Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣደይ ኣደ ቁንጺ፡

ኣደይ ኣደ ቁንጺ፡ . . . . .!  29.06.16፡ በዚ ናይ ጀነቫ ናዕቢ ዝፈጠሮ ኢዩ፡ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ካብዛ ዕድመኡ ሙሉእ ዝበለየላ ሃገር ዘውጽኦ ድርኺት ትእዛ ዝ ሕ/ሃገራት እንተመጺእዎ ብሂወቱ ክሓልፈላ’ምበር ከዲዕዋ ክኸይድ ወይ ካብኣ ትሓይሽ በዓቲ

ኣደይ ኣደ ቁንጺ፡ . . . . .!  29.06.16፡

በዚ ናይ ጀነቫ ናዕቢ ዝፈጠሮ ኢዩ፡ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ካብዛ ዕድመኡ ሙሉእ ዝበለየላ ሃገር ዘውጽኦ ድርኺት ትእዛ ዝ ሕ/ሃገራት እንተመጺእዎ ብሂወቱ ክሓልፈላ’ምበር ከዲዕዋ ክኸይድ ወይ ካብኣ ትሓይሽ በዓቲ ስለዘይረክብ ክብዕዳ ስ ለዘይደሊ፡ ንሕልፈቱ ተዳልዩላ ከምዘ ሎ እሙናት ዜናታት 03 ኣረጋጊጾም።

ወየን መትከላውያን ብወርቂ ዘግይጻ ሰብ ወርቂ ማህጸን ሃማደኤታት ድማ ነዚ ስታኹ ዕላል ሰሚዐንን ንጀግንነቱ ካብሕጁ ተገቲረን ይምካሓሉ ከምዘለ ዋ ሰሚዕና። ምናልባሽ’ውን ድሕሪ ስ ንብታ ኣብ መቓብሩ ንዝገብርኦ ናይ ኣኽብሮተን መግለጺ ተሰሪዐን ከልቅ ሳን ክቑዝማን ብመገዲ ማሕበረን ወ ይ ውዳበአን ይለማመዳኦ ይህልዋ።

ከም ዝፍለጥ ኣብ እዋን ቅትለተ-ነብ ሲ ምንም ዘይተሰቆሮ ውልቀ-መላኺ ፡ ኣብ እዋን ስዕረቱ ካብቲ ዝስዕብ ፈ ተና ክሃድም ዝበለጸት ፍታሕ ነብሰ-ቅትለት ምዃና ዘዝመረጻ ዘበለ፡ እን ተ በታ ንጸላእቱ ክምንጥለላ ዝዓጠቓ ገዛእ ሽጉጡ፡ እንተስ ብገመድ ወይው ን ብካልእ ጥበብ ሂወቱ ዘሕልፍ ተራ እዩ’ዩ። ከም ንማሕረዲ ዝተቐረበ እን ስሳ ተኣሲሩ ክንሱ ኣብ ሽዑ ተበጺሑ ብሕጋውነቱ ዝማጎት ‘ውርጹጽ’ ድማ ኣሎ።

ናብ ኢሳይያስና ክንምለስ። ከምቲ ዝ ብልኦ ዘለዋ፡ ወዮ ጀግናን ወዲ ጀጋኑ ን ከይተማረኸ ክስዋእ ምእንቲ ኣብዛ ኳሌታኡ መድሃኒት ሰኲዑ ይዛወር ከምዘሎ ኢዩ’ቲ ዜና። ሂወት ትሰርዕ ዘይኮነትሲ ሂወት ትምንጥል መድሃኒት!

ንሱ ወጢንዎ ከምዝባሃል፡ እንተድኣ ፈታኒት ሰዐት ተቐልቂላቶ ከኒና ቁሒሙ ኣብ ማይ ባድ (ቀይሕ ባሕሪ) ቁልቁል ኣ ፉ ከምዝሽረብ ካብ እሙናት ዜና ‘ንሕና ንሱ’ ዝለሓዄ ውዱእ መጽናዕቱ ሰሚዐን ድማ ወየን ዘንቀዳ ኣካል ፍርቂ ህዝብ ና ብድሕሪኡ ምትራፍ ሞት ኮይኑ ተሰሚዕወን ምስቶም ከምቲ ከምአን ሓቢረን ብክቱር ጓሂ ምስ ፈጣሪ ከይተረፈ እናተ ናጐዳ ደም ይነብዓ ከምዘለዋ ይግለጽ ኣሎ።

ትማሊ ሂወት ፕረሲደንትና ኣትሪፎም ዕድመኡ ከናውሑሉ ፍቐዶ ሕክምናታት ተኾሊሉ ናይ ንእሽቶ ኣካላትና መመሪጾ ም ክስኩዑሉ ዝጸንሑ መራሒ ሎሚ ብወለንታኡ ሂወቱ ክስርዛስ ኩንትራት ኣካላትናዶ ኣብቂዑ ወይስ ሓፋሽ ነቒሉ?

ኣብ ታሪኽ ዓለም ብዙሕ ምርጫታት ስንብታ ተራእዮም ኢዮም። ካብ ታሪኽ ጀርመን’ኳ ሂትለር ብናይ ባዕሉ ሽጉጥ ነብ ሱ ክምሕራ እንከሎ፡ ንበዓልቲ ቤቱ ድማ ባዕሉ ፈውሲ ነሲዑ ኣፋነዋ። ሄርማን ጉሪን’ውን ከምኡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝ ኣኽሎ ድሕሪ ምክርኻር ብከኒናኡ ከምተገላገለ ይትረኽ። ከምናይ ሳዳምን ቃዛፍን፡ ከም ናይ ያሲር ዓራፋትን ካልኦትን ዝኣመሰለ ትርኢት’ውን ክጥቀስ ይካኣል። ናይ ሃገርናኸ ከመይ ትጽበዩን ምስ ምንታይክ ይቑጸርን?

ዝረሳዕኩዎ ከይመስለኩም ሕልፈት መለስ። የግዳስ ብዛዕባ መንግስቱ ምዝራብ ይቐለልና። እቲ ደም ዝመልአ ጥራሙዝ ኣብ ሰጣሕ ጎልጎል እናሰበረ መሬት ብደም ዘጨቀወ ጓድ መንግስቱ፡ ከምቲ ኣባ ዝበሉዎ ሽጉጡ ክጥጥያ’ምበር ከምዝሃ ድም ዝጠርጠሮ ዳርጋ ኣይነበረን። ካብ ሃደመ ድማ እቶም ኣዝማዱ ዘይኮኑስ ወዮ ጀግናና ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ነበረ ቀተ ልቲ ሰዲዱ ክኽንብሎ ዝፈተነ። እንተኾነስ መንጌ ጎራሕ’ዩ ነይሩ። ዝኣመነሉ ዘበለ ገይሩ ክሳብ ሎሚ’ውን ደሴታት ሓንሽ ን ዳህላክን ናይ ኢቲዮጲያ ምዃነን ይካታዕ ኣሎ። ድሓር ድማ ኩሎም ደቁ ዶዃትር ኣብጺሕዎም ጓድ መንጌ።

መቸም “ዕዳጋስ ኣይከም ኣዴኻ ዝለኣኸትካን ከምዝጸንሓካ” እንድዩ፡ ዕድል ክቡር ፕረሲደንትናኸ ከመይ ይኸውን?

ከምታ ናይ ሂትለር ብጥይቱ ገይሩዶ ነዛ ርእሱ ክትርባዓ ይደፍር ይኸውን? ከምቲ ናይ እኒ ጉሪንዶ ንወዮ መድሃኒቱ ባዕ ሉ የስቱኻ ይኸውን? ከምዛ ናይእኒ ስዉእ ዓሊ ስዒድ ገለ ኣንጢቦም ዘስቱኹዎዶ ተወዲቦምሉ ይህልዉ? ከምታ ኢዱዶ ኣብ ሸላታት ባቖስ ተኾርምዩ ይኽርበሽ ይኸውን? ዶስ ከምዛ ናይ መንግስቱ ድሮ ገለ ናይ ስምምዕ ውዕል ፈሪሙ ይህሉ?

አእ፡ “ካብ ዝስዕብዎ ቀተልቲ ይስተሮ” ከይንብሎ’ሞ ኢዱ እንድያ!

ንምንታይ’ዮም ገለ ተቓለስቲ “ባዶነት ከይፍጠር” ብዝብል ምስምስ ህላወ ኢሳይያስ ክዕቅቡ ዝስምዑ? ክትብሉ ትኽእሉ ። ክሳብ’ውን ኣጻብዕቶም ናብ ወያነ እናወጣወጡ፡ ያኢ ድማ ንሃገርናስ ኢሳይያስ ጥራይ ከምዘድሕና ኣምሲሎም ክመሻ ኸኑስ፡ እምበርዶ ንሓዋሩኸ ከም ሃገር ርእስና ክኢልና ከምንመሓደር ይኣምኑ ትብሉዎም? ፍርህን ነብስኻ ዘይምእማንን ንርእሱ ናብ ጽጋዕተኛነትን በለጻዊ ተቓዋምነትን ከምዘምርሕ ብእዋኑ ክሓስቡሉ ነዘኻኽሮም።

“እወ ሓቅኹም ህግደፍ ኣይምደለናዮን፡ ግናስ ሓድነት ተቓለስቲ’ኮ የለን” ንዝብሉ ሰብ ጥሙር ኣእዳው እንተርኢኹም’ ውን፡ ሕብርታቶም ዝቐየሩ እንተቐየሩ ወይ ብርግጽ ህግደፍ ዝለኣኾም ተበለጽቲ፡ ወይድማ ብነብሶም ብፍርሂ ዝተጠላቐ ዩ ሰብ ረብሓ፡ ከምኡ ድማ ገበነኛታት ካብ ምዃን ዝጉልብቦም ምስሊ ክለብሱ ኣይክእሉን’ዮም’። እንተ ንሕና’ዞም ብህ ዝብና ነእዊ ዘለና ሰብ ኒሕ፡ ኪኖ’ቲ ንሳቶም ቁምነገር ከምዘይብሉ ከቆናጽብዎ ዝፍትኑ ሰልፊ ጀነቫ ዝሓልፍ ራኢ ከምዘለ ና እንተዝኣምኑ ሓቀኛ ርግኣትን ዕጥቂ ቃልስን ምወነኑ።

ልክዕ ጉዳይና ኣብ ጀነቫን ብሰላምን ዝውዳእ ኣይኮነን። ዘረባ ናይዞም ስኑፋት ገዲፍና ነቲ ንይምሰል “ጉዳይና ባዕልና” ዝ ብልዎ ባዶ በዳሂ ጭርሖኦም ተግበርቱ ንሕና’ዞም ኣብ ጀነቫ፡ ኢቲዮጲያ፡ ኢስራኤል፡ ኣመሪካ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ብሙሉ ኡ ዓለምን ዘለና ሃገራውያን፡ ምስቲ ናይ ውሽጢ ህዝብና ዄንና ናብ ድሕነት ሃገርና ከምነምርሕ ኣይንጠራጠርን።

ጥራይ ቁሩብ ጽንሕን ድሕሪኡ ንዝግበር ድማ ምድላዋት ምግባርን’ምበር ዝኸውንሲ ክኸውን’ዩ። እንተ ኣዴታት ህግደፍ ክንዲ ብወዲ ወርቂ ማህጸን ምጅሃር በዞም ዝጠፍኡ ዘለዉ ግዳያት ምንባዕ ምሓሸን። ብተወሳኺ ፈካሪ’ኮ ፈካሪ ጥራይ ኮይኑ ዝተርፈሉ እዋን ኣይውሑድን። ብዛዕባ ጅግና ወዲ ኣፎም ንዝመጸ ዘረባ ከኣ በረኻ ከይወጸስ ያኢ ከምቲ ሽፍትነት ዓይነ-ስዉር ዝበሃል ኣብ ዓዲሃሎኡ ብኹዱጩ ምሒር ርዝነት ዝህብ ያኢ ናይ ‘ፈጺሙ ከምዘይማረኽ’ ፕሮፖጋንዳ’ኳ እ ንተተፈስወልክን ትጽቢትክን መወዳእታኡ ከየሕፍረክንን፡ ምስ ዝተርፍ ከምትተርፋ መጠን ከኣ ምስ ዝመጽእን መታርፍ ትኽንን ምምስሳል ከይጽግመክንን ካብ ፈተውቲ ሓቂ ዝልገሰልክን ዘሎ ሰናይ ምዕዶ ምዃኑ ተገንዘባ ሓደራኽን።

“ኣደይ ኣደ ቁንጺ፡ ደመይ ከይራኣኺ ኣይትቕበጺ” ዝተባህለሉ ምኽንያት ስለዘሎ፡ ወዲ ኣፎም ጽባሕ ኣብገለ ሃገር ከምተ ደርገመ ከይትሰምዓ’ሞ መልሓስክን ከይትዓጽፋ ማለተይ ኢየ!

እንተ ሓፋሽ ህዝብና ኩሉ ሐሕማቑ ከምዘይደለዮ መጠን፡ ንሕማቕ ፋል’ውን ኣይምደለዮን። ግናስ ዘይፍታወና ክንሱ ም ርጫ ፖለቲከኛታትና ብምዃኑ ንዘይተርፈና ጋሻስ ኣጥቢቕና ክንስዕሞ እዋናዊ ፖለቲካዊ ጠለብ ሃገርና ምዃኑ ንኣምን!!!

ክደነና ፈጣሪ ኩላዓለም! ንሃገርና ድማ ምሓረልና!!!

ኣሜን፡

ጎደፋ፡

aseye.asena@gmail.com

Review overview
14 COMMENTS
  • ertra n ertrawyan July 1, 2016

    Issayas’s destination is Quatar, no comment.
    And the tigray people are well benefited by the independence of Eritrea rather than if Eritrea were colonized by Ethiopia. That’s why the TPLF signed for Eritreas independence in 1991. There fore those people who are afraid of Ethiopian reoccupation of Eritrean territory should not be confused. This will never happen again because of three reasons.
    1. Tigray people wants independent sister of Eritrea who can protect Tigreans after the fall of weyane and coming of Amharic oppression to Tigreans. This is based on cultural, traditional, lingual, geographical, historical, natural facts.
    2. Eritrea is a sovereign nation in which there is no any possibilities of colonizing it by external powers. This could be happen by the United nations protectorate.
    3. If there is any willingness of offending Eritrea, Eritrean people will never kneel down. This is the reality so work hard just to remove the evil Issayas and our people will start to live.

  • wedi shumbahri July 1, 2016

    Bravo! Godefa

  • Natnael July 4, 2016

    Dear Godefa,

    Thank you for your good article, but I would like to correct you that you never call the chief of the reigning regime in Eritrea Ato Isayas Afewerki ፕረሲደንት ኢሳይያስ ! Why the hell do you give him the title ፕረሲደንት? who gave him this legitimation at all ? Please do not call him as you did. May be you can call him the president of the Vagabundo/Mafia group/organisation. Nobody has elected him as he himself said it in Washington in 2011.

POST A COMMENT