Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

BREAKING NEWS: ናብ ሎሚ ሰንበት ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣስታት 700 ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ከምዝሞቱ ማዕከናት ዜና ዓለም ይሕብራ ኣለዋ።

ናብ ሎሚ ሰንበት 19 ሚያዝያ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ 700 ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ጽዒና ካብ ሊብያ ናብ ዓዲ ጥልያን እትጓዓዝ ዝነበረት ጃልባ ኣስታት 17 ማይልስ ድሕሪ ምጕዓዛ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብምጥሓላ ኣስታት 700 ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ

ናብ ሎሚ ሰንበት 19 ሚያዝያ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ 700 ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ጽዒና ካብ ሊብያ ናብ ዓዲ ጥልያን እትጓዓዝ ዝነበረት ጃልባ ኣስታት 17 ማይልስ ድሕሪ ምጕዓዛ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብምጥሓላ ኣስታት 700 ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ከምዝሃለቑ ላዕለዋይ ኮምሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ኣህገራት ኣፍሊጡ።

ህጹጽ ናይ ህይወት ኣድሕን ኣዋጅ ፍርቂ ለይቲ ምስ ተኣወጀ፣ ሓንቲ መርከብ ከተድሕኖም ከምዝተላእከት፣ እንተኾነ እቶም ኣብ ጭንቀት ዝነበሩ ስደተኛታት እታ መርከብ ናብ እትመጽኣሉ ዝነበረት ወገን ብሓንሳብ ብምዝባሎም እታ ጃልባ ተገምጢላ ከምዝጠሓሉ ሓለዋ ባሕሪ ዓዲ ጥልያን ምሕባሮም ተጠቒሱ።

ካብቲ ሓደጋ 28 ሰባት ኳ እንተደሓኑ፣ እቶም ተረፉ ብምሉኦም ከምዝሞቱ ይሕበር። ዛጊት 24 ሬሳታት ተረኺቡ ኣሎ።

እዚ ዘሕዝን ሓደጋ ‘ዚ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ካብ ዘጋጠሙ ጃምላዊ ህልቂታት ስደተኛታት እቲ ዝኸበደ ህልቂት ምዃኑ ይንገረሉ።

ኣባል ፓርላማ ማልታ ጆሴፍ ሙስካት ናይ ድሕነት ሰራሕተኛታት ኣብዚ እዋን ‘ዚ ካብቶም ጸምበለል ዝብሉ ዘለዉ ሬሳታት ትንፋስ ዘለዎም ሰባት ኣብ ምልላይ ከምዝርከቡ ኣገንዚቡ። ድሕሪ’ዚ ዝተርፍ ስራሕ ናይ ኣማኢት ሬሳታት ካብ ባሕሪ ምዝቋቝ ጥራይ እዩ ክኸውን ክብል ንኣሰካቕነት ናይቲ ሓደጋ ገሊጹዎ።

“ሕጂ ኣብ ቅድሚ ዓይንና እንርእዮ ዘለና መግለጺ ዘይብሉ ትራጀዲ እዩ፣ ኤውሮጳን ማሕበረሰብ ዓለምን ነዚ ትራጀዲ ‘ዚ ዓይኖም ዓሚቶም እንተሓሊፎሞ፣ ልክዕ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ዘመን ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ንዝተፈጸሙ ህልቂታት ዓይኖም ዓሚቶም ብምላፎም ዘጋጠሞም ታሪኻዊ ፍርዲ፣ ሕጂ ውን ብታሪኽ ክፍረዱ እዮም’ ክብል ‘ውን ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን ብተመሳሳሊ መንገዲ ህይወት 400 ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብ ሓደ እዋን ምጥፍኡ ይፍለጥ።

ነዚ ናይ ሕጂ ህልቂት ደሚርካ ኣብዘን ዚሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ ናይዛ ሓዳስ ዓመት ልዕሊ 1500 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጥሒሎም ኣለዉ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
38 COMMENTS
  • Eritrean Christian Room For Life April 20, 2015

    ኣዝዩ ዘሕዝን ክስተት፥ እግዚኣብሄር ምሕረት ይግበረልና! ከምኡ ዝበለ መሊስኡ ከይፍጸም ክንገብሮ ዝግብኣና ኩላትና ንግበር፥፥ ንጸሊ ንጸሊ እግዚኣብሄር ንመንግስታት ኤሮፓ ከነቓንቖም፡ ሕጋዊ ሓድሽ መገዲ ክኸፍቱ!ራ፡ዮሃ 3፡8

  • henok adkeme April 20, 2015

    O lord plc show as ur mercy

  • Paulos April 20, 2015

    ብሕይወት ምንባር ተመንዩኒ እዩ፥
    ስለዚ ኽጠርዕ እየ፥ ስቕ ኣይክብልን እየ፥
    ስለ ዝመረረኒ ኽኣ ኽዛረብ እየ።

    ኦ ኣምላኽ ኣይትኾንነኒ፥
    ብምንታይ ትኽሰኒ ከምዘለኻ ንገረኒ።

    ነቲ ዝፈጠርካዮ ስለምንታይ ትጭቁኖ፥
    ንተግባር ኢድካኽ ስለምንታይ ትንዕቆ፤
    ስለምንታይ ብምኽሪ ኽፋኣት ሰባት ባህ ዝብለካ፥

    ዓንኻ ከም ዓይኒ ሰብ ድዩ፥
    ከም ኣረኣእያ ሰብ ዲኻኽ እትርኢ፥
    መዓልትታትካ ከም መዓልቲ ሰብ ድየን፥
    ዓመታትካኽ ኽም ዕድመ ወዲ ሰብ ድየን፥

    ስለምንታይ ዳኣ ኃጢኣተይ እትምርምር፥
    ብኣበሳይ ክኣ ትጸባጸብ ኣለኻ፥

    ኣነ ንጹሕ ከም ዝኾንኩ፥
    ካብ ኢድካ ግና ዜናግፈኒ ኽም፥
    ዘየልቦ ትፈልጥ ኢኻ።

    መጽሓፍ ኢዮብ ም 10 1-7

  • Ama Berhane April 20, 2015

    Ooo God bless us Kab eze zelanayo hamak Kab mexemean merayen adehnana bealka xelalka aneberalna mehret awederelna amen

  • mhre habena April 21, 2015

    Amlakey bejaka mihret
    sdedelna

  • debesay April 21, 2015

    How we expect GOd to give us mercy since we say we are allright,since we dance while people are dying ,since we love for the savage government ,may be GOd want to show us how we are weak and useless people who can not learn from past exprence .so a

POST A COMMENT