ስርዓት ህግደፍ ቤትጽሕፈት ሰራሕተኛታት ወኪል ባንክ ዓለም (World Bank) ኣብ ኤርትራ ክሳብ መወዳእታ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ለካቲት (02/2011) ስርሓቶም ኣጽፊፎም ካብ ኤርትራ ክወጽኡ ከምዝኣዘዘ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።
ኣንጻር ውልቀምካዊ ስርዓት ሑስኒ ሙባረክ ን18 መዓልታት ብጽንዓት ተቓውሞ ከካይድ ዝቐነየ ህዝቢ ግብጺ፡ ሎሚ 11 ለካቲት ተዓዊቱ፡
መራሒ ስርዓት ህግደፍ ‘ፕረዚደንት’ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብ27 ጥሪ ናብ ቐጠር ምስ ከደ ክሳብ ሎሚ 11 ለካቲት ናብ ኤርትራ ከምዘይተመልሰ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም። ኣሰና ‘ውን ነቲ ኩነታት ኣረጋጊጻቶ ኣላ።
እቲ ህዝባዊ እምነት ኣጥፊኡ፡ ንስለያዊ መሓውር ከም ኣማራጺ መጻንሒ ስርዓቱ ዝጥቀመሉ ዘሎ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ፡ ቺካጎ፡ ሃሱሳዊ ስርሓት ከካይዱሉ ካብ ዘዋፈሮም ሰለይቲ ተቓሊዖም።
ውልቀመላኺ መራሒ ስርዓት ህግደፍ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ነቲ ኣብ ቱኒዝያን ግብጽን ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞታት ፈጺሙ ከይቃላሕ ንሚኒስትሪ ዜና ተሪር ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።
ክቡራት ተኸታተልቲ ድምጺ ኣሰና
ኣብ ናይ ሎሚ ሰኑይ 31 ጥሪ መደብ ራድዮ ድምጺ ኣሰና፡ ነቲ ኣብ ቱኒዝያን ግብጽን ዝርአ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞን መስርሕ ለውጥን፡ ጽልውኡን ኣስተምህሮኡን ንዓና ንኤርትራውያን እንታይ ምዃኑ ንምድህሳስ ምስ ክልተ ኤርትራውያን ምሁራት: ዶ/ር ኣሰፋው ተኸስተን ዶ/ር ኣንገሶም ኣጽብሃን ዘካየድናዮ ዘተ ከነቕርበልኩም ምዃና እናዘኻኸርና ምክትታልኩም ንዕድም።