Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Breaking News: ኣብ ሱዳን መዓስከር ስደተኛታት ሸገራብ፣ 17 ኤርትራውያን ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ብጃምላ ድሕሪ ምጥፍኦም ብዝተፈጥረ ዘይርጉእ ኩነታት ኣብቲ መዓስከር ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብ ከቢድ ወጥሪ ይርከቡ ከምዘለዉ ካብቲ ቦታ ብቴለፎን ምስ ድምጺ ኣሰና ዝተዘራረቡ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ኣገንዚቦም።

ኣብ ሱዳን መዓስከር ስደተኛታት ሸገራብ፣ 17 ኤርትራውያን ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ብጃምላ ድሕሪ ምጥፍኦም ብዝተፈጥረ ዘይርጉእ ኩነታት ኣብቲ መዓስከር ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብ ከቢድ ወጥሪ ይርከቡ ከምዘለዉ፣ ሰቦም ይእሰር ኣባይቶም ይነድድ ከምዘሎ፣ ቅድሚ ሒደት ደቓይቕ ካብቲ ቦታ

ኣብ ሱዳን መዓስከር ስደተኛታት ሸገራብ፣ 17 ኤርትራውያን ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ብጃምላ ድሕሪ ምጥፍኦም ብዝተፈጥረ ዘይርጉእ ኩነታት ኣብቲ መዓስከር ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብ ከቢድ ወጥሪ ይርከቡ ከምዘለዉ፣ ሰቦም ይእሰር ኣባይቶም ይነድድ ከምዘሎ፣ ቅድሚ ሒደት ደቓይቕ ካብቲ ቦታ ብቴለፎን ምስ ድምጺ ኣሰና ዝተዘራረቡ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ኣገንዚቦም።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ ኣብዚ ሰዓት እዚ፣ ኣብ ውሽጢ እቲ ኣሽሓት ኤርትራውያን ቆልዓ ሰበይትን መንእሰያትን ዝርከቡዎ መዓስከር ረሽራሻት ብዝሓዙ ሰራዊት ዝተዓጀቡ ፖሊስን ሓይልታት ጸጥታን ሱዳን ነቶም ስደተኛታት የጋፍዑዎም ኣባይቶም የቃጽሉዎ ኣለው።

እቶም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ከምዝሓበሩዎ፣ ካብ ሸገራብ ናብ ካርቱም ብባሕሪ ክኸዱ ዝነቐሉ 17 ኤርትራውያን ብሰንኪ እቶም ባሕሪ ከሰጋግሩዎም ዝተሰማምዑዎም ኣብ ገምገም ባሕሪ ዝርከቡ ሱዳናውያን ድሕሪ ምጥሓሎም፣ እቶም 8 ኤርትራውያን ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ኣብ ሸገራብ ዝቐበሩ ስደተኛታት ነቶም ዝተረፉ ኣብ ባሕሪ ዝጠሓሉ ግዳያት ክረኽቡዎም ናቦ ቦታ ከይዶም ስለዘይሰለጦም ካብቶም ተሓተቲ ዝበሉዎም ሱዳናውያን ክልተ ሒዞም ናብ ሸገራብ ብምምላስ፣ ሬሳና ኣረክቡና ድሕሪ ምባሎም እዩ እዚ ዘይሩእ ኩነታት ስዒቡ።

ኣብዚ ሰዓት እዚ፣ እቶም ቶኽስን ዘንብዕ ጋዝን ተጠቒሞም ነቶም መከላኸሊ ዘይብሎም ስደተኛታት ዘጋፍዑ ዘለዉ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ኣብቲ መዓስከር ንዝርከብ ህዝቢ ኣብ መካይን ክስቀል የስገድዱዎ ከምዘለዉ ተፈሊጡ ‘ሎ።

እቶም ሃለዋቶም እንታይ ምዃኑ ዘይፈለጡ ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ኤርትራውያን ድማ ተቓውሞኦም ይቕጽሉ ኣለዉ።

ነቲ መዓስከር ኣኽቢቦም ዘሸብሩዎ ዘለዉ ፖሊስን ጸጥታን  ሱድን ዋላ ሰራሕተኛታት ላዕለዋይ  ኮምሽነር ስደተኛታት ናብ ስራሕ ከይኣትዉ ስለዝኸልከሉ፣ እቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዘይመስካርን ረዳእን ይግፍዑ ኣለዉ። እቶም መዓስከር ብቶኽስን ቃጸሎን ዋጭዋጭታ ቆልዓ ሰበይትን ተረብሹ ‘ሎ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
25 COMMENTS
  • Solomir December 25, 2014

    issais is responsible. this is another disaster that issais regime conspire with Sudan dicatatorial regime.

  • ኣርዓዶም December 25, 2014

    እሞ ብኸምዝስ ክሳብ ማዓስ ንሶም ክነብሩ እዮም ውይ ንሕና ክኣ ሕማቕ ክንሰምዕ ክነብር ኢና። ኣንታ ሰባት! ሞት ዘይተርፍ ንሶም ድማ ብዝበለጸ ተወዲቦም ንነብሶም ዘየድሕኑ፡ ካባና ግን ብዘይካ ዘረባ ካልእ ክንገብሮ ንኽእል ዘሎ ኣይመስለንን። የግዳስ ምስ መንግስታት ምዝራብ`ውን ግዜዊ ሓገዝ ስለዝኾነ፣ ከይሰልከና ንመንግስታት ሱዳን ካል ኦትን ክንዛረብ ክንቕጽል ኣለና።
    እግዚብሄር ሰላም የውርደሎም፡ ተወዲቦም ንጸላእቶም ዘከላኽል ጥበብ ይፍጠረለም።

  • Khaleb December 25, 2014

    The solution for our predicament starts with the genuine admission
    that we are in a multiple crisis : socially, politically, economically and spirtually.
    The problem is not only the present Eritrean leadership, but also the opposition
    parties and even the civic societies which are being manipulated by elements driven
    by old grudges and hidden agendas. To fight back agaist the old system requires an
    altogether different state of mind. We have to free ourselves from being a hostage to
    the revolution past. The mess we are in requires ALL of us involved to sort out and also
    to deliver much and urgent needed changes.

  • mahta December 25, 2014

    Eza bota nay shegerab n3y gzie eya kemzie tero nay mthal zere zelo bzeyka etom bbmealtu kab shegerab zchiwow brashayda mesarhtn mesharkty hgdef hzbi eritra mekeru aywdaen eu.

  • mahta December 25, 2014

    Mengsty zeyblu hzbi mot , maeserty, mshat wedseb, nebsektlet mbzah, amest . Kkstl eu bwshty lewty ksab zeymeste mmat mmatus nmeselka mmat dea mehashe . Egrom tel abilom nezi dictator eba meneesey tefie. Amlak dea nebsom ykebelom ember.

  • wedi ali December 25, 2014

    Hi Asena, entay dea hmak rekibom yehwatina? b wudit hgdef do ykewun walas rashayda zetsaweduwo ykewun n bussines ? b zkeltefe nab united nation tethbrilom mhashe ? tezeykoinu tebelalets kbezhu sle zkielu serekti zgededed ksara ab yehwatina keywerede kelo mguyay agedasi eyu .entay emo kngebir bebzkednayo mot,sdet,tmet meguaztina koinen b senki ezi DIABLOS merahi.

  • ኣርዓዶም December 25, 2014

    ን ኣሰና ፋንድ-ሬዝ ክንገብር ከነምሲ ኢና ኣብዚ ዝመጽእ ሰሙን።

    ኣሰና ብወገና፡ ህዝቢና ኣብ ሱዳን`ውን ብራሻይዳን ብሱዳናውያንን ይጠፍእ ስለዘሎ፡ ንዓለም ክንነግር ከይተሓለልና ኣብ ዝቐልጠፍ ማዓልታት ደሞንስትራሽን ኣብ ግዳም ሱዳናውያን ኢምባሲን ኣብ ግዳም ቤት ጽሕፈታት ኢንግሊዝን ክንወጽእ መልእኽቲ ብቕልጡፍ ከተማሓልልፍ ኣለዋ።

    እዛ ዘላትና ቅንዕቲ ዌብሳይት፡ ድሃይ ህዝቢ ኤርትራ ኮይና ስለአዘላ፡ ሓደራኹም ኣብ ዝቐልጠፈ ወይ ንዕለት 28-29 ደሞንስትራሽን ክትጽውዑ ንምሕጸን ኣለና።
    እታ ንኽእላ ደገ ወጺና ድምጽና ናብ ኣህጉራዊ ቤት ጽሕፈታት ኣቤቱታትና ምግላጽ ኢዩ።

    ሱዳን፡ ኣዝያ ክትኩነን ዘለዋ ሃገር ኢያ፡ ኣንጻር ኤርትራውያን ካብ ትኸውን ዝመናት ቖጺሩ ኢዩ። ብሰንኪ ሱዳናውያን ብዙሓት ኤርትራውያን ጠፊእናን ተዓሚጽናን ተጨዊናን ንነብር ኣለና።

    እዚ ዘይሓልፈሉ ህዝቢ ግን ኩሉ ግዜ ምስ ጨቑሪ በጊዕ ተኸዲኖም ዝኸዱ ስዳናውያን ምምሽኻን ክነብር ይፍትን፡ ኣዝዩ ዘነውር ኮይኑ ክኣ ይርኣየኒ። እቲ ጸገም ድማ እዚ ህዝቢ ን እግዚኣብሄር ዝፈርሕ ህዝቢ ብምኽኑ፡ በቲ ቕዱሳት መጽሓፍቲ ተደፊኡ፡ `ቂም ኣብ ልብኻ ኣይትሓዝ` ንዝብል፡ ቅዱስ መጽሓፍ ስለዝኸተል፡ ኣደዳ ምርሳዕ ይኸውን እሞ ተመሊሱ ናብቶም ዝጨውዩዎን ዝገዝእዎን ክኸይድ ይግደድ ኣሎ። ኣብ`ዚ ግን መጽሓፍ ቕዱስ ምንባብ ግደፉ ማለተይ ኣይኮነን፡ እንታይ ዳ፡ ነቶም ህጻውንትና ዘዘኸተሙን ዝዓመጹን ዝጨወዩን ሱዳናውያን ይኹን ራሻይዳውያን፡ ብንኽተሎ እምነት፡ ንገበኖም ናጻ ክንገብሮም ኣይግባእን ጥራይ ዘይኮስ፡ ኣዝዩ ሰብኣዊ ክብረት ዘነውር ስለዝኾነ ከነውግዶ ይግባእ ንማለት ኢየ።

    በዚ ምኽናያት ሱዳናውያን ፈተውትና ኢዮም ዝብል ሰብ፡ ከም`ቲ ኣቐዲመ ዝበልክዎ፡ ሕድሩ ሕማም ምርሳዕ ዝሳቐን፡ ኣብ ነብሱ ሽግር ዘይፈልጥ ብሃም ክኸውን ኣለዎ። ካብ ብሱዳናውያን ራሻይዳውያን፡ ብ ኢቶፕያውያን ክንትሓዝ ከማን ይምረጽ።

    እቲ ዘምርጸሉ ምኽናያት ብዙሕ ኢዩ። ንሕና ሓደ ቝንቝን ባህልን ዘለና ኣህዝብ ኢና። ሱዳናውያንን ራሻይዳውያንን ግን ብስም `ደቒ መስቐል` ኢዮም ከም ክዙኣቶምን ከምዘይሰብን ዝርእዩና። ኣብ ዓይኖም ኣብ ዓይኒ ኣዕራብ ሱዳናውያን፡ ካብ ከልቢ እንስሳ፡ ሓበሻ ደቒ ኤርትራን ኢትዮፕያን ንሓስር።

    እዚ እንዳኾነ ግን ገለ መስፋሕፋሕቲ ብሽም ሃይማኖት ናዓና መሲሎም፡ `ሱዳን ይሕሹና፡ዓረብ ቝንቝና ኢዩ` እንተበሉ፡ ናይ ምስፍሕፋሕ ሕልሚ ዘለዎም ባእታታት እምበር ንኽብሪ ኤርትራዊ ብፍላይ ክኣ ክርስትያናዊ ኮይኖም ከይመስለኩም።

    ብሓፈሽኡ ክርኣከሎ፡ ሱዳናውያን ዘይኮኑስ ብሱዳናውያን ብሽም የዕራብ መስፋሕፋሕትነት ኣብ ሞንጎና ካብ ንዓና ንዕኦም ዝቐርብዎም ገይሮም ኢዮም። ስለዝኾነ ክኣ ኢዩ ሽግርና ክውዳእ ዘይክእል ዘሎ።

    ዝኾነ ይኹን ኣሰና ኣብ ዝቐልጠፈ ፡ቕድሚ እቲ ኣዳሊኹሞ ዘለኹም ለይታዊ ትልሂት፡ ደሞንስትራሽን ክግበር ክትጽውዑ ይምሕጸነኩም።

    ዓወት ንጭቑን ኤርትራዊ
    ሓድነትና ዓወትና ስለዝኾነ ንሓድነት ብዝቐልጠፈ ንቐበሎ።

    ሓውኹም ኣርዓዶም ሒሎ !

  • fache December 25, 2014

    You get another crises to deal to use it for your propaganda. You the pull factors are responsible for Eritrean crises more than the government. You make me out of my country and suffer. Please let the people live in his country. The economical problem back home is nothing when I compare what we are facing outside. Please leave the people alone. You are getting enough from weyane. Don’t sell your people.

    • yohannes December 26, 2014

      Hatal u do not know what u talking

  • Daniel December 25, 2014

    Khartoum (AFP) – At least eight asylum-seekers have drowned trying to cross a river in Sudan during an attempt to smuggle them out of a refugee camp, the UN refugee agency said Thursday.

    Don’t just mask, eliminate odors with Febreze

    Febreze Sponsor

    The accident happened as a group of from the Shegarab-1 camp in the eastern state of Kassala tried to cross the Atbara river on Wednesday evening.

    “There was an attempt to smuggle some of these asylum-seekers out of the camp and they were being transported on four rickety, small fishing boats,” said Mohammed Adar, the UNHCR representative in Sudan.

    One of the boats sank and “eight bodies have been found and two are still missing,” he said, adding that another 10 people swam to safety and returned to the camp.

    The other boats crossed successfully, Adar said, without saying how many people had managed to leave the camp.

    Adar said the United Nations had not verified the nationality of the dead but said the government had sent a team to investigate.

    Their intended destination was unknown, but eastern Sudan has a significant refugee population, the majority Eritreans fleeing a military regime at home.

    Nearly 110,000 Eritreans currently live throughout Sudan.

    The Shegarab-1 camp is jointly run by the Sudanese government and the UN and houses 15,000 people, mostly asylum-seekers

  • መርሃዊ December 25, 2014

    ኣቱም ሰባት ስምዒታውያን እምበር ኴና ተሪፍና። ኣብዚ ዓለም እኮ ሕጊ ኣሎ። ኣሽንኳይ ኣብ ዓዲ’ማትካ ኣብ ዓድኻ’ውን እንተኾነ ንዝበደለ ከሲስካ ኢኻ ኣብ ሕጊ ተቕርቦ እምበር ብኢደ-ወነንካ ኣይትኣስሮ ወይ ኣይትካሓሶን ኢኻ። ባዕላዊ-ፍርዲ (even Justice) ኣብ ማንም ሃገር ኣይፍቀድን’ዩ። እዞም ጠፊም ዘለዉ የሕዋትና ‘ቲ ዘጋጠሞም ሓደጋ ዘሕዝን እኳ እንተኾነ ፤ እቶም ኣብ ዘይሃገሮም ሰፊሮም ዘለዉ ስደተኛታት ንደቂ ዓዲ ብሓይሎም ኣሲሮም ናብቲ ሰፊሮምሉ ዘለዉ መዕቆቢ ቦታ ብሓይሊ ኣምጺኦም ክምርምሩ (እሞ ድማ ይግበሩ ኣይግበሩ ከየረጋገጹ) ኣብዘይ ዓዶም ከምኡ ክገብሩ ኣይምተገብአን። መንግስቲ ሱዳን ድማ ኣብገዛእ ሃገሩ ንዜጋታቱ ከድሕን ስጉምቲ ከምዝወስድ ርዱእ ነገር እዩ። ስለዚ ቅድሚ ኩነት ሓደጋ ከይመጽእ ምጥንቃቕ እምበር ምስ ኮነ ናብ ዝገደደ ሓደጋ ምእታው ዓስቢ የብሉን። ካብ ፍቖዶ ባሕርን ሳህራ ሃገር እንዳማትካ ምጥፋእ ግን ነቲ ኣብ ሃገርካ ዘሎ ጸላኢ ኣጥፊእካ ምጥፋእ ክብርን ሞገስን ምሃለዎ።

1 2 3

POST A COMMENT