Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

BRING THEM HOME! (ንገዛኦም ምለሱዎም!)

BRING THEM HOME! (ንገዛኦም ምለሱዎም!)   ዚብል ብዓቢ ሆሄያት (ፊደላት) ዚተጻሕፈ ጽሑፍ ኣብ ኩሉ ምንቅስቓሳተይ ምስ ነበብኩን ምስ ሰማዕኩን’የ ነዛ እትስዕብ ጽሕፍቲ ንክውርቕ ተገዲደ።   ጉዳይ ናይዞም ኣብዚ ዝሓለፈ መበል 29 ሰሙን ናይ ዓመተ 2014 ኣብ ምብራቕ ዩክሬን ብሮኬት

BRING THEM HOME! (ንገዛኦም ምለሱዎም!)
 
ዚብል ብዓቢ ሆሄያት (ፊደላት) ዚተጻሕፈ ጽሑፍ ኣብ ኩሉ ምንቅስቓሳተይ ምስ ነበብኩን ምስ ሰማዕኩን’የ ነዛ እትስዕብ ጽሕፍቲ ንክውርቕ ተገዲደ።
 
ጉዳይ ናይዞም ኣብዚ ዝሓለፈ መበል 29 ሰሙን ናይ ዓመተ 2014 ኣብ ምብራቕ ዩክሬን ብሮኬት ተወቒዖም ምስ ነፋሪቶም ናብ መሬት ወዲቖም ዝሃለቑ 298 ሰባት፡ ንዓለምና ኣናዊጹ ቀንዩ ኣሎ። ካብዚኣቶም 193 ግዳያት፡ ዜጋታት ኔዘርላድስ፣ 43 ግዳያት፡ ዜጋታት ማለዥያ፣ 27 ግዳያት፡ ዜጋታት ኣውስትራልያ፣ 10 ግዳያት፡ ዜጋታት ኢንዶኖዥያ፣ 10 ግዳያት፡ ዜጋታት ብሪጣንያ፣ 4 ግዳያት፡ ዜጋታት ጀርመን፣ 4 ግዳያት፡ ዜጋታት በልጅም፣ 3 ግዳያት፡ ዜጋታት ፍሊፒን፣ 1 ግዳይ፡ ዜጋ ካናዳ፣ 1 ግዳይ፡ ዜጋ ኒውዘይላንድ ሙዃኖም ተሓቢሩ ኣሎ። መንግስታት ናይዘን ሃገራት እዚኣተን ከኣ ድሕሪ’ቲ ሓደጋ ምፍጻሙ ሬሳ ዜጋታቶም ካብ ብዙሓት ብመርመራ ኣለልዮም ንኽወስዱ ይጓየዩ ኣለዉ። ኣብ ሃሃገሮም ድማ ሃገራዊ ሓዘን ኣዊጆም ስድራ ግዳያት የጸናንዑ ኣለዉ።
 
ኣብ ቦታ ሓደጋ ኣቲኻ ግዳያት ንምልዓል ኣብ ዝተገብረ ፈተነ፡ በቲ ኣብ ዩክሬን ዚካየድ ዘሎ ኲናት መሰረት ዕንቅፋት ስለ ዝተፈጥረ ከኣ ነዚ ንምዝርራብን ግዳያት ብህጹጽ ናብ ዓዓዶም ንምምላስን መገዲ ክጣጣሕ ስለ ዘለዎ፡ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብዛዕባ’ዚ ንኽዛራረብ ብህጹጽ ተጸዊዑ። ጸዋዕቲ ከኣ መንግስታት ናይቶም ግዳያት’ዮም ኔሮም። ሚኒስተር ናይ ሓደ ካብቶም ጠለብ ዘቕረቡ መንግስታት ከኣ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ሆላንድ፡ ሚኒስተር ፍራንስ ቲመርማን፡ ልቢ ሰማዕቲ ዚትንክፍ መደረ ከም ዘስምዐ ተገሊጹ።
 
“ሬሳ ዜጋታትና ኣሪና ናብ ዓዶም ንምምላስ መዓልታት ዝወሰደሉ ምኽንያት፡ ክሳዕ ካብዛ ዓለም ብሞት ዝፍለ ክርደኦ ኣይክእልን’የ! ኣነ ናብ ኒውዮርክ መምጽእየይ ዋና ምኽንያት ከኣ ንዓለም ሰብኣዊ ግብረ መልሲ ንኽትወስድ ንምሕታት’ዩ!” ብምባል ሕንቕንቕ እናበለ ብቑጥዐ ምስ ተዛረበ፡ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ተጋባኣይ ተንኪፉ’ዩ። በዚ መሰረት ድማ እቲ ብህጹጽ ዝተኣከበ ባይቶ ጸጥታ፡ እቲ ሬሳ ግዳያት ብህጹጽ ተኣርዩ ነናብ ዓዱ ንኽውሰድ ዝምልከቶ ኣካል ዝከኣሎ ንኽገብር ውሳነ ኣሕሊፉ። ብድሕሪኡ ከይወዓለ ከይሓደረ ድማ ድሮ ሬሳታት ግዳያት ነናብ ዓዱ ክኣቱ ጀሚሩ ኣሎ። መንግስታት ኩለን ሃገራትውን ኣብ ሃሃገሮም ሃገራዊ ሓዘን ኣዊጆም፡ ንመቕርብ ግዳያት የጸናንዑ ኣለዉ። ዝግባእ ካሓሳውን ክኸፍሉዎም’ዮም።
 
ኣስታት 450 ሬሳታት ኤርትራውያን ናይ 2011፣ ልዕሊ 350 ሬሳታት ኤርትራውያን ናይ 2013 ከ ኣበይ ኣሎ? ዝሓተሉን ዝኸሰሉን መንግስቲ ስለ ዘይብሉ ክሳዕ ሕጂ ናብ ሃገሩ ኣይተመልሰን! ስድራቤታት ግዳያትውን ሬሳኦም ሓመድ ኣዳም ኣልቢሶም፡ ከይቀብጹ፣ ከይድበሱ፣ ከይጽናንዑን ሓዘኖም ከይዓጽውን፡ ብሰንፈላል ኣብ ከቢድ ጭንቀትን ትጽቢትን ይርከቡ ኣለዉ። እዚ ኸኣ ኤርትራ ሃገርና፡ ሓደ ብዘይሕግን ፍርድን ድሌቱ እናገብረ ህዝቢ ዘሳቒ ጉጅለ ፋኖ’ምበር መንግስቲ ስለ ዘይብላ ጥራይ እዩ።
 
ዓዱ ከይተመልሰ ሬሳ ናይ ዝሞቱ
ኣብ ቦታ ሓደጋ ምጽንሑ ሳልስቱ
ዘይንቡር ኮይኑዎ ኪፈልጥ ብልሓቱ
ህዝባዊ መንግስቲ ጓሳ ዜጋታቱ
ዓለም ንክትእከብ ብቕጽበት ሓቲቱ!
 
ዓለም ኣብ ባይቶኣ ትማል ምስ ኣከባ
እቲ ወኪል ህዝቢ ጀሚሩ ዘረባ፡
ናብ ዓዱ ከይምለስ ሬሳ ዜጋታትና
ዕንቅፋት ዚኾነ ናብ ሕጊ ኣቕርቡልና!
 
ኢሉ ምስ ሓተተ ሚኒስተር ብነድሪ
ሽማግለ ቆይማ ጉዳዮም ከተጻሪ!
 
እቲ ትማሊ ግን ኣደታት ምስ ቆልዑ
ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ዓሳ ክብልዑ
ትም ኢሎም ዘጽቀጡ ከምዛ ዘይሰምዑ
ከመይ ጌሮም ሎሚ ብኣውያት ይደጒዑ!?
 
ኢለ እንተ ሓተትኩ ነገሩ ኣርሚሙኒ
ምፍጣርካ ዘጽልእ መልሲ ሂቦሙኒ፡
‘ለይቲ ምስ መዓልቲ ዝንከባኸብዎም
እዚኣቶም እኮ መንግስታት ኣሎዉዎም!’
 
ብመሰልን ፍትሕን ዜጋታቱ ዘኽብር
ካብ ብርሃን ሃዲሙ ኣብ ጸላም ዘይነብር
ብፍቕርን ሰላምን ምስ ኩሉ ዝምክር
ኣብታ ኤርትራኹም መንግስቲ እንተ ዝነብር
እዚ ኩሉ መንእሰይ ኣብ ስደት ክሰፍር
መዓስ ምረኣና ከም ኣቕሓ ክሓስር!
 
‘ስለዚ ድማ’ዮም ዝጠፍኡ ዘለዉ
ኣብ በረኻን ባሕርን ዓዲ ከይኣተዉ!’
 
ኢሉ መሊሱለይ ቁስለይ ክጎድኣኒ
ሓቂ ብሙዃኑ ምላሽ ከቢዱኒ
ኣፈይ ከይኸፍት ፍጹም ኣሕፊሩኒ
ርእሰይ እየ ደፊአ ንብዓት ስዒሩኒ!
 
ሃገረይ ኤርትራ መንነተይ ክብረይ
ኣነስ ኣይሓፈርኩን ዜጋኺ ሙዃነይ
ብዙሕ ግን ይሓዝን መንግስቲ ብምስኣነይ
ኩሉ እናሰሕቐ ክነብዕ ንበይነይ
ድቃስ ከሊኡኒ መቕዘፍቲ ወገነይ!
 
ኣብ ዓዱ ከይነብር ከም ሰብ እናተኸብረ
ምልኪ ቀሲቡዎ ዶባት ዝሰገረ
ኣብ ሳንዱቕ እንከሎ *በድኑ ከይተቐብረ  *ሞይቱ ነዊሕ ዚገበረ ሬሳ
ብጉጅለ ምልኪ ጓይላ ምስ ተገብረ
ኣብ ክንዲ ሳዕሳዕቲ ደጊመ ሓፊረ!
 
ሃብቲሙ ደኽዩ ጸሊሙ ጻዕዲዩ
ንኡስ ይኹን ዓቢ ወዲ ሰብ ክቡር’ዩ!
ስለዚ፡ ብከንቱ ክጠፍእ ህይወቱ
ብዘይካ ድያብሎስ መን ኣሎ ዝፈቱ!?
 
እቶም ዕድለኛታት መንግስቲ ዘሎዎም
ሬሳኦም ኣርዮም ናብ ዓዶም መሊሶሞም፡
እቲ ኤርትራዊ ግን ወዲ ስውእ ጅግና
ቀባሪ ስኢኑ ኣብ ጋህሲ ኣሎ ገና!
 
ኣታ እዞም ናይ ሎሚስ ብሮኬት እተወቕዑ
ኣብ ጉዕዞ’ዮም ኔሮም ንክዛናግዑ
እቶም ኤርትራውያን ግን ብምልኪ እተገፍዑ
መሰል ሓርነቶም ኩሉ ተመንዚዑ
ካብ ቤቶም ዝወጹ ደም እናነብዑ
ካንድዩ ኣኪሉዎም ስሞም ተረሲዑ!?
 
መቕርብ’ዞም ግዳያት ከይተጸናንዑ
ኣብ ሬሳ ዜጋታት ህጻውንቲ ቈልዑ
ዓመጽቲ ኣብ ልዕሊኦም ጓይላ ክስዕስዑ
ህዝብና ኣብ ቦሎኛ ዳግም ተጸፊዑ!
 
ብሽንሆት ንኽንነብር፡ ዕምሪ ምልኪ ነሕጽር!          
 
ሓውኹም መሲናስ 25-07-2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Tesfu Kbrom July 26, 2014

    ክቡር ሓው መሲናስ! እንታይ እሞ ክብል ኢና። እዚ ግጥምታትካ እዚ ብእኩብ ከም መጽሓፍ ክቐርብ ደስ ምበለኒ። ኣመና መሳጢ ግጥምታት ኢኻ ትጽሕፍ! ንሓንቲ ግጥሚ ትኸውን ኣርእስቲ ነይራትኒ። ንሳ ድማ ኤርትራዊ ሕሱር ኣብ ሃገሩ፡ ኣብ ደገ ዝውስኽ ክብሩ እትብል፡ ንግርምቢጥ ኵነታት ኤርትራውያን እትገልጽ ግጥሚ ብመልክዕ ባጫ እንተ ትጽሕፍ ክንደይ ጽቡቕ ነይሩ። ኤርትራዊ ኣብ ሃገሩ ይግፋዕ፡ ይጭፍጨፍ፡ ይግረፍ፡ ይቕተል፡ ይእሰር ከም ሃደ ተራግ ነግር እዩ። ህይወቱ ካብ ናይ ጽንጽያ ይሓስር። ካብ ዶብ ሃገሩ ምስ ወጽአ ግን ከም ቅጽበት ናብ ሃደ ክቡር ኣቕሓ ይቕየር ወዘተ ዝመስል ትህዝቶ ዘለዋ። ንዓኻ ክጠፍኣካ ኣይክእልን እዩ። ካብኡ በለ ነቲ ሰናይ ጽሑፋትካ ቀጽሎ። ካብ ሚእቲ ስዲ ንባብ ሓንቲ ግጥሚ ትሓይሽ!!!

  • ERITRAWIT July 27, 2014

    Mesinas hawna natna nbeynew eu abey ke zeyele resa zegatatna ab container, ab under, ab Sahara,ab bahrey,abey ke zeyele ab hagerna zelo resa tenkesakasay keyetfana selam alo malet zebet.

POST A COMMENT