(ምሉእ ትሕዝቶ ናይ’ቲ ኣብ ኣኼባ ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ኣብ ኦክላንድ ካሊፎርንያ ዝቐረበ ወረቐት) ብዛዕባ’ዚ ሃገርን ህዝብን ዝህውጽ ዘሎ ማዕበል እንዳ ዝናን-ባህታን ምዝራብን ምጽሓፍን ካብ ዝጅምር፣ ጻዕረይ ነቲ ኣነ ዝፈልጦ፣ መሲሉ ብዝተራእየኒ መንገዲ ከንጸባርቕ ስለዝደለኹ ደኣ’ምበር፣ ፍሉይ ናይ ውድብ ፖለቲካዊ ጽልዋ ወይ ድማ ክረኽቦ ዝዓለምኩ ረብሓ የብለይን።
(ምሉእ ትሕዝቶ ናይ’ቲ ኣብ ኣኼባ ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ኣብ ኦክላንድ ካሊፎርንያ ዝቐረበ ወረቐት) ብዛዕባ’ዚ ሃገርን ህዝብን ዝህውጽ ዘሎ ማዕበል እንዳ ዝናን-ባህታን ምዝራብን ምጽሓፍን ካብ ዝጅምር፣ ጻዕረይ ነቲ ኣነ ዝፈልጦ፣ መሲሉ ብዝተራእየኒ መንገዲ ከንጸባርቕ ስለዝደለኹ ደኣ’ምበር፣ ፍሉይ ናይ ውድብ ፖለቲካዊ ጽልዋ ወይ ድማ ክረኽቦ ዝዓለምኩ ረብሓ የብለይን።
ከተማ ኒው ዮርክ ነቲ ሃሲሱ ዝነበረ ታሪኽ ጅግንነትን ዘይተምበርካኽነትን ኤርትራውያን ዝኾልዔ ሓድሽ ቅያ ወቂራ። እቲ ንዝሓለፈ ኣስታት ዓሰርተ ዓመታት ንሃገርና ኣብሪሱ ንህዝብና ዘጽንት ዘሎን ንታሪኽ ጅግንነት ህዝቢ ኤርትራ ብኽድዓትን ጥልመትን ዝበረዘ ውልቀ መላኺ ኣብ ህይወቱ ንመጀመርታ ጊዜ ዓቢ ውርደትን ፍሽለትን ኣጋጢሞዎ። ኢሰያስ በቶም ንዓመታት ኣብ
ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ብቀዳም 20 ነሓሰ 2011 ኣብ ከተማ ሲያትል ዕዉት ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዱ።
እቶም ንሰላም፣ ንፍትሕን ደሞክራስን ኣንጊሆም ዝጨደሩ ህዝቢ ዓባይ ቤይ ኤርያ ሕጅውን መሰለይ ከይረኸብኩ ኣይዳነን ብምባል ንፌስቲቫል ህግደፍ ከም ዓውዲ መኼዳ ረጋጊጾሞ።
ሃብቶም ዝተባህለ ኤርትራዊ ስደተኛ፡ ሓሙሽተ ክፍለ–ዓለማት ኣቋሪጹ ንዝፈጸሞ ጉዕዞ ስደት እንተአንቱ ምጽሓፍ ብምድራስ ንሕትመት ኣብቂዑዋ። እታ መጽሓፍ፡ እቲ ኤርትራዊ መንእሰይ ሓዱሽ ቤት ከጣይስ ኣብ ዘካየዶ ናይ ዓመታት ጉዕዞ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝረኸቦም ሰባት ንዘርኣዩዎ ጽንዓትን ትብዓትን ዘንጸባርቕ ዛንታታት ዝሓቖፈት እያ።
እዚ ወርሒ’ዚ ከም ዝፍለጥ ኣባና ኣብ ኤርትራዊያን ሓደ ዓቢ ቃል-ማሕላ ዝተኣተወሉን ንኣትወሉን ነብሰ ንስሓ ዕግበተ-ሕልና ሱባኤ ንገብረሉ ግዜ’ዩ፡፡
ዓመት ይሓልፍ ዓመት ይትካእ ብመንፅሩ ነቲ ዝሓለፈ ገምጊምና ናይ መፃኢ መደባትና ንሰርዕ። ንመደባትና ኣብ ግብሪ ምውዓሎም ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ግዜ ንከታተሎም፣ ምኽንያቱ ግዜ ብሉፅን ልዕሊ ኹሉን ስለዝኾነ።
ድምጺ ኣሰና ነቲ ‘ኤርትራ ብዓይኒ ህዝባ’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ዓምዲ ብምኽንያት መበል 20 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፡ ኩሉ መዳያዊ ኩነታት ሃገርና ንምግምጋም ዝጀመረቶ ሓባራዊ ዘተ ንቐዳም 21 ግንቦት ‘ውን ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ከተካይዶ ምዃና ንተቐማጦ ዋሺንግተን ዲሲን ከባቢኣን ትሕብር።
ስርዓት ህግደፍ፡ ብዝተፈላለየ መንገዲ ኢዱ ብምእታው፡ ኣብ ወጻኢ ዝርከባ ማሕበረኮማት ኤርትራውውያን ዓምቢበን ንኤርትራዊ ማሕበረሰብ ግቡእ ኣገልግሎት ክይህባ ቀንዲ ዕንቅፋት ኮይኑ ከምዘሎ ኣብ ቶሮንቶ (ካናዳ) ዝነብሩ ኤርትራውያን ትማሊ 7 ግንቦት ‘ኤርትራ ብዓይኒ ህዝባ’ ኣብ ትሕቲ ዝብል መደብ ገምጋም 20 ዓመታት ናጽነት ምስ ድምጺ ኣሰና ኣብ ዘካየዱዎ ሓባራዊ ዘተ ገሊጾም።
ድምጺ ኣሰና፡ ነቲ ብምኽንያት መበል 20 ዓመት ናጽነት ዝጀመረቶ ‘ኤርትራ ብዓይኒ ህዝባ’ ዘርእስቱ መደብ ሓባራዊ ዘተ ብምቕጻል፡ ንጽባሕ ቐዳም 7 ግንቦት ኣብ ቶሮንቶ (ካናዳ)፡ ንኩነታት መራኸቢ ብዙሓንን ሞያ ጋዜጠኛነትን ኣብ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ከምኡ ‘ውን ኩነታት ማሕበረኮማት ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ እንታይ ከምዝመስል ክትድህስስ እያ።
ኣብ ሰያትል ሕቡራት መንገስታት ኣመሪካ ከም ወዋፈሪ ንጥፈታት ስርዓት ህግደፍ ዘገልግል ዝነበረ ብኣማኑኤል ዝተባህለ ኤርትራዊ ዝውነን ገዛ፡ ‘ከም ማእከል ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ስለዝተጠርጠረ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን FBI ማለት ወከልቲ ናይቲ ዝለዓለ ፈደራላዊ ጸጥታዊ መርማሪ ሓይሊ ፖሊስ ኣመሪካ ኣብቲ ገዛ ሃንደበት ተረኺቦም ብጽኑዕ ድሕሪ ምፍታሾም ፡ ዘድልዮም ሓበሬታን ጭብጥታትን ኣኪቦም፡ ኣብቲ ገዛ ንዝጸንሓኦም ኮምፒተራት ከምዝወሰዱወን ምንጭታትና ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።
ብዕለት 18 ምያዝያ ኣብ ሳንፍራንሲኮ፡ ካብ ቀረባን ርሑቕን ከተማታት ካሊፎርንያ ዝመጹ ተቓወምቲ ዜጋታት ዝተሓወስዎ ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር ስርዓት ውልቀ-መላኺ ተኻይዱ። ኣብዚ ሰላማዊ ሰልፊ እዚ ዝወዓለ ዜጋ ብዕድመ ይኹን ብብሄራዊ መልክዑ ዝተዛነቐ ብምንባሩ፡ ምዉቕ መንፈስ ሃገራውነትን ሓደነትን ዘንጸባርቕ ሃዋሁው ክፈጥር ክኢሉ። ካብ ናይ ቀደም ሰላማዊ ሰልፍታት ዝያዳ ብርክት ዝበላ ደቀ-ኣንስትዮ እውን ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣማዕሪገንኦ ውዒለን።
ኤርትራውያን ካናዳውያን ተቐማጦ ቶረንቶን ከባቢኣን ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣፍደገ ቤት ጽሕፈት ባይቶ ኦንታርዮ ብምስላፍ፡ ጉዳይ ናይቶም ብ22 መጋቢት ካብ ሊብያ ናብ ኤውሮጳ ንምስጋር ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጠሓሉ 400 ኤርትራውያን ክጽናዕ ጻውዒት ኣቕሪቦም።
ኣብ ሳንታ ሮዛ ዝወዓለ ኣኼባ ሽማግለ ንጉባኤ፡ ብጉዳይን ህዝብን ሃገርን ኤርትራን፡ ሃገራዊ ኮምሽን ዘካይዶ ዘሎ ንጥፈታትን ዘትዩ። ኣብ ውሽጢ ምምሕዳር ሽማግለኡ ዝርከብ ስርርዓት፡ ዘለዎ ሓላፍነቱን ዝዓሞ ስርሓትን በብሓደ ምስ ኣኼበኛ ብምልላይ፡ ነቲ ኣኼባ ከፊትዎ።
አብዚ እዋን እዚ ራዕድን ሽበራን ቅንጸላን ከም ቀንዲ መሳርሒ ስልጣኑ ገይሩ ዝጥቀም ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ኣብ ወጻኢ ወይጦታቱን ሃሱሳቱን እንዳኣዋፈረ መነባብሮ ህዝቢ ርፉታ ከሊኡ ይነብር ኣሎ።
ማሕበር ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ(ቤይ ኤርያ) ከም ኩሉ ደላይ ለውጢ ኤርትራውን ከም ኩለን ተቓወምቲ ውድባትን ኤርትራ ነቲ ኣብ ሃገርና ሳዕሪሩ ዘሎ ውልቀ ምልክን ስርዓተ ኣልቦነትን ካብ ሱሩ ሚሒኻ ኪኖ ሓጹር ንምድርባይን፡ ኣምሳይኡ ድማ ፍትሕን ደሞክራስን ሰላምን ዝሰፈኖ ስርዓት
ኣብ ከተማ ኒው-ዮርክ ቀዳም 14 ሕዳር 2010 ዋዕላን መጻኢ ሃገራዊ ጉባኤን ብዘርኢ ጉዳያት ህዝባዊ ኣኼባ ተካይዱ። ኣባላት ኮሚሽን ኣሕዋት ተኽላይ ኣብራሃን ዳንኤል ተወልደን ነቲ ኣብ ኒው-ዮርክን ከባብን ዝርከብ ህዝብና ኣገዳሲ ኣኼባ ኣካይዶም። ዛዕባ ናይ’ቲ ኣኼባ ከኣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ዝተኻየደ ዋዕላ ውጽኢቱን ዕማማት ኮሚሽንን ዘጠቓለለ እዩ ነይሩ።
ከቦሮ ህ.ግ.ደ.ፍ፡ ብሓዳስ ከቦሮ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ተተኪኣ። ናብቲ ገፊሕ ዳስ ዘተን ምርድዳእን ዋዕላን፡ ገጻ እትመርሕ ከቦሮ መንእሰይ፡ “ንዑ ኩሉኹም ኣሕዋት ኤርትራውያን፡ በዚ’ዩ መንገዱ ሰዓቡኒ ተጸንበሩ ተዛተዩ!” ክትብል ኣምስያ።
ብዕለት 10/16/2010 ኣብ ኦክላንድ ብኣባላት ሃገራዊት ኮሚሽን ዝተኻየደ ህዝባዊ ኣኼባ፡ 25 ዝኣባላት ቦርድ ከም ከምእተመርጸ ይዝከር። እዚ ቦርድ እዚ፡ ሽማግለ ንጉባኤ- በይ ኤርያ ኦክላንድ ዝብል መጸዋዕታ ተዋሂብዎ፡ ብዕለት10/24/10 ተኣኪቡ ነብሱ ክሰርዕ ውዒሉ።
ድሕሪ ተደጋጋሚ ኣኼባታትን ምይይጥን ዓለም ለኻዊ ምንቅስቃስ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ካናዳ ፕሮግራሙ ኣጽፊፉ ዓላማታቱ ኣነጺሩ ዘይመኽሰባዊ ማሕበር
ዝኽበርኩም ኣሰናዳእቲ መስራቲ ጉባኤ ማሕበር ኣካለ ስንኵላት ቺካጎ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ሎሚ ነቲ ኣብ ሓጺር ግዜ፡ ግን ነዊሕ ጉዕዞ ዝኸደ፡ ከቢድ ስርሓት ዝተዓመመሉ፡ ዓብይ ሃገራዊ ሓላፍነት ዝተሰከመ፡ ብቀረባ ነቶም ንማሕበር ኣካለ ስንኵላት ኤርትራ ንምሕጋዝ ማሕበር ንምትካል ከይተሓለሉ ዝጸዓሩ ብፍላይ
እቲ ብሲቭካዊ ማሕበር ኤርትራውያን ላስቬጋስ ዝተዳለወ ጽምብል መበል 19 ዓመት ዕለተ ነጻነት ሃገርና ብረቡዕ 26 ግንቦት 2010 አብ ኢታልያን አሜሪካን ክላብ ብዓቢ ድምቐት ተጸምቢሉ ሓዲሩ።
ነብሲ ወከፍ ኤርትራዊ ንሃገሩ ከም ዘፍቅርን ከም ዘኽብርን ምንም ጥርጥር የብሉን። አብ ስልጣን ዘሎ ህግደፋዊ መላኺ ስርዓት’ውን ነዚ ስሚዒት’ዚ ስለዝፈልጥ፣ ናይ ህዝብና ስሚዒት መዝሚዙ ብምብላጽ፣ ንጹሃት ዜጋታት ብምግጋይ ክንደይ ጊዜ ኢዩ ብሽም ኤርትራን ህዝባን እከይ ተግባርን፣ ሐደገኛ ሽርሕን ዘይፈጸመ።
የእምሮና እንተ ዘይደንዚዙ: ሕልናና እንተ ዘይተቐቢሩ፣ ሎሚ ኤርትራ ሕድሪ ስዉኣታ ተጠሊማ፣ ብዕርቃን ግዝኣተ ሕጊ ዝባና ሰምቢሩ፣ ህዝባ ከይዛረብ ኣፉ ተዓቢሱ፣ ከይሰርሕ ተኸልኪሉ፣ ረዲኤት ከይረክብ ተኣጊዱ ብዓጸቦ ዝማስነላ፣ ከም ሓምሊ ቍራዕ ብሽግርን ተስፋ ምቝራጽን ዝበስለላ፣ ደቃ ካብ መኣዲ ትምህርትን ምህናጽ ስድራ ቤትን ተዀሊፎም ኣብ ወፍሪ ወተሃደራዊ ባርነት ተጸሚዶም ዝነብሩላ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ኰይና ምህላዋን፣