Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ASSENNA POEMS : ወይ ከ – Amanuel Eyasu

ኣንበላይ ክንሱ ሃዳኒ መንደላይ ጽምዲ ተመስገን ዶ ይብል ዩ እሮማይ፣ ንዝሓርበተኩም ጣቍኡ ምልላይ እንሀልኩም ቃሉ ይድገም ብውራይ፣   ሰሚዑኩሞ ዶ ‘ንታ ጩቕጡቕታ ጨራሩ መሬት ከይወግሐ ኣብ ከውታ ጀሚሩ ቅብጸት መሊኹዎ ሰዓቱ ቀይሩ ምድማር ጸጊሙዎ ንምጕዳል ክኢሉ፣ ምዕራብ ምበር ምብራቕ የለን ይብለና ‘ሎ ‘ሞ ድማ ንሰራሕቲ ሰዓት

ኣንበላይ ክንሱ ሃዳኒ መንደላይ

ጽምዲ ተመስገን ዶ ይብል ዩ እሮማይ፣

ንዝሓርበተኩም ጣቍኡ ምልላይ

እንሀልኩም ቃሉ ይድገም ብውራይ፣

 

ሰሚዑኩሞ ዶ ‘ንታ ጩቕጡቕታ ጨራሩ

መሬት ከይወግሐ ኣብ ከውታ ጀሚሩ

ቅብጸት መሊኹዎ ሰዓቱ ቀይሩ

ምድማር ጸጊሙዎ ንምጕዳል ክኢሉ፣

ምዕራብ ምበር ምብራቕ የለን ይብለና ‘ሎ

‘ሞ ድማ

ንሰራሕቲ ሰዓት ንግዜ ፈጣሮ

ኣምላኽ ክኾነልና ሰብ ምዃን ዘይከኣሎ፣

ኣርሕቑዎ እዝንኹም እሙናት ወፋሮ

ከውታ ኣይትንቀሉ ወጋሕታ እንከሎ፣

 

ባጉምባጉም ብጡርምባ ኣፉ

ገያሻይ ዘይብሉ ኣህዲሙዎ ጸይፉ

ፎቶሪኖ ሒዙ ህላ ተወሊፉ

ምስ ካልኣይ ርእሱ እንተዘይጸዲፉ

ኣበይ ክበጽሕ ‘ሞ ካብ ለለ ሓሊፉ፣

 

ከልቢ ተኸዲኑ ናይ ኣንበሳ ፋረ

ውሕዉሕ እንተበለ ከምዛ ብዓል ስረ

ድምብርጽ ዶ ከይብሎ ንሓጺን ንዓረ

ጕላ ዶ ከይተሮ እምባ ዝሰገረ፣

 

ብዚዝታ ሃመማ ንህቢ ዶ ቦዅሩ

ኡሽ ክብል ጽንጽያ ድኾኑ ሰቢሩ

ጽፍያ ኣጊሙዎ ሰፈፋ መዓሩ፣

እስከ ይዛረቡ እቶም ዝነበሩ

ትኪ ከይገበሩ መዓር ዝበርበሩ።

 

ኣብቲ ድቕድቕ ጸላም ዘይረገጸ ነታጕ

ሕጆ ዶ ስሒቱ ብፍጮ ዘራጊ

ብዓል መትከል እንድዩ ዘይልወ ዘንጊ

ሕድሪ ዘይጠልም መሳለዪ ሓድጊ፣

 

ኣቤት ‘ወ፣

እንተበሉኹም ከ ናይ ደም ሕድሪ

ልቢ ዘዋህለሎ ሰብ ክውሕጦ ምድሪ

ክሕደት ዘየፍቅድ ንጽንዓት ዝሓሪ

ክታም እምነት ብግዜ ዘይበሊ፣

 

ምራቑ ይወድእ ይለፍልፍ ዓፋሪ

ሸለው ‘ሉ ይተሓነቕ መቃጠሪ

ምስቲ መጠቀሪ፣

እምበር፣

ወይ ከ፣ ኣይለቆን ‘የ ነዚ ካትም ሕድሪ

ወርቂ መዓስ ኮይኑ ሕጸ መመስከሪ

ጥብቆ ሓንቲ ‘ጻብዕ መላቝ ብሃውሪ

ኣታዊ ወጻኢ ከም ዊንታ ኣሳሪ

ህዋስ ኣካል እንድዩ ምስ ደመይ ዘዋሪ

ድልድል ክኾኖ ‘የ መሳገሪ

ጸጋ ወለዶታት ክኸውን ነባሪ

ወሃቢ ‘ንተሓለፈ ‘ኮ ኣሎ ተቐባሊ።

 

ኣንታ መን ‘ዩ ዝብለኒ ረስዓዮ ንተመስገን

ነቲ ላህመት ወለዶ ብሰባት ዘይትመን፣

ተመስገን ‘ኮ ስም ጥራይ ኣይኮነን

ዕድሎት ጥምቀት፣ ከም ዕሸል ከም ህጻን

መጸዋዕታ ግብሪ ‘ዩ መለለይ ብጹኣን፣

 

ንወፈራ ቅድሚት ዝተንስአ

ንመኣዲ ድሕሪት ዝተሰርዐ

ብነብሰ-መግዳዕቲ ዝሕመ

ንመስዋእቲ ዝተቐዳደመ፣

ከይበልዐ ዝበለ ተመስገን

ተዓዊቱ ዝተሓስመ ኒሻን

እዚ ‘ኮ ‘ዩ ኣነ ዝፈልጦ ተመስገን፣

እንተኣገሞም ሕጻብ እግሩ ምዃን

ከመይ የርክስዎ ይኽዕዉሉ ሩኳን፣

ክንዲ ዊጥ ዘብሉ ናብቲ ብዓል ዝፋን

ቤቶም ዝመረዞ መንቂሙ ካብ ተመን

ኣስናኖም እንከሎ መዐመሪ ሕርቃን

ሓጨውጨው ዘብሉዎ ኣዕጽምቲ ምዉታን፣

እንታይ ‘ዩ ጣቍኦም  ገዲዶም ካብ ሰይጣን

ስራሕ ዘብዝሑሎም መዝገብቲ ሓጢኣን።

 

ኣንታ ከመይ ዲዩ ‘ዚ ዘበን

ከም ገመል ንድሕሪት ዝሸይን፣

ዘይረኣየ ንዝረኣየ ከእምን

ዘይወዓለ ንዝወዓለ ከዐውን

ድቁስ ንንቑሕ ከሰልጥን

ኣብ ቃሬዛ ኮይኑ ዝደናደን፣

ጸያፍ መልሓስ ደፊራ ክትሕበን

ሕንከት መን ሰረዛ፣ ካብ መዝገብ ፈሪሃን።

 

በሉ፣

ኣጅቦ ስለዝኸውን ምስ ረግአ ጸባ

ልቢ እንተሃበኩም መርሓባ፣

ምራቓ ለጊሳ ኣጻብዕ ኣጠልቅያ

ክንዲ ትምሃር መጽሓፍ ገንጺላ

ኣብ ክንዲ ትመሚ ‘ወ ኣስተውዒላ

ንምቁር ውሒጣ ንዕረ ጡፍ ኢላ

መልሓስኩም ምንብድባድ እንተቐጺላ

ናይ ጠበቕ ክንሳ’ ጠበቓ መሲላ፣ ኣናብር ደፊራ

ግን

እንታይ ከይተፍሪ ንታሪኽ ቀንጺላ

ድኸሚ ኢሉዋ ‘ምበር ፍሽለት ንኣመላ

ኣበይ ከይተርፋ ምልህላህ ዓንዲራ

ክትድንስክል ‘ያ ብቐትሩ ቆሪራ

ዘንቡር ክትገብር ካብ ንቡር ቦዅራ።

 

እምበር፣

ሓድጊ ተመስገን ፈልሲ ሰውራ

ኣብ ጻዕዳ ሓንጎሉ ኣብ ክንዲ ብቐለም

ብጽማቝ ደም ዝሰኣላ

መሬት ከይወረደት ኣብ ሰማይ እንከላ

ምስኡ ዝነበረት ኣብ ዓለም ከየላ

“ሃገረይ” ዝበላ፣ “ኤርትራ ኤርትራ”

ብመደምሰስ ጥራዝ ‘ዶ ተኻኢላ

ካብ ሰራውር ልቡ ተጸልጺላ።

 

“ክንደይ ዓቐብ ዘይወጻእና” ክትብል ‘ታ ኣድጊ

ኔርና ኮ ኢና ምስ ጸዓንቲ ኮብኮብቲ፣

ጥራጥ ዘየሕፈራ ዶ ምዝራብ ከይትኣቢ

ዳሕድሕዮ ኢልናያ ኣብ ክንዳና ተዛረቢ፣

‘ምበር ንሳ ደኣ ኣየናይ ኢላቶ

ስለ ቃልዓለም ተጋዳላይ፣ እንድኣላ መሲላቶ።

 

እወ ኔርና ምስታ ጸዋር ገመል

ጉዕዞ ዝቐጸለት ከልቢ ውሕዉሕ ክብል፣

መርከብ ምድረበዳ እንተበልናያ ብተምሳል

ሞተረኣ እንዲና ኔርና ንዓዓ ንዝውር፣

ክንስሕባ ‘ምበር ጽዕነታ ክንምቀል

ፌንጂ ክንረግጸላ ቅድሚኣ ክንክንበል

ተመሓሒልና ውጢጥና ጸጸር ሓቦና ከይስበር

ጸወርታ ‘ምበር፣ ተሳፈርታ ኴንና ኣብ ኮረሻ ከይንስቀል፣

ማዕሪኣ ጸሚእና ኣብቲ ሰጣሕ ጎልጎል

ኣብቲ ባሕሪ ሑጻ ሃልሃልትኡ ማዕበል

ንቆርበት ሓሊፉ ንዓጽሚ ዘቃጽል፣

 

ሰንሰለት ፈተነ “ማይ ዶ ጸባ” ክብል

ዘይቅየር መልስና ኮይኑ ‘ኣይትተሓለል’

ሰብ ‘ቁም’ ባህሪ ‘ተንበርክኽ’ ክብል

“ቁጽል፣ ቀጽል፣ ቀጽል” ኢሉዎ መንፈስና ንኣካል

ኣንጻር ውሕጅ ዓቐበት ክንስቀል

ከበሳ ደይብና ነቒልና ካብ ሳሕል

ተጋሂዱ ሕልሚ ተዓቲሩ ኣኽሊል!

 

እወ፣

ድሕሪ ‘ቲ ዓቐብ ቁልቁል

ካብ ምዝካሩ ምርስዑ ዝቐልል

ማልስ ምስ ገደፈት ሞት ዝኣኽላ ወሲዳ

ኣብ እዋን ናጽነት መግዛእቲ ተወሊዳ፣

ዘይኢዱ ረኺቡ ተጋዳላይ

ርእሱ ተጠምጢሙዎ መንደላይ

ኣንጉዑ መጽዩ ገዲፉሉ መርዚ

ሓያላት ዘውደቐ ሓሊኹዎ መዝማዚ፣

ባእሲ ልብን ርእስን ፈጢሩሉ ነውጺ

ሕድገት ከይገድፍ ከይውስን ብቁርጺ፣

ኣብ መሬት ዝዛዘሞ ቃልሱ

ኣብ ውሽጡ ቀጺሉዎ ምስ ነብሱ፣

ኣብ ክንዲ ብሃሪ ብሰንሰለት ተገኒዙ

ብህወቱ ከሎ መቓብሩ ሒዙ።

 

‘ታይ ደኣ ‘ዩ ጉዱ ‘ዚ ካልኣይ ኵናት

ናይ ፊት ዘይኣኽሎ ናትኩም ከኣ ዅሊት

ርእሲ ከምዝቐበርኩም እንክብሃል “ክተት፣

ብታሪኽ ከይትሕተት”፣ እንከለዎ ፍልጠት

እንተቐረበኩም ወጊዱ ኣንነት

ኣመና መቕሊሉ ካብ ድንግል ፈላሲት

“ኣነ እንታይ ገይረ፣ ሳላኹም ‘ዩ ዓወት”

እንተበለ፣ ቅያኡ ሓቢኡ ዓሰርተ ስብእነት

ወጽዕኡ ውሒጡ ዝቐርዓነ ምረት

ሓቁ፣ ታይ ‘ሞ ፋይዳኡ ውልቃውነት፣

እሞ ደኣ ክንዲ ‘ሞሳ ‘ታይ ኣምጽኦ  ቅትለት

ብኣኻትኩም ውርደት ብመላኺ ጥልመት

ድርብ ቅጽዓት ንሰይጣን ዝምልከት፣

ናይ መትከልስ ደሓን ካብ በለኩም ሸተት

ናይ ስጋ ኸ የብልኩምን ሕዳርያ ሕውነት

ካብ ማርስ ኮ ኣይመጸን ኮይኑ ብርቂ ፍጥረት

ኣብ ንእድኹም ዩ ተወሊዱ ወይ ቅድም ወይ ድሕሪት!

 

እወ፣

ህዝቢ ጸልሚቱዎ እንከሎ መዓልቲ

ምርኣይ ኣጊሙዎ ብቛሕትኡ የዒንቲ

ናጽነት ከይፈለጠ ምጽልኡ መግዛእቲ

ዶ ወይስ መርዛምነት ንጉስ ኮይኑዎ ብዓቲ

ሚዛን ስኢኑሉ ዕዳ ‘ቶም ጠለምቲ፣

ግን ‘ኮ ኩልና ኢና ተሓተቲ

መን ሓራ ኣውጽኣኩም እቶም ተጸበይቲ

ጋውን ትኽደኑ ትኾኑ ፈረድቲ።

 

እወ፣

ክንዲ ሕጊ ምልኪ ተተኺሉ

ክንዲ ፍትሒ ዓመጽ ተሰቒሉ

ክንዲ መሰል ወጽዓ ተኸቢሩ

ክንዲ ሰላም ህወከት ተጸምቢሉ

ክንዲ ለባም ዓሻ ተላዒሉ

ክንዲ ስየ ዳንዴር ተመልሚሉ

ጻህያይ ጥዒሙዎ እኽሊ ተቓጺሉ

ደም ነቢዑ ህዝቢ ተበዲሉ

ድከት  ኮይኑ ናጽነት ተበሊሉ፣

ግን

ሓጺብና ነጽርዮ እምበር ኣይንብሎን እንድዕሉ

መሊስና ንነድቆ ‘ምበር ኣይገብሮን ‘ሽሉ’

ታሪኽ ንመሚ ‘ምበር ኣይንብሎን ኣሉ

ነኽብሮ፣ ንዋግኡ ዋጋ ንኸፍለሉ፣

‘ታይ ደኣ ኣውፊሩና በረኻ ቐደሙ

ዓዲ ውዒል እንተንኸውን በሃልቲ ከም ሻሙ።

 

ታሪኽ ተተዓብሰ ኣፉ ተለጕሙ

ብኸሓድቱ ተንኮል ተኣሊሙ

ስለዘስተውዓሉ፣ እንተተዓሊሉ ንሶም ከምዝጎድሙ

እንተቐበሩዎ ከምዛ ዘይተሰርሐ ብኽዱኑ

ደፋር ቁንጪ በሪኽ ተሰቒሉ

እንተስ ውዲቶም ኣሚኑ እንተስ ተንኮል ኣቃሚሙ

“ቱታ” እንተበለ “ታሪኽ ኣይነበረን እንተነበረ ‘ውን መኺኑ”

ክወራዘየሉ ንዝሕለፎ ግዜ ቀሚሽ ተኸዲኑ፣

 

ነቲ መሬት ኳ ዘይነፈጎ ጽድቂ

ሰማይ ከይቅበሎ ክኸውን በቓቒ

ሕሹኽሹኽ ዝብሉዎ ክመኽሩዎ ጸይቂ

ጅግና ክንዝጥሉ ኣብዲ ኮነ በትኪ

ከመይ ዘይዛረብ ዘይድርጕሖ ሓቂ፣

ነብሱ ዝመነነ ምእንቲ ብዙሓት

ምእንታይ ዝሓለፈ ኣሕሊፈ ከይእንተት

ክሳደይ ንኻራ ወይከ በልኩ ፈልከት

ኣይምነን ‘የ ካብ በለጽ መቐረት

ይትረፈኒ ናይ ሕሱራት ክብረት!

 

ማክያ ሓሶት ሕርኽርኽ ኢሉና ንነገሩ

“ሓቂ ተዛረብ ምእንቲ ነብሲ” ስለዝኾነ ንብሩ

‘ምበር ከውሒ ዶ ብኽንቲት ተፈንቂሉ፣

ኣብ ዓራት ውዒሎም ዝሓድሩ

ባጉም ባጉም እንተበሉ

ሕልሚ ደርሆ እንድኣሉ

ሓዲድ ከይተነጽፈ ዶ ባቡር ተላዒሉ

ባቡር ዘይልቦ ዶ ሰብ ተሰቒሉ።

 

እንተ ኣነ ‘ሞ ‘ወይ ከ ዝኣመለይ

ጽምዲ ተመስገን ‘ንደየ ኣይብልን እሮማይ

ህይወት ኳ ዝሃበ ዶ በቒቐሉ ድምጸይ

ክሳብ መወዳእታ ዝኽንበል መንደላይ

ኣስናነይ ነኺሰ ክብል ‘የ ሃገረይ

ካብኣ ተፈጢረ መዓስ ኣኺሉለይ

ከምቲ ዘምለስኩዋ ሂበ ንእስነተይ

ኣብ ዳግመ-ትንሳኤ ክሕውስ ‘የ ኢደይ፣

ግን

ሓደራ ክብለኩም ልብኹም ይዓቢ

ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ብዙርያ ብኽቢ፣

 

ኣንቱም ብስም ተጋዳላይ ዝኾንኩም መንደላይ

ኣምሳያ ሓጥያትኩም ዝሃብኩሞ ንበላዓይ

ቆፎ ገበንኩም መሊኡ ‘ዩ ግዕዘይ

ተኣለዩ ተላይ፣

ምባል ይኣኽለኩም ሳዕሪ ‘ይብቆል ድሕረይ

ሓጥያት ‘ውን ‘ኮ ‘ለዎ ኣፈላላይ

ቀዳማይ ካልኣይ፣

ውረዱሉ ነዚ ለዋህ ህዝቢ

ኣፉ ዓቢስኩሞ ‘ምበር ጌርኩም መሐንገጊ

ልቡ የእዊ ‘ሎ ኣብ ውሽጡ ‘ሎ ናዕቢ

ረዳኢ ስኢኑ ብዘይካ ዓጋቢ።

 

ኣንቱም ንኡሳን፣

ኣብ ኢድኩም እንከሎ ዘይተቐበረ ማዕድን

ካብ ወርቂ ዝበልጽ ዝሰልጠነ ዘበን

ስምዒት ዓቅቡ ኣይስዓርኩም ሕርቃን

ሕሉፍ ኣይትኽሰሱ ኣይትበሉ ምኒን

ባዕሎም ይናስሑ ሰብ ሕቕያ ሰብ ገበን

ብኣናህብ ቅንኡ ግዜኹም ኣይምከን

ብሉጽ ታሪኽ ስርሑ ዘደንቕ ዘሕብን፣

 

መትከልኩም ኣጽንዑ ኣይተስፍሉ ቀልቢ

ዝላ ይጽንሓልኩም ዘየሎ መዕለቢ

ኣሰር ኣጥፊእካ ዶ ይርከብ ‘ዩ ዓቢ

ቤትካ ዶ ይእቶ ‘ዩ ብሃውሪ ብወዝቢ፣

መኣዝን ቀኒዑ ምስ ተሰርዐ ደምቢ

ሓፋሽ ክዓስሎ ዩ ሚልዮናት ሰዓቢ

ኣሽንባይ ዶ መሬት ‘ተሎ ተረካቢ

ጉምቦታት ዘብቍል ብናይ ረሃጽ ነጥቢ

ሰማይ ክጸዓን ‘ዩ ክእከቦ ሰርቢ

ንወቕቲ ክራማት የብሉን ዘጸቢ

ኣእምሮ ነቒሑ ‘ንተቐኒዑ ልቢ

ራህዋ ክርከብ ‘ዩ ድሕሪ መጻበቢ

እቶት ክሕፈስ ‘ዩ  ናይ ጻዕራማት ዓስቢ

ሽሻይ ክድዶሽ ‘ዩ ክጻገም ጸብጻቢ

ህዝቢ ተንቂዱ ዶ ምውጋሕ ከይኣቢ

ዘበን ክመጽእ ‘ዩ ብስራት ወሃቢ

ሃገር ክትስቀልያ ኣብቲ በሪኽ ደርቢ!

 

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!

ኣማኒኤል ኢያሱ

29 መስከረም 2016

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Fanko October 1, 2016

    መሽረፈት ዶት ኔት: ኣለም ጎይትኦም: ኮንዶም ህግደፍ እንታይ ክትምልስ እያ?

    “ባጉምባጉም ብጡርምባ ኣፉ

    ገያሻይ ዘይብሉ ኣህዲሙዎ ጸይፉ

    ፎቶሪኖ ሒዙ ህላ ተወሊፉ

    ምስ ካልኣይ ርእሱ እንተዘይጸዲፉ

    ኣበይ ክበጽሕ ‘ሞ ካብ ለለ ሓሊፉ፣

    ከልቢ ተኸዲኑ ናይ ኣንበሳ ፋረ

    ውሕዉሕ እንተበለ ከምዛ ብዓል ስረ

    ድምብርጽ ዶ ከይብሎ ንሓጺን ንዓረ

    ጕላ ዶ ከይተሮ እምባ ዝሰገረ፣

    ብዚዝታ ሃመማ ንህቢ ዶ ቦዅሩ

    ኡሽ ክብል ጽንጽያ ድኾኑ ሰቢሩ

    ጽፍያ ኣጊሙዎ ሰፈፋ መዓሩ፣

    እስከ ይዛረቡ እቶም ዝነበሩ

    ትኪ ከይገበሩ መዓር ዝበርበሩ።”

  • Fanko October 1, 2016

    “ደፋር ቁንጪ በሪኽ ተሰቒሉ

    እንተስ ውዲቶም ኣሚኑ እንተስ ተንኮል ኣቃሚሙ

    “ቱታ” እንተበለ “ታሪኽ ኣይነበረን እንተነበረ ‘ውን መኺኑ”

    ክወራዘየሉ ንዝሕለፎ ግዜ ቀሚሽ ተኸዲኑ፣”

  • stefanos temolso October 3, 2016

    ይበል ግጥሚ ሓው ኣማኒኤል። ከም ዝበልካዮ ኣብ ክንዲ እሂን ምሂን ዝብሉ፡ ንጀጋኑ ስንኵላትን ስዉኣትን ኣያታቶም ክጻረፉን ክዝንጥሉን ዝውዕሉ ገለ ትምህርቲ ትኾኖም እያ ዝብል እምነት ኣሎኒ። ግን ከኣ ኣምላኽ ልቢ ከሕድረልካ ኣሎዎ’ምበር ብኸምዚ ወዲኸምዚ እቲ መርዚ ድሕረት ዝሰረጾ ኣእምሮኦም ቀልጢፉ ናብ ንቡር ይምለስ ክብሎ ኣይክእልን። ድሮ’ኳ ሓደ ካብኣቶም ኣብ ፈይስቡክ ክደግሞ ዘይደሊ ጸርፊ ኣስፊሩ ርእየ። ናይ ፈይስቡክ ጀጋኑ’ምድዮም ኮይኖም ዘለዉ መቸም! እምበር መንእሰይስ መጽሓፍ እንተንበበ፡ ምስ ኣሕዋቱ ሓቢሩ ክቃለስ እንተ መረጸ፡ ነዚ ሽግር ንምፍታሕ እንታይ ንግበር? ኢሉ ኣብ ህሉው ኵነታት እንተድሃበ እዩምበር ወግሐ ጸብሐ ኣብ ፈይስቡክን ኣብ ፓልቶክን ክጻረፍ ብምውዓልን ብምሕዳርን መፍቶ ኢሰያስ እንተኾነ ምስ ምንታይ ክቝጸር ይከኣል። ሓደ ዝደንጸወኒ ነገር እንተሎ ግን ነቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ንጸላኢ ኢዶም ዝሃቡ ተጋደልቲ ናይ ብሓቂ ተቓለስቲ ኢሎም ክምድሩን ክጽሕፉን ምስ ሰማዕኩ እዩ። ሕራይ ንጸላኢ ኢዶም ዝሃቡ ተጋደልቲ ኩላቶም ብጅምላ ህዝቢ የጋፍዑ ነይሮም ክንብል ኣይንኽእልን። ዝበዝሑ ግን ንህዝቢ መንባር ከሊኦሞ ዝነበሩ እዮም። ነዞም ምስ ጸላኢ ዓጢቖም ንጹህ ህዝቢ ዘህልቑ ዝነበሩ ሓቀኛ ተቓለስቲ እንተ ነይሮም ደኣሞ ኤርትራ ሳላኦም ድያ ናጻ ወጺኣ? እዞም ሰባትከ ንተጋደልቲ ከም ዝተቓለሱን ሃገር ከም ዘምጽኡን ዘይኣምኑ እንተኾይኖም ኣበየነይቲ ሃገር እዮም ዝኣምኑ። ኣቱም ሰባት! ሕሉፍ ሓሊፎም’ኮ ኣብ ኣምሰራ ዝተፈጸመ ቅያ ናይ ኮማንዶ ሓሶት እዩ! በሃልቲ እዮም። ብዝኾነ ንለባም ኣምተሉ ስለ ዝኾነ እዛ ግትምኻ ትኣኽሎም እያ ኣገናዕ! እብለካ።

Post a Reply to Fanko Cancel Reply