Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

8 መጋቢት ኣህጉራዊ በዓል ደቀንስትዮን ኵናት ተጎርባን፣ ብኤርትራውያን ተቐማጦ በይ-ኤርያ ብድምቀት ከቢሩ።

 8 መጋቢት ኣህጉራዊ በዓል ደቀንስትዮን ኵናት ተጎርባን፣ ብኤርትራውያን ተቐማጦ በይ-ኤርያ ብድምቀት ከቢሩ። ኤርትራውያን ተቐማጦ በይ-ኤርያ ካብ ሳንፍራንሲስኮ፣ ሳንሆዘ፣ ሳንታሮዛን ካልኦት ከተማታትን ተጓዒዞም ዝተሳተፍዎ ድርብ በዓል ብ9 መጋቢት 2019 ዓ.ም.ፈ ኣብ ከተማ ኦክላንድ ካሊፎርንያ ብኽብሪ ተዘኪሩ ኣምስዩ። እቲ

 8 መጋቢት ኣህጉራዊ በዓል ደቀንስትዮን ኵናት ተጎርባን፣ ብኤርትራውያን ተቐማጦ በይ-ኤርያ

ብድምቀት ከቢሩ።

ኤርትራውያን ተቐማጦ በይ-ኤርያ ካብ ሳንፍራንሲስኮ፣ ሳንሆዘ፣ ሳንታሮዛን ካልኦት ከተማታትን ተጓዒዞም ዝተሳተፍዎ ድርብ በዓል ብ9 መጋቢት 2019 ዓ.ም.ፈ ኣብ ከተማ ኦክላንድ ካሊፎርንያ ብኽብሪ ተዘኪሩ ኣምስዩ። እቲ በዓል ብሓልዮት እቲ ንዅሎም ኤርትራውያን ዘጽልል “ማሕበር በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ” ተዳልዩ፣ ኣብቲ ሓድሽ መአከቢ ቤት ጽሕፈቱ እዩ ተኻይዱ።  ኣብዚ በዓል’ዚ ዝተሳተፉ ድማ ንኤርትራዊ ፖሊቲካውን ማሕበራውን ብዙሕነት ዝወከሉ ብምንባሮም ዝያዳ ድምቀት ዘንጸባረቐ ነይሩ።

 

ኣቦ መንበር ኣካያዲ ቦርድ ማሕበር ኣቶ ማእከለ እምባየ ንተሳተፍቲ እንቋዕ ነዚ ድርብ በዓል ብሓደ እዋን ብሓባር ክንዝክርን ከነብዕልን ኣብቅዓና ብምባል መድረኽ ድሕሪ ምኽፋቱ፡ ቅደም ተኸተል ናይ ዝተዳለወ መደብ ብዝርዝር ሓቢሩ።  ኣቶ ማእከለ ኣብ መግለጺኡ፤ ንታሪኻዊ ቃልስታት ደቀንስትዮ ዓለም ብሓፈሻ፣ ንቓልስታት ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራውያን ድማ ብፍላይ ኣባል ቦርድ ዝዀነት ወይዘሮ ፍረወይኒ ገብረገርጊስ ኣብ ክንዲ ቦርድ ቃል ከተቕርበልና እያ ኢሉ። ካብኣ ቀጺሉ ድማ ኣቶ ፍስሃየ ሓጎስ ብዛዕባ ታሪኻዊ ኵናት ተጎርባ መግለጺ ክህበና እዩ። ብምቕጻል ሓባራዊ ምይይጥ ብዛዕባ ህልዊ ኵነታት ማሕበረ-ኮምናን ሃገርናን’ውን ክቕጽል’ዩ ብምባል ሓበሬታኡ ዛዚሙ።

 

ንዝኽሪ 8 መጋቢት ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ደቀ-ኣንስትዮ፣ ብወይዘሮ ፍረወይኒ ገብረገርጊስ ዝቐረበ መግለጺ፡

ክቡራት ኣሓትን ኣሕዋትን ተሳተፍቲ ድርብ በዓል፡

እዚ ንዝኽሪ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮን፡ ንዝኽሪ ኲናት ቶጎሩባን እነካይዶ ዘሎና በዓል ምኽንያት ብምግባር፡ ንዅሉ ክህልወኩም ዝኽእል ስራሕ ኣወንዚፍኩም፡ ንድምቀት እዚ ዕለት’ዚ ምፍዋይኩም፡ እናመስገንኩ፡ ኣብዚ ዕለት’ዚ ቃል ክህብ ንዝተዋህበኒ ዕድል ኣመልኪተ ልዑል ኣኽብሮትን ምስጋናን ከመሓላልፍ እፈቱ።

ርግጽ፤ እዚ ዕለት’ዚ ክቡር ዕለት’ዩ ከብሎ ዝኽእል ድርብ ምኽንያታት ኣለዎ። ብሓደ ሸነኽ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ እዩ። ብፍላይ ንዓና ከም ኤርትራውያን፡ ደቀ ኣንስትዮና፡ ስለ ጾታውን ፖሊቲካውን ወጽዓኤን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ንምንጋፍ፡ ሰፍ ዘይብል ሓላፍነት ተሰኪመን፡ ከም መላእ ህዝበን ናይ ኤርትራ ሃገራዊ ናጽነት ምርግጋጽ ዘብቅዓ ምዃነን እዩ። ከምቲ ኣብ እዋን ሰውራ ንጭርሖ ዝነበርና፡ “ብዘይ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ዝዕወት ቃልሲ የልቦን”። ብርግጽ’ውን ብዘይከአን ናጽነት ኣይምተረጋገጸን፡ ብዘይከአን ድማ ናይ ሕጂ ቃልሲ ንምዕዋት ዲሞክራስን ፍትሕን ክዕወት ኣይክእልን እዩ። ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብቲ ውሽጣዊ ቃልሲ እውን እንተዀነ፡ ንጾታዊ ፍትሒን ማዕርነትን፡ ንመሰል ምውዳብ፡ ንኣቓልቦ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሕብረተሰብ ተቓሊሰን፡ ኣብ ሰራዊት ከቢድን ፈኲስን መሳርያታት ዓጢቐን ኣብ ቅድመ ግንባር፣ ኣብ ከተማዊ ደባይ ስርሒት ቅያታት ኣርእየን፡ ኣብ ኲናት ሰንኪለን ልዕሊ ኩሉ ድማ ሂወተን ብምሃብ እቲ ዝለዓለ ክፍሊት መስዋእቲ ከፊለን፡ ኰታ ኣብ ክሉ ጽፍሕታት ሕብረተሰብና፡ መንነተን ኰነ ብቕዓተን ኣረጋጊጸን ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ሓራ፡ ልዑላዊት ሃገር ንኽትከውን ኣብቂዐን እየን።

ምስ’ዚ ኩሉ ጅግንነት ድማ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ፡ እቲ ንመላእ ህዝብና ዝበጽሖ ጽንኩር ፈተነታት ንዓኣተን’ውን በጺሕወን እዩ። እወ፤ ናጽነት ሃገር ተረጋጊጹ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፣ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ብፍላይ ጻማ ቃልሰን ዝፍደያሉ መድረኽ ኣቲና ኣሎና ተባሂሉ እዩ። ከም ሰበን፡ ደጊም ናብ ራህዋን ሰላምን ከነማዕዱ ኢና ዝብል ትጽቢት ሰፊኑ እዩ። የግዳስ፡ እቲ ትጽቢት ተጣሒሱ፡ እቲ ተስፋታት ተሃሪሙ ሕልምታትን መብጽዓታት ሰውራን እውን በብመድረኹ ክጥለም ተራእዩ እዩ።  ሕልምታት ምስ ተጠልመ፡ ዓዲ ናብ ሰፋሕ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተቐየረትከ? መጀመርያ ዝተጐድኣ ደቂ ኣንስትዮ እየን።   ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ተዳጒነን፡ ናይ ሞት ጽዋእ ዝተፈድያ’ውን ውሑዳት ኣይኰናን።

ድሕረትን ድኽነትን ዘስዓቦ ጥሜትን ዕርቃንን፣ ህዝብና ብተስፋ  ተጸሚሙ ክሰግሮ ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግን ኣብ ውሽጢ 27 ዓመታት ብስርዓት ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ክካየድ ዝጸንሐ ኰነ ኢሉ ንብርሰትን ምብትታንን ሃገርና ዝዓለመ ሽርሓዊ ተግባራት፣ ንዓለም ዘስካሕክሐን መዛረቢ ኰይኑ ጸኒሑን ኣሎን። እዚ ጥራይ ምዓስ ኰይኑ፣ ንልዑላውነት ሃገርና ዝፈታተን ውዲታትን ዘይግሉጽ ስምምዓትን ምስ ወጻእተኛታት ዝገብሮ ዘሎ ጥልመት ኣንጸላልዩ፣ ንህዝብና ኣብ ስግኣትን ሻቕሎትን ኣኣትዩዎ ይርከብ።

እዚ ዕለት’ዚ እምበእር፡ ነቲ ኩልና እውን ጌና ሓራ ዘይወጸናሉ፡ ካብ ባህልን ማሕበራዊ ክውንነትን ዝተወርሰ ኣሉታትና ሰጊርና፡ ከብሪ ደቂ ኣንስትዮና፡ እንዝክረሉን፡ ጉዳይ መላእ ሕብረተሰብ ብምዃኑ፣ ብሓድሽ ንያት ንሓድሽ ዕማም እንዋፈሩሉ ዓቢ ዕለት እዩ።

ኣህጉራዊ መዓልቲ፣ በዓል 8 መጋቢት ክትዝከር ትንበር!!!!!!!

ቀጺሉ፡ ዝኽሪ በዓል መዓልቲ ሰራዊት ሓርነት “ኵናት ተጎርባ” ብኣቶ ፍስሃየ ሓጎስ ዝቐረበ  መግለጺ:

ነዚ ድርብ በዓል፡ ንምዝካርን ምኽባርን እንቋዕ ኣብቀዓና። ነዚ ክቡር መደብ ዘዳለወ ኣካያዲ ቦርድ ናይ በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ድማ ምስጋና ይብጽሓዮ።

ተጎርባ ኣብ ጐላጕል ታሕታይ ባርካ ዝርከብ ጎቦታት ምቹእ መዛግብ (ድፋዕ) መከላኸሊ ዘለዎ ከባቢ እዩ። ሰራዊት ሓርነት ከም መዝገቡ ዝመረጸሉ ምኽንያት’ውን ኣብኡ ዓሪዱ ካብ መጥቃዕቲ መግዛእታዊ ሰራዊት ክከላኸል ስለዘኽእሎ እዩ ነይሩ።  ታሪኻውን ብዕሊ ክዝከርን ዘንብሮ ድማ በቲ ኣብ 15 መጋቢት 1964 ሎሚ መበል 55 ዓመቱ፣ ዝተኻየደ ዕዉት ሓርነታዊ ምክልኻል ኵናት እዩ።

ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ስለምንታይ እያ ን15 መጋቢት 1964 ኲናት ተጎሩባ፣ ከም መዓልቲ ሰራዊት ኤርትራ ከተብዕላ ዝመረጸት? ቅድሚኡ ይኹን ድሕሪኡ ዝተኻየደ ንኣሽቱ ይኹን ዓበይቲ ዓወታትን ዝተኸፍለ ግዙፍ መስዋእትን የለዉን’ድዮም ዝብሉ ሕቶታት ክላዓሉ ከምዝኽእሉ ፍሉጥ ኢዩ። ናይዚ መልሲ ድማ “እወ! ኣለዉ እምበር!“፡ ካብ ጫፍ ደንካልያ ክሳብ ዶብ ሱዳን፡ ካብ ጫፍ ሳሕል ክሳብ ዶብ ናይ መረብን ዛላምበሳን ዘሎ ሰናጭሮን፡ ኩርባታትን ሜዳን ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ዋና ከተማታት መግዛእታዊ ሰራዊት ኣትዩ ዝፈጸሞም ስርሒታትን ዓወታትን ኣብ መዛግብ ታሪኽ ዝሰፈሩን ክሰፍሩ ዝግብኦምን ኣለዉ።

ናይ 15 መጋቢት 1964 ኵናት ቶጎሩባ ሓለፋ ግን፡ መግዛእታዊ ስርዓት ኢትዮጵያ፡ “ሃገርና ሰላም እዩ ዘሎ፡ ውግእ ዝበሃል የብልናን፡ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ኣዲኡ ኢትዮጵያ ብሓደ ሓቢሩ ክነብር መሪጽዎን ተቐቢልዎን እዩ። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብገመድ ኣሲርና እነምጽኦም ውሑዳት ወንበዴታት (ሸፋቱ) እንተዘይኰይኖም ተቓውሞ ዝበሃል የለን፡“ እንዳበለ ንደገን ንውሽጥን ክምድር እንከሎ፡ ንሰውራና ብዕሸሉ ንምቝጻይ ከኣ ብዝተፈላለየ ኣስማት ዝፍለጥ ሰራዊት ኣዋፊሩ ፍሽለታትን ሕፍረትን ተኸዲኑ ኣብ ዝምለሰሉ ዝነበረ ናይ ደባይ ውግእ እዋናት እዩ ኵናት ቶጎሩባ ተኻይዱ።

ሰራዊት መግዛእቲ ስርዓት ሃይለስላሴ በዚ ኣገባብ እዚ ነጭ-ለባሽ፣ ባንዳ-ብጨርቁን ፊልድ-ፎርስን ኣዋፊሩ ንሰውራ ኤርትራ ከሰንፎ ከምዘይክእል ስለዝተገንዘበ ድማ እዩ፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ንሰራዊት ሓርነት ካብ ገጽ መሬት ንምድምሳስ ኣብ ዕለት 15 መጋቢት 1964 ዓ.ም ንመጀመርያ ግዜ ካብቲ እቲ ስርዓት ዝምክሓሉ ዝነበረ ሓይሊ ጦር ሰራዊት ብብዙሓት ታንክታትን፡ መዳፍዕን፡ ካልእ ከበድቲ ኣጽዋር ውግእን ተሰንዩ እንዳፈከረ ናብ ቶጎሩባ ወፈረ። ነዚ ብዱዕ ወፍሪ ዝፈለጡ ገለ ካብ ጋንታታት ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ከኣ ኣብ ቶጎሩባ ኣድብዮም ብምጽናሕ ነቲ ብትምክሕቲ ተላዕጢጡ ንተጋደልቲ ኣሲሩ ንኽምለስ ገመድ ከይተረፈ ሒዙ ዝወፈረ ሓይሊ ጦር ሰራዊት ንመጀመርታ ግዜ ፊትን ግንባርን ገጢሞም፡ ብናይ ሓርነት ሃልሃልታ ለብሊቦም ኣደዳ ሞትን መቝሰልትን ኰይኑ፣ ንብረቱ ግዳይ ምርኮን ዛሕዛሕን ኰይኑ ናብ ዝተበገሰሉ ቦታ ሃዲሙ ንኽምለስ ዝተገደደሉ ቦዅሪ ዓወት ካብ ስርሒታት ሰራዊት ሓርነት ዝተረጋገጸላ መዓልቲ ነይራ።

ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ነዚ ዓወት እዚ ከመዝግብ እንከሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ሰውራኡ ዝነበሮ ምትእስሳር ድሩት፡ ዕጥቂ ተጋደልትና ኣዝዩ ኣረጊትን ውሑድን፡ ዕቤት ሰራዊትና ምስ ሰራዊት ስርዓት ሃይለስላሰ ፈጺሙ ኣብ ዘይዳረገሉ ዝነበረ እዋን፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓወት ክፍጸም ዘኽእሎ ቀንዲ ምስጢር እምበኣር፡ ብዘይካ ጽኑዕ ዕላማ ሓርነት፣ ተወፋይነትን ጽንዓትን ካልእ ኣይነበሮን።

ኣብዚ ቦዅሪ ዓወት ህዝቢ ኤርትራ ዘበሰረ ኵናት፡ 87 ካብ ወተሃደራት መግዛእታዊ ስርዓት ክሞቱ እንከለዉ፡ ሒዞሞ ካብ ዝወፈሩ ኣጽዋር ውግእ ብርክት ዝበለ መትርየስን ጠበናጁን ተማሪኹ ንብረት ሰውራ ኰይኑ፡፡ ዓወት ብዘይ መስዋእቲ ክረጋገጽ ስለዘይክእል ድማ 17 ተጋደልቲ ብጅግንነት በጃ ዝፈትዉዋ ሃገሮምን ህዝቦምን ሓሊፎም። ድሕሪ ዓወት ኵናት ቶጎሩባ መቓልሕ ሰውራ ኤርትራ ኣብ መላእ ህዝብና ተባጽሐ፡ ህዝቢ ምስ ሰውራኡ ርኡይ ምትእስሳር ክገብር ጀመረ፡፡ ኣብ ግዳም እውን ብዛዕባ ሰውራ ኤርትራ ክጸሓፍን ክዝርጋሕን ጀመረ። እዚ ብስራት እዚ ድማ እዩ ንሞራል መግዛእታውያን ሓይልታት ሰባቢሩ ሰውራና ብገመድ ተኣሲሮም ክመጹ ናይ ዘለዎም ውሑዳት ሸፋቱ ዘይኮነስ ህዝባዊ ቃልሲ ምዃኑ፡ ይንዋሕ ይሕጸር ናጽነት ኤርትራ ከምዘይተርፍ ዘመስከረ ስርሒት ብምንባሩ ድማ እዩ ኵናት ቶጎሩባ ሓንቲ ካብ መዓልታት ሰራዊት ኤርትራ ኰይና ንኽትብዕል ዝተመርጸት። ንሓደ ተረኽቦ ከም ሃገራዊ ኮነ ውድባዊ በዓል ኰይኑ ንኽኸይድ ዝምረጸሉ ምኽንያታት ድማ እተፈጸመሉ ኵነታትን መድረኽን ኣብ ህዝቢ ዘሕድሮ ጽልዋን ተቐባልነትን እዩ ዝዕቀን።

ድሕሪ ዓወት ቶጎሩባ ዝተኻየዱ ዓበይትን ንኣሽቱን ስርሒታትን ኣብ ልዕሊ ሰራዊት መግዛእታውያን ስርዓታት ዘስዓብዎ ምድኻማትን ስዕረትን እኩብ ድምር ናይቲ ን30 ዓመታት ዝተኻየደ መሪር ሓባራዊ ብረታዊ ተጋድሎ ህዝብና፡ ብረት ዓጠቕ ተጋዳላይ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ፣ ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ፣ ሲቪል ኣዴታት፣ ኣቦታት፣ ኣሓትን ኣሕዋትን ብዘይኣፈላላይ፡ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ናይ ኤርትራ ከተማታትን ገጠራትን፡ ዝተፈጸመ ዓበይትን ንኣሽቱን ዓወታትን፡ ብዝኸፈልዎ መስዋእትን ስንክልናን፡ ዝፈሰሰ ደምን ዝተኸስከሰ ኣዕጽምትን፡ ዘስዓቦ ብርሰትን ንድየትን ድማ እያ ኤርትራና፡ ኣብ 1991 ዓ.ም ምሉእ ናጽነታ ክተረጋግጽ ዝኸኣለት።

ብሕጽር ዝበለ፣ ኵናት ተጎርባ ኣብ መስርሕ ብረታዊ ተጋድሎና ኣገዳሲ ምዕራፍ ካብ ታሪኽና ዝሕዘት ብምዃና፡ እታ መዓልቲ ኵናት 15 መጋቢት 1964 ዓመታዊ ክትዝከርን ክትከብርን ተመሪጻ። ምኽንያቱ ድማ፡

  1. ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ ንኽድምስስ ተሃንዲዱ ዝመጸ መግዛእታዊ ሰራዊት፣ ብጅግንነት ገጢሞም ስለዝሰዓርዎ
  2. እቲ ዓወት ንገድሊ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ተፈላጥነትን ዕላማ ሓርነትን ኣቃሊሑ ህዝባውነት ብምንጽብራቑ
  3. ንሰውራ ኤርትራ ካብ ደረጃ ደባይ ተዋጋኢ፣ ማለት ኣጥቂዕካ ምዝላቕ፣ ናብ ደረጃ ኣትኪልካ ምውጋእ (transformed the struggle from hit and run to conventional mode of fighting) ስለዘሰጋገረ
  4. ንያትን ዓቕምን ሰውራ እናደየበ ክኸይድ ከሎ፣ ንያት መግዛእታዊ ሓይሊ ግን ብራዕዲ እናንቆልቆለን እናተነጸለን ብምኻዱ፣ ኵናት ተጎሩባ ፍልይትን ባና ናጽነት ዝወልዐትን ኰይና ትዝከርን ትኸብርን።

ኣብዚ ኣጋጣሚ’ዚ ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ምንታይ ኵነታት ከምዘሎ ምርኣይ’ውን ዘገድሰና እዩ።

  • ኤርትራ ብመስዋእቲ ደቃ ልዑላውነታ ካብ ትጓናጸፍ 27 ዓመታት ሓሊፉ።
  • ኣብ ትሕቲ ኣመራርሓ ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ግን ህዝብና ኣደዳ ስደት፣ ማእሰርትን ሞትን፣ ደረት ኣልቦ ኣገልግሎት፣ ድሕረትን ጭቆናን ይነብር ኣሎ።
  • ኣብ ሃገርና ቅዋም፣ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ዝቖመን ዝሰርሕን ባይቶን ስርዓት ፍትሕን የልቦን
  • ምስ ኣቢይ ኣሕመድ ዝኸይድ ዘሎ ውዲት ግሉጽ ኣይኰነን፡ እቲ ኢሳያስን ልኡኻቱን ዝበልዎን ዝብልዎ ዘለዉን ዘሕፍር ጥራይ ዘይኰነ፣ ናይ ጥልመትን ክድዓትን ሓደጋ ኣብ ልዑላውነት ሃገርና ኣንጠልጢሉ ምህላዉ፣ ህዝብና ይሻቐልን ይቃወምን ኣሎ።
  • እንታይ ይገበር ዝብል ሕቶ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ይርከብ፡ ዓበይትና፣ መንእሰያትና፣ ኣወዳትናን ኣዋልድናን ድማ ናይ ምምላሱ ሓላፍነት ብሓባር ንሰከም።

 

ክብርን ዝኽርን ን8 መጋቢት መዓልቲ ደቀ-ኣንስትዮ ዓለም

ክብርን ማዕርነትን ንደቀ-ኣንስትዮ ኤርትራውያን

ክብርን ዝኽርን ንመዓልቲ ሰራዊት ሓርነት – ኵናት ተጎሩባ

ኤርትራ ብልዑላውነታ ንዘልኣለም ትንበር

ሓቀኛ ፍትሕን ደሞክራስን ኣብ ኤርትራ ክትከልዩ!!!!

9 መጋቢት, 2019

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • k.tewolde March 20, 2019

    Indeed, it is the genesis of our armed struggle,the rudiment where the Eritrean revolutionary gallantry and sheer bravery was planted and displayed to an awestruck enemy.It was the mother of all battles which ensued comparatively speaking,it was the beginning of the end of the pompous and arrogant militarily well equipped occupational army.It is this DNA strand which symbolizes the Eritrean nation and nationalism,without it we are merely a collection of people who belong to no one as evidenced with the current state of the nation.Let the story be told in its entirety and the nation claim its true identity and a genuine healing begin,I guarantee the enemy will be looking for an escape route tomorrow.

  • Hagherawi March 20, 2019

    The battle of Togoruba was a turning point, politically, in defining who is the enemy .
    Starting from 1961, the ELF had attacked or defended itself mostly from Police forces (Eritreans nationals). However, it knew very well that these people were not the real enemy.
    Ethiopia gradually realized that the Eritrean Liberation Army (ELA) was not a group of bandits, as it claimed, that can be left to police forces,
    Having a superior war machine, equipped and trained by US, it thought can defeat the ELA in a decisive battle.
    The ELA was out numbered and outgunned but had a cause worth any sacrifice.
    In March 1964, in the battle of Togoruba, the enemy was badly beaten and morally devastated. It heralded the start of a protracted national liberation war.
    Lessons learned:
    – When you fight for a just cause the numbers do not matter.
    – The Eritrean nationals working for the enemy, are not the real enemy. Know your real enemy.
    – There should be no reason or circumstances under which Eritreans should fight each other.

    Glory to all Eritrean Martyrs !!
    God bless Eritrea.

  • Haqi March 21, 2019

    ምስጋና ንኣሰና : ብዛዕባ ሻዕብያ ብዙሓት ተጋደልቲ ከም በዓል የማነ ብዙሕ ሓቅታት ይዛረቡን ይጽሕፉን ኣለዉ። ተጋደልቲ ናይ ጀብሃ ነበር ግና መብዛሕትኦም ከቀናጅዉን ከጸባብቑን እዮም ዝውዕሉ።
    ካብ ታሪኽ ናይ ጀብሃ ብሓጺሩ፥ Source Romanticizing Ghedli (I): the Excuses

    For many in the opposition of the Jebha mold, the crisis in Shaebia is all they needed to make a full time job out of rehabilitating Jebha and some of its dubious heroes. But this sounds more hypocritical than the Highdefites’ task of defending Shaebia because, while the Jebha defenders do want us to remember all the atrocities committed by Shaebia, they do not want us to remember even a single event that seems to mar the image of Jebha. All this despite the fact that this organization, throughout its history, has inhabited the worst of two worlds: although it emulated Shaebia in almost all its failings, it lacked the focus the latter displayed in fighting the enemy.

    But if there is anything that defines Jebha aptly, it is its sectarianism. This is an organization that was born out of sectarian motives, with ethnic and religious overtones; lived throughout its existence in sectarian squabbles (religious, regional, ethnic, linguistic and ideological); and understandably died as a result of its sectarian malaise. Its only half-hearted effort to reform itself in the 70’s soon floundered because it was never able to distance itself from its sectarian past, all along having been unwilling to let go the sectarian leaders of its past. No wonder that in its ashes, the Jebha factions that have survived it have now neatly aligned themselves along the very fault lines that doomed it to self-destruction. Only now, having come out of their respective closet, they openly wear their religious and ethnic hats all the way to their EDA meetings…. 2

    • Haqi March 21, 2019

      …. 2 The contradictions that Jebha supporters display could be seen everywhere: They have been diligently digging up all the skeletons they can find in Shaebia’s past (as it should be). But if you point to similar cases in Jebha – Falul, Suriyet Addis, Menfere, Rasai, and all other pre- and post-Adboha massacres. – they throw tantrums. They love to criticize Isaias for every blunder that he makes and for every crime that he commits (again, as it should be). But not only do they not want to hear any negative attribution about their leaders, however inept, undemocratic, sectarian or murderous they were, they also are in the active business of giving them a post-mortem “make over.” They never tire of reminding us of the marginalization of Kunamas under Shaebia (again, as it should be). But if you tell them that in this marginalization, which has a long history behind it, Jebha played a major role, with many of their villages burned down to the ground, many Kunamas killed and their cattle pillaged, they go nuts in anger. Day and night, they never tire of pointing out the inhumane treatment of prisoners under the hands of Shaebia/PFDJ (again, as it should be). But it is in one of the most shameful history of ghedli in Eritrea that Jebha summarily executed its Ethiopian prisoners at a time of its retreat in the late seventies. In this regard, even Shaebia didn’t match this atrocity. I could go on and on: the horrors of giffa (which actually started with Jebha), sexual abuse of women (especially by corrupt cadres and military leaders), endemic corruption of the leadership, etc – all areas that Jebha had excelled well before Shaebia came to be fully identified with them.

  • Hagherawi March 21, 2019

    Haqi aka Teclay and 20+ nicks

    You are an outsider who spreads hate among Eritreans.
    People like you, Iseyas and YG are foreigners posing as Eritreans.
    No matter how much you try to hide your real identity, people know who you are. You are not cheating anyone.
    Mind your business, please.

Post a Reply to Hagherawi Cancel Reply