Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ንኤርትራ ብኹዑሶ ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተላይ ብስጉምታ እያ ወኪላታ።

እታ ዝሓለፈ ቀዳም፡ 13 ታሕሳስ ኣብ ናይሮቢ፡ ኬንያ፡ ተሸሪባ ዝተረፈት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ካብቲ ኩሎም መንእሰያት ኤርትራ ብቐጻሊ ዝወስዱዎ ዘለዉ ስጉምቲ ዝተፈልየ ስጉምቲ ኣይወሰደትን። መሳቱ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ወግሐ ጸብሐ፡ ድብያታት ሓለዋ ዶብ ህግደፍ ዕጅብ ከይበሎም፡ ሓለዋ ዶብ በድራጋ እናተኮሱሎም፡ ናብ ኩሉ መኣዝናት፡ ንኢትዮጵያ፡ ንሱዳን፡ ንየመን ይጸሩ ኣለዉ። ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ከኣ፡ በዚ ዝወሰደቶ ስጉምቲ፡ ብኻልእ ኣዘራርባ “ቺቺሮ ብዘይ ቲፎዞ ፡ እንታይ ክገብሮ” እያ ትብል ዘላ።

መሰል ህዝቢ ዘየኽብር ስርዓት፡ ልኡላውነት ሃገር ክሕሉ ኣይክእልን እዩ።

ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት  ሃገራት፡ ንሓያለ ኣዋርሕ ድንዕ-ድንዕ ክብል ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እገዳ መሸጣ ኣጽዋር፡ ኣብ ልዕሊ ኣባላት መንግስቲ ስርዓት ህግደፍን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ብፍላይ ከኣ፡ ናይ መገሻ ቀይድን ምድስካል ንብረቶምን ክግበር ዝጽውዕ ንድፊ ኣዋዲዱ ውሳኔ ክህበሉ ኣብ ተጠንቀቕ ኣሎ።

  ካብ ህልኽን ብጎቦ ዓይኒ ምጥምማትን ልቦናን ልዝብን እንተዓዚዙ: ዘይጽገን እምነት የልቦን።

ካብ 9 ክሳብ 10 ሕዳር ሕብረት-ኤውሮጳን ኣመሪካን ከምኡ ‘ውን ‘ታስክ-ፎርስ’ (ሓይሊ-ዕማም) ተባሂሉ ዝፍለጥ ጉጅለ ኤርትራውያን ዝተሳተፉዎ “ንፖሊሲ ሕብረት ኤውሮጳን ኣመሪካን ኣብ ሕቶ ዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ኤርትራን ቀርኒ-ኣፍሪቃን ንምውህሃድ ዝዕላምኡ” ዋዕላ ተኻይዱ።

ክቡራት ተኸታተልቲ ኣሰና፡ እቲ ብሓሶት ክናበር ዝደሊ ሓቂ ምጽዋር ዝሰኣነ ስርዓት ህግደፍ ናይ ሳይበር ሃሱሳትን ዕሱባትን  ብምውፋር ንመርበብ ሓበሬታኹም demo.archive.assenna.com ካብ ገጽ ኢንተርነት ክሓክኽ ቀጻሊ መጥቃዕትታት ከካይድ ድቃስ ስኢኑ ከምዘሎ ምልክታቱ ድሮ ከተስተብህሉሉ ቀኒኹም ኳ እንተለኹም፡ ደጊምና ነረጋግጸልኩም። እዚ ጸጸኒሑ ዘጋጥመና ዘሎ ምቍራጽ ኣገልግሎት ተክኒካዊ ጸገም ዘይኮነ ተጻብኦ ህግደፍ እዩ። ኩሉ ሃሱሳዊ ንጥፈታቱ ድማ ብሰነድን ጭብጥን ተታሒዙ ኣሎ። 

ንድሕሪት እናጠመትካ ንቕድሚት ምኻድ ኣይከኣልን’ዩ!

ኣብ ቀዳማይ ክፋል ናይዚ ጎደና ሓርነት ካበይ፡ ናበይ፡ ብኸመይ? ብዝብል ኣርእስቲ ዝጀመርናዮ ተኸታታሊ ትሕዝቶ፡ ‘ተስፋን ቅብጸትን ገጽንገጽ’ ኣብ ዝብል ንኡስ ኣርእስቱ፡ ኤርትራዊ ሕልና ወሪዱዎ ዘሎ ለጠቕታን ሞራላዊ ቅልውላውን ኣተኲርናሉ ኔርና። እዚ ምልከት ውድቀት’ዚ እናሓደረ ክገንን ‘ምበር ክመሓይየሽ ኣይተራእየን። ኣብዚ ሳምንቲ ‘ዚ ጥራይ ‘ኳ ነዚ ምጕት’ዚ ዝድግፉ ሓያለ ተርእዮታት ተኸሲቶም።

 ተስፋን ቅብጸትን ገጽ ንገጽ


ወዲ ሰብ: ተስፋ ከይረኸበ ህይወቱ ንምቕያር ዘድልዮ ኒሕን ጻዕርን ከመንጩ ኣይክእልን እዩ። ጻዕሩን ትግሃቱን: ሽግሩ ዝፈትሕ መጻኢኡ ዝቕይር ምስ ዝኸውን ጥራይ ‘ዩ ዝዕጠቐሉ። ይኹንምበር፡ ነቶም ኣብ ጉዕዞኡ ዘጋጥሙዎ ለጠቕ ዝበሉ ህሞታትን ፍጻሜታትን ወትሩ ዕሽሽ እናበለ: ብግርህናን ብጕርሕን ካብ ክዉንነት ርሒቑ እናተዛነየ ዝሓልፍ እንተኾይኑ ‘ውን: ብሕልማዊ-ተስፋ ናይ ምስቓይ ሓደጋ ኣለዎ። ንኤርትራውያን ካብ ዘጋጠመና ሓደጋታት ሓደ ኸኣ: እዚ ስነኣእሙራዊ ቀውሲ ‘ዚ እዩ።

ተስፋን ቅብጸትን ገጽ ንገጽ:

ሃገርና ኤርትራ ኣብዚ እዋን ‘ዚ ብዘይካ ሓደ ነገር ዘለዋ የብላን። ባይቶ የልቦን! ተቓወምቲ ሰልፍታት ወይከ! ቤት ፍርዲ ኣበደን! ልዕሊ ኹሉ ፕረስ ወይ ከኣ መራኸቢ ብዙሃን ሽታ ማይ ኮይኑ ኣሎ። ኣብዛ ብናፍቖትን ጥምየትን ናይዚ ኹሉ ጸጋታት ማሲና ዘላ ሃገርና ግን ሓደ ህጣራ ነገር ኣሎ። ውልቀመላኽነት። “እንኮን ዓኮን”!

ኣብ መወዳእታ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን “ኣብ ማእከላይ ባሕሪ 5 ኤርትራ ድሒኖም 75 ግን ሃለዋቶም ኣብ ስግኣት ኣሎ” ዝብል ወረ ብማዕከንት ዜና ዓለም ምስተሰምዐ፡ ዋላ እቶም ሞት ርእዮም ካብ ሞት ዝደሓኑ ዝደሓኑ ክልተ ህጻናት ዝርከቡዎም ውጻእ-መዓት “ብዘይካና ዝተረፈ የለን” እናበሉ ኸለዉ ከይተረፈ፡ ሚልዮናት ህዝቢ ኤርትራ ክንኣምኖ ኣይደለየን። ልቡ ሓቝፉ ቀንዩ። ነቲ ጥፍኣት ‘ኣሜን’ ኢሎም ዝተቐቡሉዎ እቲ በላዕተኛ ስርዓት ህግደፍን ዓሳታት ማእከላይ ባሕርን ጥራይ እዮም። ሕጂ ግን እንሆ እቶም ዝደሓኑ መለስቲ ኣውያት ምዃኖም፡ እቶም ካልኦት 75 ንጹሃት ኤርትራውያን ዜጋታት ግን፡ ኩሎም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ተዋሒጦም ብጅምላ ሃሊቖም ኣለዉ። እቲ ጥፍኣት ተረጋጊጹ ‘ሎ። ንብዓትን ኣውያትን ዘይኣኽሎ መሪር ሓዘን እዩ።

ኣብ ኣተሓሳስባ ህዝቢ ኤርትራ፡ ልማድ ወተሃደራዊ ዕልዋን ቅትለት መራሕቲ ሃገራትን ኣብ ኣፍሪቃ ዘሕፍር ዛንታ ኮይኑ ብባጫ ዝዕለለሉ እዋን ነይሩ እዩ። እኳ ደኣ ናይ ቀረባ እዋን። ኢሳይያስ ዝመራሒኦም ፖለቲከኛታት ኤርትራ ንብዓል ኢድ ኣሚንን ሙቡቱ ሰሰሴኮን ከላግጹሎም ይውዕሉ ስለዝነበሩ፡ ከምኣቶም ክኾኑ እዮም ኢሉ ዝተጸበየ ኣይነበረን። ኢሳይያስ ንመራሕቲ ኣፍሪቃ ‘እኩባት ጋዋኑ’ ክብሎም ከሎ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ‘ኣብነታውያን መራሕቲ ክህልዉና እዮም’ ኢሉ ሃነን ዝበለ ‘ምበር ነቲ ጽዩፍ ቋንቍኡ ዓገብ ዝበለ ‘ውን ኣይነበረናን።

G15

ሎሚ 3 ነሓሰ፡ ልክዕ 47 መዓልታት ቅድሚ ‘ታ ነጥበ መቐይሮ ትስፉው ግስጋስ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ምዃን፡ መኻልፍ ኮይና ኣብ ታሪኽና ኩርኳሕ ቦታኣ ዝሓዘት 18 መስከረም 2001፡ እወ፡ እቶም ንናጽነት ኤርትራ ዘበጅዉዎ ንእስነትን ህይወትን ከየርወዮም፡ ዝለኣኹዎም ኣሽሓት ጀጋኑ ዝተሰውኡሉ ሃገር ንምድሓን ዲሞክራስያዊ ለውጢ

Ibrahim Sስርዓት ህግደፍ ሃይማኖት የብሉን፡ ኣውራጃ የብሉን፡ ዓዲ የብሉን። ዘመዱ ስልጣኑ እዩ። መበቆሉ፡ ሃይማኖቱ ብዘየገድስ፡ ካብ ቆላ ይምጻእ ካብ ከበሳ፡ ኩሉ እቲ ስልጣኑ ንምንዋሕ መጋበርያ ክኸውን ዝተቐረበ ፈታዊኡ እዩ። ጸላኢኡ ድማ ከምኡ፡ ጆግራፉን መንፈሳዊ እምነቱን ብዘየገድስ፡ ንስርዓቱን ዓመጹን ዝተቓወመ።

 

 

ትማሊ ሰንበት ‘ዩ። ‘ቲቢ ኤረ’ ፡ ካብኡ ናብኡ፡ ካብቲ ፖለቲካዊ ፕሮፖጋንዳ ዝወረሶ ኣሰልቻውን ተደጋጋምን ብምዃኑ ውሑድ ተኸታታሊ ዘለዎ ናይ ሽዱሽተ መዓልቲ መደባታ፡ ብተዛማዲ እቲ ናብ ምዝንጋዕ ዝዘምበለ ፕሮግራም ሰንበት ዝሓሸ ተኸታታሊ ከምዘለዎ ተገንዚባ ሓደ ‘ኩሉ ሰብ ክሰምዖ’ ኣለዎ ተባሂሉ ብህግደፍ ዝተዋህባ መታለሊ መደብ ከተአንግድ ተራእያ።

sene

ሰማእታት ኤርትራ ዘርኣዩዎ መዳርግቲ ዘይብሉ ሕሉፍ ተወፋይነት ንምግላጽ ከበድቲ፡ ዝተሓላለኹ፡ ዘቝጸልጽሉ ቓላት ምንዳይ ኣየድልን። ምእንቲ ራህዋን ፍትሕን ካልኦት፡ ምእንቲ ዕላማን መጻእን፡ ምእንቲ ህዝቢ፡ ምእንቲ ሃገር፡ ህይወቶም ስለዝበጀዉ፡ ተግባሮም ኣፍ ኣለዎ፡ ባዕሉ ይዛረብ። ንዝተገንዘበቶ ልቢ ተዘዝ የብል፡ ብሕልና ካብ ዝተመልከተቶ ዓይኒ ንብዓት ይጸምቝ። ከቶ መዳርግቲ የብሉን።

እቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብቐዳም 13 ሰነ ብህግደፍ ካብ ኣባይቶም ተለቒሞም ዝተኣስሩ  ሽማግለታት ኣቦታት ሓሰን ኬክያን ዓብዱ ዮኑስን  ኣብ ኣስመራ፡ ሓሙሻይ መደበር ፖሊስ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ኣፍሊጦም።

ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመት ርብዒ መዋእል ናይ ሓደ ጸጋ ዕድመ ዝተዓደለ ሰብ እዩ። ኣብ እዋን ናጽነት ኤርትራ ዝተወልደ ህጻን፡ ከምዚ ናይ ሃገርና ስግንጢር ኣብ ዘይሓሰዳ ንብርቲ ሃገር ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ፈጺሙ ዩኒቨርሲቲ ጀሚሩ ኣሎ። ኣብ ሃገርና ኸኣ ግዳይ ሳዋ ኮይኑ ጊላነት ዲክታተርነት ፈሊሙ ኣሎ ማለት ‘ዩ። 18 ዓመት ኣብ ሃገርነት ነዊሕ ዕድመ ዘይክኸውን ይኽእል። ብዕድመ ስልጣን ሓደ መራሒ ክዕቀን ከሎ ግን መዋእል እዩ።

ብዘይካ ‘ቲ ካብ 23 ግንቦት 2007 ኣትሕዝና ንኽልተ ዓመት ዘካየድናዮ ኣገልግሎት መርበብ ኢንተርነት፡ እታ ኣብ ታሕሳስ 2008 ብ ፈነወ ኢንተርነት ኣገልግሎታ ዝጀመረት ድምጺ ኣሰና፡ ብ 16 ለካቲት 2009 ቀጥታዊ ፈነወ ሳትላይት ናብ ኤርትራ ካብ እትጅምር ንኽልተ ወርሕን ክልተ ሰሙንን ፕሮግራማት ፈንያ ‘ላ። ቅዳሕ ናይቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተኸታተሎ ነናይ ፍርቂ ሰዓት መደባት ከኣ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ህዝብና ‘ውን ብኢንተርነት (online radio) ከምዝስዕቦ ተገይሩ።

foodaid

ኣብዛ ሓንቲ ዓለም ክልተ ህይወት ኣሎ። ኣብዚ ከም ስደተኛታት እንነብረሉ ዘለና ምዕራባዊ ኩርናዕ፡ ሰባት ኣመና ሰቢሖም፡ ከሲዖም ክሞቱ ምርኣይ ልሙድ እዩ። እዚ ንሳቶም ክሰዐ (Obesity) ዝብሉዎ መግቢ ካብ ምግፋጥ ዝኽሰት፡ ዓቐኑ ዝሓለፈ ክብደት ኣስዒቡ ንሰባት ዘልምስ፡ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ዝቐትል ተረእዮ፡ ከም ኣዝዩ ሓደገኛ ማሕበራዊ ጥዕናዊ ጸገም መበል 21 ክፍለዘመን ጠሚቶም ሰበልጣን ናይዘን ሃገራት ከም ዕዙዝ ፖለቲካዊ ጉዳይ ጎስጓሳት የካየደሉ። በንጻሩ ኣብ ሃገርና ሰብ ብኽቱር ጥምየት ይመወት ኣሎ። ቃል ንቓሉ ሰብ ብጥምየት ይመውት ኣሎ።

ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ዜና ኣሰና ከምዝተኸታተልኩሞ፡ እቲ ህድግለነ ዘይብሉ ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ከም መቐጸልታ ናይቲ “ድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ” ብምባል ኣንጻር ኤርትራን ህዝባን ድግዲጊቱ ዓጢቑ ተተሓሒዙዎ ዘሎ እከይ ተግባር፡ ን 22 ገዳማትን ኣብያተ ክርስትያንን ኦርቶዶክስ ንብረተን ራስዩን ኣብሪሱን ናብ ቤትማእሰርትን ወተሃደራዊ መዓስከርን ንምቕያር ውዲት ኣሊሙ ‘ሎ።

ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ከምዝተኸታተልኩሞ፡ ብዓዋተን መሰልና-ደሊናን ናብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ዝቐንዐ ዝተወሃሃደ ጸለመን ዘለፋን ክካየድ ቀንዩ ‘ ሎ ። ብዙሓት ሰማዕትን ተኸታተልትን ኣሰናን እተን ወብሳይታትን ከኣ ኣብቲ ጉዳይ ዘለኩም ቅሬታን ሓዘንን ብ ኢ-መይል ቴለፎንን ክትገልጹልና ቀኒኹም። ኣንፈት ናይዚ ጸለመን ዘለፋን ካብ ሓያለ ሰሙናት ኣትሒዝና ኣስተብሂልናሉ ‘ኳ እንትጸናሕና፡ ኣብዚ ህዝብና ኣብ ዓዘቕቲ ህግደፍ ጥሒሉ ሓገዝን ተስፋን ሃንቀው ዝብለሉ ዘሎ መሪርን ከቢድን ግዜ፡ ነቲ ዝርካቡ ገጻት መርበብናን ቀለም ብርዕናን ንቖየቛን ምምልላስን ኣሕሊፍና ክንህቦ ፍቓደኛታት ኴንና ኣይጸናሕናን። ኣብዚ ሰዓት ‘ዚ ‘ውን መርገጺና ኣይተቐየረን።

goitom

ከመይ ቀኒኺ ሃገረይ!

ምንኣስ ናጽነት እንተጸኒቱ፡ ናጽነት እንታይ ‘ዩ ፍትፍቱ?

ሃገረይ፡ ‘ከመይ ቀኒኺ’ ክብለኪ ከለኹ፡ ‘ከመይ ‘ለኻ ኣይትበሎ ኣብ ገጹ ረኣዮ’ ዝብሃል ዘረባ ዘኪርኪ፡ ንሕቶይ ብናይ እንክሒራ ፍሽኽታ ትገንሕዮ ትህልዊ። ኣይክሕዘልክን ‘የ። ማእሰርቲ ቀሽን ዓለምን፡ ሸኽን ኣማንን፡ ሚኒስተርን ጋዜጠኛን፡ ኣቦን ወላዲትን ተራ ኾይኑስ፡ ሎሚ ቅጽበታዊ ርሸና ደቂ 15 ዓመት ቆልዑ፡ እወ፡ መቕዘፍቲ ናይቶም ምንኣስ ናጽነት ዝኾኑ ዕሸላት መንእሰያት ኣብ ቅድሚ ዓይንኺ ትርእዪ ብምህላውኪ፡

blenሎሚ መዓልቲ ኣብዛ ባሕቲ 2009 ‘ውን ከም ትማሊ ቅድሚ-ትማሊ “ርሑስ ሓድሽ ዓመት!” ክብለካ እዩ፡ እቲ መንጸሮር ኮይኑካ ዘሎ ወልቀመላኺ። ካብ ደረቕ ልቢ ዝወጽእ ጥሉል ቃላት ግን ኣይከርክኣካን እዩ። ግዜ ብዙሕ ሻዕ ፈሪዱካ እዩ ‘ሞ ሎምስ ንግዜ ብግዴኻ ፍረዶ።

asenaሕጂ፡ ን ‘እንታይ ስለምንታይ’ ‘ውን ግዜ የብልካን። ምጕት ሰዓቱ ሓሊፉ፡ በደልን በዳልን ተቐሊዑ እዩ። ዋጋ ናይዚ ኹሉ ጃምላዊ ኣደራዕካ ሓንቲ ቓል እያ። “እምቢ!” ብሓደ ድምጺ። ዳኛ ንስኻ ተዳናዪ ንስኻ ኢኻ። እቲ ለውጢ ብኣኻ ንዓኻ፡ ፖለቲካዊ ስልጣን ከኣ ግዴኻ እዩ።

asenaስርዓት ህግደፍ፡ ብፍላይ ከኣ እቲ ስልጣን ብሒቱ ዘሎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ሃገራዊ ባይቶ፡ ነጻ መራኸቢ ብዙሓን፡ ስርዓተ ሕግን ቅዋማዊ ስርዓትን ዝጽይኑሉ እንኮ ምኽንያት እንተልዩ፡ ሽፍትነትን ውዲትን ኣብ ቅድሚ ‘ቶም ናይ ተሓታትነትን ግልጽናን መድረኻት ዝኾኑ ዲሞክራስያዊ ትካላት ኣሳልጦ ክረክብ ዕድል ስለዘይብሉ እዩ።

gerahtuመምህረይ ተስፋሚካኤል ገራህቱ፡ ….ድኹም ጎንኹም መዝሚዙ፡ ምእንቲ በለጽን ውልቃዊ ጠቕምን ዋላ ኣብ ሓዊ ክትኣትዉ ቅሩብ ምዃንኩም ምስ ተኣማመነ ኸኣ፡ ኣምባሳደር ዲክታተር ክትኮኑ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ልኢኹኩም። በዚ ሽልማት ዝመስለኩም ዘሎ መዝነት፡ ዕዳ ይጽዕነኩም ከምዘሎ ግን ኣይተሰቆረኩምን። ..

እዚ ተርእዮ እዚ ካብ ኩሉ ኣካላት ህግደፍ እታ ዝደኸመት ህዋሱ እዝኑ ምዃና፡ ነቲ ድሮ እንፈልጦ ሓቂ መሊሱ የረጋግጸልና። መልሓሱ ሕማቕ እናተዛረበ፡ ኢዱ ሕማቕ እናገበረ፡ ኣእጋሩ ናብ ሕማቕ እናኸደ፡ ልቡ ሕማቕ እናሓሰበ፡ እዝኑ ግን ብዛዕብኡ ሕማቕ ክትሰምዕ ኣይትደልን። ሓቂ ከም መርዚ ቆጭቆጭ ‘ያ ተብሎ።

dictatorብሕልና ኣብ ቤትማእሰርቶም ኣቲና ነዚ ኩነት’ዚ ክነስተማቕሮ እንተንፍትን፡ ምሕሳቡ ጥራይ ‘ኳ ከምዘስካሕክሓና ፍሉጥ እዩ። ሓርበኛታት ተጋደልቲ፡ ዑቕበ ኣብርሃ፡ በራኺ ገብረስላሰ፡ ማሕሙድ ሸሪፎ፡ ጴጥሮስ ሰለሙን፡ ወዲ ኬክያ፡ ኣስቴር ፍጽሃጼን ድሩዕ፡ ሓምድ ሕምድ፡ ብርሃነ ገረዝጊሄር፡ እስቲፋኖስ ስዩም፡ ጀርማኖ ናቲ፡ ቢተወደድ ኣብርሃን ኩሎም እቶም ብፖለቲካዊ ምኽንያት ተኣሲሮም ዘለዉ ተጋደልትን ጋዜጠኛታትን ግን ንሸውዓተ ዓመታት በልዮሙሉ። ጸብጻብ ሞቶምን ህላዊኦምን ‘ውን እቲ ዓጽመ-ስጋኦም ዝፈላለየ ኣራዊት ጥራይ እዩ ዝፈልጦ።