Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Breaking News: ኣብ ሱዳን መዓስከር ስደተኛታት ሸገራብ፣ 17 ኤርትራውያን ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ብጃምላ ድሕሪ ምጥፍኦም ብዝተፈጥረ ዘይርጉእ ኩነታት ኣብቲ መዓስከር ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብ ከቢድ ወጥሪ ይርከቡ ከምዘለዉ ካብቲ ቦታ ብቴለፎን ምስ ድምጺ ኣሰና ዝተዘራረቡ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ኣገንዚቦም።

ኣብ ሱዳን መዓስከር ስደተኛታት ሸገራብ፣ 17 ኤርትራውያን ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ብጃምላ ድሕሪ ምጥፍኦም ብዝተፈጥረ ዘይርጉእ ኩነታት ኣብቲ መዓስከር ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብ ከቢድ ወጥሪ ይርከቡ ከምዘለዉ፣ ሰቦም ይእሰር ኣባይቶም ይነድድ ከምዘሎ፣ ቅድሚ ሒደት ደቓይቕ ካብቲ ቦታ

ኣብ ሱዳን መዓስከር ስደተኛታት ሸገራብ፣ 17 ኤርትራውያን ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ብጃምላ ድሕሪ ምጥፍኦም ብዝተፈጥረ ዘይርጉእ ኩነታት ኣብቲ መዓስከር ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብ ከቢድ ወጥሪ ይርከቡ ከምዘለዉ፣ ሰቦም ይእሰር ኣባይቶም ይነድድ ከምዘሎ፣ ቅድሚ ሒደት ደቓይቕ ካብቲ ቦታ ብቴለፎን ምስ ድምጺ ኣሰና ዝተዘራረቡ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ኣገንዚቦም።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ ኣብዚ ሰዓት እዚ፣ ኣብ ውሽጢ እቲ ኣሽሓት ኤርትራውያን ቆልዓ ሰበይትን መንእሰያትን ዝርከቡዎ መዓስከር ረሽራሻት ብዝሓዙ ሰራዊት ዝተዓጀቡ ፖሊስን ሓይልታት ጸጥታን ሱዳን ነቶም ስደተኛታት የጋፍዑዎም ኣባይቶም የቃጽሉዎ ኣለው።

እቶም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ከምዝሓበሩዎ፣ ካብ ሸገራብ ናብ ካርቱም ብባሕሪ ክኸዱ ዝነቐሉ 17 ኤርትራውያን ብሰንኪ እቶም ባሕሪ ከሰጋግሩዎም ዝተሰማምዑዎም ኣብ ገምገም ባሕሪ ዝርከቡ ሱዳናውያን ድሕሪ ምጥሓሎም፣ እቶም 8 ኤርትራውያን ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ኣብ ሸገራብ ዝቐበሩ ስደተኛታት ነቶም ዝተረፉ ኣብ ባሕሪ ዝጠሓሉ ግዳያት ክረኽቡዎም ናቦ ቦታ ከይዶም ስለዘይሰለጦም ካብቶም ተሓተቲ ዝበሉዎም ሱዳናውያን ክልተ ሒዞም ናብ ሸገራብ ብምምላስ፣ ሬሳና ኣረክቡና ድሕሪ ምባሎም እዩ እዚ ዘይሩእ ኩነታት ስዒቡ።

ኣብዚ ሰዓት እዚ፣ እቶም ቶኽስን ዘንብዕ ጋዝን ተጠቒሞም ነቶም መከላኸሊ ዘይብሎም ስደተኛታት ዘጋፍዑ ዘለዉ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ኣብቲ መዓስከር ንዝርከብ ህዝቢ ኣብ መካይን ክስቀል የስገድዱዎ ከምዘለዉ ተፈሊጡ ‘ሎ።

እቶም ሃለዋቶም እንታይ ምዃኑ ዘይፈለጡ ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ኤርትራውያን ድማ ተቓውሞኦም ይቕጽሉ ኣለዉ።

ነቲ መዓስከር ኣኽቢቦም ዘሸብሩዎ ዘለዉ ፖሊስን ጸጥታን  ሱድን ዋላ ሰራሕተኛታት ላዕለዋይ  ኮምሽነር ስደተኛታት ናብ ስራሕ ከይኣትዉ ስለዝኸልከሉ፣ እቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዘይመስካርን ረዳእን ይግፍዑ ኣለዉ። እቶም መዓስከር ብቶኽስን ቃጸሎን ዋጭዋጭታ ቆልዓ ሰበይትን ተረብሹ ‘ሎ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
25 COMMENTS
  • Dan December 30, 2014

    Shame on Us (Eritreans). Our complaints filled everybody’s ears. No one feels as what we feel. No one knows as what we know abt our miseries. So lets quite screaming on others and keep our eyes open for a solution.

  • gebre December 31, 2014

    Berhane, you asked excellent question that every the criminals do not want to be accountable for their actions such as assenna, hegdef, opposition groups. Who gave eritrean citizenship to Rashaida ? It was a decision taken by individuals and dictated on the rest of eritreans.Soon the truth will come out and the guilty of impeding rashaida into our beloved country and into eritrean society will be punished.

POST A COMMENT