Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

3 -ገመል ብሕሻሉ

“እዚ ሰብኣይ ባዕሉ ይፈልጥ፡ ገለ ፍታሕ እዃ ከምጽእ ኢዩ“ ክበሃል ስሚዕኩምዶ? ነገሩ ከምቲ ሰበይትስ ሰብኣያ እምበር፡ ሰብኣይ ሰብኣያ ነይትፈልጥ ዝተባህለ ክኸውን ይክእል። ኣብ ፍጹም ምልኪ ኣትዩ ዝረዓደ ኤርትራዊ /ኣውራ’ዃ እቲ ወትሩ ጉንዲ እዝኑ ዝጭልገም ዘሎ

“እዚ ሰብኣይ ባዕሉ ይፈልጥ፡ ገለ ፍታሕ እዃ ከምጽእ ኢዩ“ ክበሃል ስሚዕኩምዶ? ነገሩ ከምቲ ሰበይትስ ሰብኣያ እምበር፡ ሰብኣይ ሰብኣያ ነይትፈልጥ ዝተባህለ ክኸውን ይክእል። ኣብ ፍጹም ምልኪ ኣትዩ ዝረዓደ ኤርትራዊ /ኣውራ’ዃ እቲ ወትሩ ጉንዲ እዝኑ ዝጭልገም ዘሎ በዓል ስልጣን/ ከኣ ሎሚ ስም መላኺኡ ምጽዋዕ ደም ጥዒምዎ እን ከሎ ኣቦኹም ኣብ ዘሕደሩና ክንሓድር ኢና፡ ዝዓይነቱ “እዚ ሰብኣይ ይፈልጥ፡ ዝብል ናይ ቃልዓለም ዕቡይ ቃል ከዘውትር ይስማዕ። ነገራቱ ናይ ሃውሪ ኣይኮነን። ብቐንዱ ካብ ሰሪመዓቱ የውጸኣና ዘበገሶ ኢዩ። ሕፍሶ ምህርቲ ምልካዊ ቃልሲ ሓምሳ ዓመታት ምኻኑ ዘይምዝንጋዕ። ከምኣ ኰንና ክንተርፍ ዝብል ትጽቢት ነይርኩምዶ?

ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ’ቲ ናይ 91 ዛዛሚ መግዛእታዊ ኵናት ውግእን ወረ ውግእን ጠቓሊሉ ከምዝጎሓፈ ብምእማን ተመሊሱ እንደገና ናብ ሓድሽ ኵናት ዝኣቱ ይመስሎ ኣይነበረን። እንተኾነስ መግዛእታዊ ኵናት ናይ ውሽጥን ናይ ግዳምንሲ በኣሰ ድኣ። ኩላህና ከምዘቕለብናሉ ኣብ ፖለቲካዊ ኩነታትና እቲ በዓል ሕቡእ ኣጀንዳ ሓድሽ መራሒ ናይ ታ ውልዶ ሃገር ኣብ ኣመሪካ ከይዱ ናይ ብሕቱ ስምምዓት ምስኣሐደሰ፡ እንዃዕ ድኣ ኣመሪካ ተቐበለቶ’ምበር ኣብ ውሽጢ ሃገርስ ነታ ናይ ክሕደት ገበጣ ብኸመይ ከምዝጅማራን ዝውድኣን ኣይሓርበቶን። ከም ቀንዲ ሙልሙል ናይቲ ’ተነዋሪ’ ኣመሪካዊ ፖለቲካዊ መስመር ከኣ ጎዘሞ ሲኣይኤ ጨቢጡ፡ ዘይዕምጽ መራሒ ቢዘን ክድይብ ከም ዘለዎ ኣተንቢሁ ስርዓተ- ምልኩ ብሓድሽ መልክዕ ተተሓሓዞ። ኤልሳ ጭሩም “ ይኣኽለካ ውረድ“ ኣብዝብል ኣርእስታ ዘርዚራቶ ከምዘላ ካብ ናይ 93 ኣድማ ዝብልዎ እንተነይሩ ጀሚርካ ክሳብ ቅዝፈት ስንኩላን፡ ምስረታ ሰልፊ ህግደፍ፡ ከምኡ ድማ ምብርዓን ቅዋምን ምስራዝ መሰጋገሪ መንግስትን ድሕሪ ምፍጻሙ፡ናብቲ ዘይምኽኑይ ግህዶ ናይ ከባቢና ኵናታት ኣተወ።ኤርትራ ካብ ብዓለሙ ተነጺላ ብምዝኽታማ ከኣ ቀዳማይ ተጠቃሚ ንሱ’ቲ ውልቀ-መላኺ ጥራይ ኢዩ። ምኽንያቱ እዚ ተነጽሎ’ዚ ክሳብ ዝንባለ ውህደት ምስ ኢቲዮጲያ ክፈጥር ብምኽኣሉ እቶም ብደረጃ ሃገሮም ቁንጣሮ ክንሶም ከምቲ ኣምሓሩ“ግዜ የሰጠው ቅል ድንጋይ ይሰብራል“፡ ዝብልዎ ግዜ’ዃ እንተሃቦም፡ ንሓዋ ሩ ብዘይ’ቲ ደጀንን እሙንን ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ቅንጣብ ህላወ ዘይብሎም ተጋሩ ከይተረፉ ሃገርና ይምነዩዋ ኣለዉ። ስለዚ ቃልስና እናሓደረ መግዛእታዊ ቃልሲ ምዃኑ ኣይተረፎን። እቲ ኣውራ ሃንዳሲ’ዚ ዓይነት ቃልሲ ዝኾነ ህግደፍ ከኣ ክጥቀመሉ ዝመሃዞ ኲናት ስለዘይተቖጻጸሮ፡ ከምቲ ዝነደየ ሽቃጣይ መዛግብቱ እናገናጸለ፡ ነገር ኣረጊት ከልቢ ኣይክድቅስ ኣይክነክስ ክቑዝም ይውዕል ኣሎ። ኮይኑ ከኣ እዚ ስርዓት እዚ ግደፍቲ ደርማስ ዝትርጉሙ ዕላማ ዲሞክራስን ፍትሕን ተሓንጊጡ ንቕድሚት ክስጉም፡ ኣብታ ዘለዋ ደው ከምዘይብል ከይተረፈ፡ ትማሊ’ዃ ዶብና ምስ ተደፍረ ተረጋጊጹ ኢዩ። ጽባሕ ንዝከውን ድማ ኮንጎና ነዳሉ እምበር።

ስለምንታይ ቃልሲ? እንድዩ ዛዕባና፡ መሰረታዊ ሕቶ’ዃ እንተኾነ ብዛዕባ ስለምንታይነቱ ክንዛረብ ግዜና ከነሕልፍ ኣይኮንናን። ብዛዕባ ፖለቲካዊ ጸገማትና ከምሕሱም ተዛሪብናሉን ተረዳዲእናሉን ኢና። ንነገሩ ኣብ ሃገርና መግዛእ ታዊ እምበር፡ ፖለቲካዊ ዝበሃል ቃልሲ የለን።“ከመይ ኢሉ“?ዶ ኢልኩም ሓቲትኩምኒ ሓቀይ? መልሱ’ሞ ቀሊል ኢ ዩ። ፖለቲካዊ ቃልሲ ክበሃል ከምኡ ከስምዮ ዘለዎ ረቓሕታት ክህልዎ ኣለዎ። ብውሑዱ ህላወ ሰልፍታት፡ቅዋማዊ ስርዓት፡ ስርዓተ-ህዝባዊ ምርጫ፡ ስልጣን ቤት ፍርዲ፡ ወዘተ ገለ ካብ መሓውር ናይ ፖለቲካዊ ቃልሲ ኢዮም። ብዘይ እዚኦም ፖለቲካዊ ቃልሲ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ኣብ ዲቕ ዝበለ ምልካዊ ምሕደራ ስለእንርከብ እምበኣር ገና ቃልስ ና ብናይማዕዶን ናይውሽጥን ጸላእቲ መግዛእታዊ ቃልሲ ክኸውን ኣገዲድና ኢዩ። ብዛዕባ ሃለዋትና ዝመስሎ ዘሎ’ ውን ንጹር ይመስለኒ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ሳምንቲ “ፓይሎት“ ዝተባህለ ተጋዳላይ ኣብ ናይ ሰለስተ ሰዓታት ቃለ-መሕትቱ ንዝነበረን ዘሎን ሃለዋትና ኣጠቓሊልዎ ኣሎ። ንሱ ከምቲ ዝጠቐሶ ኣብቲ ቤት-ማእሰርቲ ተቓቢጹ ነይሩ እንተዝኸውን ነቲ ድሒሩ ዝቐሰሞ ተመኩሮ ኣይምረኸቦን። ከምኡ ድማ ጥይት ጸላእን፡ ኣውራዃ ምእንታኣ እናተቓለሰ ብናይታ ዘገልግላ ዝነበረ ሰልፊ፡ ብናይ ገዛእ ብጾቱ ናይ ጸልማት ጥይት እንተዝምንጠል፡ እቲ ኩሉ ተመኩሮ ኣይመዋህለለን። ንሕና ከኣ ንገዛእ ውሻጠና ኣይምፈለጥናያን። እቶም ዕጫ ፓይሎት ዘይረኸቡ እንተዝረኽቡኸ እንታይ ዝኣመሰለ ተመኩሮ መዋህለልና? ኣበይከ ምተበጽሐ? ስለዚ ኢና ህግደፍ ደመኛ ህዝቢ ኤርትራ ዝበልናዮ። እንታይ ድኣሉ ዓዚምዎ ኤርትራዊ? ት ርደኣኒዶ ኣለኻ መንእሰይ?

ገመል ኣብ ማዕዶ ኮይኑ ክእንተር ክዓፍር ንዘቕለበ ብከምቲ ሓይሉን ደርማስነቱን ኣይምብርከኽን ኢሉ እንተዝእድ ም መን ምሓዞ? እንተኾነስ ብወዲሰብ ተታሊሉን በታ ቀጣን ሕሻል/ ገመድ ልጋም/ ተቐፊዱን ክንብርከኽ እንክርአ ገለ ካብ ድንቅታት ትርኢት ተፈጥሮ ምዃኑ ይኸውን። ድሕሪ ምምብርካኽ ድላዩ ክገብር ኢዩ እቲ እኩይ ወዲሰብ። እቲ ልዙብ ገመል ከኣ ብሰንኪ ምእዙዝነቱ ብጽዕነት ጥራይ ኣይሓልፈሉን። መሕረዲኡ ዝኸውን ሴፈ-ካራሩ ክሰሓ ል እንከሎ ከኣ ነፍሱ ስለእትነግሮ ብዘይካ ዝርንዝሕ ንብዓት ዝርአ ናይ ፍርሂ ምልክት የለን። ክሕረድ ገመዱ ስሒብካ ርእሱ መሬት ምስ ኣጥዓምካዮ’ውን ድምብርጽከ እንተዝብሎ። ነገር እቲ ደርማስ ገመል ዳሕራዩ ይገድድ። ኩሉ ተሓራዲ ኣብ ምጉርፋጥ በጺሑ ነብሱ ምስተፈራረደትን በሊሕ ኮነ ጎዲም ካራ ክሓልፎ እንከሎ ናይ ዓቕሊ ጽበትን ፈነወን ግዕራን ስሕጋንን እንከርኢ ገመል ግን ድሮ ስለዝተምበርከኸ ብዘይ ዒሕታ ዝውስኸሉ ነገር የለን ። እንደገና ንብዙሕ ሰብ ዝዓጅብ ኣተሓራርዳ ናይቲ ኩሉ ክስከም ዝተዓደለ እንስሳ ከምካልኦት ብጎረርኡ ኣይኮነን ። ብድሕሪ ት ናይ ወተጉ ጅማውቲ ምስተኸርተፋ ኣኸለ ሽዑ። ፍጻመ ህይወት ድማ ይኸውን። ምስቲ ታሪኽ ወለዶታት ዘመሓላልፍ ዘሎ ተጋዳላይ ስዩም ወልደማርያም /ግሪቢ/ እንተ ከምሓድሽ ተሰላፊ፡ እንተ ከም ኣባል መሰነይታ ብርግጽ ግን ነብሰይ ምስኡን ከምኡን ስለዝወዓለት፡ ክልቲአን ኣዒንተይ ኣካል ናይተን ናይታ መዓልቲ እቲኣ ሸሞንተ ምኢቲ ኣዒንቲ ስለ ዝነበራ ኢየ ስለገመል ዘውጋዓኩም ዘለኹ።ንዕዑ ድማ ኣውራ ነቲ ካልእ ታሪኽ ከዘንቱ ዕድመን ጥዕናን ይፍጠረሉ! ንግሪቢ።

ወይ ግዜ!! ግዜ ፍጻመታት ተሰኪሙ ዝበርርን ዘይድገምን ረቂቕ ነገር ኢዩ። ግና ድማ ክነውሕን ክሓጽርን ጉድኢዩ። ኣብ ከም’ቶም ንፓይሎት ኣብኡ ዝጸንሕዎን ኣብኡ ከኣ ገዲፍዎም ዝወጸን ሰብ ኣጫሕም እሱራት ኮንካ እንክርአ ኣዝዩ ነዊሕ ኢዩ። ኣብ ዓራተ-መንበራት ሃጸያት ኮንካ እንክርአ ግና ክሓጽር ጉድ! ፓይሎት ከኣ ጸበባኡ ዘዘንተወሉ በ ዓል ግዜ ኮይኑ። ኣብኣ ተሪፉ እንተዝነብር መን ምዘከሮ? ከምኡ ከኣ ንሱ ካብ ሃገር እንተዘይበርር፡ ወይ’ው ን በሪሩ እንከሎ ንርእሱ ክሕሾ ሓሊኑ ከምቲ ካልእ ዘስቀጠ እንተዘስቕጥ እንታይ ምተመሃርና? ዋላ! ዝኾነ ኮይኑ ከምቲ ዝበ ሎ እንዃዕ ኣብ ማእሰርቲ ኣይሓለፈ እምበር ከምገለ ዝዝክሮ እንተዝርከብከ “ተሰዊኡ“ ዶምተባህለ ይመስለኩም? ኣይፋል። ኣብ ሓለዋ ሰውራ ምእታውን ኣብኡ ምዕራፍን ምስ ምዉት ኢዩ ዘቑጽረካ ዝነበረ።

ድሕሪ ናጻነት እቶም ንሱ ኣብኡ ዝገደፎምን ዘይወጹን ጨሓማት ተጋደልቲ “ስዉኣትዶ ንበሎም እንድዕሎም“ ዝዓይነቱ ዘይደረቐ ክርክር ተቐላቒሉ ነይሩ። ሽዑ ሚኒስተር ሃይለ ጥራይ በጨቕ ኢልዎ ከምዝነበረ ይዝከረኒ።“ ኦይ፡ ዝሓሰበሉ’ካ ኣለዎ ኢዩ“ እናበልናዮ ከኣ ተርታኡ በጺሓ ንዓዓቶም ኣርኪብዎም። እዞም ዘለና ድማ ከምፓይሎት ንሎሚ ኣርኪብና። ጽባሕ ግን እንድዒ። ከመይሲ እንሆ’ዃ እቲ ነቶም ጨሓማት የሚነ-መንካዕ ዘጠመቐ ተጋዳላይ ናይዝጊ ኣርኪብዎም። ዳሕራዩ’ዃ ድኣ ገዲዱ ናቱ’ሞ ። ኣብ ሳንዱቕ ኣትዩ’ውን ዓዱ ምእታው ተሳኢንዎ ጉድ ኮይኑ! ዝኾነ ኮይኑ ንሱን እቶም ጨሓማትን ናይ ሓባር ግዳያት ከምዝኾኑ መጠን፡ ብሓባር ከኣ ስዉኣት ኣይኮኑን። ብቛን ቛ ክቡር ፕረሲደንት ሃገረ-ኤርትራ ማለተይ ኢየ። መቓብር ድማ ፖለቲካውን ህግደፋውን መወከሲ ኣብዝኾነሉ ግዜ በጺሕና፡ ወይ ግዜ!……..

ተንብበኒ፡ ትስዕበኒዶ ኣለኻ መንእሰይ? ህግደፍ ንብሕታዊ ስልጣኑ ክብል ኤርትራውነት ኣብዝዳዕመኾሉ ግዜ ምእንቲ ድሕነት ተተካእቲ ህግደፋውያን ክበሃል ድማ ብዘየወላውል ንኡስ ወለዶ ሙሉእ ይበርስ ኣሎ። ፍትሒ ዘጥፍአ ምሕደራ ምልኪ ኣዊጁ ማለት ስለዝኾነ፡ ክቡር ፕረሲደንት ብቀንዱ ካብ ቅድሚ ፍርቂ ክሳብ ሓደ ዘመን ዓመታት ዝጠመተ ዘርኢ ናይ ምጽናት ሓላፍነት ስለዝተሰከመ፡ እሞ ብዘለዎ ናይ መፈጠር ጸላዕላዕታ ንሰበስልጣናቱ ኣላጊብሎም ኮይኑስ ንክበልዑ ወይ ከኣ ግዜ ተረኺቡ ናይ ኣቦሓጎታቶም ቂምታ ከውጽኡ ክሳብ ንገዛእ ወለዶም ከይተረፈ ዝኸድዑን ህዝቢ እናሓፈሱን ብሓደራ እናተባህለ ኣብ ማእሰርቲ ዝሰፈረ ዜጋ ማእለያ የብሉን። እሞ ዋላ’ዃ መላስ ወረ ኣይሃሉ፡ቤት-ማእሰርትታት ሰብና ይበልዓዖ ከምዘለዋ ግን ጭብጥ ኢዩ። ህግደፍ እማበኣር ብኩሉ ቁማርተኛ ጭካነኡ ላህመትና ምስ ኣልመጸ፡ ቆርበትና ቀሊጡ፡ ስጋና መጅሪጡ፡ ኣዕጽምትና ቀጥቂጡ ደመ-መረቕና እናጨለጠ ብጽጋብ ኣብዝተሰርነቐሉ ግዜ ኢዩ ሕዛእቲ እናዳማቱ ዘቛመተ። ወዲ ኤርትራ ከኣ ኩሉ እናፈለጠ ከምቲ ምስ ኩሉ ተኽእሎታቱ ግን ኩሉ ክስከም ዝተዓደለ ገመል እናመተ ስለዘየድሃየን፡ ያኢ ኒሕ ሒዝዎ ስለዝተጸመመን ጭራስ ተ ናዕቐ። እሞ ኣካላትና ክዝልዘል፡ ክቑነጥ“ዃ እንተዘይተኻእለ፡ ህግደፍ ድማ ብዝጥዕም መገዲ ክጥቀመሉ ተበላሒቱ ንኣካላት ኤርትራዊ። ከምታ በብርንዶ እትመርጽ ወኪር /ወኻርያ/ ንሱ እውን ኣገዳሲ ኣካላት እናመዝሓቀ ናብናይ ወጻኢ ሸርፊ ምቕያሩ ኣዝዩ ከምዘርብሕ ስለዝበጽሖ ከምኡ ገይሩ።

ትማል ንህዝቡ ካብዝን ከምኡን ከድሕን ኢሉ ሃገሩ ዝተመለሰ ዳዊት ኢስሃቕ ምስቶም ጨሓማት ካብዝጽንበር ድሮ ዓሰርተታት ዓመታት ኮይኑ እንሆ።ዝስዕብ ዕጫኡ ሕጂ’ውን ከይደቀስኩም ሕለምዎ። ብኣንጻሩ ተወሳኺ ክርዳድ ክ ዘርእን ትማሊ ንዝዘርኦ ክሳብ ሸሞንተ ምኢቲ ዝበጽሕ ተኽሊ ክበጽሕን ክኹስኩስን ካብ ሃገርና ስዊድን ኣትዩ ዝቐ ነየ የማነ ህበይ ከኣ ስርሑ ኣጠናቒቑ ብሰላም ንሃገሩ ከምተመለሰ ሰሚዕና። እሞ ድማ ኣብ ስዊድን ዝኣክልስ ብምስ ጢር! ዝኾነ ምስኮነ ከኣ “ገልጠምጠማት ነይሩ“ ይብለና ኤርትራዊ-ስዊደናዊ መስርዕ ስመር። ብተወሳኺ ስዊድን ክ ትሕተትዶ ካልእ ከኣ ነይርዎ። ድሓን፡ ክግበር ዝነበሮ እንተነይሩስ ከምበዓል ጉዳይ ቀዳማይ ተሓታቲ መስርዕ ስ መር ኢዩ። ኩሉ ከኣ ምስተመኩሮ ኢዩ ዝመጽእ። የማነ ድማ ትማልን ሎምን በጺሑ ተመሊሱ ኣሎ። ጽባሕን ድሕ ሪኡን ግን ሓንሳብ ምስወጸ እንተ ብጠለቡ እንተ ብሰበቡ ዳግማይ ኣይክምለስን ኢዩ። ንኩሉ ግዜ ኢየ ዝብለኩም ብዝወጾ ክሃጥም ኢዩ።

ክሕደት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ዜጋታታ ከኣ ብኸምታ ዝብላዕ ብምስኣና ንድሕነት ነብሳን ደቃን ክትብል ገለ ካብ ውላዳ በሊዓ ትሰጋገር ድሙ’ውን ኣይኮነን፡፡ንሱስ ኣብ ግዜ ዕጨ እምኒ ሓሊፉ ኢዩ። እሞ ከምታ በኣምዑት ደቃ ተጻዊታ ከይኣክል ፋሕቲራ ፋሕቲራ ድማ መሕረዲኣ ካራ ዘውጽአት ደርሆ፡ ብገዛእ ካራኣን ገዛእ ህዝባን ክትሕረድ ኢያ ህግደፍ። እምበርከ ብደቃ ዝተጻወተት ዘላገጸት ሰልፊ ህይወት ኣጽኒታ ህይወት ክትልቅብ ከመይ ሓሊማቶ ክንድዚ ከተጋይጽ ወለዶ ከተብርስ ዝተመነየት? እቲ በዓል ግዜ መንእሰይከ ኣበይ ምስኣበለ ኢዩ? ስለንሱን ከምኡን ኢዩ ከኣ’ቲ ኣድላይነት ቃልሲ።

ኣይትሓዙልና ሓያለይ ዓጂውና። ዝኾነ ኾይኑ ፖለቲካ ልሳን ቁጠባ ብምዃኑ እምበር ንሕጅስ ኣውራ ኣተኩሮና ኣብ ቁጠባዊ ሕሰማትና ዝዓለመ ክኸውን ኢና ሓሲብናዮ ዝነበርና። ከምሓቂ ብዘይካ’ታ ዘይትመዉት መልሓስ፡ ትሕዝቶና’ሞ ግዳም ተጋሊጹ ኢዩ። ሓቂ ካብ ሓቁ ስለዘይተርፍ ድማ ብውሽጢ ምሒር ዝዓረቐን ዝኸርፈሐን ዝባንና ወዲ ጓና ከይርእዩ ዝደረብናዮ ጸዓዱ ኣጫርቕ ክሽፍነና ብዘይምኽኣሉ፡ ጥልፊ ተኸዲንካ፡ ብካራባታ ማዕሪግካ ፍቀዶ ጐገናታት ምልማን ኮይኑ ዕድልና። እሞ እዝስ ካብ መንታይ ኢዩ? እዚ ኩሉ ዝጥቀስ ክሳብ ረዲአት ዝጓኒ ምዕባለን ልምዓትንሲ ንወዮ ድሩት ጠለባትናን ቁንጣሮ ዝህዝብናን ዘየዕግብ ዓቕምታትና እንታይ ድዩ ጸገማቱ እስከ ንወከስ፡ መታን ምንጽጻሩ ክጥዕመና ምስ መድረኽ ኣርባዓታት ብምግንዛብ ህሉዊ ቁጠባዊ ንጥፈታትና እንታይ ይመስል ኣ ሎ? ከምቲ ዝበሃል ማለተይ ኢየ፡-

1-   ኩዕታ ወርቂ ብቐዳምነት ዝተዘመረሉ ኩሙር ሃብትና ኢዩ። ኣፍ ኩሉ ግሩህ ጎምዝዩ ጉድ ርኢና!

2-  መጐዓዝያ ኣብ ልምዓት ሉዑል ተራ ስለዘለዎ ብዙሕ ጽርግያታት ተሰሪሑ መኪና ዘይትኣትዎ’ውን የለን።

3-   ሃብቲ ማይ ዋሕስነት ህላወ ስለዝኾነ ትነጥብ ማይ ክትዕቆር ሓጽብታት ተገዲቡ።

4-   ሕርሻዊ ንጥፈታትና ብሰፊሑ ተዘርጊሑ። ክሳብ ናይ ወጻኢ ወፍሪ ንግሕጥ ከምዘለና።

5-   ነዚ ኩሉ ዝውዕል ሃይሊ ሰብ ብስም ሃገራዊ ሃገልግሎት ዘይክፈሎ ጉልበት ተቐሪቡ።……………

 

ኩሉ’ዚ ተዘርዚሩ ዘሎ ህያብ ነጻነትና ኣብ ግዜ መግዛእቲ ጥልያንከ ከመይ ነበረ?

1-     መግዝእቲ ጥልያን ብዘካየዶ ማዕድናዊ ኩዕታታ፡ ካልእ ገዲፍና ኮናትል ወርቂ ከምዝሓፈሰ፡-

2-   ግደፍ ኣብ ውሽጢ ሃገርሲ ክሳብ ኢትዮጲያ ድርብራብ ጽርግአታት ከምዝሃነጸ፡ እቲ ካብ ክፍለ-ዓለምና ብቀዳምነቱን ስሉጥነቱን ዘመስከረ መጐዓዝያ ስልኪ ኣስመራ-ባጽዕ /ተለፈሪካ/ ከምዝነበረ። ከምኡ ድማ ስሉጥ ኣገልግሎት ባቡሪ ምድርን ባሕርንን፡ ምዕቡል ዝመሳለጥያኡ ወደባትን ከምዝነበረ።

3-   ንጀራዲንን ዘርኢ ሽኮርን ከገልግል ተሓሲቡ ዝተሰርሐ ዘመናዊ ሓጽብታት ከምዝተሰርሐ፡-

4-   ከምበዓል ወዲለገስ ዝኣመሰሉ ብእኒ ደናዳይን ባራቶሎን ዝስመዩ ሃብታማት፡ ዒላበርዕድ፡ ዓሊግድርን ካልእ ናይ ሕርሻ ቦታታትን ኣልሚዖም ፍርያቱ ንጥልያንን ሃገራት ዓረብን ይልእኩ ከምዝነበሩ፡-

5-   ሕሱር ጉልበት ሰብ ከምዝተቖጽረ፡-………..

6-   ምፍጣር ሃገረ-ኤርትራን ሃገራዊ ፖለቲካን፡ ከምኡ ድማ በተን ንወተሃደራዊ መዓላ ዓሊመን ዝተመስረታ ሓያለይ ፋብሪካታት ዝተወልዱ ደርቢ ሸቃሎን፡ ወዘተ…

ካልእ ጽላታት ከምምህርቲ ዓሳ፡ ብመጠኑ’ውን ኣገልግሎት መራኸብታትን ጥዕናን ወዘተን ከምዝነበረን፡ ተራኡ ኣብ ናይ ውሽጢ ሃገር ጠለባትን፡ ምሕያል ናይ ስነ-ሓሳብ ደርቢ ሸቃሎን ክጥቀስ ይከኣል። ክልቲኡ ብምግንዛብ ብልጫ እንተኣልይና ኣበይ፡ ድኻማትና እንተፈሊጥና ድማ ስለምንታይ? ክንብል ዝሕግዝ ስእሊ ይመስለኒ። ተበዲለ ዝበለ መሽም ኩሉሳዕ ሓድሽ እንክርኢ ከምቲ ንጉስ ዝረኣየ ጥራዕ ጥራዕ ዝመጾ ኮይኑ እምበር፡ብተግባራት ጥልያንዝነደርና ኤርትራውያን ሎሚ እንታይ ለውጢ ስለዝረኣና ኢና “ሃገር ለሚዓ ደሚቓ“ እናተባህለ ክንድዚ ፈንጠዝያ? እንታይ ስለዝገበሩ ኢዮም ንገዛእቲ ደቂሃገር እሞ ድማ ነቶም መማህራን ጸረ-መግዛእቲ ዝነበሩ ሓደስቲ ጨኮንቲ ክንሞጓጉ ሶም ዝድለ ዘሎ? ኣብዚ ዝተመርኮሰ ሕቶታት ዝምልስን ንፍትሓዊ ቃልሲ ዘዐውተናን መንእሰይ ትደሊ ኣላ ሃገርና’ ሞ እስከ ብጭቡጥ ንዛረብ። ህግደፍ ኣየናይ ናይቲ መሰረተ-ፍልስፍናኡ ደርቢ ሸቃሎ ኣማዕቢሉ? እቲ መጺኡ ዝበሃ ል ምሕደራ ኮነ ቁጠባኸ እንታይ ፈቲሑ? ንዝብሉ ሕቶታት መልሲ ተሳኢኑ ተወሪጥካ ጠጠው ኢዩ።

ሓያለይ ደናቑር ተሓለቕቲ ህግደፍ ናጻነት ኣምጺኡ ኢሎም ስለዝኣምኑ ምስ መግዛእቲ ጣልያን ምዝማድና ክኹንኑና ኢዮም። እንተኾነ እቲ ግዜ ባዕሉ እናተዛረበ ንዘይሰምዑ ንዝጸመሙ ሓድሽ ዓምዲ ሰሪሕናሎም ኣለና’ሞ ግዚኡ ም ስኣኸለ ክንዛረበሉ ኢና።ሓደ ጸገም ከኣ ኣሎና። ወይ ሰሪ ተመኩሮ ኣብ ክቱር ስግኣትን ራዕድን ተደርጊምና ብግጉይ ኣተረጓጉማ ናይቲ ከም “ክፉ እካ ኣይትጽላእ ዝኸፍአ ከይመጸካ“ ዝብል ምስላና ብዘይተዛማድነት ተገዚእናሉ፡ ወይ ከኣ ድሕሪ’ዚ መራሕ መንግ ስቲ’ዚኸ መን ክገዝኣና፡ ካብ እዚኦም ዝገዝኡናስ ንሱ ይግዛእ ባቃ! ዝብል ናይ ዓንቂ ሕ ልና ጎቢእና እንክንርአ ብጣዕሚ ነሕዝን። ዓለም ከኣ ካባና ፍጹም ከምኡ ኣይተጸበየትን።

ንምዃኑ ስለምንታይ ኢና ገዛኢ ክንመርጽ ኣብሂግና? ስለምንታይከ ሓርነት ዘይበሃግና? “ኣብ ኲናት ዘይወዓለ በሊ ሕ“ ዝብል መመሳመሲ’ኮ የለን ኣብ ሃገርና። ከም’ቲ ገዲም ኣባል ተሓኤ ዝነበረ ተጋዳላይ ኪዳነ ሓጎስ ዝበሎ፡ እታ ሃገር ብነብሳ ንዘመናዊ ሃገርነት ዝተቀረበት ክንሳ መራሕትና ክስዕቡዋ ኣይከኣሉን። ብዛዕባ ናይቲ ተመስሪቱ፡ተነዲ ቑ፡ ዝበሃል እምበር፡ ባዛዕባ ዘዕነናዮ ክዝረብ ወይ ኣይንኣምኖን ወይ ኣይንምክቶን። ንኣብነት ቲቪ ፎርቶ፡ ብዛዕባ ምግራብ ዓመታዊ ዝትከሉ ፈልስታት እምበር፡ እቲ ሚ/ሪ ሕርሻ ኣፉ ደም ክሳብ ዝወጽእን ክሳብ ድማ ምፍርራህ ዝ በጽሖን ናይቲ መራሕቲ ሰራዊት ብዘተኣታተውወን ቆረጽቲ ማሽናት ዓንዩ ዝፈሓመ ኣግራብ ኣይትዛረበሉን ኢያ። ብዛዕባ ምብዳም ኣግራብ እምበር፡ ብዛዕባ ስለምንታይነት ናይቲ ኣግራብ ንከይባድም ክቕረብ ዝነበሮ ከም ላምባን ጋዝን ዝኣመሰለ ተተካኢ ጸዓት ከምዘይተቐረበን፡ ብዛዕባ ዝተሃንጸ ዲጋታት እምበር እቲ ሰሪ ትሕድስቲ ዓመት መጸ ዝድፈን ዲጋታት ኣይትዛረብን። ብዛዕባ ዝተጀመረ ዝተሰርሐ ጽርግያታትን እንተዘይኮይኑ፡ እቲ ተጀሚሩ ዘቛርጽ ቢንቶታትን፡ “ንቁጠባ፡ ድሓር ድማ ርእስና ክንክእል’ ብዝብል ጉርሒ ክሳብ ለገስቲ ሃገራት ዝሸፈንኦ ናይ ልምዓት ፕሮጀክትታት ባጀቱ ተሰሪቑ ክቆናፈዝ ጸኒሑ ዝርሳዕ ኣይትዛረብን ኢያ ፈርቶ። ፋብሪካ መመንጨዊ ኤለክትሪክ ሕርጊጎ፡ መገዲ ባቡር ምድሪ ብኸምኡ ከምዘቛረጸ ይዝንቶ ኢዩ። ከምኡ ከኣ ብዛዕባ ገዛእቲ ዝደልይዎ እንተዘይኮ ይኑ፡ ብዛዕባ’ቲ ህዝቢ ዝደልዮ ዓይነት ምዕቡል ዲሞክራሲያዊ ባይቶኣዊ ምሕደራና ዘረባ የለን። ኣጠቓሊልና እንክ ንሪኦ እቲ ባዕሉ ሸቃጣይ፡ ባዕሉ ሓረስታይ…….ህግደፍ ፈሺሉ ኢዩ። ንርእሱ ሰሪቑ ዝብቆጽ እምበር ነባሪ ብዘይም ዃኑ፡ ኣብ ሃገርና ነባሪ ዝኾነ ህንጸት ቁጠባን ፖለቲካን ኣይዕላማኡን ኢዩ። ዝያዳ’ዃ ድኣ ብዘይብኡን ብድሕሪኡን ዝቕጽል ታሪኽ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ኣይምንዮቱን ኢዩ። ንኣብነት ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ ዓመታት ዕድመ ናጽነት፡ ናፍቐትሓርነት ዝመሰረቱ ልማዓታዊ ንጥፈታት፡ ክፈጥሮ ዝኸኣለ ቁጠባውን ፖለቲካውን ምዕባለ ኣስጊእዎስ፡ እቲ ብስም ደርባዊ ቃልሲ ኣብ ዜጋታት ከእትዎ ዝነበሮ ቅርሕንቲ ከምዘይሰልጦ ተረዲኡ ክራር መንቀኝነቱ ብምቕናይ፡ ብኣካይዳ ጎብየ ዝምርሽ ልማዓትን ኹናትን ዘየመ። እቲ ገመል/ህዝቢ ኤርትራ/ ከኣ እንተኣ ምጺኡ ሓያል ስለዞኾነ ሕሻሉ ክትፍታሕ ኣይነበራን። ኣብ ኣፉ ሕሻል፡ እግሩ’ውን ብገመድ ክቕፈድ ነይርዎ። ገመል ኩሉ ነገሩ ኢዩ ዝገር ም። ሕሻሉ እንተዘይተኣልያ ዋላ ክበልዕ ኣይትጸግሞ ነብሱ ንስራሕ ከምተዳለወት ቖጺሩ ክሳብ ሓዲኡ ውሳነ ዝመጾ ብጠጠዉ ንድሕሪት እናሸነ ብትጽቢት ይዕነድ። ገመል እቲ ሓያልን ሓላልን!! ከምኡ ከኣ ኤርትራዊ! ስለዚ ሸውኣተ ዓመታት ዝደሃረ ኒሕን ወደባትን፡ ዓሰርተው-ኣርባዕተ ዓመታት ብምድስካሉ ፈዚዙ ደንዚዙ ዓንዲፉ ኣሎ። ስለዚ እምበኣር ኣብ ሃገርና ባዕሉ መንግስቲ ብዝፈጠሮ ናይ ምሕደራ ብኽነት፡ ሃገርና ኣብ ዲቕ ዝበለ ናይ ወዲሃገር ምልካዊ ኣገዛዝኣ ስለዝተሸኽለት ካብዚ ኩሉ መዳያዊ ጸበባን ዕንወትን ክንናገፍ ግድን ቃልሲ ኣድልዩ ኣሎ። እዚ ምስዘይንገብር ግን ንሓዋሩ’ውን ሃገር ከምዘይትህልወና፡ እቲ መስዋእቲ ልዕሊ ምኢቲ ሽሕ ጥራ ይ ዘይኮነ ዝቕጽል ዘሎ መስዋእቲ ኣማኢት ኣሸሓት፡ ብዘይ ዓስቢ ማይ ሓቝኑ ክተርፍ ስለዝኾነ ምቅላስ ባህጊ ወይ ፋሽን ዘይኮነ ግድነት ምዃኑ ኩሉ ተሓታቲ ከስተውዕለሉ ኣለዎ።

ክሳብ ራብዓይ ክፋል ሰናይ ቅነ።

ጎደፋ።

19-04-12

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
10 COMMENTS
  • FACT-is-FACT April 20, 2012

    such a profound ትግርኛ be it in its forms or contents , Godefa.
    There are 3 people that beautifully write tigrigna on Assena.com: Amanuel Iyassu, Godefa and aranchi.

    I hope one day in the peaceful Eritrea while those who are tirelessly tiring themselves in duplicating, replicating others’ languages due to that sense of being “modern, advanced” in attempting to separate ’em from the mass, you, on the other hand, ought to be writing in ትግርኛ which will be the one that will set the bar high for those who dearly love & respect their own and follow suit… አሰር ሰዐብቲ of you those who write & proudly write in your own languge, so beautifully and artistically. may you frugally be blessed with more of beautiful ትግርኛ words !

    way to go ትግርኛ ጸሐፍቲ !!!

  • hiji48@ymail.com April 20, 2012

    It makes me think again about my beloved country. I was one of the Asmara university who punished at WIA by the regime in Asmara. From that moment i decided to fight for my right outside my country. Once i was out side Eritrea all my intentions went to Survive which was not my aim. As i am young (but not politician) i have to contribute to my beloved nation right now. Please comment or email me how i can contribute on the ongoing fight to our right against the regime in Asmara.

    • shetet aynibel April 20, 2012

      I will try to give you a piece of my advice, as a friend. It is good that you mentioned you want to contribute. Indeed, that is one of the best contribution, by it self. It shows me your commitment, but shows me too, that there are many Eritreans who are really committed to help, but know nothing where and how to help. You said it right, help me where to go to put my share.
      However, this doesn’t need individual’s help to tell you where to go, but, I hope it is reminding to the politicians, they better fight to mobilize the people along side, doing their political job. I believe it is politics by itself, to mobilize people, and organize them how to act.
      But, anyways, dont repeat PFDJ supporters mistake, always ask where your contribution is going to.

  • SINGAPO - ERITREAN April 20, 2012

    ” USA GOVT. STOP EXAGGERATING ABOUT ERITREAN SAFETY , IT WILL NE SAFE FOREVER” !!!

    እዚኣ እያ ደስ ዘይትብለኒ ናይ ኣሜሪካውያን ፣ ንኣብነት ናይ ኤርትራስ፣ ዘፍርህ ነገር የለን ። እወ መንግስቲ ኤርትራ ንብዙሕ ህዝቢ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንዳ ዳጎነ…ንሓደ ክልተ ቀቢላታት ,ሃይማኖታትን , ኣውራጃታትን….ብፍሉይ መገዲ እናቐተለ..ካብ ኣውራጅኦም እናውጽኤ ናብ ጸምጸም በረኻ ሰብ ዘይራኸበሉ remote area,እናስፈረ , ነቲ ማእከል, ብሕልፍኢ እኳ ነቲ ብ12 ኪሎ ሜተር ከባቢ/radius ዝነብር ህዝቢ ድማ ,እዛ መንግስቲ ናቶም ስለ ዝኾነት ,.ካብ ደቀያይን/ኣከለጉዛይን ,ሓምሻይ መስርዕን “ንኸድሕንዋን ክሕልዉዋን” ብስሩዓቱ ጌሩ ብታሕቲ ታሕቲ ,ብጣዕሚ ሓደገኛ…ዝኾነ መልእኽትታት እንተ ኣተሓላለፈ,…..ነቶም ሱዳን ዝተሰደዱ ብሕልፊ ኣስላም ድማ ,ካብ ሱዳን ,ብሜላ ,ዓዶም ኣትዮም መሬቶም ከይሓቱ…ምእታው ዝኸልኦም…ኣብ ርእሲ እታ ቁስሊ ድማ,ብዕንጨይቲ ዝጎዳድኣ …ነቲ ብግዜ ጃንሆይን ደርግን ,ሓዲጎሞ ዝሃደሙ ,ገዛውትን መሬትን “ንእሙናት ከበሳውያን”..ብምዕዳል…”የልምዖ” ስለ ዘሎ ,ተሪር ተቓውሞ ዘይብሉ ዓዲ ,..መንግስቲ ብሃንደበት እንተትዓልወ እቶም መሬቶም ዝተወስዶም….ኣብ ጎኒ ኮይኖም …ዒድ ኣልፈጥር ወይ ፋስጋ ክሳዕ ዝመጹ ኣይክጽበዩን እዮም .!!!!!!!!ንብረቶምን መሬቶምን ስለ ዝኾነ!!!…እዚ ኩሉ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽክዎ…”ናይ ዘይትኣደነ ውግእ ሓድሕድ”A RECIPE FOR TOTAL CIVIL WAR, ኮይኑ ንነዊሕ ዓመታት ብዙሕ ደም ከፍስስ ይኽእል እምበር ….ካልእ ዝገብሮ ነገር የልቦን ,ካልእ ´ውን እቶም ሰብ ብረት ,ተደፊኦም, ሰባት ካብ ወጻኢ መጺኦም ክዋራዘዩን,ክፍስሑን … ካልኦት ሃብታማት “ጥብሲን ጥረን ምስ ብላክ ሌበል” ,ከቋስዩ ከለዉ, እዞም ኣብ ማሕበር ሸፋቱ/ሙዳዳ ዝነበሩ ይኹኑ ኣብ ድፋዕ ዝኣርጉ ዘለዉ….ሕርቕርቖት ኣብቲ ብቅሳነት ዝነበረ ህዝብን ,ብገንዘብ ደቁ ዘውጽኤ ብዓል ገንዘብን ሕርቃኖም ከውጽኡ ይኽእሉ..ምዝራፍ ምቕታል…ኣብ ቅድሚኦም ዝጸንሕዎም ወጻእተኛታት ድማ ….ገንዘቦም ንምዝራፍን ኣንስቶም ንምዕማጽን, ንድሕሪት ኣይክብሉን እዮም…ማለት እምበር, ካልእ ዝገብርዎ ነገር ኣይህሉን ,ይብል ኣነ!!! .ዝሓረቑ ቀቢላታትን እቲ ኣብዝሓ /majority ቀቢላ ስቕ ኢሉ ስለ ዝርኣየ ነዚ ዕግርግር ተጠቒሞም……ነቲ ህውከት ዘዋዓውዕዎ “ኣኽረርቲ”ውልቀ ሰባት ሰባት ስለ ዝህልዉ ,ኣብ ኤርትራ irreversable total chaos…..ክህሉ ብዙሕ ዘየጠራጥር ክኸውን እኳ እንተኽ ኣለ…

  • Semhar April 20, 2012

    ISAYAS is #1 enemy of ERITREA.

    Isayas is Ethiopian mercenaries who was sent by his uncle Degezmach Solomn Abraham (former governor of Wollo, Ethiopian province) and Asratekassa (former governor of Eritrea) to dissolve Eritrean Liberation Front (ELF).

    * Isayas successfully dissolved ELF in 1981.

    * He dissolved the EPLF in 1993.

     He created his own organization HIGDEF in 1993.

    * He changed our national flag, the flag of our martyrs and replaced it by his own HGDEF flag in 1993.

    * He changed our PROVINCES and replaced them by his own ZOBAS.

    ISAYAS is #1 enemy of ERITREA.

    • He is selling the land of the native Eritreans to his followers immigrants.
    • (He sold most of meret dekebat Barka to hi korakuru, his followers.)

    ISAYAS is #1 enemy of ERITREA.

    • He went to war AGAINT ETHIOPIA 1998 -2000’
    • He went to war against YEMEN lost our Islands.
    • He went to war against DJEBOUTI.
    • He went to war against SUDAN.
    • He is arming ALSHEBAB a terrorist organization in SOMALIA.

    He is charging $3000 per person to smuggle them to neighboring country Sudan.
    He then turn around and jail their parents and charge them $50,000 Nakfa per person.
    He get hard currency from the s bedowin by selling organs of the native Eritreans
    He charges all ERITREANS abroad 2% of their 20 years income!

    • SINGAPO - ERITREAN April 21, 2012

      Semhar ,
      I could not agree more .It is the most possible scenario. But, it tells more about us ,what kind of people we are,…than it does about the President for life, ISAIAS .
      We beat the drums of war ,believing his lies of a woyane invation ,after he massacred honourable veterans .Yet only 150 – 300 people show up ,to oppose the” PFDJ´s Prostituting & organ harvesting” of our people. We are filled with hatred of what we think is enemy ,our love for human beings seem to be minimal .

  • Salih April 20, 2012

    President Isaias Afrewerki proud leader to His Nation Eritrea. Every Citizen respect him he respect us. WE ARE HIM HE IS US!!!
    AWET N’HAFASH.

  • Salih April 20, 2012

    Semhar I thing you do not know who Isaias is. for an idea He(Isaias) is the best leader, uncorrupted, unselfish, honest and pride the people of Eritrea. He trust his people all the time, he work to his people all his life, well know about safe Eritrea for the coming generation and develop an idea a self reliance with out depending on Wests. Isaias is unlike other African leaders very corrupted. WE PROUD OF HIM YOU DO NOT TELL ABOUT OUR LEADER TO ERITREAN. If you consider your self as a KEDAEII no one give you a focus on your writing.
    great thanks.

    • idris April 20, 2012

      You can kneel down on his foot, but do not flatter by the name ‘Salih’

  • mikael tekle April 20, 2012

    NO one is going to read this. I appreciate your work but you dont read the mentality of readers.