Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Assenna Audio: Dictator Isaias Talks About the 21st Jan, 2013, Forto Operation/ምስኪናይ ኢሳይያስ ነዚ ጽውጽዋይ ‘ዚ ክለማመድ እዩ ሰለስተ ሰሙን ወሲዱሉ?

ምስኪናይ ኢሳይያስ ነዚ ጽውጽዋይ ‘ዚ ክለማመድ እዩ ሰለስተ ሰሙን ወሲዱሉ? ውልቀምልካዊ መራሒ ህግደፍ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ነቲ ብራዕዲ ውሒጡዎ ዘሎ፡ ብ21 ጥሪ 2013 ኣብ ሕምብርቲ ከተማ ኣስመራ፡ ፎርቶ፡ ዝተኻየደ ምንቅስቓስ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ (ስርሒት ፎርቶ) ብዝምልከት


ምስኪናይ ኢሳይያስ ነዚ ጽውጽዋይ ‘ዚ ክለማመድ እዩ ሰለስተ ሰሙን ወሲዱሉ?

ውልቀምልካዊ መራሒ ህግደፍ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ነቲ ብራዕዲ ውሒጡዎ ዘሎ፡ ብ21 ጥሪ 2013 ኣብ ሕምብርቲ ከተማ ኣስመራ፡ ፎርቶ፡ ዝተኻየደ ምንቅስቓስ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ (ስርሒት ፎርቶ) ብዝምልከት ምስ ኤሪ-ቲቢ፡ ሎሚ 14 ለካቲት፡ ቅድሚ ፍርቂ ሰዓት ቃለመጠይቕ ኣካይዱ ‘ሎ።

እቲ ፍልሖ ብኸብዱ ጀሚሩዎ፡ ዕለተ ውድቀቱ ምጽብጻብ ጀሚሩ ዘሎ ፍንፉን መላኺ፡ ካብቲ ራዕድን ሃለውሳን ኣንገብጊቡዎ፡ ንልዕሊ ሰለስተ ሰሙን ሃጢሙሉ ዝነበረ መሓብኦ ውጥም ቅልቅል እናበለ፡ ስርሒት ፎርቶ ኣብ ቍጽጽር ምውዓሉን ዘይምውዓሉን ከጣልል ኳ እንተጸንሐ፡ ስርሒት ፎርቶ ካብ ዘውረደሉ ሓደጋ ንላዕሊ ፈጢሩዎ ዘሎ ናህሪ መሊሱ ናብ ዝያዳ ሻቕሎትን ስግኣትን ስለዘውደቖ፡ መጻንሒ ዕድመ ንምልቃብ ዝተረፈቶ እንኮ ምርጫ ነቲ ኩነታት ምቅላል ጥራይ ስለዝኾነት፡ እንተተመሰለሉ፡ ነቲ ብጀጋኑ ኣዘዝትን ኣባላትን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዝተኻየደ ስርሒት ከነኣእስ ፈቲኑ።

መቸም ኢሳይያስ፡ በዚ ከይፈተወ፡ ተገዲዱ ዝገበሮ ቃለመጠየቕ፡ ነቲ ፍጻሜ ‘ትሕቲ ዜሮ’ ከምዝነበረ ንምምሳል፡ ንኣኼባ ካቢነ ክገብር ምስ ከደ ንእግረመንገዱ ከምዝለከሞ፡ ቁጽርን ኣስማትን ካብ ምጥቃስ ተጠንቂቑ፡ ነቲ መጀመርያ ናይ መወዳእትኡ ከምዝኣኸለ ደወል ዘስመዖ ምንቅስቓስ፡ ሓንሳብ ‘ድራማ’ ሓንሳብ ‘ጽውጽዋይ’ ክቕይሮ ዝከኣሎ ገይሩ። እንተኾነ፡ ካብቲ ሰብ ዝግብምቶን ዝፈርሖን ዝነበረ ንላዕሊ ኣዝዩ ደኺሙ ከምዘሎ እዩ መሊሱ ነብሱ ኣቃሊዑ። ዋላ ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ብዙሕ ዝፈለጦ ነገር ከምዘየልቦ ክሓብእ ኣይከኣለን። “ሓሶቶም ከም ሓሩጭ ክፈኵስ ዕድል ክንህቦም ኢና ኣጽቂጥና ቀኒና” ዶ ‘ሉ ኢሳይያስ ሓቀይ? ንሕና ድማ፡ ንሱ ኪዛረብ መደርኡ ክፈኵስ ዕድል ኪንህቦ ተቖጢብና ኢና ጸኒሕና እምበር ኣይደቀስናን። ህዝብና ታሪኹን መኻልፉን ፈሊጡ ንናይ መወዳእታ ቅላዕ ኢሳይያስ ዘየዳግም ክገብሮ ብዝግባእ ኪዳሎ መታን፡ እቲ ኩነታት ከመይ ከምዝነበረ ብዝርዝር ክንሕብሮ መጽናዕቲ ክንገብር ኢና ቀኒና። ኢሳይያስ ሎሚ ካብ ተዛረበ ኸኣ፡ ሎሚ ምሸት፡ (14 ለካቲት) ብዝርዝር ከነቕርበልኩም ኢና። ንግዚኡ ግን፡ በቲ ኢሳይያስ፡ ኣብ ኣባ ሻውል ኮይኑ ዝሃቦ ዕዋላዊ መልስታት ተዘናግዑ። ኢሳይያስ መሂተኖ፡ “ሓሩጭ ይፈኵስ ‘ዩ” ዶ ‘ሉ? ‘ታይ ደኣ ‘ሞ ኽብል፡ ተዘናቢሉዎ ዶ ኣይኮነን። ሓሩጭ ማይ እንተኣትዩዎ ከምዝረዝን ከ ይስወጦ ደኾን ይኸውን?

aseye.asena@gmail.com

Review overview
51 COMMENTS
  • abraham February 14, 2013

    Hzbi ertrae ezi seb alu amelu eiyu .nihina eritrawiyan eina ezi seb ezi wekalina aykonen ketalina enber

  • fetahawinet February 14, 2013

    እቲ ቃለ መሕትት ምስ ፕሬዝድደንት ኢሳይያስ ብናጻ ዜና ማእከናት ተዝከውን ወገንነት ዘይሓዘ አብ ሳዕቤን ከይኮነ አብ ጠንቂ ዘተመርኮሰ ሕቶታት ምተሓተተ እዚ ስለዘይኮነ ግና ፕሬዘደንት ዝደልዮን ክምልሶ ዝክእል ቀሊል ሕቶታት ኮይኑ አብ ሳዕቤን ናይ ፍጻሜ ሰፕቴምበር 21 እምበር ነቲ ቀንዲ መንቀሊ ሕቶ ቅዋም ይተግበር ናይ ፖለቲካ እሱራት ይፌትሑ ዝብሉ ነባርያዊን ፍትሓዊን ቅዱስ ሕቶ ኬምዝኮነ ሓታቲን መላሲን ክዝክርዎ ምተገበኦም ኔሩ

  • Tesfa February 14, 2013

    It is a waste of time.
    I can’t believe he entertains such a charlatanry
    when the country is in deep sheet.
    Minimizing and ridiculing legitimate request
    won’t bring any solution and as president
    you should have a reasonable response and action.
    Even for a distant observer like me, the situation is very serious.
    If I were your close friend, I can only advise you: get
    your luggage and run.

  • woredemhret February 14, 2013

    This guy is not only a liar but super boring. He does not take any responsibility at all. Do we really deserve him to be our leader???

  • HGDEF February 15, 2013

    ኢሳይያስ፡ ኣብ ኣባ ሻውል ኮይኑ ዝሃቦ ዕዋላዊ መልስታት ምባልካስ ኣባ ሻውል ሕምብርቲ ኣስመራ ምኻና ካብ ዘይምፍላጥ እዩ ዝኸውን። ብዝኾነ ግን ካብ ኣብ ቱሽቱሽ ጸዓዱ ተሸጉጥካ ንዝድርብዩልካ ትካቦ እንዳጠመትካ ምንባሕ ዝከፍእ ነገር የለን።

  • Sam February 15, 2013

    He sounds drugged up — under the influence or like a man who has not slept for days and days!!

  • ab ab February 15, 2013

    Nsu hamimu zskefelu aykonen moitu zhaznelu kem zeyblu znegro seinu. Halaw.

  • Mike G February 15, 2013

    O Disgraceful DIA ! you are only deceiving yourself and your few stooges.
    The Eritrean people are not going to be deceived anymore.

    ENOUGH is ENOUGH !

  • zaid a. bein February 15, 2013

    I am so ashamed and disgusting that Eritrea my country to be mislead by this street talk so called president.

  • ABURAMI February 15, 2013

    He is alyways denied about what happend . why did it take hem more than 21 days te give press conference . This lier every day any time for sake to go on rulling the country. One things haapende for sure. Demands more freedom, release priosioners, constutation implemnted.Let me make sure one day you willl go sonar or later like Mubarak,Gadafi en Biblie , Abdella Salih

    • Abdallah Abdu February 16, 2013

      Believe me there is enough freedom in our country. Eritrea is better than countries like Saudi Arabia.

POST A COMMENT