Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህግደፍ፡ ንሰማእታትና ድቃስ ዝኸልእን ዘራኽስን ኣረሜናዊ ስርዓት’ዩ ቀዳማይ ክፋል

  ኣብ 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ናይዚ ዓመት’ዚ፡ ኣብ ኩለን ዞባታት ኤርትራን ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያንን ስውኣት ንምዝካር፡ ሰልፊ ምብራህ ሽምዓ፡ ጉዕዞ እግሪ ናብ መካነ መቃብር ስውኣት፡ ጸሎት፡ ግጥሚ፡  ሙዚቃዊ ድራማ፡ ንስድራቤት ስውኣት ምሕጋዝ፡ ካልእ

 

ኣብ 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ናይዚ ዓመት’ዚ፡ ኣብ ኩለን ዞባታት ኤርትራን ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያንን ስውኣት ንምዝካር፡ ሰልፊ ምብራህ ሽምዓ፡ ጉዕዞ እግሪ ናብ መካነ መቃብር ስውኣት፡ ጸሎት፡ ግጥሚ፡  ሙዚቃዊ ድራማ፡ ንስድራቤት ስውኣት ምሕጋዝ፡ ካልእ መደባትን ተኻይዱ። ኣብ መዓልቲ 20 ሰነ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነቶም ምእንቲ ናጽነት ህዝቦምን ሃገሮምን፡ ነታ ዳግማይ ዘይትምለስ ክብርቲ ህይወቶም ዘወፈቱ፡ “ሳላኹም ብርሃን ርኢና፡ ጽሩይ ኣየር ኣተንፊስና፡ ቅሰኑልና፡ ሕድርኹም ክንትግብሮ ኢና” ዝብሉ ጭርሖታት ብምቅላሕ፡ ናይ ምስጋናን ምሕዳስ መብጽዓን ንጥፈታት ተሰላሲሉ። ህዝቢ ኤርትራ ንሰማእታቱ ዘለዎ ኣኽብሮትን ፍቅርን ኣብ ሕቶ ዝኣቱ ኣይኮነን፡ ንምንታይሲ ስውኣቱ ካብ ኣብራኹ ዝወጹን ፍንጫሕ መሰንገሊኡን ስለዝኾኑ።

ሰማእታትና ከም ሽምዓ መኺኾም ዝወልዖዎ ብርሃን፡ ንዘልኣለም ክነብርን መጻኢ ወለዶ እናተሓበነ ክወርሶን’ዩ። ይኹን እምበር ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ነቲ ሰማእታትና ህይወቶም ከፊሎም ዝለገሱልና ብርሃን፡ ጠሪሱ ከምዝጠፍእን ከምዝሃስስን ገይሩዎ። ከም ሳዕቤኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሳላ መስዋእቲ ደቅናን ኣያታትናን እዚ ጸጋ’ዚ ረኺብና ኢልና ንሰማእታትና ነቅስኖምን ብዝተኸፍለ መስዋእቶም ኣብ ክንዲ ንኾርዕን፡ መስዋእቶም ከሕዝነናን “ዓሕ! ደቅናን ኣሕዋትናን ንኸንቱ ጠፊኦም” እናበልና ከነማርርን ከነስተማስልን ተገዲድና። እቲ ብደምን ኣዕጽምትን ስውኣትናን ብስድራቤቶምን እናሰወደን እናኣንደልሓቀን ዝነብር ዘሎ ውልቀመላኺ ስርዓት ህግደፍ ድማ፡ ንየዋህ ከደናግር፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሓኑ፡ ብመንገዲ ጠላማት ካድራቱን ኣፈኛታቱን ዓመት መጸ ኣብ 20 ሰነ ንብዓት ሓርገጽ ክነብዕን ናይ ሓሶት መደረታት ከስምዕን ልሙድ’ዩ። እቲ ዝበዝሐ ክፋል ሕብረተሰብና ግን፡ ብመስዋእቲ ደቁ ጥራይ ኣይኮነን ዝሓዝን ዘሎ። ብቀንዱ ጻማ መስዋእቶም ቁጠባዊ ምዕባለ፡ ቅሳነትን ክብረትን ዘይምርካቡን ሃገር ኣብ ኢድ ውሑዳት ኣብ መቃብር ስውኣት ዝዕንድሩ ምውዳቃ ኢዩ።

መዓልቲ ስውኣት 20 ሰነ፡ ልዕሊ ዝኾነ ካልእ ሃገራዊ በዓላት ክትከብር’ዩ ዝግብኣ። 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት፡ ንመዓልቲ ናጽነት ዝወለደት ኣደ ኢያ። ብዘይ 20 ሰነ፡ ግንቦት 24, 1991 ኣይምተወልደትን ነይራ። ብዘይ 20 ሰነ፡ ኤርትራ ትብሃል ሃገር ኣብ ካርታ ዓለም ኣይምሃለወትን። ብስነ ሞጎት ስርዓት ህግደፍ፡ መግለጺ ክብሪ 20 ሰነ፡ ስድራቤት ስውኣት ብጽሞና፡ ጥሜትን ሕማምን ኣናኣሳቀኻ፡ ዓመት ዓመት ዘይትግበር ማሕላ፡ ዘቁጸልጽል ጭርሖታትን መደረታትን ምስማዕ’ዩ፡፡ ብፍልስፍና ውልቀመላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ መለክዒ ክብሪ 20 ሰነ፡ ካብ መስዋእቲ ብዕድል ዘምለጡ ተጋደልቲ፡ ጋዜጠኛታት፡ መራሕቲ ሃይማኖትን፡ ፍትሒ ይንገስ ዝበሉ ዓሰርተታት ዜጋታትን ብዘይ ፍርዲ ንዓመታት ኣሲርካ፡ ንሞትን ሕዱር ሕማምን ጌርካ ሽምዓ ወሊዕካ ናብ መቃብር ሓርበኛታት ጉዕዞ እግሪ ምክያድ’ዩ። ብቀይናን ኣተሓሳስባ ውልቀመላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ማለት፡ “መንእሰያት ሕድሪ ኣያታቶም ኣሕዋቶምን ክወርሱን ሃገሮም ክሃንጹን ኣለዎም” እናበልካ፡ ብስም ገደብ ግዜ ዘይብሉ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣሽሓት መንእሰያት ካብ ትምህርቶም፡ ብሩህ መጻኢኦምን ሓዳሮምን ኣምዛቢልካን፡ ካብ ሕብረትሰብን ስድራቤቶምን ተነጺሎም፡ ብዘይ እኹል መሳለጥያ ኣብ በረኻ ከምዝሰፍሩን ከምዝሳቀዩን ኣንጸርጺሮም ናብ ስደት ከምዝበታተኑን ምቅሳብ’ዩ። ብመዝገበ ቃላት ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ትርጉም 20 ሰነ፡ ነቶም ክብርቲ ህይወቶም ዝኸፈሉ ደቂ ሓላል መሬት፡ ጅግንነቶምን ውዕለቶምን ብህዝቢ ኤርትራ ከምዘይዝከርን ከም ከድዓት ኣጸሊምካን፡ ብኣንጻሩ ነቶም ዘውደልደሉን ርሃጾም ጥብ ዘየበሉን ታሪኾም ምጽብባቅን ሓለፋ ምሃብን’ዩ፡፡

ኣዲኣ ገዲፋስ ሓትናኣ ትናፍቅ ከምዝብሃል፡ ነቶም ዕትብቶም፡ ደሞምን ኣዕጽምቶምን ኣብዛ ሓላል መሬት ዝተቀብሩ ኤርትራውያን ሰብ ቅያ ደርቢኻ፡ ኤርትራዊ መበቆል ኣለዎ ተባሂሉ ብትእዛዝ መላኺ ኢሳያስ፡ ሓወልቲ ኣለክሳንደር ፑስኪን ኣብ ማእከል ኣስመራ ሓወልቲ ምትካል ድማ፡ ንዕቀትን ስንፍናን ናይ ኩልና ኤርትራውያን ዘመልክት’ዩ፡፡ ኣብ 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኣብ ክንዲ ነቶም ኣብ መረርቲ ዓውደ ውግኣትን ፖለቲካዊ መቀይሮን ህዝቢ ኤርትራ ዕዙዝ ተራ ዘለዎም ደቂ ህዝቢ፡ ስእልታቶም ዝስቀል፡ ኣስማቶም ዝርቋሕ፡ ጎደናታት፡ ኣብያተ ትምህርትን ካልእ ታሪኻዊ ቦታታትን ብኣስማቶም ዝጽዋዕ፡ ሓቀኛ ታሪኾም ዝዝንቶን መንእሰይ ወለዶ ዝሕበነሉን፡ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ዘጽንትን ልኡላውነትና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱ ዘሎን፡ ምስልታት ጠላም ውልቀመላኺ ኢሳያስ፡ ብሰልፈኛታት ተጸይሩን ኣብ ካናቲራታት ተሳኢሉን “ኢሳያስ ንበረልና” ክብሃል እንከሎ ሃየንታን ምጾተ ዓለምን’ዩ። ውልቀመላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ሓቀኛ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ድምጹን ድምጽማጹን ከጥፍእ፡ ታሪኽ ዝፈልጡን ዝፈጸሙን ምስጠፍኡ፡ ዘይነበረን ግጉይን ንዕኡ ብዘርብሕ ፍጻመ ክስንድን’ዩ ቀንዲ ዕላምኡ። ናጽነ ሃገርናት ክውን ንምግባር ተሳትፎን መስዋኣትን ኩሉ ኤርትራዊ ከምዝነበረ ዘማትእ’ኳ ኣንተዘይኮነ፡ ህግደፍ ሓቀኛ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ክስንድ ኣይክእልን’ዩ። ዋላ እንተደለየ’ውን ኣንጻር ረብሕኡ ስለዝኾነ ክልዓል ኣይደልዮን ኢዩ። ንኣብነት፡ ስርዓት ህግደፍ፡ መዓልቲ ናጽነትን መዓልቲ ስውኣትን ዓመት ዓመት ክዝክር እንከሎ፡ ታሪኽ ህዝባዊ ግንባር እምበር፡ ኣበርክቶን ጅግንነትን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ናጽነት ኤርትራ ክውን ንምግባር፡ ኣብ ወተሃደራውን ፖለቲካውን መዳያት ከልዕሎ ኣይደልን’ዩ። ቂምተኛን ተንኮለኛን መላኺ ኢሳያስ፡ ተቃወምተይን ምስጢረይ ይፈልጡን ንዝብሎም ኤርትራውያን፡ ሰለይቱ ኣዋፊሩ ብምስጢር ምቅታል ምስማምን ምጭዋይን ካብ ቀዳምነታቱ’ዩ። ኣብ ዝተፈላለየ ዓውደ ኩናት ስንክልና ዘጋጠሞም ተጋደልቲ ተጋድሎ ሓርነት፡ ከም ሓርበኛታት ክናበዩን ክብሪ ክወሃቦምን ዝግባእ’ኳ እንተኾነ፡ ዝሰንከሉላን ዝደኸሙላን ኤርትራ ከይረገጹ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሱዳንን ካልኦት ሃገራት ማእከላይ ምብራቅን ብሕሰም መነባብሮን ሕማምን ምስ መሪር ናፍቆቶም ይሞቱን ኣብ ዓዲ ጓና ይቅበሩን ኣለው። ኢሳያስ ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝጠቅሞ ዘጥፍኦ ስለዝበዝሕ ንሓቂ ከምዘለዎ ከቅርቦ ኣይክእልን’ዩ። ውልቀመላኺ ኢሳያስ፡ ኣብ ታሪኽ ብረታዊ ቃልስና፡ ህቡባትን ክኢላታትን ንዝነበሩ ኤርትራውያን፡ ምቅንጻሉን ምእሳሩን ከይኣክል፡ ብህይወቶም እንከለዉ ዝፈጸምዎ ጅግንነት መታን ህልዉን መጻእን ወለዶ ክይፈልጦ፡ ዝተቀርጸ ድምጾም ብምድምሳስ፡ ስእልታቶም ብመቀስ ብምቁራጽ፡ ካብ መራኸቢ ብዙሓን ከምዝጠፍእ ገይርዎ። ኣብቲ ስርዓት ህግደፍ ዝውንኖ፡ ቃሕ ዝበሎ ዝዕቅቦ ደስ ዘይበሎ ዝጉሕፎ፡ ክፍሊ ስነዳን ምርምርን’ውን፡ ብርግጽ እንታይን ብኸመይን ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ተሰኒዱ ኣሎ ንኤርትራዊ ምስጢር’ኳ እንተኾነ፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ናይ ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ ሜላ ስለዝኽተል፡ ቀናእ ኢሳያስ ብዘይካ ዘይውዓሎ ስሙ ክኹላዕ፡ ሞያ ካልኦት ክህሉን ክዝከርን ኣይደልን’ዩ።

ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ህዝብና፡ ስውኣቱ ክዝክር ትእዛዝ ውልቀ መላኺ ስርዓት ዘይጽበ’ኳ እንተኾነ፡ ስውኣት ዘወደቁሉ ዕላማ ስለዝተረስዐን ታሪኾም ስለዝተመራስሐን፡ “ደቅና ሎሚ ኢኹም ዝመትኩም፡ እንቋዕ ንሓንቲ ካልኢት ካብ መቃብርኩም ተንሲእኩም ሕሰም ህዝብኹም ኣይትዕዘቡ” ብምባል’ዩ ዳግማይ ዝሓዝን። ህዝቢ ኤርትራ ዓሰርተታት ኣሽሓት ደቁ፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣብ ትሕቲ ጉድጓድ እናኣሳቀየን ሰብኣዊ መሰል ህዝብና እናግሃሰን እንከሎ፡ ኣብ ጥራይ ጎልጎልን ኣጉል መበጽዓን ንመላኺ ኢሳያስ ክውደስን ከም ጻድቅ ክሓስቦን እይክእልን’ዩ። ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ነቲ ብዶብ ኣሳቢቡ ምስ ኢትዮጵያ ዝወልዖ ኩናት፡ መሬት ኤርትራ ደምን ኣዕጽምትን ልዕሊ 20 ሽሕ ዜጋታትና ተዘሪኡዎ እንከሎ፡ ኣብ 2018 ነቶም ዘድመዩናን ከጽንቱና ዝሓለኑን መራሕቲ ኢትዮጵያ ከሕጉስ “ኣይከሰርናን፡ ምስ ኢትዮጵያ ጸገም ዶብ የብልናን” ክብል መግለጺ ሂቡ። እቶም ቀንዲ ኣብዚ እዋን’ዚ ጉራማይለ መበቆልን ዜግነትን ዘለዎም፡ ኢሳያስ ዝመራሒኦም ንህዝቢ ኤርትራ ዘንብዑ፡ ጀጋኑናን ሓርበኛታትናን ዝሃድኑ፡ ኣስማቶም ዘኽፍኡን ዝሕይሩን ዘለዉ፡ የማነ ገብረኣብ (ማንኪ)፡ ሓጎስ ገብሪሂወት(ክሻ) የማነ ገብረመስቀል(ቻርሊ) ካልኦት ንነብሶም ብዛዕባ ኤርትራ ሓለፋ ከምዝሓልዩ ገይሮም ዝቆጽርዋ ጠላማት ኢዮም፡፡ ስርዓት ህግደፍ ዓመት መጸ ኣብ 20 ሰነ መዓልቲ ስውኣት ከም  ሃገራዊ በዓል ክጽምብሎን መደረታት ከስምዕን ዝኽልክሎ ኣካል’ኳ እንተዘየለ፡ እቲ ህይወት ኣሕዋትና፡ ወለድናን ኣሓትናን ዝኸፈልናሉ ህዝባዊ ዕላማን ሕድርን ብፍላጥ ስለዝተቀብረን ኣንፈቱ ስለዝሰሓተን፡ ህግደፍ 20  ሰነ መዓልቲ ስውኣት ንምዝካር ሕጋውን ሞራላውን ሓላፍነት የብሉን። ዕስራ ሰነ መዓልቲ ስውኣት፡ ትርጉምን ሚዛንን ንኽህልዎ ድማ፡ ካብ ምሩጻት ቃላት ሓሊፉ፡ ኣብ ህዝብና ፍትሒ፡ ብልጽግና፡ ግሉጽነት፡ ማዕርነትን ክብረትን ዝሕመረቱ ሕጋዊ ስርዓት ክረጋገጽ ምስዝኽእል ጥራሕ ኢዩ። ወናኒ ናይ ዕስራ ሰነ መዓልቲ ስውኣት ድማ፡ እቲ ሕሉቡን ንጽፉን ንናጽነቱ ዘወፈየ ህዝቢ ኤርትራ እምበር፡ ንሞያ ሰኣትና ዘቋሽሽን ዝጠልምን ውልቀመላኺ ስርዓት ህግደፍ ክከውን ኣይፍቀደሉን ኢዩ።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሓምለ 2019

 

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • k.tewolde July 7, 2019

    If this nation doesn’t come to grips and frisks its soul and recognizes its true identity,honor those who gave it all to make it a reality from alpha to omega,it will continue to act as confused pre- teen who they going end up being and suffer in the hand of the few tor-mentors and impostors who are leading it to the abyss. Another sobering article Tsilal, thanks.

POST A COMMENT